ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ማለት ከም ሕዝቢ-ሓበሻ መጠን፣ ናይ ሞት መጸዋዕታ ክመጸና ከሎ፣ ምቕባሉ ዝኸብደና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲ “መርድእ” ዝበሃል ዜና ክመጽእ ከሎ፣ እቲ ክግበር ዝርአ ናይ ኣበኻኽያ ባህልና፣ መግለጺ ክርከበሉ ይኽእል`ዩ ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ሞት ኣብ ሕዝብና፣ ዳርጋ ከም መወዳእታ ዓለም ኮይኑ`ዩ ዝርአ እንተ-ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ልማድ`ዚ ከኣ ግዜ ክቕይሮ ዘይከኣለ፣ ዳርጋ ኣብ ደምና ከም-ዝተወሃሃደ ውርሻ ኮይኑ`ዩ፣ ኃቢሩና ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ።
ከም-ዝፍለጥ ሞት ክበሃል ከሎ፣ ዝፍቶ ሞት ስለ-ዘየሎ፣ ውጽኢት ሞት ኩሉ ግዜ ሓዘንን ብኽያትን እዩ። ዓይነት ሞት ግና ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ዘይንቡር ሞት ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ`ውን ስለ-ዘሎ`ዩ። ስለዚ ከኣ`ዩ “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይኣጽብ እም ኩሉ” ተባሂሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ “ሞትሲ ነቲ ዝመውት ግቡእ ሞት`ዩ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ሞት ግና ካብ ኩሉ ዜገርም`ዩ” ከም ምባል`ዩ ዜስምዕ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሞት መርድእ`ውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።
እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተገሊጹ ዝርከብ ዘሎ ቃል፣ ነቶም ኣብ ምጉሳይ ከብቲ ዝሓደሩ፣ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል`ዩ። ከመይሲ ንሳቶም እቶም ጓሶት፣ ምድሪ ደሓን ኣሎ ኢሎም ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ከውታ ለይቲ። ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም በርሀ፣ በቲ ኩነት ከኣ ኣዚዮም ፈርሁ። መልኣከ-እግዚኣብሔር ብሃንደበት ናብኣቶም መጺኡ ከኣ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን፣ ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ`ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ድማ ሎሚ መድኃኒ-ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ተባሂሉ`ዩ ዝተነግሮም። እቶም ጓሶት ግና ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ በቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ተሓቢሮም፣ ንቤተ-ልሔም ኣቢሎም ኣቕኒዖም`ዮም ዝኸዱ። (ሉቃ-2/6)
1. ትምህርቲ፥ ንውሉደ ክህነት
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ዓውዲ ፍልጠት፥ ቋንቋን ትምህርትን፥ ዓቃቢት ታሪኽን ቅርስን ኮይና ንዘመናት ዝጸንሐት ምዃና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምስ ምትእትታው ዘመናዊ ትምህርቲ ግን ብብዙሕ ምኽንያታት፥ ዘመን ዝጠልቦ ስጉሚ ኣይሰጎመትን። ውሉደ ክህነት ሕድሪ ኮይኑዎም ዓቕሞም ዘፍቅዶ ይገብሩ እኳ እንተሎዉ፥ ነዚ ኣብዚ ዘመን ዘሎ ሕዝብን ንኡስ ወለዶን ንምጉሳይ ዘብቕዕ ስልጠናን ሓገዝን ኣይረኸቡን። ንመበል ፪፩ (21) ክፍለ ዘመን ዘገልግሉ ብመንፈሳውነቶም ረዘንቲ፡ ሓዋርያውን ቀኖናውን ሰረቶም ዓምዪቕ፡ ዶግማ ቤተክርስትያን ኣጽርዮም ዝፈልጡ፡ ዝምድንኦምን ፍልልዮምን ምስ ካልኦት ናይ ክርስትያን ማሕበራት (ቤተ እምነታት) ብግቡእ ዝርድኡ፥ እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ኪህቡ ነቲ ሰፊሕን ዓምዩቕን ትምህርቲ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን (ስነ መልኮት)፥ ምስ ዘመናዊ ትምህርቲ ብምትእስሳር ብደንቢ ኪምሃርዎ፥ ነቲ ብስጋን መንፈስን ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ሕዝቦም ብብቕዓት ኪመርሑ፥ ጓሶትውን ጉስነት ይደልዩ እዮም። ትምህርትን ሃብታም ተሞክሮን ኣሓት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሳላ ተክኖሎጅን መርበብ ሓበሬታን፡ ኪምሃር ርእሱ ንዘዳለወ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ።
ጉስነት ንኡስ ወለዶን ብድሆታቱን - 2ይ ክፋል
1. ቤት ትምህርቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ኪኸውን ከሎ ስርዓተ ትምህርቲ (Curriculum) ግን ከመይ ዓይነት ወለዶ ኪፈሪ እዩ ዝድለ ዘሎ ተባሂሉ እዩ ብጥንቓቐ ዝቕረጽ።
ተሞክሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ናይ ሓበሻ ኣብያተ ክርስቲያናትን (ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብመንጽር ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
እቲ ሕግን ቀኖናን ብምትሕልላፍ፣ ኣብ 1998 ዓ/ም(2006) ብጸቕጢ ፖለቲካ፣ ተገይሩ ዝነበረ ፓትርያርክነት ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ንሶም ናይ ሰማይ መጸዋዕታ መጺኡዎም ድሕሪ ምሕላፎም፣ እቲ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንዕኦም ንምትካእ ተባሂሉ ዝኾነ ነገር ክግበር ኣይተራእየን። ከመይሲ እቲ ናቶም ሽመት ብሕዝቢ ተዋሕዶ ኮነ፣ ብማኅበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነት ስኢኑ፣ ከቢድ መንጸግትን ተነጽሎን ኣስዒቡ ስለ-ዝነበረ፣ ደፊሮም ክኣትዉዎ ይኽእሉ`ዮም ኢልካ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እዚ ኣርእስቲ`ዚ፣ ዝግደሰሉ ከም-ዝስኣነ ርሱዕ ኣጀንዳ ኮይኑ`ዩ፣ ተቐሚጡ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል።
ከም-ዝፍለጥ ኣብ ዋዜማ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኢና ንርከብ ዘሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ምሳና ክጎዓዝ ዝጸንሐ፣ 2013 ዓ/ም ዘመነ-ማቴዎስ ኣፋኒና፣ 2014 ዓ/ም ዘመነ-ማርቆስ ክንቕበል ማለት`ዩ። ነዚ ተኸቲሉ`ውን፣ ኣብቲ ክንቕበሎ ዘሎና ሓዲሽ-ዓመት፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተስፋን ትጽቢትን ክህልወና ከም-ዝኽእል፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ። ከመይሲ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ብምግባር`ዩ፣ ብተስፋ ዝነብር። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-እስመ በተስፋ ኀደረ ሥጋየ-” ክብል እንሰምዖ።
ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ፥ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ ሓቢሩና እዩ። ብዙሕ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ነዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ኣንበባን እንዳ ፈለጣን ከሎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ከንደልህጽ ዝርአ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ