መስቀል ክርስቶስ ብኽልተ ኣዕጻው ተሰሚራ ዝቖመት፡
በቶም ገፋዕቲ ቀያፋን ጲላጦስን ውዲት ዝተዳለወት:
ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝተቐበለት ንስቕለት
ኣብ ጉድጓድ ተቐቢራ ኣብ ልዕሊኣ መአከብ ጓሓፍ ዝኾነት
እዚ ቃላት`ዚ በዓለ-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያናትና ብጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ክበሃል ዝስማዕ ቃል`ዩ። ብርሃንን ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ በዓል ንክኸውን፣ ብምምናይ ወይ ተስፋ ብምግባር ዝበሃል ቃል ምዃኑ ከኣ፣ ከም ርዱእ ክውሰድ ዝከኣል `ዩ። ከመይሲ ካብ ብርሃንን ሰላምን ንላዕሊ፣ ዝምረጽ ካልእ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመሠረቱ`ውን ናይ ጎይታና ምምጻእ፣ ነታ ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብርሃን ንምዃን ከም-ዝነበረ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተነጊሩ ኣሎ። (ሉቃ-1/79)
ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ፥
ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ፥
እንቋዕነይ ኣብዙ ኣብጻሓኩመ
ኣበባሕቲ ወርኂ መስከረመ፥
ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኵላትኩመ
እትምነየልኩም ራህዋ ሰላመ
ቅሳነትወ ክርስቶሳዊ ሰላመ
ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ`ያ ትነብር-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)
ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፣ ቈልዑት ክልተ ዓይነት ወለዲ`ዮም ዘለዉዎም። ቀዳሞት እቶም ብኣካለ-ሥጋ ዝወልዱዎም ወለዲ ክኾኑ ከለዉ። ካብዚ ብምቕጻል ብኻልኣይ ደረጃ እትመጽእ ድማ፣ እታ ብጸጋ-ጥምቀት እትወልዶም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን`ያ። ንኣተዓባብያኦም ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም-ወለዲ ነናቶም ሓላፍነት ክህልዎም ግድን`ዩ። እዞም ዝተባህሉ ክልተ ወለዲ፣ ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ክሠርሑሉ እንተ-ዘይክኢሎም ግና፣ ኣብ መጻኢ ሕይወት እቶም ቈልዑ፣ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ።
ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።
ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።
እዚ ቃል ብሥራት`ዚ፣ ቅድሚ 2000-ሽሕ ዓመት ነቶም ከብቶም ሒዞም፣ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል`ዩ። ከመይሲ እቲ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ`ውን ክትወልድ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ-” ብምባል ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም`ዩ፣ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ክውለድ ዝኸኣለ። (ኢሳ-7/14)
ከም-ዝፍለጥ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት-ጉዕዞ፣ ምውራድን ምድያብን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ስለዚ`ውን ሓደ ሰብ ኮነ ሓደ ሕዝቢ፣ ብፈተና ተፈቲኑ ዘይሓልፍ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብቲ ክግበር ዝኽእል ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ብፈተና ዘይፍተን ሕይወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ግና፣ ኩሉ`ዩ ምባል ዘኽይድ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቶም ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእና ዘለዎም ኩሎም፣ ነቲ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ብዓወት ስዒሮሞ ክወጹ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ እቶም ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘጋጥሞም ድማ፣ ብፈተና ተረቲዖም ክወድቁ፣ ክተርፈሎም ዘይክእል ዕዳ`ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና`ዩ እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ