ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተካእቲ ኣብ ምፍራይ ዓሊሙ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣገልግሎት ተስፋ ዝህብ ፍረ ይህብ ኣሎ። ህጻናትን መንእሰያትን፡ ከምቲ ብሂል “ናይ ሎሚ ዕንባባ ናይ ጽባሕ ፍረ” ስለዝኾኑ ተባሃግቲ እዮም። ካብ ዕምባባ ናብ ፍረ ዘሰጋግር መድረኽ ግን ቀሊል ኣይኮነን። ከምቲ
ሓረስታይ ንተኽሊ ተኸናኺኑ ደኺሙ ፍሬኡ ዝሓፍስ፡ ንህጻናትን መንእሰያትን ከኣ መሪሕን ኣርኣያን ብምዃን ክትምልምሎምን ኣብ ፍረ ከተብጽሖምን ዓብዩ ትዕግስትን ከቢድ ጻዕርን ይሓተት። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ “ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምሉእ ሕይወቱ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።” ምሳሌ 22፡6፤ ንሕጻናትን መንእሰያትን ካብ ብቓል ብግብሪ ከተሳልዮም ዝያዳ ውጽኢት ኣሎዎ። ብፍላይ መንእሰይ መንጣሊኡ ብዙሕ ስለዝኾነ ፍሉይ ቆላሕታ የድልዮ። እቶም ናይ ዘመንና ኃዋርያ ዓብዪ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ፡ ንገዛእ ርእሶም ካብ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ስለዝፈረዩ መሓዛ መንእሰያት ተባሂሉ ዝንገረሎም ኣቦ፡ ፓትርያርክ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን፡ ፖፕ ሽኖዳ ሣልሳይ፡ ኣብ ሓደ ጉባኤ “መንእሰይ ዘይብላ ቤተክርስትያን ተስፋ ዘይብላ ቤተክርስትያን እያ” ኪብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ሓደ መንእሰይ ብድድ ኢሉ ኸኣ “ቤተክርስትያን ዘይብሉ መንእሰይ ከኣ ተስፋ ዘይብሉ መንእሰይ እዩ” ኪብል ነቲ ሓሳብ ምልኣት ሃቦ።
እዚ ብግብሪ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ኪፍጸም እንርእዮ ሓቂ እዩ። ብዓይኒ መኽሰብ ጥራይ ዝርእይ በለጸኛ ነጋዳይ፡ ብዓይኒ ስልጣኖም ጥራይ ዝምልከቱ ዘይፍትሓውያን ሰበ ስልጣናትን ፖለቲከኛታትን፡ ንዝናን ሆይሆይታን ሕልንኦም ዝሸጡ ስምዒታውያን ሰባትን፡ … ከምዚኦም ዝኣመሰሉን ኩሎም መንእሰያት ንምኽሳብ ለይትን ቀትርን ዚቃለሱ ንረብሖኦም እዮም። ጥቕሞም ክሳብ ዘይጎደሎም ከኣ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል መንእሰይ ኣይጭነቑን። ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ህይወት፡ ጉልበትን ሓንጎልን ሚልዮናት መንእሰያት ባኺኑ ተርፉ’ዩ፤ ገናውን ይባኽን ኣሎ። ከምቲ “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ኸኣ ከይቀረበ ከሎ፡ ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” መክብብ 12፡1። ተባሂሉ ዝተገልጸ፡ እግዚኣብሔርን ቤተክርስትያንን ንመንእሰይ ዝጽዎዕዎን ዘናድይዎን ንመኽሰብ ኣይኮነን። ሕይወት መንእሰይ ብዘይ እግዚኣብሔር ከንቱ ምዃኑ ስለዝርድኡ ጥራሕ ኣዩ። ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝተጎድአ ሰብ ከምቲ ኣብ መጀመርያኡ ትኽ ኢሉ ንኽዓቢ ክንክን ዝጎደሎ ተኽሊ ኪምሰል ይኽእል። መንእሰይ እቲ ዝበዝሐን ኣፍራይን ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ቤተክርስትያን ንእግዚኣብሔር ዘገልግሉ ሕሩያት፡ ብፈሪሃ እግዚኣብሔርን ብኃይማኖትን እንዳነበሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ተዋፊሮም ንህዝቦም ሃገሮምን ብቕንዕናን ዘገልግሉ ጥዑያት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ዓብዪ ግደ ኣሎዋ።
ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 40 - 50 ዓመታት ንመንእሰያት ደቃ ክትእክብ ዝገብረቶ ጻዕሪ ኣዕጋቢ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ብዙሓት እቶም ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘሎዎም ይሰማምዕሉ። እቲ ጠንቂ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ፡ ኪጥቀሱ ዚኽእሉ ጎሊሖም ዝርኣዩ ጉድለታት ግን ኣሎዉ። ቀዳማይ እቶም ዝበዝሑ መራሕቲ ቤተክርስትያን እምነት ንምሕላው ግዴኦም ዝፈጸሙ እኳ እንተኾኑ፡ ንሓድሽ ወለዶ ብብቕዓት ንምምራሕ ዘኽእሎም ትምህርቲ ይኹን ሞያ ስለዘይረኸቡ ምስ መንእሰያት ኪሰርሑ ይኸብዶም እዩ። ገለ ሓላፍነት ዘይስምዖም ውሑዳት ከኣ ንመንእሰይ ከሳድዱ ዝተዓጥቁ ምንባሮምን ምህላዎምን ብኣሉታ ኪዝከር ዝነብር ታሪኽ እዩ። ብኣንጻር እዞም ዝተጠቕሱ፡ ቀጻልነት ቤተክርስትያን ተተካኢ ወለዶ ብምፍራይ ጥራይ ከምዝረጋገጽ ዝተረድኡ ውሑዳት ፍሉይ ምስትውዓል ዝነበሮምን ዘለዎምን ኣቦታት ካህናትን ምእመናንን ከምዘይተሳእኑን እንተኾነ ኣብ ክንዲ’ቲ ጽቡቕ ግብሮም ማእሰርትን ዘይተኣደነ ጸለመን መከራን ከምዝተፈደዩን፡ ገናውን ይቕበሉ ከምዘሎውን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ሊስታ እዚ ብቐዳማይ ዝስርዑ እቶም ኣብ ዘመነይ ንመንእሰያት ብብቕዓት ዝምህሩ መማህራን ኪምድብ እምበር ፋሕ ከብሎም ፍቓደኛ ኣይኮንኩን ብምባል ኣብ ክንዲ ሞጎስ መከራ ዝቕበሉ ዘሎዉ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ኣብ እስሪ ቤት ዝርከቡ ምሁራት ካህናትን ይርከብዎም። እብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና ዝነብረ መግዛእትታትን ሎሚ ኣብ ሃገርና ወዲቑ ዘሎ ኣደራዕን ንቤተክርስትያን ነጻ ኮይና ደቃ ክትናቢ ዓብዪ ዕንቅፋት ምንባሩን ምህላዉን ንኹሉ ብሩህ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ከምተሳእነ፡ ውሉደ ክህነት ኣገዲድካ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምእታው፡ ካብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዝነቅል ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፤ ስምብራቱ ንመጻኢ ወለዶ’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ኣቐዲሙ ንቕዱስ ፓትርያርክ ኣሊኻ ኣብ ገዝኦም ምቕያድ፡ ነቶም ዓገብ ኪብሉ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ምሁራትን ሊቃውንትን ምእሳርን ምብራርን ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ንቤተክርስትያንን ኣገልገልታን ኣብቲ ትሕቲ ቁጽጽርካ ምእታው ምዃኑ ብግብሪ ይርኣይ ኣሎ።
ብዛዕባ ዝምድና ቤተክርስትያንን መንእሰያትን ኪልዓል ከሎ፡ ድኻም ቤተክህነት ጥራይ ምልዓል ቅኑዕ ኣይኮነን። ከም ካልኣይ ነጥቢ ክዝረበሉ ዝግባእ ነቶም ዝበዝሑ መንእሰያት ዝምልከት ጉዳይውን ኣሎ። መንእሰያት ነታ ጥንታዊትን ኃዋርያዊትን ቤተክርስትያኖም ኪፈልጥዋ ዚገበርዎ ጻዕሪ ድሩት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ንእዋናዊ ድኻም ቤተክርስትያንን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡን ተገንዚቦም ተቓሊሶም መንነቶም ከመስክሩ፤ ተዓጻጺፎም ንድኻም ኣቦታቶም ጸይሮም ንትንሣኤ ቤተክርስትያኖም ኪሰርሑ ኣይበቕዑን። መብዛሕትኦም ዝሓሸ ዘመናዊ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ክነሶም፡ ብኹራን ኣርሒቕካ ብዘይምሕሳብን ኣብ ዘይመውደቒኦም ዝወድቁ ደቂ ቤተክርስትያን ማእለያ የብሎምን። ኣብቲ ዝተዘርዎዎ ዕጋበት ስኢኖም ፍረ ዘይብሉ ጣዕሳ ዝመልኦ ህይወት ከሕልፉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ። እዋናዊ ድኻም ቤተክርስትያንን ስንኩፍ ኣካይዳ መንእሰያትን በዝቢዘን ኣሉታዊ ግደ ዝተጻወታ ሚስዮናውያን ምንባረንን ምህላወንን ምጥቃስ ከኣ ግቡእ እዩ።
ሃገረ ስብከት እምበኣር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸን ካልእን ህሉው ኩነታት ሰፊሕ ገምጋም ድሕሪ ምግባር፡ ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ እዩ ንጉዳይ መንእሰያት ብመጽናዕትን ጸሎትን ዝተሰነየ ውጥንን ኣገባብ ኣተገባብራኡን ዝሰርዐ። ከም ኣካል ናይዚ ውጥን’ዚ ብቐዳምነት ዝተገብረ ዓቕሚ ውሉደ ክህነት ምምዕባል እዩ። ከምቲ ንኣደ ምስትምሃር ንብምሉኡ ቤተሰብ ምስትምሃር እዩ ዝብሃል፤ ጉልበት ናይቶም ኣዕንተ-እግዚኣብሔር ዝኾኑ ኣቦታት ካህናት ምድልዳል ንብምሉኡ ምእመናንን መንእሰያትን ዝጠቕም ዓብዪ መኽሰብ ዚርከቦ መንፈሳዊ ወፍሪ እዩ። እቶም ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዝጸገቡ ኣቦታት ንርእሶም ከም ተመሃሮ ቆጺሮም ምስ ናይ 21 ክፍለ ዘመን ምእመናንን መንእሰያትን ከጓዕዞም ዘኽእል ተወሳኺ ትምህርትን ፍልጠትን ንምድላብ ንርእሶም ቁሩባት ምግባሮም ብኣብነት ዝግለጽ ዓብዪ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ እዩ። ከምቲ ብሂል ሰብ ምምሃር ዘቛርጽ ምስ ዝመውት ጥራይ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ካብ ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ዝተቐስመ ተሞክሮን ትምህርትን ኣዝዩ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ንኣብነት ዝኣክል፡ ኣብ ቅ. ኣትናቴዎስ ገዳም ብቐጻሊ ንዝውሃብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ቀዳማይ ዲግሪ ናይ ስነ-መለኮት ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘሎዉ ውሉደ ክህነት፤ ን13 ዓመታት ተኻየደን ዝቕጽል ዘሎን ኮንፈረንሳት፤ ሰሚናራትን ዎርክሾብን ኣብ ኣገልግሎት ሃገረ ስብከት ዓይነታዊ ለውጢ ኣምጺኦም እዮም እንተተባህለ ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይከውንን።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኣተዓባብያን ባህርን ኣብ ስደት ዝፈርዩ ዘሎዉ መንእሰያት ተረዲእካ፡ ክብደት ናይቲ ከም ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ዘጋጥሞም ፈተናታት ብምምዛን፡ ምስኡ ዝመጣጠን ጉስነት ምስራዕ እዩ። ንኣብነት ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከት ዘሎዋ ኣብያተ ክርስትያናን ካብ ዝፍጸም ዘሎ ኣብነታዊ ዕዮ እዚ ዝስዕብ ኪጥቀስ ይክኣል። ህጻናትን መንእሰያትን ማዕረ ወለዶም መደብ ወጺእሎም እዮም ዝጓሰዩ ዘሎዉ። ጎድኒ ጎድኒ እቲ ቛንቛ ትግርኛ ንምምሃር ዝግበር ጻዕሪ፡ በቲ ናይቲ ዝዓብይሉ ዘሎዉ ሃገር ቛንቛ ተጠቒምካ፡ ካብ ስርዓተ ቅዳሴ ክሳብ በብደረጅኡ ዝተዳለወ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ኣብ ዕብየት መንእሰያት ዓብዪ እጃም ኣበርኪቱ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕሪ፡ ብዙሓት ካብ ቤተክርስትያን ርሒቖም ዘሎዉ ቤተሰብ ንደቖም ቛንቛ ትግርኛ እኳ ኪምህሩዎም ኣብ ዝተጸገምሉ ከቢድ ናብራ ስደት፡ ልብሰ-መዘምራን ለቢሶም፡ ንኽልተ ሰለስተ ሰዓታት፡ ብስርዓትን ብጽሞናን ቆይሞም ተሰጥዖ ኪቕበሉ፡ ኣብቲ ዝተዳለወሎም ግዜ ብቛንቛታት ግእዝ፡ ትግርኛን እንግሊዘኛን ንኣምላኾም ኪዝምሩን ኪውድሱን ምርኣይ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ። ደቅና ብኃይማኖትን ስነ-ምግባርን ሃብቲሞም፡ ኣብ ትምህርቶም ይኹን ኣብ ዝተዋፈርሉ ሞያ ዕዉታት ኒኺኾኑ ዘኽእሎም ደገፍ ካብ ቤተክርስትያን ይረኽቡ ስለዘሎዉ ንወለዶም ይኹን ንኹሉ ቅኑዕ ዜጋ ዘሐብን እዩ።
ብሳልሳይ ደረጃ ሃገረስብከት ኣብ ንመንእሰያት ፍሉይ ኣድህቦ ሂቡ ዝሰርዖ መደብ፡ ካብቲ ንእስታት 13 ዓመታት ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ጉባኤ ብዝተፈልየ፡ ርእሱ ዝኽኣለ ፍሉይ ናይ መንእሰያት ዓመታዊ ጉባኤታት ምግባር እዩ። ራብዓይ ዓመቱ ኣቕጺሩን ገና ሓኒኑ ዝቕጽል ዘሎ መደብ፡ ምሉእ ደገፍ ናይ ውሉደ ክህነትን ወለድን ዝተሓወሶን፡ ብፍሉይ ተበግሶ እቶም ኣብዚ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ዝካየድ እዩ። እዚ ንኣስታት 4-5 መዓልትታት ብሕት ኣብ ዝበለ ዩኒቨርሲታት ዝካየድ ፍሉይ ጉባኤታት (Youth Retreat) ተስፋ ዝህብ ፍረ ኪርከቦ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኣብ ዝተመርጸ ግዜ ኣብ ክልተ ቦታታት፡ ሓደ ዝትሕዝቶኡ ኮንፈረንስ ኣብ ርእሲ’ቲ ኃይማኖታዊ ትምህርቲ፡ ንጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሞያን ካልእ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣርእስትታት ዝሽፍን ኮይኑ መንእሰያት ብነጻነት ዝዋስእሉ መድረኽ እዩ። ከም ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ብሓደ ሸነኽ፡ ከም ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ኣብዚ ምዕቡል ዓለም ዘጋጥም ጽልዋታት፡ ብድሆታትን መፍትሒኡን ብዕምቆት ብመልክዕ ዘተ (Panel discussion) ዝዝተየሉ መድረኽ ብምዃኑ መንእሰያት ብዓብዪ ሃንቀውታ እዮም ዝጽበይዎን ዝሳተፍዎን። ኣብዚ ዝሓለፈ ፍርቂ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ቤተክርስትያን ከይተፈትሐ ዝጸንሐ ዓብዪ ኣሻቓሊ ጉዳይ መፍትሒ ዝኸውን ተመክሮ ተቐሲሙ ኣሎ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ቀንዲ ምስጢር ዓወት ናይዚ ድሮ ተስፋ ዝህብ ፍረ ኪሕፈሶ ጀሚሩ ዘሎ ዓብዪ መደብ፡ ውሉደ ክህነት ከኣ ተወፍዮም ዝጽዕርሉ፡ ምእመናን ብምሉእ ልቢ (ኣሽሓት ገንዘብ እንዳውጽኡን ብኣካል እንዳተሳተፉን) ዝድግፍዎ፡ መንእሰያት ድማ ወነንቲ ናይቲ መድረኽ ንኪኾኑ ነጻነት ስለዝረኸቡ እዩ። ጽኑዕ ሰረት ስለዘሎዎ ኣብ ትንሣኤ ቤተክርስትያን ዚህልዎ ግደ ቀሊል ኣይኮነን።
ሃገረ ስብከት ኣብ መንእሰያትን ህጻናትን ኣድሂቡ ብዝዓዮ ዘሎ መደብ፡ ብትምህርቶምን ሞዮኦምን ናብ ዝልዓለ ደረጃ ዝጉዓዙ ዘሎዉ መንእሰያት ክሳብ ናብ ማዕርገ ድዩቁና በቒዖም ንኣምላኾምን ህዝቦምን ከገልግሉ ምርኣይ፡ ነዛ ብኸቢድ ፈተና ትሳቐ ዘላ ቤተክርስትያንና ዓብዪ ዜና እዩ። በቲ ዝመልክዎ ቛንቛ ንመሳትኦም ኪበጽሕዎም ከቢድ ኣይኮነን። ብእምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ንሓድሽ ወለዶ ዝመርሑ ናይ ጽባሕ ካህናት ኪፈርዩ ብምጅማሮም፡ ነታ ንዘመናት ብዋሕዲ ምሁራት-ውሉደ ክህነት ክትሳቐ ዝጸንሐትን፡ ከም ውጽኢቱ ሎሚ ብዓል ግዜ ዝዕንድረላ ዋና ዝሰኣነት ቤተክርስትያንና፡ ዓብዪ ደበስ እዩ። እዚ መደብ’ዚ ብኸምዚ ዘሎዎ እንተቐጺሉ ቤተክርስትያንና ኣብ ኢድ ፖለቲከኛታት ኣትያ ሓርነታን ኣንፈታን ኣጥፊኣ እትሳቐየሉ ኩነታት ከብቕዕን፡ ምስ መሳትኣ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ብማዕረ ደው እትብለሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኪኸውንን እዩ። እዚ ብዙሕ ረብሓ ዘሎዎ መደብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለን ህይወት ብዙሓት መንእሰያት እንዳለወጠን ምእንቲ ኪኸይድ ብጸሎትን ዘድሊ ዘበለን ክንድግፎ ናይ ኩላትና ብዛዕባ ጽባሕ እንሓስብ ደቂ ቤተክርስትያን ዕማም ኪኸውን ይግብኦ።
እግዚኣብሔር ይደግፈና!
ተመሃሮ ስነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ”
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ