ናብ ኣቶ ኣማኒኤል ሳህለ፡ ጸሓፊ ሓንቲ ዓለም፡ መራኸቢ ብዙሃን ትማልን ሎምን:
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍካ፡ ኣብ ክርስትና ወይ ኣብ እስልምና እምነት ከም ዘየብልካ፡ ዕሉል ኣረሜናዊ ከም
ዝኰንካ ኣብ ሳይንስ ከም እትኣምን ጽሑፍካ ብረድዮ ክንበብ ሰሚዔ። ብርግጽ ሓደ ሰብ ንዝደለዮ ከምልኽ ወይ ዘይከምልኽ ምሉእ መሰል ከም ዘሎዎ እኣምን። ከምኡ ስለ ዝኣምን ድማ መሰልካ የኽብረልካ። ንስኻውን መሰል ካልኦት ከተኽብር እጽበየካ። ደጋጊምካ፡ “ፖለቲካ ውዳሰ ማርያም” “ፖለቲካ ተኣምረ ጻድቃን” እናበልካ ንእምነት እንዳማትካ ምንሻውን ምንእኣስን ንእምነት ክርስትና ናብ ፖለቲካ ክትልውጦ ምሕሳብ፡ ንኣረሜናዊ ትምህርትካ ክትምህር ምፍታን ድዩ ወይስ ካልእ መመሰሊ ስለ ዝሰኣንካ ኢካ፧
እምነት ክርስትና ብኸምዚ ከማኻ ዝኣመሰሉ ዕሉላት ኣረሜናውያን ከምዘይዕንቀፍ ግና ክስወጠካ ይግባእ።
ብዝዀነ እዚ ዘንጣሊ ዝዀነ ኣቀራርባኻ ክትእረመሉ እምዕደካ።
ብሥጋ ሓውካ ብእምነት ግና ተቓራኒኻ
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ