ዝፈታሕካዮ ኣብ ሰማይ ፉቱሕ ክኸውን እዩ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ድማ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ። ክብሎ ክንዕዘቦ ከለና ”ኣብ ወንጌል ማቴ፡ 18፡18 ድማ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ፡ኣብ ምድሪ ዝኣሰርከምዎ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ድማ ኣብ ሰማይ ፉቱሕ ኪኸውን ኢዩ። ብምባል ነቦታትና ሃዋርያት ትእዛዝ ክህቦም ነስተውዕል። እንተኾነ እዚ ንሃዋርያት ዝተዋህበ ትእዛዝ ቀዳሞት ገደማውያን ኣቦታትን መነኮሳትን፡ ብሓፈሻ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣኽቢሮሞ እኳ እንተ ሓለፉ፡ ሎሚ ግን ዝተፈላለዩ ናይ ዘበንና ቀይደበተኽ ኣገልገልቲ ገለ ጳጳሳትን ካህናትን ድያቆናትን ነዚ ምእሳርን ምፍታሕን ናይ ክርቶስ ስልጣን ፡ከም ድላዮም ክጠማዝዝዎ ክትሪኢ ከለኻ ማለት፡ ን ባዕሎም ን ሰብ ኣውጊዘካ ኣለኹ እናበሉ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተገብረ ውግዘት ግን ሸለል ኢሎም ኽጥሕስዎ ።ንውግዘት ረጊጾም ክጓዓዙ ክትርኢ ከለኻ መራሕቲ በቴ/ክርስትያን ኢና ኢሎም ክዛረቡ ክትሰምዕ ክሳዕ ክንደይ ግዲ ኢና ጠፊእናን ዓሽናን ዘለና ትብል።እዞም ንቀኖና ቤተ/ክርስትያን ዘይኣምኑ ሰባት፡ካብቲ ዘገርም ነገር ምእሳርን ምፍታሕን ዘይኣምኑ ተኾይኖም ስለምንታይ እዮም ንሕና ክህነት ኣለና ዝብሉ?፡ ከመይ ገይሮምከ የቅሩቡ፡ ካህናት ክኾኑ ስልጣን ዝሃቦምሲ ፓትሪያርክዶ ኣይኮነን፡ኣብ ሓንቲ ቤተ/ክርስትያን ዝርከብ ፓትሪያርክ ከምቲ ኣብ ቲቶ፡1፡5 ኢልዎ ዘሎ ኣብ ዓዓዱ ኤጲስቆጶሳት ፡ ከምቲ ኣብ ጢሞ2ይ፡2፡1። ዘሎ ድማ ክምህሩ ዝካኣሎም መሪጹ ይሸይም ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ክነብሩ ከለዉ ኸኣ የውግዝ።ክህብን ክወስድን ካብ ኣምላኽ ሙሉእ ስልጣን ኣለዎ።እቲ ምእሳርን ምፍታሕን ምስጢሩ እንበኣር እዚ እዩ።እቲ ዝሃበካ እሱ እውን ከሕድገካ ይኽእል። ሎም ግን ቤተ/ክርስትያን መኣዝና ሲሒታ ትርከብ ቃል ኣምላኽ ባህ ክብለካ ከሎ ትጥቀመሉ ጽልእ ክብለካ ከሎ ኸኣ ረጊጽካዮ ትኸይድ ኮይኑ እምነት ኣለኒ ክትብል ዘስግእ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ኣቦታትካ ዘቆምዎ ደረት ኣይተዝብል ይብል ምሳ፡22፡28ቅዱሳን ኣቦታት ነዊሕ ዘይሰግሮ ሓዚር ኣይሓልፎ ሕጊ ቤተ/ክርስትያን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ሓንጺ22፡28።ጾምልና ሓሊፎም ግን እቲ ቅዱሳን ኣቦታት ዘውጽእዎ ሎሚ ሓግሒጎም ከፍርስዎን ነዚ ንዝተ ቃወሙ ሽሞም ኣብ ምጽላም ክዋፈሩን ክትዕዘብ ጥበብ ብደቃ ጸደቀት ዝብል ቃልት ትዝክር። እዚ ምጥሓስ ሕጊ እንተ ሪኢና ኣብታ ከባቢ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣለዋ እትበሃል ቤተ/ክርስትያን ተዋህዶ እዩ ተኻይዱ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያን ጳጳሳት ንመጀመርታ ዕልዋ መንበረ ፓትሪያርክ ኣካይዶም ን ፓትሪያርክ ኣብ ገዛ ኣብ ማሕዩር ብምእታው፡ እቲ ብምንባር የእዳው ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ዝመሓላለፍ ስልጣን ፓትሪያርክ ከም ኣብ ቤተ/መንግስቲ ዓለም ዝግበር ብ ኮረነላት ተኣዚዞም ፓትሪያርክ ክመርጹ ክትሰምዕ ከላኻ ትግረም ነቲ 2000 ዓመታት ዝገበር ሕጊ ተዋህዶ በይኖም ቀይሮሞ ኣብ ዘይ ይወጽዎ ዉግዘት ድማ ኣትዮም። እዚ ህዝብና ኣበይ ከይፈልጦ ተባሂሉ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ተገብረ ድራማን ዕልወትን ከመይ ኢሎም እዮም ንኣምላኽን ንህዝቡን ኒዒቆም ገይሮሞ ንኽትኣምኖ የጸግመካ።እዞም ፓትሪያርክ ከይትመርጹ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣውጊዘ ኣለኹ ዝተባህሉ ጉጅለ ጳጳሳት፡ ከምዚ ህጂ እቲ ጉዳይ ፈሺልዎም ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ከም ዝካዓቡ ገይሩ ኣዋሪድዎም ዘሎ ዝኸውን ኣይመስሎምን ኢዩ ነይሩ።ግን ሓቂ ወጺኣ ዕራቆም ናብ ጎደን ወጺኡ ሎሚ ኣማንን ዘይኣማንን በዚ ክዛረብ ይውዕል ኣሎ።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮሓ፡14፡ 21 ንሃዋርያት ዝበሎም ተነይሩ እቲ ንትእዛዘይ ዝሕሉ እዩ ዘፍቅረኒ እዩ ዝብል ነይሩ።ኣምላኽ ድማ ዝሃቦ ትእዛዝ ካብቲ ሓደ ንመራሕትኹም ተኣዘዙ እዩ ዝብል ነይሩ።እሞኸ ንመራሒኻ ዘይምኽባር ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስ ደይኮነን።እዞም ንስልጣን ኣምላኽ ዝነዓቁ 2ይጰጥሮስ፡2፡10።እዚ ናይ ሰብ ሕጊ እዩ ፡ሰብ ክኣስርን ክፈትሕን ስልጣን የብሉን፡ኢሎም ዝዛረቡ ሰባት እምበኣር፡ ንሕና ዘይኮናስ ቃል ኣምላኽ እዩ ዝምጉቶም ዘሎ፡ኣብ ገላ1፡8-9።ኣብ ታሪኽ ቤተ/ክርስትያን ተንቢብና ኣቦታትና ቁዱሳን ሃወርያት ንሰብ ብውግዘት ይፈልይዎ ከም ዝነበሩ ክንዕዘብ ንኽእል፡ቡዙሓት ዓላውያን ተወጊዞም፡ኣርዮስ፡ንስጥሮስ ወዘተ።ግን እዚኦም ምስ ተወገዙ ዝሰዓቦም የለን።ሎሚ ግን ሰኣን ምፍላጥ ድዩ ዋላስ ብሻራ፡ዋላስ እንድዒ እዚ ኢልካ እካ መደምደምታ ክትህበሉ የጸግመካ ህዝብና ደድሕሪ ተወገዙ ጳጳሳት ክስዕብን ምስ ተወገዙ ካህናትን ድያቆናትን ኣብ ጸሎታት ክሳተፍን ዓይንና ዚሪኦ እዝናና ዝሰምዖ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።ንስጥሮስ ምስ ተወገዘ ዝሰዓቦ ኣይነበረን ስለምንታይ ደኣ ሕራይ እቶም ኣብ ሃገር ዘለዉስ ፈርሑ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉኸ ምስ ሞት ኪዳን ዝኣትዉ ዘለዉ።ተወገዘ ጳጳስ መስቀል ከሳልም ኣብ ኤረትራ ጥራሕ ተራእዩ፡ተወገዘ ካህን ኣብ ኤረትራ ጥራሕ ክቅድስ ተራእዩ፡ሃገርና ብዓላውያን ሽማ ኣብ ዓለም ሙሉእ ከፊኡ ብሰንኪ ንሰጣን ምግዛእ ዝመረጹ መኽበርቲ ስጋኦም።
ኣብ መዝ፡1፡1 እንተርኢና ብጹእ ዝበሃልሲ ምኽሪ ኩፉኣት ሰባት ዘይሰምዕ፡ ኣብ መንበር መላገጽቲ ዘይቅመጥ፡ኣብ ኣኼባ መልላገጽቲ ድማ ዘይጽንበር ደይኮነን ዝብሎ እሞ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ቡጹእ ተባሂሉ እንጽዉዖ፡ግን ከምቲ ኣብ መዝ፡2፡1-2 ተጻሒፉ ዘሎ ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ከንቱ ዝሓስቡ ህዝብታትውን ከንቱ ምኽሪ ዚኣልሙ ፡ነገስታት ምድሪ ድማ ይትንሱኡ፡መሳፍንቲ ከኣ ምስኦም ሓቢሮም ኣብ፡እግዜኣብሄርን ኣብቲ ፡እሱ ዝሓረዮ ኑጉስን ዝትንስኡ ክፋእ ይኣልሙ ኣለዉ ዝበሎ፡ ነገስታትትን ህዝብታትን መሳፍንተምን ነቲ ቅቡእ ኣምላኽ ኣብ ምውቃዕ ተሳማሞዖም ፡ከምቲ ሄሮደስን ጲላጦስን ዘይሳማምዑ ነሮምክንሰምሲ ኣብ ምስቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓበሩ ሕብረት ንምዕናው ሃይማኖት ተዋህዶ ኣብ ዕጹው ገዛ ተኻይዱ፡ከምቲ ዩሁዳ ን ጎይተኡ ብገንዘብ ዝሸጦ ነቲ ኣምሳል ክርስቶስ ምኻኑ ዝዛረበሉ ኣብ ቅዱስ መጽሃፍ ፓትሪያርክ ፡ምእንቲ ሽመትን ምእንቲ ገንዘብን ረብሓን ተሸይጡ ኣየ ጎይታስ እንታይ ኮን ይብል ይህሉ ኣየ ኣብዚ ዝወዓላ ነፍሳት ተዘይ ይፍጠራ ምሓሸን ፡እዚ ኹሉ መዋእልካ ኣብ ቤተ/ክርስትያንሲ መዋዳእታ ካብ ምኽሪ ኣምላኽ ምውጻእ።
ቅዱስ ኣግናጢዎስ ምጡው ለኣንበሳ ናብ ኤፈሶን 3፡5 ኣብ ዝጸሓፎ ካብ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ንበይኖም ተነጺሎም ካብ ዝቆሙ ረሓቅ ብምባል ከጠንቅቆ ከሎ ንዕዘብ፡ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ዝበሃል እንታይ እዩ ተልና፡እታ ብምንባር የእዳው ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ እትመሓላለፍ መልእኽቲ ወይ ኣገልግሎት ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ናብ ሃወርያት ግብ2፡1-4።ካብ ሃወርያት ናብ ትሕቲኦም ዝነበኡን ዘለዉን ድማ ብምንባር የእዳው 2ይጢሞ፡1፡6።2ይጢሞ2፡2። ንጳንጠ ዘጠመቅዎ ዘይንቅበሉ ተደኣ ሃልዩ ካብቲ ሓደ ሰንሰለታዊ መገዲ ውርሻ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ስለ ዘይክተሉ እዩ ስለ ዘይብሎም እዞም ሎሚ ነዚ ዕላዋ ዝገበሩ እውን እንበኣር ካብዚ ሰንሰለት ሃዋርያዊ ኣገልግሎት እዚ ዉጹኣት እዮም ኣባ ደስቆሮስ ፉጹም ጳጳስ ኣይኮኑን ማለት ብሰንሰልለታዊ ምንባር የእዳው ስለ ዘይመጹ።ኣብ እዚ ዘለናዮ ግዜ እንታይ ገደሰና ብዝብል ስቅ ዝብሉ መማህራን ኢና ዝብሉ ሰዓብቶም እውን ኣለዉ ግን ነዚኦም ምቅጻዕቲ ኣለዎም።ሓደ ግዜ ንጉስ ዖዝያን ዘይግበኦ ክገብር ናብ ቤተ/እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰዉኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ብምእታው ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።ካህን ኣዘርያን ምስኡ ካልኦት ተባዓት ካህናትን እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪ ንጉስ ዖዝያን ኣተወ ።ንሳቶም ንንጉስ ዖዝያን ተቃወሙዎ ፡ኦ ንጉስ ዖዝያን ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዓጥኑ ዝተቀደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እንበር ናትካ ኣይኮነን ።በዲልካ ፡እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይከኽብረካን እዩ እሞ፡ካብ ቤት/መቅደስ ዉጻእ በልዎ፡ ዖዝያን ኮረየ፡ነታ ዝዓጥነላ ሒዝዋ ዝነበረ ጽንሓ ድማ ሒዝዋ ነበረ።2ይ ዜን መዋእል ኣብ ምዕራፍ 26ጥቅሲ16ክሳዕ20 ።ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ብሓጺሩ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝበደለ ኑጉስ ጥራሕ ዘይኮነ ተቀጺዑስ እንኮላይ እቲ እናረኣየ ስቅ ኢሉ ዘጥቀጠ ኢስያስ እንበር፡ኑጉስ ዖዝያን ብለምጺ ክቅጻዕ ከሎ ነቢይ ኢስያስ ድማ ኣምላኽ ነታ ከይዛረበላ ስቅ ዝበላ ኣፉ ነታ ከይምስክረላ ማለት ሕጊ ኣምላኽ ስሮኣት ኣምላኽ ኣይተፍርስ ኢሉ ክምስክረላ ዝግባእ መልሓሱ እሞ ዝዓጸዋ እንበር ብልምጺ ተቀጺዓ ኢሳ፡6፡1።ስለምንታ እንተ ኢልና ክካተዕ ዝግበኦ ስቅ ስለዝበለ።ናይ ሎሚ ስቅ ኢሎም ዘለዉ ካህናትን መማህራንን እንበኣር እታ መኦኣልቲ ክጽዓት ክትፍጸም ከላ ካብ ቁጠዐ ኣምላኽ ከምዘየመልጡ ክፈልጡ ይግባእ ንሕና እውን ነዚ ፈሪሕና ኢና ኣሰር እቶም ተባኦኣት ካህናት ብምስዓብ ነቶም ኣነ ፓትሪያርክ ኢየ ኢሎም ኣብ እታ ቅድስቲ መበር ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ፓትሪያርክ ንቃወሞም ዘለና እዚ መንበር ኣዚ ናይቶም ብምንባር የእዳው ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ንተሸሙ እንበር ኖኣኹምሲ ኣይግባእን ንብሎም ዘለና፡ ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ጉዳይ ቤተ/ክርስትያን ኢዶም ዘእትዉ ኣይስራሕኩምን ንብሎም ዘለና፡ እንበኣር ገሊእናስ ሓደ መኦኣልቲ ክንቅጻዕ ኢና።
ኣብ መጽሓ ጋንጋራ ወዮ ተዋህዶ ስለ ዘይኮኑን ንኸምስሉ ደኣ ይብሉ ኣለዉ እንበር ንናይ ተዋህዶ ስለዘይ ቅበሉን እንበር እንታይ ይብል ኢመስለኩም መጽሃፍ ጋንጋራ 325፡ቀኖና 3 ዝኾነ ጳጳስ ብፓትሪያርክ ወይ ፓትሪያርክ ብዝመርሖ ጉባኤ ኣስተውዕል ካብ ኣገልግሎት ተተኣዚዙ ነቲ ዉሳኔ ሲዒሩ ተገልጊለ ዉጉዝ ይኹን። ናብ መዓርጉ ናይ ምምላስ መሰል እውን የብሉን ይብል። ኣቡነ ደስቆሮስ እንበኣር እትገብርዎ ዘለኹም ደው ኣብልዎ ተባሂሎም ስለዘየቋረጽዎ ኣንኳንዶ ንተዋህዶ ክመርሕዋ ማለት ብመዓርገ ጵጵስና ከገልግሉስ ናብቲ ነበርዎ ማለት ታራ ጳጳስ እውን ከምዘይግበኦም እዩ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዝዛረብ ዘሎ፡እሞ ምስ መንደኣልና ንሓብር ዘለና ።ኣብ ቀኖና 17 ተተኦኣዚብና ድማ ዝኾነ ካህን ወይ ጳጳስ ፡ነቲ ዝሸሞ ጳጳስ ወይ ፓትሪያርክ ኒዒቁ ብገዛእ ስልጣኑ ናቱ ምምሕዳር ዝምስርት ነቲ ዝተዋህቦ ዝሓደገ እዩ እሞ ክሳብ ናብ ፓትሪያርኩ ወይ ጳጳሱ ዝምለስ ይከልከል ይብል ።ሎሚ ነቶም ባዕሎም ኣቡነ እንጠንዮስ ቀቢኦሞም ከብቅዑ ብንዕቀት ድማ ኣብ ምምስራት ሓድሽ ምምሕዳር መንበረ ፓትሪያርክ ዝተሳተፉ ጳጳሳት ክሳዕ ናብ እግሪ ኣቦኦም ዝምለሱ እንበኣር ኣብ ትሕቲ ዉግዘት ከም ዘለዉ ምፍላጥ ይግባእ።ስለምንታይ ግን ካብ ሂዌትሲ ንሞት ስለምናታይ ስምረት ንመርገም ስለምታይ ከ ውግእ ኣንጻር ኣምላኽ ዘገርም እዩ ኣምላኽ ተናዒቁ ሰብ ተፈሪሑ ቃል ኣምላኽ ነቲ ንስጋን ንነፍስን ኣብ ጋሃንም ከእቱ ዝካኣሎ ደኣ ፍርህዎ እንበር ነቶም ንስጋ ምስ ቀተሉ ካብኡ ንላዕሊ ክገብሩ ዘይካኣሉ ግን ኣይትፍሕዎም እናበለስ ነፍስና ነጥፍእ፡ሂወት ክንረክብ ደይ ኮናን ንጓዓዝ ንሻራ ድዩ።
ኣብ መጽሓፍ ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 5፡172-185 ድማ ፡ን ብሓይሊ፡ብተንኮል፡ ብ ኣድማ፡ብህያብ፡ብገዛእትን ሰበስልጣን ዓለምን ተሓጊዙ ኣብ ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ዝመጸ ሊቀ ጳጳስ (ፓትሪያርክ) ካብ መዓርገ ስልጣኑ ይሰዓር ንሱን ሰዓብቱን ድማ ካብ ቤተ-ክርስትያን ይፈለ፡ ብኣኻትኩም ድማ ከም ኣረመን ይኹን ምስኡ ካብ ምርኻብ ረሓቁ ኣነ ጵጥሮስ ን ስምኦን ጠንቃሊ ከም ዘርሓቅክዎ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝፈለኽዎን ይፈለ ይብል።ነዚ ስለ ዝብል ኢና እንበአኣር ሎሚ ምስ ማሕበር ኣረሚ ኣይንጽንበርን ንብል ዘለና ነፍሲ ወከፍ ድማ ብማኦኣቶም ከይጠፍእ ዉጹን ተፈለዩ ርኹስ ኣይትተንኩዩን ከም ዝበሎ ቃል ኣምላኽ ዓው ኢልና፡ብመዓቶም ከይንጠፋ ንርሓቅ ንብል ዘለና ማለትካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ስለ ዝበልፅ ንሰብ ፈሪሕካ ንሓቂ ክትዓብጦ እውን ኣምላኽ ስለባህ ዘይብሎግብ4፡19-20።ሎሚ እዚ ተታዛሪብካ እታ ዘላቶም ብጣዕሚ ጠፊኦም ከምዘለዉ ኸኣ ተሪአካ ክንዲ ዝንስሑ ሽም ናይቶም ነዚ ዝቃወሙ ተባዓት ካህናት ምጽላም ዩ ተጠንቀቁ ካህን ክስቶ ድያቆን ክስቶ ከምዚ እዩ ንቃል ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ኣዚኣ ምስባኽ እዩ ዝቀሎም ማለት ንቃል ኣምላኽ ማዕሮ ክንደይ ከም ዝጸልኦም ኣምላኽ ስለዝፈልጡ ቡዙሕ ኣይጸቅጡላን ኣበይ ከም ዘለዉ ስለዝፈልጡ። ኣቦታትና ቅዱሳን ሃወርያት ኣብታ ናይሃቅን ዓንድን ቤተ/ክርስትያን ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንነብር ከም ዝግበኣና ክንፈልጥ ጺሒፎምልና እዮም 1ይ ጢሞ3፡15።ካብ ናይ ኣቦታትና ኣይንውጻእ ኢና ንብል ዘለና እንበኣር ኣቦታትካ ዘቆምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ ምሳ22፡28። እሞ ነዞም ከም ስኒ ብድሕሪት ዝበቀሉ ዓላውያን ዶንስዓብሲ ዋላ ነቶም ናይ ቀደም ቅዱሳን ኣቦታት እቲ ምርጫ ናይ ነፍሲ ወከፍና እዩ ወይ ምስ ማሕበር ኣርዮስ ንቅድሚት ወይ ምስ ማሕበር 318 ሩቱኣነ ሃይማኖት ንቅድሚት ክልተኡ ሒዝካ ምጉዓዝ ግን ፍጹም ዘይካል እዩ መጽሓፍ ኣውን ክለተ ዝደሊሲ ሃንቲ ኣይረክብን እዩ ዝብል።ረኣይዎም እቶም በኣድማን ብሻራን ብገዛእቲ ሰበስልታን መንግስቲ ተሓጊዞም ዝመጹ ጳጳስ ንሕና ዘይኮናስ ኣምላኽ ባዕሉ ደዊ ኢሉ ዝቃወሞም ዘሎ።ታኣምረ ማርያም እውን ዝብሎተልዪ ካብ ዉጉዝ ዝርከብ በረኸት መርገም ጥራሕ እዩ፡ ብሓቂ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እውን ኣብ ሰማይ ስለህዝባ ትበኪ ከም ዘላ ፍሉጥ እዩ ከመይከ ዘይትበኪ ህዝባ እንበር እንበር እዩ ካብ ሃዋርያዊ ሰንሰለት ዝጸድፍ ዘሎ፡ኣምላኽ እውን ኣደና ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ንህዝብና ብዝርደኦይዛረቦ ኣሎ፡ካም ኣብነት ድማ ነዚ ክዓብጥዎ ዘይካኣሉ ኣብ ማእከል ቤተ/ክርስትያን ተገብረ ካብ ስእሊ ኣታ ወላዲት ኣምላኽ ዝውሕዝ ዝነበረ ዓለም ሙሉእ ተዓዘቦ ታኣምር እዩ’ዋላኳ እቶም ደቆ መዛሙርቲ ዓለውያን ክዓብጥዎ እንተፈተኑ እን እቲ ናገር ኣብቲ ለሚኖም ዝጥቀሙሉ ቤተ።ክርስትያን ብምኻኑ ክዕበጥ ፈጺምካ ኣይተኻእለን፡ ዘገርም እዩ እታ ደርቅ ስእሊ እቶም ብተወገዘ ፓትሪያርክ ኤረትራ ዝምርሑ ጉጅለ ክጽልዩ ከለዉ ጥራሕ ትበኪ እቶም ናይ ግሪኽ ቤተ/ክርስትያን ክጽልዩ ከለዉኻኣ ደው ተብሎ እቲ ዝፈስስ ድማ ደም ኢኻ ትርኢ እዚ ባዕለይ ዝራኽዎ እዩ፡ ስለምንታይ ደኣሞ ካብ ስእሊ ኣደና ደም ወሓዘ ብሓቂ ኣብ ቤተክርስትያን ኤረትራ ዝግበር ዘሎ ግህሰት ሕግን ዝግበር ዘሎ ንህዝባ ምትላልን ስለ ትሪኦ ዘላ ነዚ ምስኪን ህዝቢ፡ ተወጊዞም ከለዉ ክንዲ ምሕረት ዝልሙኑ ካብ ዉግዘት ዝወጽ ዘይግባእ ከቅርቡ ዘይግበኦም የቅርቡ ስለዘለዉ፡ከጠምቁ ዘይግበኦም ንህዝቢ ናይ ሓሶት ጥምቀት የወፍዩሉ ስለዘለዉ ክቅድሱ ዘይግባእ ይቅድሱ ስለዘልለዉ፡ቃል ኪዳን ከእስሩ ዘይግበኦም ናይ ሓሶት ቃል ኪዳን የወፍዩሉ ስለዘለዉ እንበር ከምቲ ኣምሎም ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ነቲ ትእምርቲ መታን ከይሃብእዎ ድማ ኣብ ማእከል ናይ ጋና ቤተ/ክርስትያን ወጺኡ ዓለም ሙሉእ ሪእዎ ናይ ግሪኽ ካህን እውን እዚ ብሰንኪ እቶም ኣብ ኤረትራ ተገይሩ ዘሎ እዩ ኮይኑ ኢሉ፡ናብ ቦተኦም ክምለሱ ድማ ሚዒዱ ኣቱም ሰብ እንታይ ስለዝኾነ ደኣልና ደኣሞ ንጽበ ኣምላኽ ብስእሊ ከይተራፈ ይዛረብ ኣሎ ነዞም ነዚ ዝምስክሩ ዘለዉ ካህናት ስብ ምስማዕ ስለ ዘኣበዮም ኣተን ኣብቲ ቤተ/ክርስትያን ዝሳለማ ምስ ተሃተታ ዝበለኦ ተልዩ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ከም ዝጀመረትን ስቅ ክብላ ግን ከም ተነግረንን ስቅ ከም ዝበላን ብድሕሪኡ ግን እቶም ሩስያውያን ከም ዝረኣይዋን ናብ ቅልዓት ከም ዝወጸን ይዛረባ ።ብ ሓቂ ኣብ ቤተ/ክርስትያን ቡዙሕ ተኣምር ከም ዝግበርን ግን ንህዝቢ ፈሪሖም ከምቲ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝገብርዎ ንኹሉ ሓቂ ከም ዝዓብጥዎን ይርደኣካ።ሎሚ ግን ሓቂ ባዕላ ትምጉቶም ኣላ ንመፍረስቲ ሕጊ ህዝቢ እውን ብዝርደኦ ቋንቋ ኣምላኽ ይዛረቦ ኣሎ ኣብያ ሰሚዕ ተቀጺሉ ግን ዘሎ ህጂ እውን መቅጻዕቲ ኣምላኽ እዩ።
ኣብ መልእኹ ሃወርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ሮሜ13፡11 እንተ ሪኢና እንበኣር ዝብሎ ተሎ፡ነቲ ግዜ ክንፈልጦ ይነግረና ኣበይ በጺሑ ኣሎ።ዋላ እቶም ኣገልገልቲ ሰጣን ንርእሶም ኣገገልቲ ጽድቂ ተምሰሉ ክንግረም ፍጹም ኣይግባእን መወዳእተኦም ከም ግብሮም ስለዝኾነ 2ይ ቆረ 11፡15 ዘሕዝነካ ግን እሶም ገይሮሞ ኢሉ ዝገብሮን ዝስዕቦምን ቀሊል ኣይኮነንን ካሊእ እውን መማህራኖም ካብ ዝምህርዎ ገለ ተዋህዶ ዘይተኣምነሉን ቀደም ዘውገዘቶን፡ባህርታት ክኽተሉ ጀሚሮም ምህላዎም ከቢድ ነገር እዩ።ከምቲ ኣብ ህዝ33፡7-9። ህጂ ኸኣ ኣታወዲ ሰብ ኣብ ቤት/እስራኤል ሓላዊ ክትከውን ሸይመካ ኣለኹ፡ ንስኻ ኻኣ ነተን ዝብለካ ቃላት ሰሚዕካ ኣብ ክንዳይ ኮንካ ኣጠንቅቆም ከም ዝበሎ።ኣብ ቤት/ኣምላኽ ኣብ ተዋህዶ ሓለዊ ኮይና ከም ተሸምና መጠን ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኮይና ደድሕሪ ኣዞም ተወገዙ ጳጳሳትን ካህናትን ከይትስዕቡ ነጠንቅቅ ኣለና ።መንግስቲ ሰማያት ናይ ስሚዒት ኣይኮነን ናይ ሻራ ኣይኮነንን፡ኣብ ቃል ኣምላኽ ነቲ ሓጥእ ተኒጊርካዮ ተሰመዐካ ግርም ተዘይ ሰምዓካ ግን ደሙ ካብ ኢዱ ክደልዮ ኢየ።ተዘይ ነጊርካዮሞ ኣብ ጋሃንም ተአኣተወ ከኣ ደሙ ካብ ኢድካ ክደልዮ ኢየ ከም ዝበለ ቃል ኣምላኽ፡ ነፍሲ ወከፍ ብደሙ ተሓታቲ መታን ክኸውን ሎሚ ልክዕ ክንነግር ሰዓቱ ዝጠልቦ ሃዋርያዊ ጉቡእና እዩ።ሓደ ጊዜ ኩላትና ኣብ ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ኢና ሮሜ 14፡12 ሽዑ ግን ነዚ ቃልዚ ኣይሰማዕናዮን እንብል ሰባትሲ ክንህሉዶ ንከውን ግን ሽዑ ባዕሉ እዚ ሎሚ እናሰማዕናዮን እናረኣናዮን ስቅ ኢልና ንኸይድ ዘለና ቃል ባዕሉ መስኪሩ ባዕሉ ክፈርደናዩ።ግናኸ ናይ ብሓቂ እቶም ኣባጊዖም ፈንዮም ዝሃድሙ ዘይጠቅሙ ጓሶት ወይለኦም ዘካ11፡17።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ሓደ ኣቦ ሓደ ገዛ ክፈርስ ይሪኡ እሞ በዚ ክፅነቁ ከለዉ ነኢ ኣብ ኤርምያስ7፡14 ዘሎ ጥቅሲ ተዋሂብዎም ከምዚ ዝብል ስለዚ ኸኣ ነዛ ብስመይ ዝተሰምየት ትውክልትኹም ዝኾነት ቤት፡እወ ነዛ ንኣኻ ትኩም፡ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ስፍራ፡ከምቲ ኣብ ሲሎ ዝገበርክዋ ክገብራ እየ። ዝብል ቃል ተዘሪቡዎም።ኣብ ሲሎ እንታይ ረኺባ ቤተ/እግዜኣብሄር ተልና ብሰሪ እከይ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ ማሕደሩ ክሓድጋ ከሎ ንዕዘብ እዚ ቃልዚ ከምዚ ህጂ ዓገብ ገርናዮ ዘለና ኣብ ቤት ኣምላኽ ስለዝገበሩ ኤርምያስ ኣብ ቤተ/መቅደስ ዝሰበኾ ኢዩ።ሎሚ ንዓና እውን ብሰንኪ ሓጢኣትና ኣምላኽ ሃኢጉና ከም ዘሎ ብራኢ ተገሊጹ ኣሎ።ግን ከምቲ ን ኤርምያስ ነጊርካዮም ኣይሰምዑካን እዮም እንተጸዋዕካዮም ከኣ ኣይሙሉሱልካን እዮም፡ ንድምጺ እግዚኣብሄር ዘይሰምዑ ተግሳጽ ከኣ ዘይቅበሉ ህዝቡ ምካኖም ክትነግሮም ኢኻ ይብል።ብሓቂ ኸኣ ሎሚ ከምቲ ን ኤርምያስ ነዚ ቃልዚ ተነገሮም ክቀትልዎ ዝብሉ ነበሩ ሎሚ ዝኾነ ከተንብቦሎ ዝደልዮ ኣማኒ ሎሚ ዉዳሴ ከንቱ እዩ ኣቱም ቅዱሳን ህጂ ክትኣትዉ ኢኹም መንግስቲ ሰማይ ጥራሕ እንበር ኣበይ ኣለና ነፍስና ንፍለጥ ንዝብል መምህር ብዘይካ ከምታ ንኤርምያስ ዝብልዎ ነበሩ ተዘኮይኑ ዝሰምዕ የለን ትንቢት ንኽፍጸም ሎሚ ቤተ/ክርስትያን ነዚ ተዘይ ሰሚዓ ኣምንላኽ ክሓድጋ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ቃል ኣምላኽ ብዙሓት ዓለውቲ እዮም ሓሊፎም ን ሎሚ ከም ኣብነት ንትቀመሎም ኣብ ዘሁ16፡31-33 ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባርነት ግብጺ ወጺኦም ናብ ከንኣን እናኸዱ ከለዉ ፡ከምዚ ህጂ ገለ ጳጳሳት ኣብ ልዕሊ ኣቦኦም ፓትሪያርክ ተላዒሎሞ ዘለዉ ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ ከምዚ ናይዞም ህጂ ጳጳሳት መራሕቲ ህዝቢ ዝኾኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦኦም ዝኾነ ሙሴ፡ ዳታንን፡ኣቤሮንን፡ቆራሕን ምሳታቶም ድማ ክልተ ሚኢትን ሓሙሳን ሽማሙቲ ዝኾኑ ብህዝቦም ሱሙያት ዝኾኑ ነቲ ኣቦኦም ዝኾነ ሙሴ ተላዕልዎ፡ እንብዛ ኣብዚሕኩሞብምባል ድማ ሓለይቲ ኣቲ ማሕበር ብምምሳል ን ሙሴ ክእለ ተዛረብዎ ሙሴ ከምዚ ህጂ ቅዱስ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንይሶ ብማዓቶም ከይንጠፍእ ካብ ዞም ዉጉዛት ጳጳሳት ርሓቁ ዝበልዎ፡ሙሴ እውን ካብ ኣኼባ ዶታንን ቆራሕን ኣቤሮንን ክርሕቅ እዩ ነቲ ህዝቢ ተላብዩዎ፡ ግን ናቲ ሽዑ ዝነበረ ህዝቢ ኣምላኽ ዘረባ ኣቡኡ ሙሴ ሸለል ኣይበለን ካብቶም ዓላውያን ረሓቁ ደኣ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣቦኦም ሙሴ ዝተላዕሉ ግን መሬት ተጨዲዳ ደበየቶም፡ምናልባሽኣምላኽ ንዓና ዝጽበየና ዘሎ ድማ ክሳዕ እዚ ቃልዚ ኣብ እዝኒ ኩላትና ዝበጽሕ ደኾን ይኸውን፡ እሞኸ ህዝቢ እስራኤል ዘረባ መራሒኦም ስለዝሰምዑ ዲሒኖም ንሕናኸ ዘረባ ኣቦና ብዘይምስማዕናስ መቅጻዕትና እንታይኮን ይኸውን።ምናልባሽ ንገለ ለዋሃት እዚ ኩሉ ህዝቢ ኣምላኽ ክኸስሮ ኢልና ንሓስብ ንኸውን ዋላ ኩላ ዓለም እውን እንተኾነት ንኣምላኽ ዘገድሶ ሕጉ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን እዩ ኣምላኽ ከኣ ምርጫ ሂቡና እዩ።
እንበኣር ሎሚ ንቁጽሪ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ቡዙሕ ዝኸውን ትእዛዙ ምስ ንፍጽም ጥራሕ እዩ ብንስሓ ምስ ንመጾ እዩ፡ትእዛዙ ንዘይሕልዉ ግን ዋላ ዓለም ሙሉእ ትኹን ሒደት እዩ እቲ ቁጽሪ ስለዚ ኩቡር ሓው/ሓፍቲ ከምቲ ኣብ እብራውያን ኢልዎ ዘሎ ሎሚ ድምጹ እንተሰማዕኩም ልቡኽLኡም ኣይተትርሩ ተባህለ ሎሚ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕካ ልብካ ተትረርካ ንዓኻ/ንዓኺ/ እዩ ዝገደኩም።ሎሚ ግን ኩላትና በታ ወልድ ዋህድ ኢላ ተኣምን እንኽተል ብኣማላጅነት እግዝእትነ ማርያም እነኣምን ደቂ ዓዶም ንቁዱሳን ከምቲ ኣብ እብ4፡1 ኢልዎ ዘሎ ምናልባሽ ናብታ ዕረፍቲ ከይነኣቱ ካባና ድሕሪት ተሪፉ ዘሎ ከይህሉ ንጠንቀቅ ምኽንራቱ እቲ ጹሑፍ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ከይህሉ ተጠንቀቁ እዩ ዝብለና፡ ብ ሓደ ካህን ወይ ጳጳስ ሽሕ እግረኛ ይጠፍእ ከም ተባህለ ኣየግን ክንደይዝኸውን ህዝቡ እዩ ንዓኣቶም ሪኡ ዝጠፍእ ዘሎ ኣየ ንሓቂ ክድምስሳ ላዕልን ታሕትን ዝብላ ዘለዋ መሃውር ጎይታ ክዓጽደን እዩ፡ ኣየ ሓሶት ንምዝርጋሕ ዝጽሕፋ ዘለዋ የእዳው ጺሊኡለን ጎይታና ከቅርየን እዩ፡ ኣየ ሓሶት ንምንዛሕ ወልወል ዝብላ ዘለዋ መላሕስ ጎይታ ጎጥጒጡ ከውጸአኣን እዩ፡ኣየ ነዚ ዝመሃዘ የእምሮ ክንደይ ጸሊኡሉ ብሓቂ ግን ከምቲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዝበሎ ናይ ሽዑ ኣውያትን ናይሽዑ ብኽያትን ናይ ሽዑ ንብዓትን ረብሕኡ እንታይ እዩ ሽዑሲ ባዕሉኳ ፈጣሪ እቶም ፉጡራቱ ኢዱ ዝፈጠረቶም ናብ ጥፍኣት ኪኸዱ ምስ ረኣየ ምእንቲ ፍጡራት ኪነብዕ እዩ ይብል፡ ሎሚ ኣብ ንሂወትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ነእትወሉ ነግር እንበኣር ፉጹምክህሉ ኣይግባእን እንታይ ደኣ ኣብ ከባቢና ብምሕታት ደድሕሪ እቶም ብመሳልል ቤተ/ክርስትያን ተመሪሖም ዝጋዓዙ ዘለዉ ፡ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ወብጹእ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝምእከሉን ሓቲትና ኽንማላለስን ነዞም ን ተውህዶ ክቅይርዋ ላሕ ዝብሉ ዘለዉ ክንጽየፎምን ዝወለድናዮም ኣብኡ ካብ ምቅራብ፡ቃል ኪዳን ኣብኦም ካብ ምእሳር፡ንዝመቱ ድማ ኣብኦም ካብ ምፍታሕ፡ኣብ ዝሰርዕዎ ቅዳሴ ካብ ምቅራብ ክንቁጠብን ክንክልከልን ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ይጽወዓና ኣሎ።
እግዚኣብሄር ሃይማኖትናን ማሕደርናን ይባርኽ
ደቂቀ እንጠንዮስ ኣውረጳ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ