S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቀንዲ መልእኽትን ዕላማን እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ነቶም ብሰንኪ እዚ ኣረሜናዊ ፍጻሜ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም ርኢኹምን ሰሚዕኩምን፡ ሃጽ ኢልኩም ዝጠፋእኩም መንእሰያት ይኹነለይ። ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሰፊሮም፣ ብኣባ

ሉቃስን ካልኦትን ዝዋፈሩ በጋሚዶ ዘይስምኩም እናሃቡ ብዘይካ ጸርፍን መርገምን፣ ቃላት በረከትን ቅድስናን ዘይርከቦም ማኅበር-በጋሚዶ ተባሪርኩም ዝወጻእኩም መንእሰያት፡ ንዑ ናብ ቤትኩምን ተመለሱ እብለኩም። እዚ ጸዋዒት'ዚ፣ ቃል ብሥራትን ተስፋን ክኾነልኩም ድማ ተስፋይ እዩ።


ኣብ 2000 ዓም ኣብ ውሻጠ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓደ ዓቢ በደል ተፈጺሙ። ቅድሚ ሕጂ ብዝኾነ ዓይነት ፍጻሜ ከምዚ ታሪኽ ስለ ዘይተፈጸመ ኣብ ዓለም ካልኣይ የብሉን ኢልካ ጥራይ ኢኻ ክትሓልፎ ትኽእል። ከመይሲ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ቅድሚ ሕጂ ይትረፍ ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ለባዊ ሰብ፡ እቲ ጸረ ኣምላኽ ዝበሃል ሰይጣን ዘይበሎን ዘይፈጸሞን፡ ንምዝራቡን ንምድጋሙን ዘሕፍርን ዘጸይፍን ፍጻሜ እዩ። ካብቲ ሒደት ግንከ ኣዝዩ ዘሰምብድ ፍጻሜታት ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ እዚ ዝስዕብ ነገራት ንመልከት።


16 ታሕሳስ 2000 (7 ታሕሳስ 1992 ግእዝ) ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ዕዳጋ ሓሙስ እቲ ሕያው ቃል ኣምላኽና መጽሓፍ ቅዱሳት ብሓዊ ዝተቃጸለሉ ዕለት እዩ።

30 ታሕሳስ 2000 (21 ታሕሳስ 1992) ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ እንዳ ሥላሴ ዝወረደ ዕንወት፡ ልዕሊ 1,000 መጽሓፍ ቅዱሳት፡ ግእዝ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ስእሊ ክርስቶስ፡ ናይ መዝሙር መዘመሪ ንብረት፡ ከም ዘለዎ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ምእመን ብሓዊ ተቓጺሉ።

7 ጥሪ 2001 (29 ታሕሳስ 1992) ልደት ለይቲ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ዑደት ጸልማት ተኸዲኖም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ኮንዶም ክድርብዩ ብምክትታል ኣባላት እቲ ቤተ ክርስቲያን ተታሒዞም ንፖሊስ ተረከቡ።

ኣብ 2005 ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዛወሩ ኣባ ሉቃስ ዝተባህሉ ጳጳስ፡ ነዚ ዝስዕብ መግለጺ ሂቦምእቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴን፡ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ዝተቓጸለ መጽሓፍ ቅዱሳት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንብሎን ኢና መጽሓፍ ርኩስ እዩ።ክብሉ መዲሮም።

ኣብ 2005 እቶም ብዮፍታሀ ዝምርሑ ጳጳሳት ተዋህዶ፣ ንብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ዝጸሓፍዎ ክሲ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ጽሒፎም፣ነቶም መናፍቓን ብምዃኖምን ካልእ መንግስቲ ዝኣሰሮም ሰባትን፡ መንግስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኪፈትሖም ምሕረት ስለ ዝለመንኩም ውጉዝ ተግባር ፈጺምኩም" ይብል። እዚ እኩይ ደብዳቤ እዚ፣ ብዮፍታሀ ዝተነድፈ እንትርፎ ክልተ ኩሎም ጳጳሳት ዝፈረምሉ ክሲ እዩ።

ዝተቓጸለ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርኢ ስእሊ፣ ምንጪ፣ ጋዜጣ መቓልሕ፣ ታሕሳስ 2000 ሳልሳይ ዓመት ቁጽሪ 1

እቶም ሃንደስቲ ዝኾኑ ገበርቲ-እከይ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝፈጸምዎ ኣረሜናዊ ተግባር፡ ከም ሓደ ጅግንነት ዝፈጸሙ እዮም ዝምክሑሉ። ወረ ካብቲ ዘገርምሲ፡ ኣመንቲ ኢና በሃልቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓዋርያት ክርስቶስ ኢና፡ ጳጳሳት ኢና ኢሎም ኣብ ኢዶም መስቀል ኣብ ርእሶም ቆቢዕ ገይሮም ይዛወሩ እዮም።

 

መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ ቅድስናኡን እዚ ኩሉ ርኹስ ተግባርን እንታይ ይብል?

ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ከም ዝኾነ ምእማንካ ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይርዕዱን እዮም።ያዕ.219

ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ንትምህርቲ፡ ንተግሣጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።”2 ጢሞ.316

ቅድሚ ኩሉ ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢት፡ ሓደ ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኪትርጉሞ ከም ዘይክእል ፍለጡ፡ ከመይ ትንቢት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ዝተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” 2ጴጥ.120

ኣብ ትንቢት ኤርምያስ 36 20-32 ዘሎ ከም ዘመልክቶ ንጉሥ ኢዮኣቂም፡ መጽሓፍ ትንቢት ኤርምያስ ሓዊ ምስ ኣንደዶ፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህቦ መቕጻዕቲ ከምዚ ይብል።ኢዮኣቂም ንጉሥ ይሁዳ ኣነ እግዚኣብሔር ስማዕ። ካብ ዘርእኻ ሓደ እኳ ኣብ ዝፋንንካ ዚቕመጥ ኣይክርከብን እዩ፡ ረይሳኻ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር ለይቲ ድማ ኣብ ቁሪ ኪድርበ እዩ። ንኣኻን ንዘርእኻን ንመሳፍንትኻን፡ ብሰሪ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ።ዚብል ይርከቦ፡ ኢየሩሳሌም ድማ እቲ መዓት ወረዳ (ኤር.3630)

እቲ ሓቂ ግን መጽሓፍ ቅዱስ እንኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን መምርሒ ጽሑፍ እዩ። እዚ ርኹስ ፍጻሜ' ድማ ግብሪ-ሰይጣን ምዃኑ ምልላዩ ግቡእ እዩ። ዲያቆን ሙሉጌታ ወልደገብርኤል እተባህለ ኢትዮጵያዊ ምሁር፡ማኅበረ ቅዱሳን ወይስ ማኅበረ ሰይጣን።ኣብ ዚብል መጽሓፉ፡ እዚ ግብሪ-ዲያብሎስ እዚ ብጉልባብ እምነት ኣቐዲሙ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተፈጸ ገሊጹ ኣሎ።


እቶም ብጉልባብ እምነት ዝንቀሳቐሱ በጋሚዶ ፖለቲካዊ ጸግዕን ወገንነትን ብምዝውታር ገለ ካብቲ ዝጥቀምሉ ሜላታት ድማ፣ ስም ሰብ ብምጽላም፡ "መናፍቅ፣ ተሃድሶ" ዝብሉ እዮም። ሎሚ እዚ ስምዚ ከይለግቦ፡ ከም ሰገን ርእሱ ኣብ ሑጻ ዝቐበረ ሰብ ብዙሕ እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ካብ ምስ እዚኦም ምንባር ኣብ ካልእ ሃይማኖታት ምጽጋዕ ይሓይሽ ኢሉ ዝሃደመውን ብዙሕ እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን እነሆ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ ይሰደኩም ኣሎኹ እዩ ኢሉና። ጸለመን ስም ምጥፋእን ፈሪህና ካብ እምነትና ንሕባእ እንተ ኮይንና ግን።እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝተኣመነኒ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ክእመኖ እየ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ክኽሕዶ እየዝበሎ ቃል ኣባና ክፍጸም'ዩ።


ኣብቲ የለና ኣብዚ የለና ኢልካ ርእስኻ ምሕባእውን ፍታሕ ኣይኮነን፡ ከመይሲ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስእቲ ምሳይ ኮይኑ ዘይእክብ ይዘሩ።ክብል ነጊሩና እዩ። ካብ ኣፍ ተዃሉ ፈሪህና እምነትና ምድርባይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ የሕትተና እዩ።


ኩለን ሃይማኖታት ነናተን መምርሒን እምነትን ኣለወን። ኣብ ዝሓለፈ 11 መስከረም 2010 pastor Terry Jones ኣብ ኅቡራት ኣሜሪካ ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ መጽሓፍ ቁርዓን ሓዊ ከንድድ እየ ኢሉ ምስ ኣወጀ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ምስልምና፡ ንቅዱስ መጽሓፎም ብሓዊ ከይነድድ ብትብዓት ደው ኢሎም ከም ዝመከቱን፡ ሕይወቶም ንምሃብውን ድልዋት ምዃኖም ዝገለጽሉ፡ እምነቶም ኣብ ግብሪ ዘርኣዩሉ፡ ኣብዚ ዚሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ዜና ዓለም ብሒቱ ዝቐነየ ወረ እዩ። ንሕና ግን፡ ሓንቲ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣሽሓት መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ብሓዊ ተቓጺሉ፡ ፓትርያርክና ኣብ ከቢድ ሞቕሕ ተሓይሮም፡ ብዓይንና እናረኣናን ብእዝንና እናሰማዕናን ንኹሉ ምኽንያት እናሃብና፡ ተሓቢእና ንነብር ኣሎና። ብፍላይ ድማ እቶም ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናሃብኩም ካብ ቤተ ክርስቲያንኩም ትሃድሙ ዘሎኹም ምእመናን መንእሰያትን ኣብ ቤተ ክርስቲያንኩም ደው ኢልኩም፣ ንተዃሉ እትቃለሱሉን እምነትኩም እተቃልሑሉን እዋን እምበር እትሃድሙሉ ጊዜ ኣይኮነን።


ኣብ ቀጻሊ፣ ስሩን ምንጭን እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ እዚ መን ምዃኑን ዓላማኡ እንታይ ምዃኑን፡ ንምግላጽ ብዲያቆን ሙሉጌታ ወልደገብርኤል እተባህለ ኢትዮጵያዊ ምሁር ዝተጻሕፈ፡ ተርጒመ ብቐጻሊ ከቕርበልኩም እየ። ነቲ ኣብቲ እዋን' ዝተፈመ በደል ንምምርማር፣ ካብ ጋዜጣ ሰቲት ታሕሳስ 29, 2000 ራብዓይ ዓመት ቁጽሪ 13. ዝተወስደ ጽሑፍ ተወከሱ።

ኣብ ቀጻሊ የራኽበና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div