ግዜን ዘመናትን፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይለዋወጡ፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ፡ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ግዜ ምዃኑ፡ ዕድመ ሰብ ድማ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ኣምር’ዩ።
ኣብዚ ወቅቲ'ዚ ክርስቶስ መኣዛ ቅዱሳን፡ ገጽ ምድሪ ዘወቅብ ምዃኑ ይዝመር። ኣብቲ ለይቲ ንግሆ ዝፍጸም ኣምልኾ፡ ብመዘምራን ዝቐርብ መዝሙር ትርግሙ፡ ኣባና ምሕረቱ ዘብዝሐ፡ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ብብርሃን ከዋኽብቲ ዘብርሀ፡ ንምድሪ ድማ ብኣዝመራን ጽጌረዳን ዘማዕረገ ኣምላኽ ጥበቡን ዕምቆቱን ሰፊሕ እዩ። ሱፍ ዕምባባ መኣዛ በረኻ ከምዝኸውን፡ ንስኻውን ናይ ቅዱሳን መኣዛ ኢኻ” ዝብል’ዩ። ናይ ቅዱስ ያሬድ ትሕዝቶኡ ብሓጺሩ፡ ገጽ ምድሪ ብጽጌረዳ፡ ገጽ ሰማይ ድማ ብከዋኽብቲ ዘጌጸ እግዚኣብሔር ጥበቡ ዓሚቕ እዩ ዝብል እዩ።
ኣብ ኤፌሶን 6.1-10 ንሰባት ዕድመ ዝህብ፡ ክረምቲ ኣሕሊፉ ናብ ኣዝመራን ቀውዕን ዘብጽሕ ኣምላኽ ስለዝኾነ ውሉድ ንወለዶም ብምእዛዝ ዕድሜኦም ኪነወሕ ምዃኑ ይመክር። ኣብ ራእይ 12.1-13 ዘሎ መልእኽቲ ከኣ እታ ሰበይቲ ኣብ ስደት ዝጸናሓትሉ ዘመን ይሕብር። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7፡23-30 ዘሎ ድማ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ ግዜ ይትንትን። ኩሎም መልእኽታት ብሓባር ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፡ ግዜን ዘመናትን ብፍቓድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝለዋወጡ፡ ጎይታ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ምዃኑ እዩ ዝምህረና። እቲ ስብከትውን ከምኡ ዕድመ ሰብ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ጸሎት እዩ። በቲ ቀዳማይ ካህን ዝንበብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ፈጣሪኡ ዘረስዕ ትምኒት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን፡ ብዛዕባ ክረምቲ ሓሊፉ ፍረ ዝፈርየሉ ውቁብ ገጽ-ምድርን ይትርኽ።
እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ ዕለት'ዚ፡ እቲ ብሰፊሕ ፍልጠቱን ዓሚቕ ጥበቡን ዝናማትን ጠባይ ኣየርን ኣወሃሂዱ ምድሪ ፍረ ክትፈሪ ዝገብር ኣምላኽ ተረሲዑ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብዛዕባ ፍሬኡ ዝእክበሉ ማዕከን ኪጭነቕ ከሎ የርኢ። እቲ ዘሎዎ ማዕከናት ኣፍሪሱ ኣግፊሑ ኪሰርሖ እሞ ንነፍሱ ድማ ብዘይ ስክፍታ ዓሪፋ ክትበልዕ ምዃና ኣእሚኑ ኣብ ውሳኔ ይበጽሕ። እንተኾነ ግን ነቲ ምንጪ ኩሉ በረኸትን ፍረን ዝኾነ ኣምላኽ ብዘይ ምዝካሩ፤ ብሰብ ሃብታም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ድኻ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት እንዝምሮ ድማ፡ ህይወቱ ካብ ሓንቲ ለይቲ ኣይሓለፈትን፤ ብዋናኣ ተወሲዳ። ስጋኡ ንምብስባስ፡ ሃብቱ ድማ ብኻልኦት ይውረስ።
ምድራዊ ዘይኮነስ ሰማያዊ ሓሳብ ክንሓስብ እግዚኣብሔር ይደግፈና። ኣሜን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ