እዛ መዝሙር እዚኣ፡ እቲ ዝዝምራ ዘሎ ሰብን ህዝቡን ዝተመከርዎ በረኸት እግዚኣብሔር ምስ ተዋህቦም ዝተዘመረት እያ። ከመይሲ ርሕራሔ እግዚኣብሔር፡ ከምቲ ኣቦ ንድኻም ወዱ ዚሓልየሉን፡ ትሕት ኢሉ ኸኣ፡ ንድምጺ ወዱ ዚሰምዕ እሞ፡ ሕራይ ኢሉ ድሌቱ ዚፍጽመሉን እያ።
ብዝተገብረልካ ሰናይ ዅሉ ንኣምላኽ ምምስጋን። ንእግዚኣብሔር ክትባርኾ ማለት፡ ምሉእ ሕይወትካ ንእግዚኣብሔር ንምምስጋን ክትዳሎን ንትእዛዛቱ ክትሕጐሰሉን ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ኵሉ፡ ክብ ከብሎ ኸሎ፡ እቲ ንሱ ዚገብሮን ዝምድቦን ኵሉ ሰሚሩ ንምምስጋን ኣምላኽ ጥራይ ክውዕለሉ ብምድላይ እዩ። ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ ንጠባዩን ንባህርዩን፡ ነቲ መዘና ዘይብሉ ደግነቱን ማለት እዩ። ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኣይትረስዒ። ደቂ ሰባት ነቲ እግዚኣብሔር ዚገብረልና ምሕረትን በረኸትን ኣይንዝክሮን ኢና። እግዚኣብሔር ግና ብመደቡ ክድግፈና ኢሉ እዩ ዚፍጽሞ።
ክርስዑ ዘይግብኦም ሰናያት እግዚኣብሔር፡ ንኹሉ ኣበሳኺ ዚሓድገልኪ። ሕድገት ሓጢኣት እቲ ቐዳማይ ማዕጾ ንመገዲ ክርስትና ክትከይድ እትኣትዎ እዩ። ብድሕሪኡ እዩ ሓጐስን፡ ዕግበትን ዘይርኤናዮም በረኸታትን ዚመጹና። ከምኡ ካብ ኰነ፡ ፍሉጥ ንጹር፡ ክንጠራጠረሉ ዘይንኽእል ክኸውን ይግብኦ። ኣብቲ ዚዓመቔ ባሕሪ ሓጢኣት ዘሎ ሰብ ከይተረፈ፡ ብጸጋ እግዚኣብሔር ብንስሓ ተገላጊሉ ኣብኡ ክነብር ይግባእ።
ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ። ንሕማም ኣካላት እኳ እንተ ዅነ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ እትሰምዮ ዘላ ዝሰሚ፡ እቲ ነፍስና እተኸስኣትሉ ኩነታት’ውን ጽብጹብ እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ ነዚ ተመክሮ እዚ ስለ ዘየስተናዓቐ፡ ኣብ ግዜ ሁውከትን ግዜ ጸበባን፡ ግዜ ጭንቅን መከራን ሕማቕ ክበጽሖ ከሎ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝኸብር ድኣ እምበር፡ ኣነ ካብ ዘሎኒ ሽግር ከምወጻእኩ ኣይኰነን ዚሓስብ ዝነበረ። ኣካላትካ ሰንክልከል ክብል ከሎ፡ እምነትካ ደልዲላ፡ ነፍስኻ’ውን ማዕቢላ፡ እንተድኣ ጸኒዓ፡ ምስ እግዚኣብሔር ጠጠው ኢላ፡ እቲ ዝበለጸ ሃብትን ጥዕናን ንሱ እዩ።
እግዚኣብሔር፡ ነቲ ብርቱዕ ናይ መንፈስ ሕማም ዝሓመመ ሰብ ኣጥዕዩ፡ ብጸጋኡ ጠጠው ከምዚብል ክገብሮ ይኽእል እዩ።
ንሕይወትኪ ካብ ጥፍኣት ዚብጀዋ። ምስኡ ብእምነት ክንመላለስ ከሎና፡ ኣምላኽ ካብ ድንገትን ካብ ሽግርን ክከላኸለልና ፍቓዱ እዩ። እቶም ኣብኡ ዚውከስ ኸኣ፡ ጽቡቕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ድንገት ከይረኸቦም ኣዝዩ ብጥብቂ ባዕሉ ይከላኸለሎም። እንተድኣ ተፈተኑ ኸኣ በረኸት ሒዙ ዚመጽእ ፈተና እዩ እምበር፡ ናብ ድንገት ኣብጺሑ ንነፍስኻ ካብ ኣምላኽ ዚፈሊ ፈተና ኣይኰነን።
ንድልየትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግቦ እዩ። እግዚኣብሔር ነቲ ዜድልየና ይህበና እዩ። ብዙሕ ኣይከውንን ምናልባት፡ ከምኡ’ውን ጌጽ ዚመልኦ፡ ምናልባት ኣይከውንን፡ ግናኸ፡ ጽቡቕ እዩ። ንሱ ነቶም ደቂ እግዚኣብሔር ዚኣክል ሃብትን በረኸትን ጸጋ ኣምላኽን እዩ።
ነፍሲ ሰብ ብዙሕ ጥሜትን ጽምእን ዘሎዋ እያ። ነዚ ከርሕቕላ ዚኽእል ሃብቲ ናይዛ ምድሪ እዚኣ ኣይኰነን። እቶም ምርኡያት ዚመስሉ ከይተረፈ እኳ፡ ነፍሶም ንመንፈስ እግዚኣብሔር እያ ሃረር እትብል። ዓለማዊ ሃብቲ ግን ከምቲ ማይ ባሕሪ ምስ ሰቲኻዮ፡ ኣብ ክንዲ ንጽምእኻ ዜርዊ መሊሱ ዘጽምኣካ ከምኡ እዩ። ኣብ ክንዲ ምስ ኣምላኽ ብዝበለጸ መገዲ ዕርቂ ትረክብ መሊስካ ካብ ኣምላኽ ትርሕቕ። ንነፍሱ እግዚኣብሔር ጥራይ ዕግበት ኪህባ ይኽእል። ንሱ ወሃቢ ናይ ኵሉ በረኸታት ስለ ዝዀነ እቲ ነፍስና እትደልዮ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሔር እንተዘይኰይኑ፡ ካብ ዓለም ክንደልዮ ክንፍትን ኣይግብኣናን እዩ።
ንእስነትኪ ከም ንስሪ ትሕደስ። ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እንተ ድኣ ርኢና፡ እቶም ካብ እግዚኣብሔር ዚጽበዩ ሓይሎም ከም ዚሕደስ፡ ከም ንስሪ ኸም በኽናፍ ከም ዚዝምብዩ ይነግረና። ንሕና ከም ናይ ንስሪ ጠባይ ዘሎዎም ክርስቲያናት ክንከውን የድሊ። ማዕበል ኰነ፡ በረድ፡ ሃሩር ኰነ፡ ዘየሰንፎም መመሊሶም ዚብርትዑ ክንከውን የድሊ።
እቲ ወዲ ኣምላኽ ሓደ ግዜ ኣብ ሽግር ይመላለስ። ኰነታቱውን ይጽልምቶ፡ እንተዀነ ግን እግዚኣብሔር ምስኡ ስለ ዝኰነ፡ ጸኒሑ ካብቲ ማዕበል ሽግር መሰስ ኢሉ ይወጽእ። ካብኡ ንንየው ከኣ እቲ ዚመጾ ፈተና ንግዚኡ እምበር ኣብ ቀሩብ እዋን ከም ዘሓልፍ፡ ድሕር’ቲ ፈተና’ውን ዓብዪ ሓጐስ ከም ዚመጽእ ይርዳእ።
ዝተገብረልካ ሰናይ ጸብጺብካ እተቕርቦ ምስጋና፡ ኣብ ፍቕዲ ሽዱሽተ ካብቲ ናቱ ተመክሮ ኣልዒሉ፡ ነቲ ናይ ህዝቡ ተመክሮ ይዛረበሉ። ንኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሔር ንኵሎም ዝተጨቆኑ፡ ብምሕረቱ ይበጽሖም እዩ ዚብል ዘሎ ኸኣ ይመስል። እግዚኣብሔር ንዚልምንዎ ኣድልዎ ገጽ ከይገበረ፡ ብጽድቂ ዚብይን፡ ብጽድቂ ኸኣ በረኸቱ ዘፍስስ ኣምላኽ እዩ።
መገድታቱ ንሙሴ፡ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጦ። ኣብ ከረን ሲና ንነፍሱ ብምግላጽ ንሙሴ ብኢዱ ዝጸሓፎ ሕግታቱ ሃቦ። ከምኡ’ውን ኵሉ ተግባራቱን ሓይሉን እቶም ካብ ግብጺ ዚወጹ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ረኣይዎ። ኣብ ግዜ ጸበባ ብዘይተሓስበ መገዲ ራህዋ ከምዘምጽእ፡ ብግዜ ጭንቂ ኸኣ ንሱ ባዕሉ፡ ነቲ ግድል ብተኣምራታዊ መገዲ ከም ዘዕርዮ ይፈልጥዎን ይርድእዎን ነበሩ። ከም ኣቦ ዀይኑ፡ ብቕዱስ ምኽርታት ኣለበሞም። በቲ ቓላቱን ትእዛዛቱን ጌይሩ ኸኣ፡ ንነፍሶምን ሥጋኦምን ጥዕና መሃሮም። ብሓቂ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ዓብዪ ሓገዝን ዓብዩ ተስፋን ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሕ ሽግር ይረድኦም ነበረ። ነቶም ብምሉእ ልቦም ዚውከልዎ ኸኣ እግዚኣብሔር አየስተሓፍሮምን እዩ። ነቶም ዚደልይዎ ከም መጠን ሃብቱ ጌይሩ ይህቦም፡ ከምኡ ኸኣ ቅዱስ መሪሕነቱ ጌይሩ ኣብ መገዲ ሰናይ የብጽሖም።
ኣምላኽ ምሕረተኛ ስለዝዀነ ከነመስግኖ ይግባኣና፡ ኣምላኽ ርሕሩሕን መሓርን እዩ። ንኹራ ደንጓይ። ኣምላኽ ቀልጢፉ ንኣና ብቑጥዓ ኣይምልሰልናን እዩ። ንነዊሕ ግዜ ይጽበየና፡ ግዜ ንስሓ ኸኣ ኣብ ቅድሜና፡ የዳልወልና እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓጢኣት እትመላለሱ፡ ካብ ሓጢኣትኩም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ናባይ ንዑ እናበለ ይዕድመና። ኣብኡ ብምምጻእ ከኣ፡ ምሉእ ዕረፍቲ ናይ ልቢ ክንረክብ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ኣብ ሓጢኣት ክንነብር ፍቓዱ ኣይኰነን ሓደ እኳ ብሳዕቤን ሓጢኣት ዚኣክል ክሳቐን ክዋረድን ከኣ ኣይፈቱን እዩ።
ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን እዩ። እዚ ዘማራይ ርሕቀቱን ስፍሓቱን ክንደይ ከምዝዀነ ኣይፈልጥን እዩ። እቶም ሊቃውንቲ ናይ ኣስተዋጽኦ ፍልጠት ከኣ፡ ንሰማያት፡ ዕምቝቱን ከምኡ’ውን ጕድኑን ስፍሓቱን ኣይፈልጥዎን እዮም። ንሕና’ውን ምሕረት እግዚኣብሔር ክሳዕ ክንደይ ከምዝዀነ ኣይንፈልጦን ኢና። ከመይሲ ምሕረቱ ዓብዪ እዩ ንዘለዓለም ከኣ ይነብር። ስለ ሃብቲ ምሕረቱ ከነመስግኖ ድማ ግቡእና እዩ።
ነቲ ከም ኣቦ ዀይኑ ዘፍቅረና ኣቦ ምምስጋን፡ ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚኣብሔር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም። ነቶም ደቁ፡ ምስ ወደቑ፡ የተንስኦም። ብዘይ ፍልጠቶም ይድንግጸሎም እሞ ጽኑዕ ትምህርቲ ይምህሮም። ምስ ሓዘኑ የጸናንዖም፡ ምስ ሓመሙ ኸኣ ኣብ ዓራት ሕማሞም ከለዉ ይድንግጸሎምን የበርትዖምን።
ስለቲ ዘይውዳእ ፍቕሩ ኣምላኽ ይመስገን፡ ሰብሲ መዓልትታቱ ከም ሳዕሪ እዩ። ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ። ዕደመ ሰብ ሓጺር እዩ። ምስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከተነጻጽሮ ከሎኻ ኸኣ፡ ከምቲ ዕምባባ ብጽባቔኡ ተራእዩ ዚጠፍእ እዩ እምበር፡ ክጅሃረሉ ዚኽእል የለን።ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቖሞ። እዚ ዕቤት ናይ ሓይሉን ግዝኣቱን የርእየና።
ነፍሰየ ንእግዚኣብሔር ባርኺ። ካልኦት ከመስግንዎ ከሎዉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንበይኑ ዀይኑ’ውን ንኣምላኽ ከነመስግኖ ደለየ። ንእግዚኣብሔር ምምስጋን ከኣ፡ ግዴታ ጥራይ ዘይኰነስ ዓብዪ ዕድል ኰይኑ ተራእዮን ተረድኦን።
posted February 8,2010
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ