መብዝሕትኡ ሳዕቤናት ቁጠዐ ኣዕናዊ ክነሱ ገለ ብቑጥዓ ዝውሰዱ ስጉምትታት ግን ከም ቅኑዓት ዝሕሰቡ ኣለዉ፣እቲ ቁኑዕን ዘይቅኑዕን ቁጠዐ ብኸመይ ኢና ፈሊና ክንርድኦ እንኽእል?
ክቡራት ግዱሳት ኣቦታትን፣ኣሕዋትን ኣሓትን ነዘን ቀጺለ ዘቕርበን መጽሓፈ-ቕዱሳዊ ጥቕስታት ካብአተን፣ ኣየኖት ኢየን
(ሀ).ቕኑዕ ቁጠዐ፣ ስለምንታይ?
(ለ). ዘይቅኑዕ ቁጠዐ፡ ስለ ምንታይ?
እቶም መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃልኩም ግዱሳት ኣቦታት ኩሉ ኣማኒ ብዝርድኦ ንጹር መብርሂ ክትህቡን ብትሕትና እሓትት።
እምበኣር እተን ጥቕስታት፣
1. “ሙሴ ናብቲ ሰፈር ምስ ቀረበ፣ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕሳዒትን ርእዩ ቁጥዓኡ ነደደ እሞ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፣ኣብ እግሪ እቲ እምባ ከኣ ሰበረን” ዘጸ/32፡19
2. “ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና እቶም ኣብዑር ስለ ዝተዓንቀፉ፣ዑዛ ብኢዱ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሓዞ።ሽዑ ቁጥዓ እግዚኣብሔር ኣብ ዑዛ ወረደ፣ስለ ድፍረቱ ከኣ ኣምላኽ ቀዘፎ” 2 ሳሙ/6፡6-7
3. ኢየሱስ ኣብቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ብቑጠዐ ዘውረዶ ከቢድ ወቐሳ ማቴ/23
4. ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም “ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ነቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ኮይኖም ዚሸጡን ዚሻየጡን ዝነበሩ፣ሰደቓ መሻርፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ገልበጠ”ማር/11፡15
5. “እቶም ህዝቢ (እስራኤላውያን)ብጸገሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣጉረምረሙ።እግዚኣብሔር ምስ ሰምዐ ድማ ኣዚዩ ተቖጠዐ፣ሓዊ ካብ እግዚኣብሔር ወጺኡ ከኣ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ በልዖም” ዘሁልቅ/11፡1
6. “እታ ኣድጊ ከኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ርእያ፣ኣብ ትሕቲ በለዓም በጥ በለት።በለዓም ድማ ሓሪቑ ነታ ኣድጊ ብበትሪ ወቕዓ።ሽዑ እግዚኣብሔር ነታ ኣድጊ ከም እትዛረብ ገበራ። “እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካንስ እንታይ ጌረካ ኢየ?በለቶ ዘሁልቅ/ 22፡27-28
7. “ብዘሎ ምረትን ነድርን ቁጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኩሉ ክፍኣት ካባካትኩም ይርሓቕ” ይብል ኤፌ/4፡31።
8. “ኩራ ግደፍ፡ሓርቖት’ውን ሕደግ ኣይተንጸርጽር፡እዝስ ናብ እከይ ጥራይ ኢዩ ዜብጽሕ” ይብል መዝ/37፡8
9. “ኣነ ግን ንሓዉ ዜቖጥዕ ዘበለ ኩሉ ኪፍረዶ’ዩ” ማቴ/5፡22
10. “ቁጥዓን ኩራን ጨካንን መዕነውን’ዩ” ምሳ/27፡4
11. “ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባር’ዶ ወይ ክፉእ ምግባር፡ነብሲ ምድሓን’ዶ ወይ ምቕታል ይግባእ በሎም።ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ።በቲ ትሪ ልቦም ጉህዩ፣ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ብቑጥዓ ጠመቶም ነቲ ሰብኣይ ከኣ ኢድካ ዘርግሕ በሎ፡ኢዱ’ውን ሓወየት” ማር/3፡4-5
12. “ኣምላኽ ቁጥዓኡ ኬርኢ ሓይሉ’ውን ከፍልጥ ደለየ ።ግና ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፡ቁጥዓኡ ኬውርደሎም ዚግበኦም ሰባት ብብዙሕ ተዓገሶም” ሮማ/9፡22
13. “ክትቁጥዑ ከለኹም ኣብ ሓጢኣት ከይትወድቁ ተጠንቀቑ” ኤፌ/4፡26
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ