ቻው ደሓን ኩኒ
ፍቕርኪ ማሪኹ ሃነን ኣቢሉኒ
ስኹር ተቀይረ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ
ብሰንክኺ ፍቕረይ ተቐይረ ሓኾተ
ደጊም ይኣኽለኪ ምሳይ ዕርክነት
ኣቕሪብክኒ ኢኺ ናብ ኣፍደገሞት
ኡይ ኢልካ ረዳኢ ዘይብሉ
ኣለውኺ ዓጀብቲ ንዓ ነዓ ዝብሉ
ኣይመጽእን እዩ መልሰይ ኩሉ'የ ኣቅሊበሉ
ሎሚ ተረዲኡኒ ናትኪ ፍቕሪ
ናብ ኣምላኸይ ምስ ቀረብኩ
ናብ ሓቀኛ ኣፍቃሪ
ናተይ ሒዘ'የ በይንኺ ሕደሪ
ተጸሊሉ'ዩ ክትብልኒ ኢኺ
ኣይተጸለልኩን እኳ ደኣ ሓውየ
ጽቡቅ እየ ዘለኹ ካባኺ ተፈልየ
ኣይምለስን ደጊም ቻው ተሰለንቄ
ንቕድሚት ክስጉም'የ ከም ሎጥ
ዕርፊ ሒዘ ኣይጥምትን ንድሕሪት
ኣይምለስን ናባኺ ከም ዴማስ
ወሲነ'የ ምስ ፍቕሪ ክርስቶስ
ክነብር'የ ምስኡ ስለ ዝኾነ ሂወት
ቻው ደሓን ኩኒ ዓለም መገዲ ጸልማት
ብርሃን ሒዘ'የ ኣምሊጠ'የ ካብ ሞት
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ቀሺ ብርሃነ ጠዓመ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ