ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቀዳምን ሰንበትን
መስከረም 22-23, 2012 (መስከረም ፲፪-፲፫, ፳፻፭ ግእዝ) ጸሎተ-ሰርክ፡ ቅዳሴን ፍሉይ ኣስተምህሮን ብምምሕልላፍ ብድምቀት ተኸቢሩ።
እቲ ናይ ቀዳም መደብ ድሕሪ ጸሎተ-ሰርክ፡ ቀሲስ ቴድሮስ ተስፋይ “መስቀል ኣርማ ቤተክርስትያንን ሓይሊ ክርስትያንን” ብዝብል ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ዶር. ተስፋ ገብረመድህን “ዝምድና ሓድሕድና ከመይ ኣሎ” ብዝብል ኣዝዩ እዋናውን ሓናጽን ሰሚናር ኣካይዶም። ከምኡ’ውን ካብ ወልስ ፋርጎ (wells fargo) ዝመጸ ናይ ፋይናንስ ምሁር ብዛዕባ ለቃሕ (mortgage) ቤተክርስትያን ዝቃለለሉ መገድታት ዝድህስስ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።
እቲ ትምህርትን ሰሚናርን ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴ’ውን ቐጺሉ። “መስቀልካ ኣብ ጸጽባሕ ኣልዕሊካ ንመድሓኒ ክርስቶስ ምስዓብ ብመንጽር ዕለታዊ ናብራና እንታይ ማለት’ዩ” ብዝብል መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ቀሪቡ። ዶር. ተስፋ ገብረመድህን ከኣ “ንበዓልቲ ቃል ኪዳንካ ኣኽብር” ብዝብል ንማሕበራዊ ህይወት ስድራ ቤታትና ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ሰሚናር ብድጋሜ ኣቕሪቦም።
ምእመናን ቅ. ማርያምን ተዓዲሞም ዝመጹ ደቂ ቤተክርስትያንን በቲ መደባት ሓጎሶም ብምግላጽ፤ ኣመሓደርቲ ቅ. ማርያም ሓጺር ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምሃቦም፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ $47, 241.00 (ኣርብዓን ሸውዓተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርባዓን ሸውዓተን ዶላር) ኣዋጺኦም። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ድሕሪ ምብላዕ፣ ኣብ መጨረሻ “ያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም ያብጽሓነ እግዚእነ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታ” እንዳበሉ ሆየ ሆየ ተሳጊሮም ካብ ቀዳም ክሳብ ሰንበት ዝቐነየ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።
ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ስእላዊ መግለጺ (Pictorial report) ተኸታተሉ።
እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ስጋዊ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስ ዓብዪናን ደልዲልናን ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ብዓል ቅዱስ መስቀል ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር!
ን3ይ ፓትርያርክ ቤተክርስትያን ተዋሕዶ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።
ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።
ሰባኻ ጉባኤ
ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ቅ. ማርያም በይ ኤርያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ