S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ -!!

በዓለ-ፋሲካ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዘንት ዕለት፣ ደሚቑ ዝዝመር ያሬዳዊ መዝሙር ኣሎ። ንሱ ድማ “-ነቶም ትንሣኤኻ እንኣምን ሕዝብኻ፣ ብርሃንካ ፈንዎ ናባና-” ዝብል እዩ። ከመይሲ እታ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገነት ዝተረኽበ ወድቀት፣ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም። በቲ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝኸፈሎ ዋጋ፣ ብርሃን በሪሁዋ ነፃ`ውን ኮይና`ያ። ስለዚ ከኣ`ዩ እቲ ብታሪኹ ኣፍቃሪ-መስቀል ዝኾነ ሕዝብና። “-ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ፣ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ-” ብምባል፣ ነዚ ክቡር በዓል`ዚ ከብዕሎ ዝርከብ።

ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ፣ ነዚ ብመንገዲ መስቀል ኣቢሉ ዝተረኽበ ድኅነት`ዚ  “-እስመ ነገረ መስቀሉሰ፣ ዕበድ ውእቱ በኀበ ኅጉላን፣ ወበኀቤነሰ ለእለ ድኅነ፣ ኃይለ እግዚኣብሔር ውእቱ-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። ብርግጽ ድማ እቲ ዓቢይ ግብሪ ምድኃን ዝተፈጸመሉ ናይ ቀራንዮ-መስቀል። ብዓይኒ`ቶም ካብ ጸጋ ኣምላኽ ሪሒቖም ዝርከቡ፣ ከም ዕሽነት እንተ ተራእየ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይሲ “-ለኣድግ ኢይጥዕሞ መዓር፣ ዘእንበለ እጉስጣር-” ዝብል ኣበሃህላ ስለ ዘሎ`ዩ። (1ቆሮ-1/18)

እቲ ናይ ሓዋርያ-ጳውሎስ ኣበሃህላ ብትርጉም ክርአ ከሎ “-ነገር መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት`ዩ። ንዓና ነቶም እንድኅን ግና፣ ኃይሊ ኣምላኽ`ዩ-” እዩ ዝብል። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ፣ እቲ መድኅንን ጎይታን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ንዓና ንደቂ-ሰብ ብምፍቃሩ ምኽንያት፣ ኣብ ክንዲ ኃጢኣትና ተሰቒሉ ከድኅነና ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ። ስለዚ`ውን እዚ ናይ ቀራንዮ መስቀል፣ ኣብቶም ዘይኣምኑ ከም ዕሽነት እንተ ተቘጽረ፣ ዘገርም ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተባሂሉ ዘሎ “-ንኣድጊ እቲ ኣብ ጎዱፍ ዝርከብ ገፈጥመፈጥ እምበር፣ መዓር ይምቅሮ`ዩ ኣይበሃልን እዩ-”

ብዝተረፈ ካብቲ ኣብ መስቀል-ቀራንዮ፣ ዝተፈጸመ ስቕለት እንታይ ኢና ክንመሃር ንኽእል-? ከመይሲ ክቡር-ደም ጎይታና ፈሲሱ ሕይወት`ውን ተኸፊሉ`ዩ። እቲ ነዚ ኩሉ ንምፍጻም ዘብቅዐ ምስጢርከ እንታይ`ዩ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እንተረአናዮ። ምእንታና ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ-ሰብ፣ ዝተኸፍለ ዋጋ ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ከመይሲ “-ግናኸ ንሕና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፣ በዚ የርኢ ኣሎ-” ብምባል`ዩ ሓዋርያ-ጳውሎስ ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)

እምበኣር እቲ እግዚኣብሔር ንዓና ንደቂ-ሰብ ምፍቃሩ፣ ክሳብ ክደይ ምዃኑ፣ ካብቲ ናይ ቀራንዮ መስቀል ንላዕሊ፣ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ መረድኢ የልቦን። ስለ ዘፍቀረና ከኣ፣ ኣብ መስቀል ክቡር-ደሙ ብምፍሳስ፣ ካብ ባርነት ኃጢኣት ነፃ ከውጽኣና ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑልና። እዚ ምስጢር`ዚ ኣዚዩ ዓቢይ`ዩ። ከመይሲ እዚ ሞት እዚ`ዩ፣ ንዓና ንደቂ-ሰብ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፣ ኣሰጋጊሩና ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ዓቢይ ምስጢር`ዚ ንምግላጽ ከኣ`ያ፣ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን`ውን “-መስቀል-ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!” ብምባል ክትገልጾ እትርከብ ዘላ። ስለዚ ከኣ`ዩ መስቀል ኩሉ ግዜ፣ ናይ ክርስትና ትእምርቲ-ድኅነትን ዓወትን ብምዃን፣ ብክብርን ብቅድስናን ክስበኽ ዝነብር ዘሎ።

ስለዚ ከኣ`ዩ ሕዝብና፣ በዓል-ፋሲካ ወይ በዓል-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-! በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-! ኣሰሮ ለሰይጣን-! ኣግዓዞ ለኣዳም-! ሰላም እም-ይእዜሰ፣ ኮነ ፍሥሓ-ወሰላም-! ” ብምባል፣ መስቀለ-ክርስቶስ ክሳለም ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ ከኣ ኢና ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ኣብ መስቀል ፍሉይ  ፍቕርን ኣኽብሮትን ዘሎና ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ዘሎና። ከመይሲ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገር`ዩ እንተበልና፣ ንምግናን ተባሂሉ ዝረብ ዘሎ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ ዝብዕል ዘሎ በዓል-ፋሲካ። ካብቲ ዝተለምደ ኣበዓዕላና ፍሉይ ዝገብሮ፣ ሓደ ምኽንያት ተረኺቡ ኣሎ። ንሱ ድማ ቅድሚ ሕጂ፣ ዓለምና ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓዲሽ ክስተት ስለ-ዝተረኽበ፣ ሕዝቢ-ዓለም ኣብ ከቢድ፣ ፈተና ዝመልኦ ቅልውላው ወዲቑ ይርከብ ብምህላዉ እዩ። ንሕና ድማ ከም ሕዝቢ፣ ኣካል ማኅበረ ሰብ ዓለም ከም ምዃንና መጠን፣ ንሕና ንበይንና እንሕበኣሉ በዓቲ ክህልወና ዝኽእል ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን`ዚ ዝተባህለ ሕማም`ዚ ከኣ፣ እንሆ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ክዕጾ ክሳብ ዘገድድ ኩነት፣ ተፈጢሩ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ሓዲሽ ክስተት`ዩ ክበሃል ይከኣል። ብኻልእ ኣዘራርባ ብሰማይ ዝወርድ ዘሎ መዓት`ዩ ኢልካ ክግለጽ`ውን ዝከኣል ይመስለና። ግዳስ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ዝወርድ መዓት የልቦን። ከመይሲ ኣምላኽና ብዘይ ምኽንያት ዝቐጽዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። የግዳስ እንታይ`ዩ በደልና-? ኢልና፣ ንውሽጥና ጠሚትና ክንፍትሽ ከም-ዝግበኣና፣ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን። ንእግዚኣብሔርከ እሙናት ኮንናዶ ተረኺብና ኢና-? ንዝብል ሕቶ`ውን፣ ምስ ሕልናና ብምዝራብ፣ መልሲ ክንረክብ ግቡእና`ዩ።

ርግጽ`ዩ ብደረጃ ዓለም ኣጠቓሊልና ክንዛረብ እንተደኣ ኮንና፣ እዛ ዓለም`ዚኣ ብነውርን ርኽሰትን ጋዕዝያ ዘላ ዓለም ምዃና፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ`ዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሞራላዊ-ክብሪ ኣጥፊኣ፣ ብግብረ-ሰዶምን ካልእ ነውራም ተግባራትን፣ ተበላሽያ እትርአ ዘላ ዓለም`ያ። ብዓቢኡ ድማ እቲ ኣብ ታሕታይ ናይ መነባብሮ ደረጃ ዝርከብ ሕዝቢ ዝበኽየላ፣ ፍትሒ ዘይብላ ዓለም ስለ-ዝኾነት። ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሉ ሕዝቢ፣ መዓልታዊ ናብ ስደት ከምርሕ ዝርከበላ ዓለም ኮይና ምርካባ፣ ብእወንታ ዝጥመት መልክዕን ሕብርን ኣለዋ ኢልካ፣ እትግለጽ ኮይና ኣይትርአን ዘላ።

ብዝተፈልየ ኣብ ሃገርና ብምትኳር፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ክርአ ከሎ። ንኽትዛረበሉን ክትገልጾን ዘደንጹ፣ እቲ ሕዝቢ መሪር ሕይወት የሕልፍ ከም-ዘሎ `ዩ፣ እቲ ካብ ኣሥመራ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ዘረድእ ዘሎ። ኩሉ ክፈልጦ ከም-ዝኽእል ዓለም ብምኽንያት “-ኮሮና-ቫይረስ-” ክትሕመስ`ያ ትርከብ ዘላ። ኣብ ኩሉ ዓለም`ውን ብሰንኪ`ዚ ሕማም`ዚ ዝሞቱ ዘለዉ፣ ኣሽሓት ምዃኖም ዕለታዊ ዝስማዕ ዘሎ ዜና`ዩ። ኩሎም መራሕቲ ሃገራት`ውን፣ ብኩነታት ሕዝቦም ተሸጊሮም ኣብ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ፣ ኣብ መስኮት ተለቪዢን ቀሪቦም መግለጺ ክህቡ፣ ይረኣዩን ይስምዑን ኣለዉ። ከመይሲ እቲ ጉዳይ ምስ ሕዝቢ ከባእሶም ዝኽእል ስለ-ዝኾነ፣ ኣዚዮም ክጥንቀቑሉ ዝግባእ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።

ብመንጽር እዚ ዝተባህለ ኩሉ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልው ኩነታት እንተ-ተራእየ ግና፣ ኣብቲ ሃገር መንግሥቲ ኣሎ ንምባል ዘኽእል ኮይኑ ኣይርአን ዘሎ። ነቲ ዝርአ ዘሎ ኩነታት`ውን ኣሚንካ ክትቅበሎ ዝኸብድ`ዩ። ከመይሲ ኩሎም መራሕቲ- ሃገራት፣ ሕይወት ዜጋታቶም ንምድኀን ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፊኡዎም፣ ካብን ናብን ክወናጨፉ ይረኣዩ ኣብ ዘለዉሉ ቀውጢ ዝኾነ ሰዓት። መራሕቲ መንግሥቲ ኤርትራ ግና፣ ክሳብ`ዛ ሰዓት`ዚኣ ዝኾነ ድምፆም ክስማዕ ዘይምኽኣሉ፣ ንዓና ነቶም ደቂ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፣ ንማሕበረ-ሰብ ዓለም`ውን፣ ምግራም ፈጢሩሉ ዘሎ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ`ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኻት፣ ብዙሓት ሕዝቦም ዝነዓቑ መራሕቲ ነይሮም`ዮም። ግዳስ ምስዚ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ብትዕቢት ዝሰኸረ መንግሥቲ፣ ክወዳደር ዝኽእል ካልእ መንግሥቲ ነይሩ ክበሃል ግና፣ ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብ ዝሓለፈ  ቀረባ እዋን፣ ብወገን ቻይና ዝተለገሰ ገለ መከላኸሊ መድሓኒት። ንኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም-ዝዕደል ተገይሩ ምንባሩ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ሓገዝ`ዚ ኣይቅበልን ኢላ ዝተሓስመት ግና፣ እታ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ባርነት ኣርዑት፣ ሕዝባ ረጊጻ ትገዝእ ዘላ ኤርትራ`ያ። ካብዚ ንላዕሊ ዕብዳን ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ድማ ኣይከኣልን። ብሕይወት ሓደ ሕዝብን ሃገርን ምጽዋት፣ ዝብሉኹም ድማ ከምዚ`ዩ።

ካልእ`ውን እዚ ሕማም`ዚ፣ ኣእዳውካ ብማይ ምሕጻብ ዘድሊ ምዃኑ`ዩ፣ በቶም ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ ክምከር ዝስማዕ ዘሎ። ኣብታ ርእሲ ከተማ ሃገርና ዝኾነት ኣሥመራ ግና፣ እንኳንዶ ንመሕጸቢ ዝኸውን፣ ንጎሮሮ ዝኸውን ምዕጉቲ ማይ`ውን፣ ተሳኢኑ ከም-ዘሎ`ዩ እቲ ሕዝቢ፣ ኡይ-! እናበለ ብምረት ክዛረብ ዝስማዕ ዘሎ። ንኣውያት ሕዝቢ ከዳምጽ ዝኽእል መንግሥቲ ግና፣ ኣብቲ ሃገር ዛጊት ተቐቢጺ`ዩ። እምበኣር ሕዝብና ጽላልን መጸግዕን ኣብ ዘይብሉ ሰጣሕ ጎልጎል ደው ኢሉ`ዩ፣ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ብዓይኒ ምሕረቱ እንተ ዘይጠሚቱዎ ከኣ፣ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ህልቂት ምግማቱ ዝጽግም ኣይኮነን። 

ብተወሳኺ`ውን ኣብቲ 336 ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት እታ ሃገር ኣብ ዘለዉ ኣብያተ-ማእሰርቲ`ውን። ብዝሖም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ-ሕዝቢ፣ ተሞቒሖም ከም-ዘለዉ`ዩ ዝፍለጥ። እቲ ዝበዝሕ ኣብያተ-ማእሰርቲ`ውን፣ ኣብ ጎዳጉድን  ትሕቲ መሬትን ምህላዉ`ዩ ዝንገር። እቲ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮረያ ብምባል ዝፍለጥ። ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ክብደት ሓላፍነት ዘይርድኦ ሥርዓት ግና፣ ክሳብ ሕጂ እሱራት ፈቲሑ ዝበሃል ዜና ኣይተሰምዐን ዘሎ። ካብዚ ንላዕሊ ከኣ ነቲ ጭካኔኡ መግለጺ ክርከቦ ይከኣል`ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ቃል ቓሉ፣ ነቶም ኣብ ቀይዲ ሒዙዎም ዘሎ ደቂ ሕዝቢ፣ ንሞት ፈሪዱዎም ኣሎ ማለት`ዩ።

ካብዚ ተፈልዩ ክርአ ዘይክእል`ውን፣ ናይቶም ብግዱድ ዕስክርና ሳዋ ዝርከቡ ዘለዉ ደቂ-ሕዝቢ`ዩ። ብጉልባብ ትምህርቲ ኣብቲ መዓስከር-ሳዋ፣ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት`ውን፣ ብኣሽሓት ዝቑጸር ብዝሒ ከም-ዘለዎም`ዩ ዝንገር። እዞም ኩሎም እዚኦም`ውን፣ እቲ ግፍዐኛ መንግሥቲ ሂትለር፣ ኣብ 2ይ ኩናት-ዓለም ኣብ ፖላንድ ኣሥሪሑዎ ምስ ዝነበረ፣ ናይ ጥፍኣት-ካምፕ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ። ብዝተረፈ ኣብዚ ምሉእ ዓለም ኣብያተ-ትምህርቲ ዓጽዩ። እሱራቱ `ውን ፈቲሑ ዝርከበሉ ዘሎ ሰዓት`ዚ፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣይዓጹ እሱራት ኣይፈትሕ ዝብል ተሪር መርገጺ ምሓዙ። እቲ ግፍዐኛ ዝኾነ ናይ ኣሥመራ ሥርዓት፣ ሕዝብን ሃገርን ለኪሙ ክጠፍእ ዓጢቑ ዝተላዕለ መሲሉ`ዩ ዘርእዮ ዘሎ።

እሞ ንሕና እዞም ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ዘሎና ኤርትራውያን ደኣ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ክወርድ ኣንጠጥዩ ዝርአ ዘሎ ቅዝፈታት። ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና-? ወይ መልስና እንታይ`ዩ ክኸውን ዝግብኦ-? እቲ ክኽተል ዝኽእል ሳዕቤን እንታይ ክኸውን ከም-ዝኽእል፣ ነቲ ሕልና ዘለዎ ኩሉ ክጠፍኦ ይኽእል`ዩ ኣይንብልን። ብርግጽ`ውን እቲ ሕያዋይ ሕዝብና። ዝጽበዮ ዘሎ ዕድል ንማሕረዲ ከም ዝተቐረበ ገንሸል-ፋሲካ ምዃኑ ይርኢ ስለዘሎ፣ ረድኤት ኣምላኽ ክረክብ ብምባል`ዩ፣ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ዝጥምት ዘሎ። ከመይሲ ብጀካ ኣምላኹ ካልእ ክጽበዮ ዝኽእል ተስፋ ከም-ዘይብሉ ኣረጋጊጹ ይፈልጥ`ዩ።

እሞ ንሕና እዞም ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ዘሎና ኤርትራውያን፣ ነቲ ውጹዕ ሕዝብና ሎሚ ዘይኮናዮ ደኣ ንመዓስ ኢና ክንኮኖ-? ኣብቲ መወዳእታ ናይ ጥፍኣት ጫፍ፣ በጺሑ ዝርከብ ዘሎ ምዃኑዶ ኣይነስተውዕሎን ኢና ዘሎና-? ርግጽ`ዩ እንታይ ኢና `ሞ ክንገብር ዝብል ሕቶ ክህሉ ከም-ዝኽእል ርዱእ`ዩ። ግዳስ ኣብ ኩለን ከተማታት ዓለም ወጺእና፣ እቲ በቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ናይ ኣሥመራ ሥርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ህልቂት፣ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ንማኅበረ-ሰብ ዓለም፣ ሕዝብና ጠፍአ ኢልና ኣውያትና ከነስምዕ-!! ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የልቦን።

ስለዚ`ውን ኩልና ኤርትራውያን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንርከብ ምህላውና ብዘየገድስ። ነዚ ብመልክዕ ኣውያት ዝቐርብ ዘሎ ፍሉይ ጻውዒት`ዚ ኣብ ምትግባሩ። ኩሎም እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዝነጥፉ ዘለዉ ደቂ-ሃገር። ዝተወሃሃደ ናይ ኣሠራርሓ መደብ ብምሕንጻጽ፣ “-ሕዝቢ-ጠፍኣ-” ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ኣውያት፣ ተሓባበርቲ ኮይኖም ክርከቡ ጻውዒት ይግበረሎም ኣሎ። ነዚ ታሪኻዊ ጻውዒት`ዚ ሸለል ከይብሉዎ ድማ ተስፋና`ዩ። ነዚ ንጥፍኣት ተፈሪዱ ዘሎ ሕያዋይ ሕዝቢ ድማ ኣሎናልካ ንበሎ። ብዝተረፈ “-ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ዝተባህለ ከምዚ ምስ ተረኽበ እዩ`ሞ። ንድኅነት ሃገርን ሕዝብን ሓቢርና ንተንሥእ-!! እቲ ሕያው ኣምላኽ ድማ ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ-!! ብርግጽ ድማ እግዚኣብሔር ዝኣምላኹ ሕዝቢ ኣይጠፍእን እዩ።

ኣብ ሰማይ ንእግዚኣብሔር ክብሪ-!!

ሰላም ድማ ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ-!!

ሊቀ-ካህናት  ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  ጀርመን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div