S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ መዓርገ-ክህነት ሂቦም

ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ሕጋዊ ዓቃቤ-መንበር። ኣብቲ ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ ዑደት። ንሓደ ካህንን ሠለስተ ኣናጉኒስጢስን መዓርግ ሂቦም። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ቴል-ኣቪቭ። ተጠርኒፎም ዝርከቡ ዘለዉ ማኅበረ-ምእመናን ድማ፣ እዚ ኣጋጣሚ` ዕጽፍን ድርብን ሓጎስ ክኾነሎም ክኢሉ` ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንኣገልግሎት ቤተ-እግዚኣብሔር ዝኾኑ መንእሰያት ንመዓርግ ከተብጽሕ ምኽኣል። ኣቕሊልካ ክርአ ዝግብኦ ዕድል ኣይኮነን።

እቶም ኣብቲ እዋን`ቲ፣ ብጉባኤ ማኅበረ-ምእመናን ይደልዎ እናተባህለ፣ ናይ  ምብራኽ ሥነ-ሥርዓት ዝተፈጸመሎም ኣገልገልቲ ድማ። እዞም ኣስማቶም ብዝርዝር ተገሊጾም ዘለዉ እዮም። 

ቀሲስ ብርሃነ-መስቀል ገብረእግዚኣብሔር

ኣናጉኒስጢስ መድኃኔ ካሕሳይ

ኣናጉኒስጢስ ገብረ-ብርሃን ኣማኑኤል

ኣናጉኒስጢስ ጴጥሮስ ሣህለ

ኣብ መወዳእታ ኩሎም እቶም ኣብዚ ዕለት`ዚ  መዓርግ ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ። እግዚኣብሔር ዝኸብረሉ መዓርግ ክኾነሎም ናይ ኩሎም ማኅበረ-ምእመናን፣ ጸሎትን ሠናይ ትምኒትን እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div