S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ሰማይ ዕቘሩ

ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። (ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዔ) ዝብል ኮይኑ፡ ስለ ክርስቶስ ካልኣይ ምምጻእ፡ ብዛዕባ ሓጥኣንን ጻድቃንን ዘሎ ፍርዲ እንዳተዘከረ ትምህርቲ ዝዋሃበሉ ዕለታት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።ዝበሎ፡ ንጐይታ ተዳሊና እንተጸኒሕናዮ፡ ካብ እንጌራኡ ኣጽጊቡ ምድሓን ጽድቁ ከልብሰና፡ ኣብቲ ናይ ሓጎስ ጽድቂ ንካፈለሉ መገዲ ንጸርገሉን ንዳለወሉን እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ክንዓቁሮ ዝግባኣና ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ጐይታና፡ ፍጹም ሰብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብዘይካ ንሓጢኣት፡ ንዅሉ ሰብኣዊ ባህርያትን ድኻማትን ስለ ዝተኻፈሎ ንወዲ ሰብ ዜሸግሮን ዚፈታተኖን እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ እዩ። ባዕሉ ኸም ዝፈጠረና ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን ከኣ ንተፈጥሮና ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ እዩ። ንሱ ዋላ ሓንቲ ዚስወሮ ዘይብሉ ዅሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣብ ልብን ኣእምሮን ናይ ሰብ ዜሽከርክር ጽቡቕን ክፉእን ሓሳባትና የንብቦን ይፈልጦን እዩ። ኪኽሰት ወይ ኪሕሰብ ከሎ ዘይኰነስ ገና ንሕናን ዓለምን ከይተፈጠርና ኸሎና ኣትሒዙ እዩ ዚፈልጦ። ስለዚ ድማ ቅዱስ ዳዊት፡ስጋ ምዃኖም፡ ሓሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ። . . . ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።በለ (መዝ 7839 10314)

ሓደ ካብቲ ናብ ብዙሕ ሓጢኣት ዚድርኸና ባህርይና ድማ ክንዓቍር ናይ ምድላይ ክቱር ባህጊ እዩ። በቲ ባህርያዊ ተፈጥሮኡ ዚምራሕ እሞ፡ምዕቋር፡ ምእካብ ይኣኽለኒ፡ ካብዚ ንላዕሊ ኣየድልየንን እዩዚብል ሰብ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ምኽንያቱ ዘይምዕቋር ንወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ሕጊተፈጥሮና፡ ኣንጻር ብርቱዕ ንፋስ ከም ምኻድ ኣህላኽን ዘይከኣልን ገይሩ ስለ ዚሓስቦ፡ በቲ ናይ ምዕቋር ንፋስ ኪውሰድ እዩ ዚመርጽ። እዚ ለካሚ ንፋስ መወዳእታኡ ኣበይ ከም ዜዕልቦ ስለ ዘይሓስብ፡ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ገዛእ ባህግታቱ ዀይኑ መፈጸምታኡ ኼበላሽው ይረኣይ። ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን፡ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረታት ኪምገብዎ ተፈቒዱሎም ክነሱ እታ ሓንቲ ኦም ስለ ዝተረፈቶም ጥራይ ኵሉ ዘይብሎም ኰይኑ ተሰምዖም። እቲ ኣቦ ሓሶት ዲያብሎስ ድማ፡ ነቲ ቕዱስ ሕጊ ኣምላኽ መዝሚዙ፡ ካብዛ ፍረዚኣ ምብላዕ፡ ኵሉ ጥበብን ፍልጠትን ከም ዜስንቕ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣምላኽነት ኣውሪሱ ምስቲ ፈጣሪእዕም ከም ዜመዓራርዮም፡ ኣምላኽ ድማ ምእንቲ ኸይዳረግዎ ኢሉ ብተንኰል ከም ዝኸልከሎም፡ ብምግላጽ ነቲ ዅሉ ናይ ምዃንን ኵሉ ናይ ምውናንን ባህጎም ከም ሕልበት ወቒዑ ወቒዑ ኣዕፈሮ። ትምኒቶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ምስ ዓበየ፡ ንሓጢኣት ወለዶ፡ ሓጢኣት ድማ ነቲ በዅርን እንኮን ፍሪኡ ንሞት ወለዶ። ይትረፍ ኣምላኽነትን ጥበቡን ኪረኽቡ እቲ ምሉእ ሰብ ምዃን እኳ ሰኣንዎ። እቲ ኸሊልዎም ዝጸንሐ ጸጋ ተገፊፉ ዕርቃኖም ወጹ፡፡

እስራኤላውያን፡ ካብ ባርነት ግብጺ ወጺኦም ናብ ምድሪ ኸንኣን ገጾም ኪጐዓዙ ኸለው፡ እኽሊ ሰማይ፡ እንጌራ መላእኽቲ ዝዀነ ማና ኣዝነመሎም (መዝ 7824,25) ብኣፍ ነብዪ ሙሴ ድማ፡እዚ (ማና) እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጌራ እዩ። . . . ነፍሲ ወከፍ ንብልዑ ዚኣክል ካብኡ ይኣክብ። . . . ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንጽባሒቱ ኣየትርፍ።ኢሉ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ሰሲዖም ብዙሕ ኣኪቦም ዓቘሩ፡ንጽባሕኢሎም ድማ ኣሕደርዎ። እቲ ቅዱስ ማና ድማ ሓሲኹ ሓደረ፡ ጨናኡ ድማ ብድብድ ዘይጽወር ኰነ። ስለዚ ብዘይ ፍቓዱ ንትእዛዛቱ ጥሒስካ ዝኣከብካዮ ዕቋር፡ ካብ ዚብላዕ ምግቢ፡ ናብ ዚባላዕ ሃሰኻ ከም ዚልወጠካ ብቓልን ብግብርን ኣፍለጦም። ሰንበት፡ ቅድስቲ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡ ሽዑ ማና ኺእክቡ ኢሎም ከይወጹ፡ ብድሮ ግና ንኽልተ መዓልቲ ኪእክቡ ኣዘዞም፡ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኪቦም ክነሶም፡ እቲ ንሰንበት ኢሎም ዝኣከብዎ ማና ከይሓሰኸን ከይጨነወን ሓደረ። ስለዚ ነቲ ዕቋር ዜመሽምሾን ዜሐስኾን ዘሎ፡ እቲ ምፍራስ ሕጊ ኣምላኽ ምዃኑ ኺምህሮም ይደልይ ነበረ። ሰንበት ከይኣርዩ ተነጊርዎም ኬብቅዕ፡ ኪኣርዩ እንተ ወጹ፡ ማና ሰንበት ስለ ዘኽበረ ከይወረደ ጸንሖም። ምሉእ መዓልቲ ኺኣርዩን ኪእክቡን ምእንቲ ኸይውዕሉ ድማ ነቲ ዝተረፈ ማና ብጸሓይ ከም ዚመክኽ ገበሮ (ዘጸ 164-31) እግዚኣብሄር፡ ብዛዕባ ማና ትእዛዝ ኪህብ ከሎ፡እንሆ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚኸዱ እንተ ዀኑ ወይስ እንተ ዘይኰኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲ እናወጹ፡ ነንመዓልቲ ዜድልይ ይእረዩ።በለ (ዘጸ 164) ስለዚ፡ ዚእከብን ዚዕቈርን ነገር ኣብ ቅድሜኻ ኬጓንፈካ ከሎ፡ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኣብ ፈተናን ትዕዝብትን ናይ ኣምላኽ ኣብ ገልዒ ሚዛኑ ተቐሚጥካ ኸም ዘሎኻ ምዝካር ኣድላዪ እዩ። ኣብዛ ፈተና እዚኣ ብዓወት ዲኻ ኽትሓልፍ ወይስ ተሳዒርካ ኽትተርፍ ምርጫ ናትካ ይኸውን ማለት እዩ። ኣብ ፈተና ናይ ኣምላኽ ምሕላፍን ምትራፍን ድማ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እምበር፡ ከም ናይ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ፈተና ኸም ዘይኰነ ንዘክር።

እዚ ናይ ዘይምእካብ ናይ ዘይምዕቋር ነገር፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ ስለ ዝዀነ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱወርቂ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይ ክልተ ክዳን፡ ወይ ኣሳእን ወይ በትሪ ኣይትምሃዙ (ኣይትማልኡ)ኢሉ ኣዘዞም (ማቴ 109,10) እቲ ንዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓለወ ግን ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ውሕስነት ዘይረኸበ ሃብታም መንእሰይፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘሎካ (ዝዓቘርካዮ ዅሉ) ሸጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ (ሃብቲ) ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ።በሎ። ነዚ መንእሰይ፡ ካብ ናይ ምሃብ ዓቕሙ ንላዕሊ እቲ ናይ ምዕቋር ዓቕሙ እምብዛ ስለ ዝበርትዖ፡ ኣብታ ፈተና ተሪፉ፡ ነቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ባህጉ ደርብዩ፡ ካብ ሰማያዊ ሃብቲ ምድራዊ ሃብቲ መሪጹ ንጐይታ ዝባኑ ሂብዎ ኸደ (ማቴ 1916-22) ጐይታ ድማሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣትው፡ ጭንቂ ከም ዝዀነ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ደጊመ፡ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ኺሓልፍ ከም ዚቐልል እብለኩም ኣለኹ።ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም (ማቴ 1923,24) ሃብታም ናይ ምዃን ተመሳሳሊ ቓል፡ዓቛሪ፡ ኣካቢ፡ ኣዋህላሊ ምዃንእዩ። ስለዚ ኣብ ምእከብን ምዕቋርን ኪሰልጠካ ኸሎ፡ ኣብ ደጌታት መንግስተ ሰማይ ግና ይጸብበካ ኸም ዘሎ ምስትውዓል የድልይ። ምኽንያቱ ምእካብ ንእግዚኣብሄር ናይ ዘይምእማን ውጽኢት እዩ።ሎሚ ሂቡ ጽባሕ እንተ ኸልኣኒኸዚብል ናይ ዘይምእማን ማይ ብሑቕ ዚወልዶ ባህርይ እዩ። ስለዚ ድማ ክትህብትም ክትዓቝር ናይ ምድላይ ሳዕቤንን መድሃኒቱን እንታይ ምዃኑ እቲ ሃዋርያዊ ቓል፡ግናኸ ኣምልኾ (መንፈሳውነት ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ፡ (ዋላ) ሓንቲ ኽንወስድውን ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ ንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ (ኪእክቡ ኺዓቝሩ) ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥም ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቑ። ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኣቶም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡብምባል መዓደና (1ጢሞ 66-10) ስለዚ ድማ ሃዋርያ ያእቆብ፡ ነቶም ሃብታማት ክርስትያን፡ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዚመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ። ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ። ወርቕኩምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ (ኣንጻርኩም) ኪምስክረልኩም እዩ ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኺበልዎ እዩ ኢሉ ዚጽበዮም ዘሎ ዕጫ ኣፍለጦም (ያእ 51-2) ስለዚ ኣብ ምድሪ ምእካብ ምዕቋር ማለት ድሕሪ ሞት ዚበልዓካ ሓውን ሓሰኻን ምእካብ ማለት እዩ። እምበኣር በዚ ህያው ቃል መሰረት፡ ምዕቋር ርእሰ  ቕትለታዊ ምርጫ ምዃኑ ንገንዘብ።

እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ንምስምዑ ዀነ ንምርድኡ ጭንቂ ኸም ዚዀነና ርዱእ እዩ (ዋላ ንጸሓፊኡ) ነቲ ነገር ኣዝዩ ዚሓላልኾ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ሃብቲ ህያብ ናይ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ምንጋሩ እዩ (ዘዳ 818 1ሳሙ 27 ምሳ 818 1022)እሞ እግዚኣብሄር ብደጌታት መንግስተ ሰማያት ምእታው ጭንቂ ኺገብረልና ኢሉ እዩ ዜሀብትመና ማለት ድዩ፧ዚብል ሕቶ ዜልዕል ድማ እዩ። መልሱ ግና፡ኣይፋሉን፡ ኬግፍሓልና ኢሉ እባዚብል እዩ። ንሱ ነቲ ምድራዊ ሃብትና ናብ ሰማያዊ ሃብቲ ብምቕያር ኣብ ሰማያት ክንዓቝሮ ኢሉ እዩ ዚህበና እምበር ንርእስና ኢልና ኽንእክቦ ኢሉ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ጐይታ፡እቲ ንርእሱ ኢሉ (ሃብቲ) ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ።ኢሉ ኣፍሊጡና እዩ። ስለዚ ድማ ጥሪትን ገንዘብን ክንእክብ ዘይኰነስ፡ዘይትኩም ሽጡ፡ ምጽዋት ሃቡ (ንድኻታት መጽውቱ)” ኢሉ ኣዘዘና፡ ዘይበልይ ዘይስረቕ ማሕፉዳና እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ፡እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።ዝተባህለልና (ምሳ 1917)እቲ ንድኻ ዚጭቁን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ።ከም ዝተባህለው ኣይንዘንግዕ (ምሳ 1431) ብመጋብርካ ንፈጣሪኻ ምጽራፍ ኣበይ ከም ዜእትው ድማ ብንጹር ተነጊሩና እዩ። ካብቲ ንኣልኣዛር ዝጨቈነ ሃብታም ሰብኣይውን ክንመሃሮ ንኽእል ኢና (ሉቃ 1619-31)

ኣብ ሰማይ ኪዕቈር ዚኽእል ግና፡ ምድራዊ ሃብቲ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ምድሪ ዄንና እንዛረቦ ዅሉ ቓላትውን፡ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መጻሕፍቲ ኺዕቈር እዩ። ስለዚ ድማ፡እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዐውን፡ (ንኣታቶም) ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈተባህለልና (ሚል 316) ኣብ ርእሲ እቲ ብሃብትና እንገሮ ግብርታት፡ ካልእ ኩሉ ግብርታትናውን ኣብ ሰማያት ከም ዚዕቈር፡ በቲእቶም ምውታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱዚብል ቃል ኣረጋጊጹልና እዩ (ራእ 2012) ከምቶም ብልህታት ዓቘርቲ ኣብ ሰማያት፡ ኣብቲ ህያው ከረጺት፡ ኣብቲ ዘይበልይ ማሕፉዳ፡ ህይወትን ክብረትን ደዀን ንዓቍር ንህልው፧ ወይስ ከምቶም ዜሳቕእዮም ሓሰኻን ሓውን ኣብ ገሃነም ዚዓቝሩ ዓያሱ ዓቘርቲ ኢና፧ እምበኣር፡ ንምድሓን ንለብም። ሓላፊ ሃብቲ ኽንእክብ ናብ ነባሪ ስቓይ ዘሊልና ኣይንእቶ። ሞት ኰነ ህይወት ናይ ምምራጽ ስልጣን ብቕድስቲ ስላሴ ተዋሂቡና እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

 ዕለት፥ ሰንበት 15 ታሕሳስ 2019 (ታሕሳስ 5, 2012 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 131/13215, 16

ለነዳያኒሃኒ ኣጸግቦሙ እክለ። ወለካህናቲሃኒ ኣልበሶሙ  ሕይወተ። ወጸድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ።

ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳን ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1ቁረ 1512-33

ዲያቆን

ቅዳሴ  አትናቴዎስ

2ጴጥ 310-ፍጻ

ንፍቀ ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 1232- 40

ግብ 2028-ፍጻ

ንፍቀ ካህን

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div