S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሳድሳይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 26) ገብር ኄር ይስመ። እዚ ክፍሊ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቶም መኽሊት ተቀቢሎም ከሽርፉ ዝወጹ ባሮት፡ ጐይትኦም ምስ ተመልሰ ብዛዕባ እቲ ዝሃቦም መኽሊት ከም ዝተጸባጸቦም ዝምህር ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።

ነቲ ካብቶም ሰለስተ ባሮት፡ ጉይቶኦም ነቶም ክልተ ቀዳሞት ዝሃቦ ቃል ዝምልከት እዩኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ በዚ ናይ ጾምና ሰሙን፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝረኣናዮ፡ ነቲ ዘይተርፍ (ርጉጽ) ምጽኣት መድሓኒና ምስ መላእኽቲ ክብሩ፡ ዝበቅዕ ድልውነት ኣብ ህይወትና ምእንቲ ክርከብ፡ እዞም ባሮት ካብ ኣፍ ጐይታ ዝሰምዕዎ ናይ ምጽንናዕ ቃል ክንሰምዕ፡ ንህይወትን ናብራን እዞም ባሮት ዝምርምር ትምህርቲ ከድልየና ብግዲ እዩ።

እቲ ካብዚ ክፍሊ እንመሃሮ ናይ መጀመርያ ሓሳብ፡ መደብ ኣምላኽ ንንፍሲ ወከፍ ሰዓቢኡ ንምፍራይ እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ብኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፥ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።” (ዮሃ 1516) እቲ ዝመደበልና ኣብ ህይወትና ተፈጺሙ ክርእዮ ከሎ ከም ዝሕጐስ ድማ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ፥ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም. 8 እዚ ኣምላኽ ዝኸብረሉ ፍረ ግና እንታይ እዩ፧ ከምቲ ጐይታ ነቦ ብምግይዱኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ።” (ዮሃ 1:18 ዮሃ 174) ብምባል ንኣቦ ብዘስምር ምኽባር ከም ዝነበረ ዝገለጸ፡ ኣምላኽ ብኣና መኣዛ ፍልጠቱን ሕያውነቱን ኣብ ኩሉ ስፍራ ብምግላጽ ከም ዝኸብር ኢና እንርኢ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውንነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተፈጠርና ኢናይብለና (ኤፌ 210) ነዚ ሰናይ ግብሪ ድማ በቲ ኣምላኽ ካባና ዝጽበዮ ግድነታዊ ፍረ ብከምዚ ይገልጾእቶም ናትና`ውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዜድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ክገብሩ ይምሃሩ።” (ቲቶ 3:14) እዚ ፍረ እምበኣር፡ በቲ ካብ ዝተሓደሰ ሕልና ዝነቀለ ኣካይዳና ተተንኪፎም ከም ረብሓ ዀይኖም ዝርከቡ ሰባት እዮም (ማቴ 516) እቲ ፍረ ብዘይተቛርጽ ፍቅሪ ኣምላኽ ተደሪኽና ንሕሙማት ኣብ ዓራቶም፡ ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኣብ መቃውሖም እንበጽሖም ሰባት እዮም። እቲ ፍረ መሳርሒ ኣምላኽ ኴንና፡ እንዕንግሎም ሰባት፡ እነርውዮም ሰባት፡ እነልብሶም ሰባት እዮም። ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ሰብ ስለዝዀነ፡ እቲ ኣምላኽ ዝጽበዮ ፍረ ድማ ሰባት እዮም - ብብርሃና ብርሃን ኣምላኽ ዝርእዩ ሰባት። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ንኣምላኽ ብቃሉን በካይድኡን ኣብ ማእከሎም ዘግህዶ ዝነበረ ሰባት በዚ መልኽዕ ይርድኦም ነበረ። ብከምዚ ድማ ይገልጾምኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምታ ዉሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና። ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።ክብርናን ሓጐስናን ንስካትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ ብምጻኣቱኸ ተስፋና ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧” (1 ተሰ 2:7-8, 19-20)

እቲ ካልኣይ እንመሃሮ ሓሳብ፡ ባርያ (ሰዓቢ) ጐይታ ኰይኑ መኽሊት ዘይቅበል ሰብ ዘይምህላዉ እዩ። ዅላቶም እቶም ባሮት መኽሊት ተቐቢሎም እዮም። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና፡ ከም ሰዓብትን ኣገልገልትን ናይቲ ካብ ነፍሲ ወከፍና ፍረ ዝጽበ ኣምላኽ፡ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተዋሂቡ ኣሎ።  “ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ” (ኤፌ 47) እንተዀነ ኣምላኽ ንጸጋኡ በዘፈቐደ ዘይዀነ ዝንስንሶስ፡ ንነፍሲ ወከፍና ብመስፈር ክርስቶስ ብመስፈር እምነትና ከከም ዓቕምና እዩ ዝህበና። እዚ መስፈሪ እዚ እቲ ናይ ልብና ናይ እምነት ኹነታት፡ ናይ ቅንዕናን ምውካልን ኩነታት፡ ናይ ምውፋይን ምእማንን ኩነታት ወዘተ እዩ። ኣዒንቲ እግዚኣብሔር ኣብ ብዘሎ ዙርያ ምድሪ ዝዞራ ድማ ነዚ እየን፡ ነቶም ፈጺሙ ልቦም ኣብኡ ዝጽግዑ መታን ከጽንዓ (2 ዜና 169) እቲ ልብን ኰላሊትን ዝምርምሪ ኣምላኽ፡ ነቲ ቀዳማይ ባርያ ሓሙሽተ መኽሊት ዘውህቦ ብቅዓት ረኸበሉ። ሓሙሽተ ከም ቁጽሪ፡ ምልክት ምልኣት ህዋሳት መንነትና ከም ዝዀነ መጠን፡ ናይ ብኹለንትናኻ ኣብ ኣምላኽ ናይ ምውካል ምልክት እዩ። እዚ ድማ እቲ ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ መጠንን ዓይነትን ጸጋ፡ ብመጠን እቲ ልብና ክጾሮ ዝኽእል ወይ መስፈሪና ክስከሞ ዝኽእል ምዃኑ ዘመልኽት እዩ። እቲ ካልኣይ ባርያ ድማ ከምኡ ኽልተ መኽሊት ንምቅባል ዘኽእሎ ዓቅሚ ነበሮ። ክልተ ምልክት ሕብረት፡ ሓደ ምዃንን ምልጋብን እዩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ነታ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብካ ኣፍቅሮ ንትብልን ንብጻይካ ከም ነፍስካ ኣፍቅሮ ንትብልን ትእዛዛት ከላግብ (bridge ክገብር) ዝኸኣለ ሰብ እዩ። ከም መግለጺ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ፡ ነቲ ኣብ መገዲ ያሪኮ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወዲቁ ኣይ ምዉት ኣይ ስሩር ኰይኑ ረኪብዎ ብርሕራሔ ጉዳዩ ገዲፉ ኣመቱ ዝገበረ ሳምራዊ ሰብኣይ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ናብ ማዕርፎ ኣጋይሽ ወሲዱ መጠን ዝኸፈሎ ዲናር ክልተ ነበረ (ሉቃ 1030-42) እታ ካብ ኩሉ ድኽነታ ኩሉ ምግባ፡ ካብ ኩሎም ኣብዚሓ ከም ዝሃበት ጐይታ ዝመስከረላ መበለት ሰበይቲ ዝሃበቶ መጠን ሳናቲም ክልተ ነበረ (ሉቃ 211-4) እቲ ሓደ ዝተቀበለ ሰብውን እንተዀነ ናብ ኽልተ ከብጽሖ ዝኽእል መበገሲ ተዋሂብዎ ነበረ።

ድሕሪ ምቅባል እዚ መኽሊታት፡ እቶም ቀዳሞት ክልተ ባሮት ብኡ ንብኡ ናብ ዕዮ ክዋፈሩ ንርኢ። ንነፈሲ ወከፍ ዝተዋህቦኦም ደቃይቅ ኣብ ጥቕሚ እናኣውዓሉ ነቲ ጐይቶኦም ኣባታቶም ዘንበሮ ጸጋታት ኣብ ማእከል እቶም ዘጓነፍዎም ሰባት ብምግላጽ፡ ንኣምላኽ ምንባር ተታሓሓዝዎ። እቲ ሳልሳይ ባርያ ግና ዘይከምዚኣቶም፡ ነታ ዝተዋህበቶ መብራህቲ ኣብ ትሕቲ ከፈር ስለ ዘንበራ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ንክርስቶስ ዝእመነላ ምእማን ኣይነበረቶን (ማቴ 513-16) ከም ውጽኢቱ ድማ ብብርሃኑ ብርሃን ኣምላኽ ዝርኢ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ባሮትን እዚ ሓደ ባርያን ዘሎ ናይ ባህሪ ፍልልይ ንርአ። ኣብ ምግላጾም፡ ጐይታ ክልተ ወሰንቲ ዝዀና ቃላት ተጠቂሙ ኣሎ፥ ሕያዋይን እሙንን ዝብላ። እቲ ብዛዕባ እዘን ክልተ ባህርያት ዝነበሮም ፍልልይ ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ኣብ ናብርኦም ዝተራእየ ፍልልይ ምኽንያት ዀነ። እዘን ክልተ ባህርያት፡ ነቲ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ምልኽትነት ናይ ክልተ መኽሊት ዘስምራ፡ ነቲ ህይወት ክርስትና እትቆመሉ ክልተ ኣእጋር፡ ማለት ተኣማንነት ንኣምላኽን ሕያውነት ድማ ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ብብጾትካ። ንሓድሕደን ክነጻጸላ ዘይክእላ፡ ክንከደለን፡ ኬድና ድማ ነባሪ ፍረ ክንፈርየለን ዘኽእላና ኣእጋር እየን።

እሙን፥ እዚ ባህርይ እዚ፡ ናብቲ ሕድሪ ዝሃበና ኣምላኽ ዝቀንዐ ኣገዳሲ ባህርይ እዩ። ምመዘኒኡ ድማ ነቲ ዝተዋህበካ ሕድሪ ብከመይ ዝበለ ዕቱብነት ትፍጽሞ ምህላውካ እዩ። እሙን ሰብ፡ ብዘይ ምህካይ፡ ብዘይ ምቝጣብ፡ ብዘይ ሸለልትነት፡ ብዘይ ምስልካይ፡ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ፡ ነቲ ኣምላኽ ካብኡ ከም ዝጽበዮ ዝፈልጦ ፍቃድ ኣምላኽ ክነብር ዝርከብ ሰብ እዩ። ደጊምና ንምስላ ናይቶም ጐይተኦም ንቤተሰቡ መግቢ ብብግዚኡ ክቅርቡ ዝሽሞም ክልተ ባሮት ነስተብህል (ማቴ 24:44-51) እቲ እሙን ዝተባህለ ባርያ፡ ነቲ ጐይትኡ ዝሃቦ መደብ ዕዮ ብዘይ ምቁራጽ ክፍጽም ተረኽበ። እቲ እኩይ ዝተባሕለ ዘይእሙን ባርያ ግና፡ ጐይታይ ይድንጒ እዩ ብምባል፡ ነቲ ዝተዋቦ መደብ ገዲፉ፡ ምስ ሰኸርቲ ክበልዕን ክሰኽርን፡ ነቶም መግቢ ክቕርበሎም ዝተዋህብዎ ሰባት ድማ ክወቕዖም ጀመረ። ኣምላኽ ኣንጻር ስራሕ ምፍታሕ (Idleness) እዩ። ናይ ምፍጣርና ዕላማ ንሰናይ ግብሪ ስለዝዀነ፡ ካብ ምግባር ሰናይ ዕረፍቲ ንወስደሉ ጌዜ የብልናን። ሰናይ ምግባር (መኽሊትካ ምሽራፍ) ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡን እንነብሮ ህይወትና እምበር ኣብ ዝተፈልየ ቦታታት እነተግብሮ ሞያና (profession) ኣይዀነን። ጐይታ ባዕሉ ኣቦይ ይገብር ኣነውን ይገብር ብምባል ካብ ዕዮ ከምዘየብዀረ ገለጸ። ኣብቲ ምስላ ናይቲ ንግራቱ ዓየይቲ ከናዲ ናብቲ ደለይቲ ስራሕ ዝእከብሉ ቦታ (ፊቾ ላቦሮ) ዘምረሐ ሰብኣይ፡ ነቶም ዝረኸቦም ሰባት ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ይብሎም ነበረ። እዚ ድማ ግሁድ መርኣዪ ናይቲ ንጐይታ ዘለዎ ኣረኣእያ ብዛዕባ ስራሕ ምፍታሕ ኰይኑ ኢና ንረኽቦ።  ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ ብምባል፡ ነቲ ብግዲ ዘድሊ ዝበሎ ሰናይ ግብሪ ብግዚኡን ብዘይ ግዚኡን ክንገብሮ ይምህረና።እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” (ገላ 69)

ሕያዋይ፥ እዚ ባህርይ እዚ፡ ናብቶም ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥሩ ብጾትካ እተንጸባርቖ ናይ ምሕረትን፡ ለውሃትን፡ ድንጋጸን፡ ርሕራሔን፡ ፍቅርን ባህርይ እዩ። በዚ ከምዚ ዝበለ ባህርይ ውሽጥካ እንተዘይተደሪኹ ኣብ ቅድሚ ኣሓዋትካ ጣዕሚ ኣምልኽ ክትልግስ ኣይከኣለካን እዩ። እቲ ኣብ ልብና ዝፈሰስ ናይ ኣምላኽ ፍቅሪ፡ ንብጾትና ከምቲ ኣምላኽ ዘፍቀረና፡ ዘፍቅር ልቢ ዘለና መፍቀርቲ ይገብረና። እቲ ህይወትና ዝጠዓመቶ ምሕረት ኣምላኽ፡ ንኣሕዋትና እንምሕር መሓርቲ ይገብረና። እቲ ዝተለማመድናዮ ሕያውነት ኣምልኽ፡ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን እንርሕርሕ፡ ለወሃት እዩ ዝገብረና። ዘይተቐበለ ክህብ ስለዘይክእል፡ ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ዝዀነልና ፍቅሪ፡ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ሕያውነት ነስተብል። ሽዑ ልብና ብዘይ ነቲ ዝተቀበሎ ጸጋ ኣምላኽ ምንጽብራቕ ንካልእ ምርጫ ዘይብሉ ዀይኑ ክንረኽቦ ኢና። (ሮሜ 55 1ዮሃ 4010-11 1 ጴጥ 22 ኤፌ317-19)

ብምጽኣቱ ዘይሓፍር፡ ልቢ ኣምላኽ ዘቅስን፡ ብእኡ ዝነብር እሙንን ሕያዋይ ልቢ ይሃበና። (1 ዮሃ 2:28) ኣሜን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 26 መጋቢት 2017 (ሰንበት 17 መጋቢት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 40 (39)፡8

"ከመ እግበር ፈቃደከ መከርኩ ኣምላክየ ወሕገከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዓብይ።"

ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ።"

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ይ ጢሞ 2፡1-16

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ  2514-31

2 ጴጥ 5፡1-12 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ባስሌዎስ

ግሃ 1፡ 6-9

ንፍቅ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div