S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 19) ደብረ ዘይት ይስመ። ጐይታና ኢየሱሰ ዝበዝሐ ትምህርቱ ኣብ ከረን ደይቡ እዩ ዝመሃሮ። ኣብ መጀመሪ ስብከቱ ኣንቐጸ ብጹኣን ተባሂሉ ዝፍለጥ (ማቴ 5-7)። ካብቲ ናይ መወዳእታ ትምህርታት፡ ማለት

ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽን መወዳእታ ዓለምን ኣብ ደብረ ዘይት (ከረን ኣውሊዕ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከረን ሰበኾ። ከረን ከም በሪኽ ቦታ መጠን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምልክት ጽድቅን ቅድስናን፡ ምልክት ጸሎትን ብርትዐን፡ ምልክት ምልክን ስልጣንን ዀይኑ ንረኽቦ። ምንም እዃ ንስሉጥነት ምምሕልላፍ ትምህርቱ ሓጋዚውን እንተነበረ፡ ከም መምሃሪ ቦታ ከረን ምሕራዩ፡ ነዚ ዝተጠቕስ ባህርያት ብዛዕባ እዚ ትምህረቲውን ንምንጽብራቕ እዩ ዝነበረ። እዚ ትምህርትታት ካብ ኩሉ ትምህርትታት ዝኸበረ፡ ባዕሉ ጐይታ “ቃለይ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል” ብምባል ዘኽበሮ ቃል እዩ። ቤተ ክርስትያንና ድማ “ቃል ቅዱስ ወንጌል” ካብ ኩሉ ዝኸበረ ቃል ኢላ ክብረቱ ዓቂባ ትነብር ኣላ። ከምቲ ኩሉ ሳዕ እንጽልዮ “ይረስየነ ድልዋነ ለሰሚዐ ወንጌል ቅዱስ” ንምስማዕ ቃል ቅዱስ ወነጌል ድልዋት ይግበረና ኢልና ናብ ትሕዝቶ ትምህርቲ ደብረ ዘይት ንስገር። ኣብ ኣርባዕተ ከፋፊልና ክንርእዮ ኢና።

1. መወዳእታ ዓለም፥ ፍጥረት ሰማይን ምድርን ከምቲ መጀመረታ ዘለዎ ከምኡውን መወዳእታ ኣለዎ። ምስ ነፍሲ ወከፍ ምሕላፍ ናይ ግዜ፡ መወዳእታ ኩሉ እናቀረበ ይኸይድ ኣሎ። ከምቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ ፍጥረት ሰማይን ምድርን ድማ ከም ስምዒ ብረስኒ ሓዊ መኪኩ ዝሓልፈሉ መዓልቲ ይጽበ ኣሎ (2ጴጥ 3፡ 11-13)። እዚ ድማ ምስ ምጽኣት ወልድ ዋህድ ካብ ሰማይ ከም ዝኸውን እቲ ሃዋርያ ይምህር። እቲ ኣረጊት ብሓዲሽ ከም ዝትካእ፡ እዚ ሓላፊ ድማ ብዘይሓልፍ ክትካእ እዩ። ከምቲ ተስፋ ኣምላኽ ድማ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓዲሽ ሰማያትን ሓዲሽ ምድርን ንጽበ ኣለና። ስለዚ መወዳእታ ዓለም ክብሃል ከሎ ምብቃዕ ብሰንኪ ሓጢኣት ሰብ ዝተረገመት ምድሪ፡ ምጅማር ናብራ እታ ሓዳስ ኢዮሩሳሌም ዘመልክት ዓቢ ፈጻሜ እዩ (እብ 12፡26-29፣ 1ዮሃ 2፡ 17)። እዚ መወዳእታ መዓስ ከም ዝኸውን ደቀ መዛሙርቱ ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታ ምልኽታት ህልቀት ዓለም ነገሮም ከምዚ እናበለ። ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ዝመጹ ዝበዝሕሉ። ሓሰውቲ ነብያት ዝትንስእሉ፡ ወግእን ወረ ውግእን ዝስምዓሉ፤ በብቦትኡ ጥምየት፡ ፌራ፡ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ዝርኣየሉ፤ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝልዓሉሉ፤ ብምኽንያት እምነት ዝመጽእ ስደት ዝበዝሓሉ፤ ክሕደትን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ዝበዝሃሉ፤ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ትዝሕለሉ። እዞም ምልኽታት ንዘመንና ንምልላይ ይሕግዙና። ጥበብ ኣብ ዘመንኻ ምልላይ እያ ዘላ። ንዘመናት ወለዶታት ዝሓሸት ዓለም ኣብ መጻኢ ተጸቢዮም እዮም። እንተኾነ “ጥዑም ከይበልናዮ ጥዑም ሓሊፉ” እናበሉ ዓለም ምስ ኩሉ ምዕባሌኣ ናይ ምጽባቕ ኣንፈት ከም ዘይብላ እናተኣመኑ ይሓልፉ ኣለው።  “እምባአር ተጠንቀቑ፡ እቲ ቕንያቱ ኽፋእ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝተዋህበኩም ግዜ ብምሉኡ አብ ረብሓ እናውዓልኩም፡ ከም ዓያሹ ዘይኾነስ ከም ለባማት ንበሩ።” ኤፌ 5፡15-16። ግዜና ምልላይ ንምጥንቃቕ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንምድላው ዝረድኣና ዓብዪ ምስትውዓል እዩ። 

2. ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ፥ እዚ ምጽኣት እዚ ብዓይነቱ ካብቲ ቀዳማይ ምጽኣት ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ ቀዳምይ ምጽኣቱ ዋላ’ዃ ብትንቢት ተነጊሩ እንተነበረ፡ ብዓወታ ዘይዀነስ ብትሕትና፡ ስጋ ብምልባስ ምእንቲ ሓጢኣያት ደቂ ኣዳም ንሙማት እዩ ዝመጸ። እቲ ካልኣይ ምጽኣት ግና ብሰላሕታ ዘይዀነስ ብድምጺ ጭድርታ ሊቀ መላእኽቲ፡ ከም መብረቕ ሰማይ ንዅሉ ሰብ ብገሃድ፡ ብውርደት ዘይዀነስ ብኽብሪ፡ ንምድሓን እቶም ዝኣምንዎ ሓንሳብ ደጊሙ ክግለጽ እዩ (እብ 9፡27-28)። እታ ጐይታ ዝመጸላ መዓልቲ ምስጢር ብምዃና፡ ጐይታ ከም ሰራቒ ሃንደበት ከም ዝመጽእ ቃሉ ይምህረና (ማቴ 24፡36-39)። ስለዚ በዚ ጉዳይ ሓደ እዃ ከስሕተና አይግባእን። ከምቲ ጐይታ ቅድሚ ምኻዱ ዝበሎ ድማ፡ “ስፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ”፡ ዳግም ምጽኣቱ ምልኣት ድለውነት ተስፋና የመልኽት። ደጊሙ ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጽሓፎ ምድንጓይ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ንንስሓ ዝኸውን ትዕግስቲ ኣምላኽ ከም ዘመልኽት፡ ምጽኣቱ ድማ ደጊም ንንስሓ ዝኸውን ትዕግስቲ ኣምላኽ ዝውድኣሉ ግዜ ምዃኑ የመልኽት። “ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ክበጽሑ እምበር ሓደ እዃ ክጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾን፡ ምእንታኻተኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ክሓልፍ እዩ። ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ።..” (2 ጴጥ 3፡9-10)። ብተወሳኺ ዳግም ምጽኣቱ፡ ኣምላኽ ሕነ ዝተገፍዑ ህዝቡ ንምፍዳይ ዝልዓለሉ ግዜ ምብጽሑ የመልኽት (ራእይ 6፡10፣ 2 ተሰ 1፡7)

3. ድልው ምዃን፥ ብሓፈሽኡ ምምጻእ ናይ ሓደ ኣካል ኣብቲ ተጸባዪ ዝፈጥሮ ስምዒት ኣለዎ። ስለዚ ድማ እዩ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ነቶም ሰዓብቱ እዚ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ምድሓንኩም ናብ ኣፍ ቤት ምቅራቡ ፈሊጥኹም ርእስኩም ኣቅንዑ ዝበለ። ምጽኣት ወልድ ዋሕድ ድማ ንደቂ ሰባት ከከም ናይ ድልውነቶም ፍልልይ ክልተ ዝተፈላለየ ስምዒታት ዝፈጥር ሁመት ክኸውን እዩ። ነቶም በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተስፋ ኣሚኖም፡ ክሳብ መወዳእታ ጸኒዖም ዝተጸበዩ፡ ሓጐስ፡ ነቶም ብናይዛ ዓለም ሓልዮት ተታሒዞም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ተስፋ ሸለል ዝበሉ ድማ፡ ሓዘንን ዘይወጽእ ጣዕሳን ክኸውን እዩ። እዚ ስለ ዝኸውን ድማ እዩ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቐና፡ ከምዚ እናበለ፡ “እምበኣርሲ ጐይታኩም ብዘይተጸበኩምዋ ሳዓት ክመጽእ እዩ እሞ ዝተዳለኹም ኩኑ።” ነዚ ንምርዳእ፡ ጐይታ፡ ሰለስተ ምስላታት መሃረ፥ 1) እሙንን ዘይእሙንን ኣገልጋሊ (ማቴ 24፡45-50፤ሉቃ 12፡41-48)፣ 2) ሓሙሽተ ለባማት ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል (ማቴ 25፡1-13)፣ 3) መኽሊት ዝተቐበሉ ሰለስተ ባሮት (ማቴ 25፡14-30፤ሉቃ 19፡11-27)። እዘን ምስላታት ዝምህራና ሓደ ዓቢ ትምህርቲ እንተኣሎ፡ እሙን ምዃን እንታይ ከም ዝመስል እዩ። ሓደ ሰብ እሙን ዝብሃል ዝተዋህቦ ሕድሪ ከጽንዕ ከሎ እዩ። ዘየባኽን። ብኣንጻሩ ድማ ዘባኽን፡ ሕድሪ ዘየጽንዕ ዘይእሙን ይብሃል። ኣብዘን ምስላታተ ድማ እዘን ክልተ ባህርያት ተገሊጸን ንርእየን። እቶም ቀዳማይ ክፋል ነቲ ጐይትኦም ዝሃቦም ሕድሪ ብተኣማንነትን ትግሃትን ዝፈጸሙ፡ ክዀኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኣይ ክፋል ድማ ግዚኦም ብሸለልትነትን ብምብኻን ነቲ ጐይታ ዝሃቦም ሕድሪ  ዘየጽንዑ እዮም። ግዜ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዝሃቦም ብሉጽ ህያብ እዩ። ድልው ምዃን ድማ ወጽኢት ናይ ንግዜካ ብግቡእ ምጥቃም እዩ። ብዙሕ ፍረ፡ ወጽኢት ኣብ ግዜ እትገብሮ ዉሕሉል ወፍሪ እዩ። እዚ ሓቂ እምባኣር ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ኣብቲ መንፈሳዊ መዳይ ናይ ህይወትና ዝምልኸት እዩ። መደብ ኣምላኽ ንዓና፡ ጐይታ ክግልጽ ከሎ ብዙሕን ነባርን ፍረ ሒዝና ክንጸንሖ እዩ። “ኣነ እየ ዝሓሬኹኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይሓረኩምንን። ኬድኩም ፍረ ክትፈርዩ፣ ፍሬኹምውን ነባሪ ምእንቲ ኪኸውን ነዚ መደብኩኩም።” ዮሃ 15፡16 እንታይ ዓይነት ፍረ እዩ ዝዛረብ ዘሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክልተ ዓይነት ፍረ ይዛረብ። ቀዳማይ እቲ ፍረ መንፈስ ኢሉ ዝጠቕሶ ባህርያት፤ “ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና ፍቅሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግስቲ፡ ልግሲ፡ ሕያውነት፡ እሙን ምዃን፡ ለውሃት፡ ርእስካ ምግታእ እዩ።” ገላ 5፡22-23 ምዃኑ ይምህረና። እቲ ካልኣይ ፍረ ድማ ንደቂ ሰባት ናብ መንገዲ ኣምላኽ ምምራሕ እዩ። ከምቲ ስሙ ዝሕብረና፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ባህርያት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ፍረ እዩ። “ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም” ገላ 5፡16። ብመንፈስ ምምልላስ ማለት ድማ መንፈስ ቅዱስ ዝቆጻጸሮ ህይወት ምህላው ማለት እዩ። እቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝተሓተምናዮ መንፈስ ቅዱስ፡ ብዝተኣዘዝናዮ መጠን ህይወትና እናተቆጻጸረ ይኽይድ። እቲ ዝጠቀስናዮ መንፈሳዊ ባህርያት ድማ እናተጋህደ ይኸይድ። ውሽጢ እንተ ዘይጥዕዩ፡ ባህርያትና ክጥዒ ኣይክእልን (ማቴ12፡33-37፤ ያዕቆብ 3፡11-12)። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ሰናይ ባህርያት ውሕስነት ዝዀነና፡ ምድላይ ጥራይ ዘይኾነስ መንፈስ ቅዱስ ምቁጽጻር ልባትና ከዕቢ፡ ንሕናውን ክንእዘዞ ክከኣለና ምልማን ድማ የድሊ። ነቲ ናይ መውዳእታ ግዜ ድልዋት እንከውን እንኽእል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ድልዋት ብምዃን እዩ። እዚ ድማ እቲ ድልውነት ባዕሉ፡ ናብራና እንተዘይዀይኑ ዝሕሰብውን ኣይዀነን። ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ፡ ናብራና ውጽኢት እቲ ናይ ውሽጥና ርትዒ ስለዝዀነ፡ ሰማያውን አምላኻውን ርትዒ ዝወነኖ ልቢ፡ ብዘይ መገዲ ኣምላኽ ካልእ ናብራ ክህልዎ ኣይክእልን። ኣብዛ መገዲ ንዝመላለሱ ድማ ኣምላኽ ይቐባበሎም። “ነቲ ተሐጒሱ ጽድቂ ዚገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዚዝክሩኻ ትቃባበሎም።” ት. ኢሳይያስ 64፡5።  

4. መወዳእታ ፍርዲ፡ ማቴ 25፡31-46፥ ከምቲ ኣቐድም አቢልና ዝጠቐስናዮ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝኸውን ፍጻሜ፡ መወዳእታ ፍርዲ፡ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቲ ብዘመን ስግኡ ዝገበሮ ጸቡቕ ይኹን ክፉእ ክቐበል ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክቐርብ ብግዲ እዩ። (2 ቆሮ 5፡10)። ደጊሙ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ነቲ ዚዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። እቲ ንስግኡ ኬሐጕስ ኢሉ ዚዘርእ ካብ ስጋኡ ሞት ኪዓጽድ እዩ። እቲ ንመንፈስ ኬሐጕስ ኢሉ ዚዘርእ ከኣ ኻብ መንፈስ ናይ ዘላኣለም ሕይወት ኪዓጽድ እዩ። ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ፡ ከመይ ተስፋ እንተ ዘይቆሪጽና እዋኑ ምስ በጽሐ ኽንዓጽድ ኢና።” ገላ 6፡7-8። ስለዚ እቲ ፍርዲ ብዘየወላውል ኣብ እንነብሮ ናብራን፡ እንዘርኦ ዘርእን እምበር ኣብ እንፈልጦ ፍልጠት ብዛዕባ እምነት ኣይሙርዀስን። እዚ እንተዘይከውን እቲ ሃካይ ባርያ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፈልጦ ንእሽተይ ስለዘይነበረ ካብ ፍርዲ ነጻ ምዀነ። ሓዋርያ ያዕቆብ ከምዝጸሓፎ “ከምቲ ስጋ ብዘይ ነፍሲ ምውቲ ዝኾነት፡ ከምኡ ከኣ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ። ስለዚ ነቲ ዘሎና እምነት ምድሓን ብሰናይ ግብሪ ነሰንዮ። ዕጻና ድማ ከምቶም እሙናት ሕያዎት ባሮት ናብ ናይ ሓጐስ ጐይታና ምእታው ክኸውን እዩ።

ማራን ኣታ እናበለ ምክያዱ ዝናፍቕ፡ ብምጽኣቱ ዘይንሓፍረሉ ህይወት ይሃበና። ኣሜን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 19 መጋቢት 2017 (ሰንበት 10 መጋቢት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 50 (49)፡3

"እግዚኣብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ፥ ወኣምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ወየዓውድ ኣውሎ ብዙሕ።"

"ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።"

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1 ተሰ 4፡13-18

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ  241-14

2 ጴጥ 3፡1-18 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ኣትናቴዎስ

ግሃ 24፡1-23

ንፍቅ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div