S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ሳብዓይ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ ብስያሜ ቤተ ክርስትያን ኒቆዲሞስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኒቆዲሞስ እዚ እቲ ብስውር ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ ሓለቃ ኣይሁድ ፈሪሳዊ እዩ። ነቲ ጐይታ ምስኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዝገለጾ ምስጢር ሰማያዊ ልደት እነስተንትነሉ ሰሙን ድማ እዩ።

ኒቆዲሞስ ኣብ ሰለስተ ናይ ወንጌል ዮሃንስ ክፍልታት ተጠቒሱ ንረኽቦ። እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ዘሎ ክፍሊ እዩ። ኣብዚ ናይ መጀመርያ ርክብ፡ በቲ ጐይታ ኣብ ቤተ መቅደስ ብዘርኣዮ ብስልጣን ዝነበረ ትምህርቲ ተተንኪፉ፡ ብለይቲ ንጐይታ ክሓቶ መጸ። ኣብዚ ኣዋን በጺሕዎ ዝነበረ ፍልጠት፡ ጐይታ መምህር ዀይኑ ዝተላእከ ሰብ ምዃኑ እትብል ነበረት። ጐይታ ግና ካብዛ ፍልጠት ሓሊፉ ካብ ማይን ካብ መንፈስን ካብ ላዕሊ ክውለድ እንተ ዘይክኢሉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምርኣይ ይኹን ምእታው ተስፋ ከም ዘይብሉ ኣጠንቀቖ። መሰረት ናይዚ ውልድነት ድማ ምእማን ወዲ ኣምላኽነትን በጃ ምሕላፉን፡ ናይቲ ሕጂ መምህር ጥራይ ምዃኑ ዝምስኽረሉ ዘሎ ጐይታ ምዃኑ ኣብርሃሉ (ዮሃ 3:14-16) ካልኣይ ግዜ ድማ ኣብ ምዕራፍ 750 ተጠቂሱ ኣሎ። ኣብዚ ቦታ፡ ጐይታ በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓልዝጸምኤ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።” ( 37) ኢሉ ብዛዕባ እቲ፡ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ኵሎም ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ ምስ መሃረ፡ ብዙሓት ንሱ ነብዪ እዩ፡ ገሊኦምውን ንሱ ክርስቶስ እዩ ክብሉ ጀመሩ። እዚ ምእማን ንኣይሁድ ባህ ስለ ዘይበሎም ነቶም ህዝቢ ክቑጥዕዎም ጀመሩ። ኒቆዲሞስ ግና ንሓቂ ደው በለ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ መለሰሎምሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም።” (ዮሃ 751) እዚ ድማ መርኣዪ ናይቲ ዝረኸቦ ናይ ህይወት ለውጢ እዩ። ሳልሳይ ኒቆዲሞስ ኣብ ዮሃ 19:39 ንረኽቦ። ኣብዚ ክፍሊ ጐይታ ብግፍዒ ምስ ተቐትለ፡ ምስቲ ካልኣይ ስውር ወደ መዝሙር ዝነበረ ስምኦን በዓል ኣርማትያስ ዀይኑ ንጐይታ ብኽቡር ቀብሪ ዝቐበረ ሰብ ምንባሩ ዝጠቅስ እዩ። እታ ዝረኸባ ናይ ህይወት ለውጢ፡ እቶም ንዓመታት ደድሕሪ ጐይታ ብግልጺ ዝተጓዕዙ ደቀ መዛሙርቲ እኳ ክገብርዎ ዘይከኣሉ ምእማን ሃበቶ። ኣብቲ ተስፋና ተቀብጸ ኢሎም ብዙሓት ዝተመልስሉ እዋን፡ ንጐይትኡ ዝግብኦ ክብሪ ክህብ ጉልባቡ ቀልዕ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ብነብዪ ኢሳያስ ዝተነግረመቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ።ዝብል ትንቢት ኣብ ምፍጻም ዝተጠቕመሉ ሰብ ዀነ። እዚ ንሱ ዝፈጸሞ ተግባር፡ ሞት ጐይታ ኣብ ዝተሰብኸሉ ኩሉ ይዝኸር ኣሎ።

እዚ ናይ ኒቆዲሞስ ታሪኽ፡ ንእንታይነት እቲ እምነ መሰረት ትምህርቲ ክርስትና ዝዀነ ካብ ላዕሊ (ካብ መንፈስ) ምውላድ፡ ብቃል ይኹን ብግብሪ ዝምህረና ወሳኒ ክፍሊ እዩ። ንክርስትና ካብ ኩሉ ካልእ ዓይነት እምነታት ዝፈልዮ፡ ምእታው መንግስቲ ኣምላኽ ብውልድነት እዩ ኢሉ ዝኣምን ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ካብቲ ጐይታ ንኒቆዲሞስካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹዝበሎ ቃል እዩ ዝብገስ። እቲ ቃል ንጹር ጌርዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ካብ ላዕሊ ዘይተወልደ ክኣትዋትስ ይትረፍ ኽርእያውን ዕድል ከም ዘይህልዎ እዩ ገሊጹ ዘሎ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘደንቕ ነገር ድማ፡ ጉዕዞ ክርስትና ብውልድነት ኣብ ኣምላኽ ዝጅምር ኽቡር ጉዕዞ ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ጉዕዞ ክርስትና እንጓዓዝ ውሉድ ኣምላኽ ዄንና እምበር ውሉድ ኣምላኽ ምእንቲ ክንኸውን ኣይዀነን። ስለዚ እዚ ንኒቆዲሞስ ዝተገልጸሉ ሓቂ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ንምርኣይ ኣይከብድን እዩ። እቶም ናፍቖት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለና ኵላትና ድማ ነዚ ክንድዚ ዝኣኽል ዕቤትን ኣገዳስነትን ዘለዎ ሓቂ መርሚርና ክንፈልጥ ከድልየና ብግዲ እዩ። ዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእታው ተስፋ ካብ ዘይህልዎ፡ ብዛዕባ ልደትና ኣረጋጊጽና ክንፈልጥን ኽንኣምንን ክንርዳእን የድልየና እዩ። እዚ ርድኢት እዚ፡ ኣብቲ ከም ክርስትያን እንነብሮ ናብራ ወሳኒ ተራ እዩ ዝጻወት። ምኽንያቱ ብዛዕባ ውልድነትካ ንጹር ምዃን፡ ከም ውሉድ ኣምላኽ ክትመላለስን፡ ኣብቲ ከም ውሉድ ክትቅበሎ ኣምላኽ ዘዳለወልካ ርስቲ ድማ ምሉእ ተስፋ ኽትገብር ይረድኣካ። ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ነዘን ክልተ ሓቅታት ከምዚ እናበለ ይገጸን፥ “… ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡” (1 ጴጥ 113-14) ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስውን ቆልዓ ብግዜ ቍልዕነቱ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ገላ 41-5)

ኣብዚ እተን ኣገደስቲ ሕቶታት፡ ካብ ላዕሊ ብኸመይ እዩ ዝውለድ፧ ኣነኸ ከም ዝተወለድኹ ክፈልጥ ይኽእል ድየ፧ ካብ ላዕሊ ምውላደይ ፈሊጠ ኣለኹዶ፧ ዝብላ እየን ዝዀና። ካብቲ ጐይታ ዝመሃሮ ተበጊስና ነዚ ሕቶታት ክንምልሶ ንፈትን። ፈለማ፡ ካብ ላዕሊ ምውላድ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ክምህር ከሎ፥ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ” (ዮሃ 35) ብምባል ይገልጾ። ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ድማ ከምዚ ይብልንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።” (ቲቶ 35) እዚ ምውላድ እዚ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ እቲ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክቕበሎ ዘለዎ ናይ ማይን ናይ መንፈስን ጥምቀት ዘመልክት እዩ። እቲ ናይ ማይ ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት ዀይኑ ምጽራይ ሓጢኣትና ዝእወጀሉ ምስጢር እዩ (ግብ 238-39 ግብ 22:16 1 ጴጥ 3:21) ኣብቲ ብሞት ክርስቶስ ተሓጺቡ ዝነጽሀ መንነት፡ መንፈስ ቅዱስ ብምሕዳር፡ ማሕተም ዋንነቱ የንብር። ንሱ ዋሕስ ናይቲ ዝረኸብናዮ ሰማያዊ መሰል ውልድነት እዩ (ኤፌ 1:13 ሮሜ 89 2ቈረ 122 2ቈረ 55) ነቲ ብትንቢት ተዋሂቡ ዝነበረ ተስፋ ኣምላኽ ከምዚ ዝብልጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኲሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኲሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ።” (ህዝ 3625-27) ተፈጻምነት ዝሃበ መገዲ ድማ እዩ። እዚ መስርሕ ውልድነት፡ ከምቲ ንፋስ ካበይ መጺኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፍለጥ፡ ረቂቕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እዩ። እንተዀነ እቲ ነዚ ታሪኽ ጽሒፉልና ዘሎ ፍቁር ወደ መዝሙር ቅዱስ ሓዋርያ ዮሃንስ ደጋጊሙ፡ እቶም ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ እንኣምን ኵላትና እታ በዚ ናይ ላዕሊ ልደት እትርኸብ ህይወት ከም ዘላትና ክንፈልጥ ይምህረና። ኣብ ዮሃ 112 ከምዚ ይብል፥ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።ወሲኹውንንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።ይብል (1ዮሃ 5:13)  እዚ ድማ ካብ ላዕሊ ምውላድና ክንፈልጥ ንኽእል ምዃናን ርግጸኛታት ክንኸውን ዘኽእለና ምግላጽ እዩ።

በዚ ውልድነት ኣብ ህይወትና ዝፍጸም ብዙሕ ነገራት ኣሎ። በዚ ውልድነ እዚ ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ንኸውን (ኤፌ 2: 19-20) ካብቲ ብባህርይ ደቂ ቁጥዓ ዝነበርናሉ ኣዳማዊ መንነት ወጺእና ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ብምዃን ምስ ክርስቶስ ህያዋን ንኸውን (ኤፌ 21-5 2ጴጥ 14) በቲ ካብኡ ዝተወለድና ኣባናውን ዝነብር ዘርኢ ኣምላኽ፡ ንሓጢኣት ክንፍንፍኖን ክንስዕሮን ንኽእል (1ዮሃ 39 1ጴጥ 123) ወረስቲ ንኸውን፥ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ (ሮሜ 8:17) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ስለ ዝምስኽረልና፡ ንኣምላኽ ብትብዓት ኣባ ኣቦ ኢልና ክንጽውዖ ንጅምር። ፍርሃት ሞት፡ ብፍቅሪ ኣምላኽ ይትካእ (ሮሜ 814-15 2ጢሞ 16-7) ከምቲ ጐይታ ንኒቆዲሞስ ዝበሎ ውልድነትና ከመይ ከም ዝኸውን ክንፈልጦ ዘይንኽእል ረቂቅ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ህይወትና ዝመጽእ ለውጢ ግን ኣየማትእን እዩ። ከምቲ ነቲ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ህልውንኡ ብምዕዛብ እቲ ዘንቀሳቕሶ ዘሎ ነገራት ብምርኣይ እንፈልጥ፡ እቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝውለድ ድማ ከምኡ እዩ። ኣብ ህይወቱ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ ዝምስኽረሉ ባህርያት የርኢ እዩ። ኦም ብፍሪኡ እዩ ዝፍለጥ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ተጠቒሱ ዘሎ መርኣዪ ውልድነትና ዝዀነ ባህርያት ብዙሕ ገለ ሒደት ክንርኢ ኢና።

1 ዮሃ 229 - ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።

1 ዮሃ 39 - ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ።

1 ዮሃ 47 - ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ።

1 ዮሃ 54 - ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።

1 ዮሃ 518 - እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና።

እቲ ካብ ኣምላኽ እተወልደ፡ ካብ ሓጢኣት ዝተፈልየ ናይ ጽድቂ ናብራ እናነበረ ንዓለም ዝስዕር፡ ንኣምላኽን ንብጻዩን ከፍቅር ዝርከብ ሰብ እዩ። ኣምላኽ ቦኽሪ ፍጥረቱ ክንከውን ብቃል ሓቂ ዝወለደና ነዚ እዩ፥ ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ክንከውን። (ያዕ 118 ኤፌ 51) ነቲ ብዘይ ምእዛዝ ኣዳም ዝጠፍኣና መልኽዕ ኣምላኽ ዝመልስ ውልድነት። ስለዚ “…. ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ።” (1ጴጥ 1:17) ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 2 ሚያዝያ 2017 (ሰንበት 24 መጋቢት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 17 (16)፡3

"ሓወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ ወእመከርከኒ ወኢተረከበ ዓመፃ በላዕሌየ፡ ከመ ኢይንብብ ኣፉየ ግብረ እጓ እመሕያው።"

ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 7፡1-19

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 31-12

1 ዮሃ 4፡18-21 

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ቅዳሴ ማርያም

ግሃ 1፡ 6-9

ንፍቅ ካህን 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div