S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዛ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ኣርብዓ (መጋቢት 12, 2017) መጻጒዕ ተባሂላ ትስመ። መበገሲ ሓሳቡ ካብቲ ወንጌላዊ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ 5 ኣስፊርዎ ዘሎ ምሕዋይ ናይቲ 38 ዓመት ዝተደነስ ሰብኣይ እዩ። ናይ ኣስተንትኖና ኣርእስቲ ነዚ ሰሙን ድማ፡ እታ ጐይታ መግለጺ ክብሩ ንኽትከውን ክሓድራ ዝብሃጋ፡ ዘጽረያ፡ ዝቐደሳ ህይወትና፡ ድሕርቲ ኵሉ ዝተገብረክላ ዓብዪ ስራሕ ኣምላኽ፡ ደጊማ ከይትብድል ክትጥንቀቕ ትምዓድ ዝብል እዩ። 

ኢየሱስ ዝብል ስም መድሓኒና፡ ትርጉሙ ፈውሲ ወይ መድሓኒት ማለት እዩ። ከም ስሙ ድማ መድሓኒተ ነፍስን መድሓኒተ ስጋን ኰይኑ፡ እናዞረ ጽቡቕ ይገብር ነበረ። ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ዝብል ትንቢታዊ ቃል ክፍጸም፡ ኩሉ ዓይነት ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ ይምህር ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ዝብሃል ከም ዘየለ ከርኢ ድማ ካብ ተራ ብናይ ስጋ ድኻም ዝመጽእ ሕማም ክሳብ ብምኽንያት ሓጢኣትን ብኣጋንንትን ዝመጽእ ሕማም ኣሕወየ። ሓይሊ ኣምላኽ ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ ንዅሎም የሕውዮም ነበረ። ከም ኵሉ ሰብ፡ ነዚ ዝተደነሰ ሰብኣይ ድማ ጐይታ ዝበጽሓሉ እዋን መጸሉ። ካብ ዝድነስ ውሑድ ግዜ ኣይገበረ። ንጹር ንምዃን፡ ኣካላቱ ምእዛዝ ካብ ዝኣብዮ፡ ንድሌታት ህይወቱ ኣብ ምሕረት ናይ ካልኦት ሰባት ካብ ዝወድቕ ድሮ 38 ዓመት ጌሩ እዩ። እዚ ንውሓት ናይ ግዜ መነጻጸሪ ክግበረሉ ከሎ፡ እዚ ብዙሓት እናሰዓብዎ ዝመጾ ዘሎ መንእሰይ መምህር (እቲ ስጉው ቃል ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ) ድሕሪ ድናሴኡ ድሕሪ 5 ዓመት እዩ ተወሊዱ። እዛ ተቐሚጡላ ዘሎ ቀላይ ነንሓንሳብ መልኣኽ ካብ ሰማይ መጺኡ ምስ ኣንቀሳቀሳ ፈውሲ እትገብር ቀላይ እያ። እንተዀነ፡ ብዘይ ነቲ ቀዲሙ ኣብቲ ዝተንቀሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ንኻልእ ዝኸውን ፈውሲ ኣይነበራን። እዚ ሰብኣይ እምበኣር ኣብዚ ነዊሕ ዝተደነሰሉ እዋን ብርኽት ዝበለ ናይ ፈውሲ ተኣምራት ርእዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ነታ ናቱ ናይ ተኣምራት እዋን ምምጽኣ ዘአምት ዝዀነ ዝርአ ምልኽት ኣይነበረን። ከም ቀደሙ ገለ ጉልበት ሃልዩዎም ክኣትው ዝኽእሉ፡ ገለውን ደገፍ ዘመድ ኣዝማድ ዘለዎም ሕሙማት ኣብ ዙርያ እቲ ቀላይ ኣለዉ። ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ ከም ዝብል ንጉስ ሰሎሞን (ምሳሌ 13:12) እዚ ነዊሕ ናይ ድናሰ ዘመን እንታይ ዓይነት ምምህማን ናይ ልቢ ፈጢሩሉ ከም ዝኸውን ንምግማቱ ኣይከብድን እዩ። ኣብቲ ጐይታ፡ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ ኢሉ ምስ ሓትቶ ዝሓቦ መልሲጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድእንተ ርኢና ምምህማን ተስፋኡ ቀሊል ዘይምንባሩ ዝእምተልና ክፍሊ እዩ።

ምስ እዚ ኩሉ ግና ካብታ ሓሙሽተ ገበላታት ዘለዋ ቀላይ ቤት ሄስዳ ኣይረሓቐን። ከምቲ ሊቃውንቲ ዝትርጉምዎ፡ እዚ ሓሙሽተ ገበላታት፡ ምልኽት ናይቲ ሓሙሽተ መጽሕፍቲ ኦሪት እዩ።  ካብቲ ጽሑፍ ከም እንዕዘቦ እቲ ዝወረዶ ድናሴ፡ ብምኽንያት ሓጢኣቱ ምንባሩ እዩ። እታ ፈውሲ ካብ ኣምላኽ ከም ትርከብ ፈሊጡ ኣብታ ኣምላኽ ከም ዝንቀሳቐሰላ ዝፈልጣ ቦታ ምቅማጡ ቀጸለ። ስለዚ እቲ ነቶም ኣብ መገዱ ንዝጽበይዎ ምቅብባል ዝባህሪኡ ጐይታ ረኸቦ ደኣ (ኢሳይያስ 64:5) እዚ ሰማያዊ መትከል እዩ።እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ በየዕለቱ ደገኡ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።” (ምሳሌ 8:34) እቲ ሓለቓ ተገውቲ ዝነበረ ዘኬዎስ፡ ኣብ መገዲ ጐይታ ዝነበረት ሳግላ ደይቡ ምምጽኡ ምስ ተጸበየ፡ ጐይታ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፥ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ ከም ዝበሎ ንዘክር (ሉቃ 191-10) እምበኣር ኣምላኽ ነቶም ኣብ ተስፋ ቃሉ ጸኒዖም ዝጽበይዎ ይበጽሖም እዩ። እቲ እዚ ስብኣይ ዝተጸበዮ ፈውሲ በቲ ናይ ቀዳማይ ናይ ኦሪት ኪዳን ዝዀውን ፈውሲ ነበረ። እቲ ኣምላኽ ዘዳለወሉ ፈውሲ ግና በቲ ጽላሎት ዝዀነ ዘይዀነስ በቲ ኣኻል ባዕሉ ብዝዀነ ፈውሲ ነበረ። እቲ ብነብዪ ሙሴ ዝመጸ ቀዳማይ ኪዳን፡ ከም ናይ ሕጊ ኪዳን ቐጻዒና ኰይኑ ናብ ክርስቶስ ናብ ኪዳን ጸጋን ሓቅን ኣብጽሓና (ገላ 3:24 ዮሃ 117) እቲ ካብ ነብያት ብኢድ መላእኽቲ ዝተቐበልዎ ሕጊ፡ ነቲ ወራሲ ዅሉ ዝዀነ ናይ ባህሪ ውሉድ ኣቦ ቦታ ሃበ (እብ 11-3 ግብ 7:53) ኣብቲ ማእከላይ እዚ ሓዲሽ ኪዳን ዝዀነ ክርስቶስ ዘለዎ፡ ምንቅስቃስ እቲ ማይ ምጽባይ ኣየድልን እዩ። ከመይሲ ንሱ ከም ቅጽበት ሓጢኣት ክሓድግ፡ ቃል ተዛሪቡ ድማ ምሉእ ጥዕና ክህበሉ ዝኽእለሉ ስልጣን ኣለዎ (ማርቆስ 2:10 ሉቃስ 7:7)

እቲ ርሕሩሕ ዝዀነ ጐይታ፡ ንጠንቂ ሕማሙ ዝነበረ ሓጢኣቱ ሓዲጉ ምልእ ጥዕና ሃቦ። ነታ ንነዊሕ እዋን ዝጾረቶ ዓራት ዝጾረሉ ጽንዓት ድማ ረኸበ። ብኡ ንብኡ ድማ ዓራቱ ተሰኪሙ ከደ። ምስቲ ዝተገብረሉ ዓብዪ ምሕረት፡ ምስቲ ኣብ ህይወቱ ዝተፈጸመ ዓብዪ ተኣምራት ርኢካ ግና፡ ኣብቲ ድሕሪ ምፍዋሱ ዘርኣዮ ባህርያት ገለ ዘይቅኑዕ ነገር ምህላዉ ምርኣይ ኣይከቢድን እዩ። እቲ ቀዳማይ ዘገርም ነገር፡ እቲ ኽንድዚ ዝኣኽለ ምሕረትን ተኣምራትን ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸመ ሰብ መን ምዃኑ ክፈልጥ ዘይምግዳሱ እዩ። እዚ ካብቲእቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ ኢየሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን።ዝብል ኣብ . 13 ዘሎ ጥቕሲ እንርድኦ ሓቂ እዩ። ከመይ ዝበለ ዝተገብረሉ ውዕለት ዘይጽብጽብ ልቢ እዩ። እቶም ልቦም ኣብቲ ቅኑዕ ቦትኡ ዝነበረ ሰባት ግና፡ ክርስቶስ እቲ ወዲ ዳዊት ምዃኒ ጥራይ ዘይዀንስ፡ ይፍቶ ደኣ እምበር ክገብር ከም ዝኽእል ዝፈልጡ፡ ምስ ተፈወሱውን፡ ራዕራዕ እናበሉ መጺኦም ዝሰገዱ፡ ከም ደቀ መዛሙርቱ ደድሕሬኡ ክከዱ ክፈቕደሎም ዝልምኑ ነበሩ። እዚ ሰብኣይ ግና ይትረፍ ክሰግድ ክመጽእ፡ ከም ወደ መዝሙሩ ክቆጽሮ ክሓቶ፡ ወይውን እቲ ናይ ሓቂ መንነቱ ክፈልጥሲ ነዛ ስሙ ሓቲቱ መን ምዃኑ ዝፈልጠሉ ምግዳስ እዃ ተሳእኖ። 

ወንጌላዊ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሃንስ ሓደ ካልእ ዘገርም ፈውሲ ዝተገብረሉ ሰብኣይ ኣብ ምዕራፍ 9 ጸብጺቡ ኣሎ። ምፍዋስ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብኣይ። እቲ ድሕሪ ምፍዋሶም ዘርኣይዎ ባህርያት ክነወዳድሮ ከሎና ዘገርም ምንጽጻር ኢና ንረኽበሉ። 1) ጠንቂ ናይ ሕማሞም፥ ናይቲ ድኑስ ብሓጢኣቱ ክኸውን ከሎ፡ ናይቲ ዕዉር ግና ክብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ክፍጸም እምበር ንሱ ኣይበደለ ወለዱ ኣይበደሉ። 2) ዝተፈወሱሉ ቦታ፥ እቲ ድኑስ ከም ቅጽበት ገና ጐይታ ኣብ ከባቢኡ ከሎ፡ እቲ ዕውር ግና ንክፍወስ ናብ ቐላይ ሰሊሆም ከይዱ ክሕጸብ ነበሮ። ክሳብ ከይዱ ዝሕጸብ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። 3) ፍልጠት መንነት ዘሕወዮም ሰብ፥ እቲ ድኑስ ኣይፈለጠን፡ እቲ ዕዉር ግና ሽሙ ጥራይ ዘይዀነስ ነብዪ ምዃኑ ዝእመነላ ፍልጠትውን ነበረቶ። 4) ኣብ ቅድሚ ፈርሳዊያን ዘርኣይዎ ግብረመልሲ፥ እቲ ድኑስ ንርእሱ ሓራ ከውጽእ ንጐይታ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ እቲ ዕውር ግና ኣብ ቅድሚ ፈርሳውያን ንጐይታ ብትብዓት ተኣመኖ። 5) ካብ ፈርሳውያን ዝመጾም፥ ነቲ ድኑስ ዝሰዓቦ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ኣይነበረን፡ ነቲ ዕውር ግና ካብ ቤተ መቅደስ ሰጐጉዎ። 6) ጐይታ ምስ ረከቦም ዝበሎም፥ ነቲ ድኑስእንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ” (ዮሃ 514)።፡ ነቲ ዕውር ግናኢየሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ።” (ዮሃ 935) 7) ነቲ ኢየሱስ ዝበሎም ዝነበሮም ግብረ መልሲ፥ እቲ ድኑስእቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ ኢየሱስ ምዃኑ ነገሮም እቲ ዕውርንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። ኢየሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን።

እቲ ፍልፍልይ ዘገርም እዩ። እቲ ብምኽንያት ሓጢኣቱ ንዝወረዶ ሕማም ምሕረት ዝረኸበ ሰብ ዘመስግን ልቢ ክስእን ከሎ፡ እቲ ዝፈጸሞ በደል ዘይብሉ ነርብዓ ዓመት ብርሃን ዝተነፍጎ ሰብኣይ ግና ዘመስግን ልቢ ተረኽቦ። ነቲ ዘለዎ ይውሰኾ ዝብል መለኾታዊ ሕጊ ክፍጸም ድማ፡ ጐይታ ብዛዕብኡ ንዝነበረቶ ፍልጠት ካብ ተራ ነብዪነት ናብ ምእማን ወዲ ኣምላኽነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰጋግረላ ዕደል ሃቦ። እዚኣ እታ ቤተ ክርስትያን ዝቆመትላ ከውሒ እያ (ማቴ 16:16, 18 ዮሃ 6:69) ሰማያዊ ውልድነት ብኣኣ እዩሞ፡ ነቲ ኣይሁድ ካብ መቅደሶም ዝሰጐግዎ ሰብኣይ ብምእማን ወዲ ኣምላኽነት ኢየሱስ ናብ ሰማያዊ ቤተሰቡ ኣእተዎ። ነቲ ኣብቲ መጀመርያ ርኽቡ ምስ ጐይታ፡ ግቡእ ምእማን ዘይተኣመነ ድኑስ ሰብኣይ ግና ጐይታ ዳግም ዝረኸቦ ኸጠንቅቖ እዩ ዝነበረ። እዛ ካልኣይቲ ዕድል ረኺቡውን ክጥቀመላ ኣይተራእየን። እቲ ዝፈወሶኢየሱስምዃኑ ፈሊጡ ንፈርሳውያን ክነግሮም ደኣ ተሃንደደ። ፍልጠቱ ብዛዕባ ክርስቶስ ድማ ካብ ተራ መንነት ሓደ ኣይሁዳዊ ሓሊፉ ክኸይድ ኣይክኣለን። ነታ ምስ ኣይሁድ ዝነበረቶ ናይ ቤተ መቅደስ ኣባልነት ክዕቅብ ነቲ ክኣትዎ ዝኽእል ዝነበረ ሰማያዊ ቤተሰብ ሰኣኖ። ከመይ ዘሕዝን ፍጻሜ።

ሎሚ በዚ ናይ ጾምና ግዜ፡ ክነስተንትኖ ዝግብኣና ድማ እዚ እዩ፥ ነታ ብሰንኪ ሓጢኣት ብዓቲ ጉሓላሉ ዀይና ዝረኸባ ቤት መቕደስ ህይወትና፡ ኣጽርዩ ምስ ሓደራ፡ ደጊም ናብ ሓጢኣት ከይንወድቕ ይእዝዘና ምህላዉ። ኣብ ሓጢኣት ናይ ዘይምውዳቅ እቲ ናይ መጀመርያ ምስጢር፡ ዝተገብረልካ እትጽብጽብ መመስገኒ ሰብ ምዃን እዩ። ዝተገብረሉ ውዕለት ዝርስዕ ሰብ ብዛዕባ ምንታይ ክጥንቀቕ ከም ዘለዎ ክፈልጥውን ኣይክእልን እዩ።  ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ክንከውን ክርስቶስ እንታይ ዝበለ መስዋእቲ ከም ዝተጠልበ ንዘኽር። እሞ ነቲ ክርስቶስ ናቱ ዝገበሮ ወሲድናዶ ንናቱ ዘይኰነ (ንሓጢኣት) ንሃቦ፡ ያእ ኣይፋልን። ንኣካላትናስ ኣጽውር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ንግበሮ (ሮሜ 6: 13-14) ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን ዝተሓተምናሉ መንፈስ ቅዱስ ኣይነጉህዮ (ኤፌ 4:30) እቲ ብደም ክርስቶስ ተሓጺቡ ዝጻዕደወ ክዳውንትና ከይረስሕ ንኣርንብ (ራእ 34 714 2214) ኣምላኽ ይደግፈና። ኣሜን።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥  ሰንበት 5 መጋቢት 2017 (ሰንበት 26 ለካቲት 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 41 (40)፡3-4

"እግዚኣብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኲሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። ኣንሰ እቤ እግዚኦ ተሰሃለኒ ወስረይ ላቲ ለነፍስየ እስመ ኣበስኩ ለከ።"

"ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።"

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 5፡1-26

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 51-25

ያዕ 5፡14-20

ንፍቅ ዲያቆን

ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ

ግሃ 3፡1-12

ንፍቅ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div