3ይ ክፋል ቃለ መሕትትን ዘተን ምስ ኣቦታት ካህናት ቀሲስ ዲበ ገብረወልድን ምስ ቀሲስ ዶ/ር ቴድሮስ ተስፋይን
ዕለት፥- ቀዳም 26 መስከረም 2020
ሰዓት፥- 5:00 ድ.ቀ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ
ዛዕባ፥- ኣመሰራርታ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታትን።
መስኮት መራኸቢ፥ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ገጽ ንገጽ ኣብ
1. https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
2. https://www.youtube.com/c/TewahdoTV
3. ኣብዚ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ
ተኸታተልቲ ንዘቕርቡዎም ሕቶታት`ውን ኣቦታት መልሲ ክህቡሎም እዮም።
ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።
Day 30 (5th Tuesday of the Holy Great Fast)
“We are hard-pressed on every side, yet not crushed; we are perplexed, but not in despair.” (2 Cor 4:8)
Day 6 (1st Saturday of the Great Fast)
“My son, give me your heart, And let your eyes observe my ways.” (Pro 23:26)
““ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኵኑ”፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ ናብራኹም ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 1፡15-16 (ዘሌ 20፡26)
ቅዱስ-ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፣ ንትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣመልኪቱ፣ ብመንፈስ ትንቢት ተመሊኡ ክዝምር ከሎ፣ “-እግዚኣብሔር ኣብ ድቃስ ከም-ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተንሥአ” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓማዊ ኣምላኽ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፣ ክትንሥእሲ ናይ ግድን`ዩ ነይሩ። ንምዃኑኸ ስለምንታይ`ዩ ክመውት ዝኸኣለ-? ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ ኣሎ። “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ