S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱሳት ኵኑለይ (መበል 11 ሰንበት: ቊ.፲፩/11, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

““ኣነ ቅዱስሞ፡ ቅዱሳት ኵኑ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ናብራኹም ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 115-16 (ዘሌ 2026)

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳ 15 ክሳዕ ድሮ ልደት ታሕሳስ 27. ናይ ዓመትጾመ ነብያትእንጾመሉ ቕንያትዩ። እዛ ቐዳመይቲ ሰሙን ናይ ጾምዚ፡ ማለት ካብ ሕዳር 13 ክሳዕ ሕዳር 19ቅድስትተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ክልተ ናይቅድስትሰናብትን ሰሙናትንየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ፡ እዛ ዘለናያ ሰሙን ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ካልኣይቲ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ)’ያ። እግዚአብሔር ዝተባረኸ ዘመነ ጾም ይግባረልና። ጾም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ስነ ምግባርዩ። ንእግዚአብሔር እነኽብረሉ ግብረ ኣምልኾ ድማዩ። ነዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋና እንገርሓሉ፡ ብዓለምን ብሰይጣንን ንዚቐርበልና ፈተናታት እንስዕረሉ፡ ናይ ውሽጢ ሰብና (መንፈስና) መንፈሳዊ ሓይሊ እነዕጥቐሉ፡ መንፈሳዊ ጥበብዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዙሕ ናይ ጾም ዘመናት ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ድማ ንሱዩ። ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዚዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረተ እምነት ስለ ዘሎና፡ ኣብ ናታቶም ናይ ጾም ገድሊ ምእንቲ ኽንሓብር ዓበይቲ ኣጽዋማት ተሰሪዖምልና ኣለዉ።

ጾመ ነብያት፡ ከም ብዓል ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ዝኣመሰሉ፡ ንቐዳማይ ምጽኣት ማለት ልደት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምጽባይ ዚጾምዎ ዝነበሩ መሰረት ብምግባር ተሰሪዑልና (ማቴ 1316-17 1ጴጥ 110-12 ዳን 93-26) ነብዪ ዳንኤልውን ይጸውምን ይጽልይን ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ብዛዕባ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪፍጸም ዝተመደበ ናይ ምድሓንና ተግባራት ብሕልምን ብራእያትን ዝተገልጸሉ (ዳን 920-27) ነዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጾምዚ፡ ኣብቅድስትዝተሰምየት ሰንበትቅዱሳት ኵኑለይብዚብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ቅድስና ኽንመሃር፡ ግቡእን እዋናውንዩ።

ኣብ ቤተ ክርስትያንናቅድስናዚብል ኣርእስቲ ኺለዓል ከሎ፡ ንእግዚአብሔርን ንቕዱሳን መላእኽቱን፡ ከምኡውን ነቶም ምድራዊ ህይወቶም ዝወድኡ ቤተ ክርስትያን ዝሰየመቶም ሰባት ጥራይ ከም ዚምልከት ጌርና ኢና እንወስዶ። ቅድስና ናይ እግዚአብሔርን መላእኽቱን ናይቶም ጕያኦም ብዓወት ዝዛዘሙ መንፈሳውያን ሰባት ምዃኑ ዜጠራጥርን ዜከራኽርን ኣይኰነን። ይኹን ደኣምበር ኣብ ኽልቲኦም ዲያቆናት ዘንበብዎ ኽፍሊ ምስ እንምልከት፡ ቅድስና ንዅላትና ብህይወት ዘለና ኣገልገልትን ምእመናንን ዚምልከት ኣዝዩ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ባህርይ ምዃኑ ብዘየጋግይ መገዲ በሪሁ ተገሊጹ ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ይኹን ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ኣብተን ኣብያተ ክርስትያን ዘለዉ መናንያን፡ ኤጴስቆጶሳት ወይ ኣገልገልቲ ጥራይ ፈልዮም ኣይኰኑን ንቕድስና ኣመልኪቶም ዝጸሓፉ። ከም ኣብ መሪሕ ጥቕሲ ናይ ዕለት ዘንበብናዮ፡ ጽውዓ ኣምላኽ ዝተቐበለ ዅሉ ሰብ ቅዱስ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝተጻሕፈ ኣርባዕቲኡ ምዕራፋትን፡ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓሙሽቲኦም ምዕራፋትን ኣስፊሕና እንተ ደኣ ኣጽኒዕናየን፡ መራሕትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስትያን፡ ምእመናን ኣቦታትን ኣዴታትን ውሉዳቶምን፡ ከምኡውን ክርስትያን ዝዀኑ ግዙኣትን ጐይቶትን (ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን) እቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኸይተረፉ ቅዱሳት ክንከውን ከም ዚግብኣና ብሩህ ኰይኑ ንረኽቦ። ስለ ሎሚ ነዚ መልእኽቲ ነንብብን ንሰምዕን ዘለና ዅላትና ቅዱሳት ክንከውን ከም ዝተጸዋዕና ክንፈልጥ ይግብኣና።

ከም ዘለናዮ ኸለናክርስትያንምባል ኣኻሊዶ ኣይኰነን፧ ንምንታይ ቅዱሳን ክንከውን ዜድልየና፧ቅዱስዚብል ቃል ምስ እግዚአብሔርን መንፈሳዊ ኣርእስትን ኣዛሚድና ኢና ንጥቀመሉ። ብሓደ መዳዩቅዱስማለትፍሉይዚብል ትርጕም ዚህብ። ንኣብነት እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል ንዅሉ በዅሪ ግብጺ፡ ካብ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሰብን በዅሪ እንስሳን ከይተረፈ ቐቲሉ ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺእዎም (ዘጸ 1229) ነዚ ፍሉይ ተግባር መሰረት ብምግባር ንባርያኡ ሙሴ፦

“.....ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፈት ኵሉ፡ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ ዅሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ፡” ብምባል ኣዘዞ (ዘጻ131-2) ኣብ ዓውደ ንባብ እቲቅዱስዚብል ቃልንእግዚአብሔር ዝተፈልየዚብል ትርጕም ሒዙ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ድማቅዱስማለትፍጹም፡ ንጹህ፡ ኣበር ነቐፋ ወይ ኢንታ ዘይብሉዚብል ትርጕም ኣለዎ። ናዳብን ኣቢሁን ዝተባህሉ ደቂ ኣሮን ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣፍሪሶም፡ ጋሻ ሓዊ ጌሮም ኣብ ቤት መቕደስ ንእግዚአብሔር ምስ ዓጠኑሉ፡ ካብ እግዚአብሔር ሓዊ ወጺኡ ቐዘፎም። ብድሕሪ ንሊቀ ካህናት ኣሮን እግዚአብሔር ከም ዚስዕብ ብምባል ኣዘዞ፦

ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚአብሔር ብሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።ዘጸ 109-11

ኣብ ኣብነት ኸኣቅዱስማለትትእዛዝ ኣምላኽ ምፍላጥን ምሕላውንምዃኑ በሪሁ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስ ንሰብ ዜርክስ ሓጢኣትዩ። እግዚአብሔር ብባህርዩ ኣዝዩ ንጹህን ቅዱስንዩ። ቅድስና ድማ ሓደ ኻብ ተወራሲ ባህርያቱዩ። ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ጌሩ ኸኣ ደጋጊሙኣነ ቅዱስእናበለ ገሊጹ ኣሎ። ምስ እግዚአብሔር ቀረባ ዀይኑ ኺነብር ዚደሊ ሰብ ይትረፍ ሓጢኣት ብምግባር ረኺሱ፡ እግዚአብሔርርኹስዝበሎ እንተ ተንኪፉ ናብ ጥቓኡ ኪቐርብ ኣይክእልን፡ ኣይዕገሶን ድማዩ። ንኣዳምን ሄዋንን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎምን ጌሩ ብመልክዑን ምስሉን ፈጢርዎም። ነታ ምስኡ ብቕድስና ከተንብሮም ኢሉ ዝሃቦም ትእዛዝ ሓልዮም ክሳዕ ዝነብሩላ ጊዜ ድማ ቀረባ ኣምላኽ ኰይኖም ብቕድስና ምስኡ ይነብሩ ነበሩ። ብሰይጣን ተሓቢሎም ትእዛዙ ምስ ኣፍረሱ ግና ቅድስናኦም ኣጥፊኦም ካብ ምስ ፈጣሪኦም ብሰላምን ብሓጐስን ዚመላለሱላ ዝነበሩ ገነት ኤደን ሞት ተፈሪዶም፡ ተሰጕጎም ወጹ (ዘፍ ምዕ 23) ህዝቢ እስራኤል ናይዞም ኣብ ዘመን ዘሎና ህዝቢ ክርስትያን ጽላሎትን ኣብነትንዮም። ታሪኾም ኵሉ ንትምህርትና ስለ ዝተጻሕፈልና ኢና ደጋጊምናነንብቦንነጽንዖን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፦

እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን ዚበጽሖም፡ ንኣና፡ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፡ ንተግሳጽ ኪዀነና እተጻሕፈ።” ብምባል ኣዘኻኺሩና ኣሎ (1ቈረ 1011) ነቶም ኣብ ዘመን ነብዪ ኢሳይያስ ዝነበሩ ኸም ሓደ ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ንእግዚአብሔር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ንዒቖም፡ በቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ በብዓይነቱ ሓጢኣት ምስ ኣጕሃይዎ፡ እግዚአብሔር ብባርያኡ ጌሩ፦

ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም። ....... ኣእዳውኩም ምስ እትዝግሑ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እንተ ኣብዛሕኩም ኣይሰምዕንየ። ኣእዳውኩም ደም መሊአንየን።” ብምባል ብዘይ ቅድስና ምስኡ ዝዀነ ሕብረት ወይ ርክብ ኪገብሩ ከም ዘይክእሉ ተዛረቦም (ኢሳ 112,15-16) ብነብዪ ህዝቅኤል ጌሩውን ነቶም ንጣኦታት ብምምላኾም ንህዝቢ እስራኤል ዝዓንቀፍዎም ሌዋውያን፦ ንሳቶም (እቶም ሌዋውያን) ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገብርዎ ጽያፎምን ደኣ ኺጾሩዮምምበር፡ ብመዓርግ ክህነት ኬገልግሉኒ ኣብ እተቐደሰ ነገረይ ኣብ ኣዝዩ ቕዱስ ነገር ኪቐርቡስ ናባይ ኣይኪቐርቡንዮም።” ብምባል ብዘይ ቅድስና ናብ ኣምላኽን ናብ መቕደሱን ኪቐርቡ ከም ዘይክእሉ ኣፍለጦም (ህዝ 4413)

ክርስትያን ናይ ምዃንን ቐንዲ ምኽንያትን ዕላማን ከኣ፡ ኣብ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ቀረባ ኣምላኽ ኴንና ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንዩ። ዋላ ኣብ ዘመን ምሕረትን ጸጋን እንተለና እቲ ቕድስና ዚጠልብ ባህርይ እግዚአብሔር ግን ኣይተለወጠን።ክርስትያንብምባል ጥራይ ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ቀረባ ኣምላኽ ክንከውን ስለ ዘይንኽእልዮም እዞም ቅዱሳን ሃዋርያት ኣነባብራና ዅሉ ብቕድስና ኪኸውን ዝጸሓፉልና። ኣብተን ባዕላቶም ዝመስረትወን ኣብያተ ክርስትያን ንዝነበሩ ምእመናንን ኣገልገልትን፡ ብዘይ ቅድስና ንኣምላኽ ኪርእይዎ ኸም ዘይክእሉ ምእንቲ ኺፈልጡን ኪቕደሱን፡ ኣዝዩ ግሉጽ ብዝዀነ ቓላት ከም ዚስዕብ እናበሉ የጠንቅቕዎም ነበሩ።

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብረ ሰዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋንዮም።” 1ቈረ 69-10

ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝዀንኩም ከም ንቕዱሳን ዚግብኦም ምስጋና ደኣምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስሰዐ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡ ኣለኹም። ብሰሪ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድሞ፡ ሓደ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። እምበኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም።ኤፌ 53-7

ስለ ዅሉ ተዘርዚሩ ዘሎን ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስና እንረኽቦ በብዓይነቱ ዜርክስ ተግባራትን ገጽ ኣምላኽ ካብ ምርኣይ ስለ ዜትርፈናክርስትያንምባልና ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ንዘለኣለም ምስ ክርስቶስ ክንነብር ንደልይ እንተ ዄንና ቅዱስ ህይወት ኪህልወና ግድንዩ። እቲ ንሰብ እብራውያን፦ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ብዘይ ቅድስና ሓደ ንእግዚአብሔር ዚርእዮ የልቦን ቅዱሳን ክትኰኑ ጽዓሩ። ካብ ጸጋ ኣምላኽ ሓደ ኸይወጽእ፡ ከምኡውን መሪር ሱር (ሓጢኣት) በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ንብዙሓት ከኣ ከየርክስ ተጠንቀቑ። ሓደ ኣመንዝራ ዝዀነ፡ ወይ ከም ንሓንቲ ጊዜ ኺበልዕ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው መንፈስ ዘይብሉ ሰብ ከይህሉ ተጠንቀቑ።” ዝበሎ ቓል እናዘከርና፡ ንቕድስና ናይ ዘወትር መምርሒ ህይወትና ንግበሮ (እብ 1214-16 .)

መሰረት ቅድስናና ግን እንታይዩ፧ ኣጋእዝተ ዓለም ስላሴብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርብምባልዮም ንሰብ ፈጢሮምዎ። ካብ ሓመድ ምድሪ ምስ ገበርዎ ድማ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በሉሉ ህያው ነፍሲ ዀነ (ዘፍ 126 27) እዚ ኣብ ኵሉ ሰብ ዘሎ መልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ፡ ነቲ ግዙፍ ኣካልና ዘይኰነስ፡ ነቲ ውሽጣዊ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ባህርያትና ዜመልክትዩ። እዚ ኣባና ዘሎ ምስሊ ኣምላኽ ነቲ ተወራሲ ባህርያት ናይ እግዚአብሔር፡ ከም እኒ ቕድስና፡ ፍቕሪ፡ ለውሃት፡ ሰናይ ግብሪ፡ ምሕረት ወዘተ ..... ዝኣመሰሉ ዅላቶምን ኪህልዉናን ክንገብሮም ዜኽእለና ዓቕምን ፍቓድን ኣዕጢቑናዩ። ብዛዕባ ዘይውረሱን ዚውረሱን ባህርያት ናይ እግዚአብሔር ምሉእ ምርዳእ ምእንቲ ኺህልወና ኣብ ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዳለወ ቐዳማይ መጽሓፍ ፍኖተ ህይወት ምውካስ ጽቡቕዩ። እግዚአብሔር ፈጣሪ ናይ ኵሉ ግኡዝን ህይወት ዘለዎን ፍጡር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ምሉእ ዋንነት ኣለዎ። ኣብ ናይ ኣሳፍ መዝሙር፦

ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሽሓት ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይየን፡ ኵለን ኣዕዋፍ ኣኽራን ናተይየን። ኣብ ምድሪ ዚወሳወስ ኵሉ ኸኣ ናተይዩ። ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናተይ ስለ ዝዀነ እንተዝጠሚ እንጌራ ኣይምለመንኩኻን።” ብምባል፡ እግዚአብሔር ናይ ኵሉ ፍጥረቱ ዋንነት ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ (መዝ 5010-12) ኣብ ሰብ ዘለዎ ግን ካብ ሕልፍ ዝበለ ዕምቈትን ዕላማን ዘለዎዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ኣብ ዝሃቦ ናይ ትንቢት ቃል ከም ዚስዕብ ኢልዎ ኣሎ፦

ንሰሜንኣምጽእንደቡብ ከኣኣይትኽላእነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዕ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽኣዮ፡እብል ኣለኹ። .... እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱዩ።

እግዚአብሔር ኣብ ሰብ ዘለዎ ዋንነት ብምግላጽምበኣር ከም ኣርእስትና ዚሕብሮኣነ እግዚአብሔር ቅዱስሞ፡ ቅዱሳት ኵኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩምየ።ብምባል ዝኣዘዘ (ዘሌ 2026) ቅዱሳት ክትኰነሉ መሰረት ዚዀነና፡ ኣባና ዘለዎ ዋንነት ኣሚንና ዝተቐበልናን እንእዘዝን ምስ እንኸውንዩ። እግዚአብሔርቅዱሳት ኵኑለይኪብል ከሎ፡ ነቲ ኣባና ዘሕደሮ ምስሉን ባህርያቱን ኣጸቢቑ ይፈልጦዩ። እግዚአብሔር ከም ፈርኦን ንመስርሕ ጡብ ዚኸውን ሓሰር ከይሃበጡብ ሰሪሕኩም ኣምጹኡለይዚብል ጨካን ኣምላኽ ኣይኰነን (ዘጸ 57,8) እኳ ደኣ ነቲ ዘይምቕዳስና ኪርእይ ከሎሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሎምሲ እንታይ ኰን ምተገብረሎም ነይሩ፧እናበለ ዚግረም (ኢሳ 54) ኣብ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን፡ ነቲ ዝሃቦም ነጻ ናይ ምምራጽ ፍቓድ ተጠቒሞም፡ ጐይታን ዋናን ናይ ህይወቶም እግዚአብሔር ምዃኑ ኣሚኖም፡ ንሓጢኣት ብምእባይን ትእዛዛቱ ብምሕላውን ንእግዚአብሔር ዝተቐደሱን ዝተመስከረሎምን ብዙሓት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣለዉና። ካብቶም ብዙሓት ሒደት ንምጥቃስ ዚኣክል፡ ሄኖክን ኖህንኢንታ ዘይብሎም ብምዃን ምስ ኣምላኽ ብቕድስና ዝተመላለሱ ኣቦና እዮብ ከኣንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብብምባል እግዚአብሔር ከም ዝተሓጐሰሎም ተጻሒፉ ነንብብ (ዘፍ 524 69 እዮ 18 23) ዮሴፍ፡ ወዱ ኣቦና ያእቆብ ድማ፡ ኣብ ናይ ጕብዝና ዕደመኡ ኸሎ ነታ ምስኣ ኺድቅስ ደጋጊማ ዘገደደቶ ሰበይቲ ጐይታኡ ጶጢፋር፡

“.....ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ብምባል ካብ ርኽሰት ፈንጺጉ ብምህዳም ንኣምላኹ ተቐደሰ (ዘፍ 399) እቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዝተመስከረሎም ኣቦታት እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ናይ ድሕነትና ገና ጊዜኡ ኸይኣኸለ ከሎ ዚነብሩ ዝነበሩዮም። እንተ ዀነ ነቲ ኣባታቶም ዝነበረ ምስሊ ኣምላኽ ተጠቒሞም ንእግዚአብሔር ዜሐጕሶ ቅዱስ ባህርያት ኣንጸባሪቖም ዝሓለፉዮም። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ዝሓለፍዎ ገድሊ ቅድስናኦም፡ ከመይ ከም ዝተሓጐሰሎምን ኣብ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንምህሮና ኣስፊሩልና ኣሎ። ደጋጊምና ብምንባብን ብምጽናዕን ድማ ኣሰሮም ንከተል።

እዞም ኣብ ዘመን ምሕረት ዘለና ክርስትያን ግን፡ ንእግዚአብሔር ቅዱሳን ምእንቲ ኽንኰነሉ ዝበለጸ ዕጫን መሰረትን ዘሎና ኢና። ኣብ ርእሲ ከም ኣብ ኵሉ ሰብ፡ ኣባና ዘሎ ቅዱሳን ክንኰነሉ ዜኽእለና ምስልን ባህርያትን ናይ እግዚአብሔር፡ በቲ ክርስቶስ ዝፈጸመልና ናይ ድሕነት ሰራሕ ዓብዪ ብልጫ ኣሎና። ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ነቲ፦

ንስኻትኩም ቀደም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቕኩም፡ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን (ንኣምላኽ) ጸላእቱ ነበርኩም። ንሱ (እግዚአብሔር ኣቦ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ገይሩ ዓረቐኩም፡” ዚብል ቃል ኣዚና ኸነቕልበሉ የድልየና (ቈሎ 121-22 .) እዚ ናይ ዕርቂ መደብ ክሳዕ ዚፍጸም፡ ኵላትና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ባሮት ኢና ዝነበርና። ክንገብሮ እንኽእል ኵሉ ግብሪ ጽድቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጽዩቕ ጨርቂ ነበረ (ሮሜ 82 ኢሳ 646) ብዘይ ክርስቶስ፡ ይትረፍ ንእግዚአብሔር ቅዱሳት ክትኰነሉ ናብ ጥቓኡ ኽንቀርብ ኣብ ዘየኽእለና ጽልኢ ኢና ዝነበርና። ነቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምእንታና ዝሞቶ ሞትን ዘፍሰሶ ደሙን ኣሚንናን ተቐቢልናን ምስ ሰዓብናዮ ግና፡ እቲ ቐዳሲ ተግባር ኣምላኽ ኣባና ይፍጸም። እቲ ቐዳሲ ተግባር ናይ እግዚአብሔር፡ መሰረት ናይ ቅዱሳን ክትኰነሉ ዜኽእለና ጸጋ ምዃኑ ብኸም ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ።

ገሌኹምውን ከምኣቶም (ደቂ ቝጥዓ) ኔርኩም ኢኹም። ግናኸ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽናን፡ ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩም ኢኹም።” 1ቈረ 611 .

ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ኪፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሰውአ፡ ተቐዲስና ኢና።እብ 1010 .

ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኰኑ፡ ብምንጻግ ደሙ ኸኣ ምእንቲ ኽትነጽሁ፡ በቲ ቐዳሲ ዝዀነ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ሓረየኩም፡ ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።” 1ጴጥ 12 .

ነዚ ዅሉ ኣዛሚድና ኽንርእዮ ኸለና፡ እግዚአብሔር ኣቦ ንወዱ ገንሸል ዕርቅና ኪኸውን ብምልኣኹ፡ እግዚአብሔር ወልድ ኣብ መስቀል ምእንታና ገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ብምግባር ክቡር ደሙ ብምፍሳሱ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣባና ብምሕዳሩ ኸም ዝተቐደስና ኢና ንርዳእ። እዚ ኸም ዝበለ መስተንክርን ቀዳስን ዝዀነ መለኮታዊ ስራሕ ኣባና ዝተፈጸመ ድማ ብዅሉ (ኣካይዳና ኣነባብራናን) ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ብምዃን ምእንቲ ኽትቅደሰሉ እዩ።

ክትቅደሰሉ ኢሉ እግዚአብሔር እዚ ዅሉ ጌሩልና ኼብቅዕ እንተ ደኣ ዘይተቐዲስናሉ፡ እቲ ዘይምቕዳስና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይዩ፧ ደጋዊ ህይወትናን ኣነባብራናን ነጸብራቕ ናይ ውሽጣዊ መንነትናን ትሕዝቶናንዩ። ኣብ ውሽጥና ብርሃን ክርስቶስ ዝመልአ ህይወት እንተልዩና፡ ኣካይዳናን ኣነባብራናን ነቲ ዝቐደሰና ክርስቶስ ዚመስል። ጻውዒት ነፍስ ወከፍ ምእመን፡ ኣብ በቲ እኩይ (ሰይጣን) ተታሒዛ ዘላ ዓለም ብርሃን ኴንና ኽንመላለስዩ። በቲ መንቅብ ዘይብሉ ኣካይዳና ነቲ ዝቐደሰናን ብርሃን ዝዀነናን ክርስቶስ ኬኽብርዎን ካብ ሒዝዎም ዘሎ እኩይ ወጺኦም ናብ ብርሃን ክርስቶስ ምእንቲ ኪመጽኡዩ። ጐይታና ኣብ ትምህርቱንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ኢኹም ..... ንዓለም ከኣ ብርሃኑ ኢኹምምስ በለ፡

ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።” ብምባል ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 513,14,16 .) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ኣብ ዓለም ንእግዚአብሔር ቅዱሳት ብምዃን ከም እነብርህ ከም ብምባል ገሊጹልናዩ።

ከም ከዋኽብቲ ኣብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል እዛ ቔናንን ጠዋይን ወለዶዚኣ ኢንታ ዘይብሎምን ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽን ኴንኩም ኣብርሁ።ፊል 215 .

ኢንታ ዘይብሎም ንጹሃትን ኣበር ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽንዚብል ሓረግ፡ ቀጥታዊ መግለጺ ናይ ቅዱስ ህይወትዩ። እግዚአብሔር ከም ዝበለ ህይወት ኪህልወና እናተጸበየና ኸሎ፡ ካብ ቅድስና ጐዲልና ብርኽሰት ምስ እንመላለስምበኣር፡ ነቲ ዝቐደሰና ኣምላኽ ኢና እነጽርፎ። መልእኽቲ ናይ ዘይምቕዳስና ኣዝዩ ኽፉእዩ። ከም ብብርሃን ክንመላለስ ከለናነዚ ብርሃን ኣባይ ዘሕደረ ኣምላኽ ብርሃንዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ፡ ብኣንጻሩ ብዘይምቕዳስና ኸኣ ስም እግዚአብሔር ኣባና ይረክስ ስለ ዘሎእግዚአብሔር ከማይ ርኹስዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። ምኽንያቱ ንሕና ኻብክርስትያንተባሂልና ዝተሰመናላ ጊዜ ጀሚርና ስም ክርስቶስ ኣባና ጸዊርና ኸም ዘለና ኣይንዘንግዕ። ኵሉ ተግባርና ኸኣ ንእኡ ዚገልጽ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኣመልኪቱ፦

ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና።ከም ዝበለ፡ ንሕናውንክርስትያንእናበልና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ሰብን ኢንታን ኣበርን ዚመልኦ ርኽሰት ንገብር እንተሊና፡ ንመድሓኒናን ቀዳሲናን ነጽርፍ ከም ዘለና ኣይንረስዕ (2ቈረ 63) እግዚአብሔር ናይ ህዝቢ እስራኤል ዚገብርዎ ዝነበሩ ርኽሰት መልእኽትን ትርጕምን ብነብዪ ህዝቅኤል ጌሩ ኺገልጽ ከሎ፡ ከም ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ፦

ብዛዕባኦም ከኣ (ማለት ቤት እስራኤል)እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚአብሔርዮም ካብ ሃገሩውን ወጺኦም፡ እናተባህለስ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣርከስዎ። ...... ስለእግዚአብሔር ኣምላኽ ከም ይብሎ ኣሎኢልካ ንገሮም፡እዚ ምእንቲ ኣብ ዘዝኣቶኹምዎ ህዝቢ ዘርከስክዎ ቅዱስ ስመይምበር ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹህዝ 3620,22

ብዘይ ምቕዳሶም ማለት ብርኽሰት ብምምልላሶምንቕዱስ ስመይ ኣርከስዎዚብል ዘሎ፡ ባዕሉ እቲ መንግስትን ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ኪዀንዎ ኢሉ ዝሓረዮምን ዝቐደሶምን እግዚአብሔርዩ። ነብዪ ወይ ሰባኺ ከቢድ ሃይለ ኪጥቀም ኢሉ ዝበሎ ኣይኰነን። ነዞም ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ብመገዶም ዝረኸሱ ህዝቢ ኸም ኻብ በሎም ደኣ፡ ንኣና ነዞም በቲ ሓንሳእን ንሓዋሩን ብዝዀነ መስዋእቲ ክርስቶስ ወዱ ዝቐደሰና ደኣ እንታይ ኪብለናዩ።

ናይ ዘይምቕዳስ መልእኽቲ ክሳዕ ክንድ ከቢድ ካብ ኰነ፡ ብኸመይ ኢና ክንቅደስ እንኽእል፧ ንሓደክርስትያንዚብል ምእመን ቅዱስ ምዃን ምርጫ ዘይኰነስ ግዴታዩ። ብወገን እግዚአብሔር እቲ ቅዱሳን ኪገብረና ዚኽእል ዘበለ ዅሉ ብሞት ወዱን በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስን ተፈጺሙልናዩ። በዚ ድማ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ወጺእና ኢና።ክርስትያንዜብለና ኸኣ ነዚ ተግባር ኣምላኽ ኣሚንና ዝተቐበልናን ዝተኣዘዝናን ስለ ዝዀንና ኢና። ይኹን ደኣምበር ኣብ ምድሪ ብህይወት ክንመላለስ ከለና እቲ ምስ ሓጢኣት ዘሎና ቓልሲ ገና ኣይተወድአን። ስለ ኵሉ ኣነባብራና ብመንፈስ ኪኸውን ናይ ግድንዩ። ነቲ ኣብ ስጋና ዀይኑ ናብ ሓጢኣት ዚስሕበና ትምኒትን ፍትወትን ምእንቲ ኽንስዕሮ ቅዱሳን ሃዋርያት፦ ኣነ ግና ብመንፈስ ንበሩ (ተመላለሱ) ትምኒት ስጋ ኸኣ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም።

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም ካብ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ፡ እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።” ብምባል ሂቦምና ብዘለዉ ምኽሪ ህይወትና ኽንመርሕ የድልየና (ገላ 516 1ጴጥ 211) መንፈስ ቅዱስ ኣባና ኺሓድር ተዋሂቡና ዘሎ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይንገብር ኪድግፈና፡ ጽድቂ ኽንገብር ከኣ ምእንቲ ኬኽእለናዩ። ንሕና ድማ ብወገን ርኽሰት ክንገብር ዚደፍኣና ነገር ካብ ስጋና ኺለዓል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዀይኑግደፍ፡ ተመለስዚብለና ድርኺት መንፈስ ቅዱስ ክንእዘዞ ይግብኣና። ብኣካላትና ሓጢኣት ዲና ክንገብር ወይስ ጽድቂ ናትና ውሳኔዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ትርጕም ምስጢረ ጥምቀት ብዜደንቕ ዕምቈት ምስ ገለጸ፡ ንኣካላትና እንታይ ክንገብሮ ኸም ዘለና ኸም ዚስዕብ ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ።

እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ገዛእ ርእስኹም (ኣካላትኩም) ንኣምላኽ ወፍዩምበር ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። ..... ከም ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፡ ድኹማት ስለ ዝዀንኩምዩ። ከም ንርኽሰትን እናገደደ ንዚኸይድ ክፍኣትን ንኺግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ናብ ቅድስና ንዜብጽሕ ጽድቂ ክትገብሩ ኣካላትኩም ወፍዩ።ሮሜ 612-13,19 .

እዚ ማለት ኣእምሮና ክፍኣትን ተንኰልን ዘይኰነስ ብቓል እግዚአብሔር ተመሊኡ መንፈሳዊ ነገር ጥራይ ኪሓስብ፡ ኣፍና ሓሶትን ሕሜትን ዘይኰነስ ሰናይ ቃላት ምጽንናዕን ኪዛረብ፡ ኣእዳውና ባእስን ስርቅን ዘይኰነስ ንልግስን ምድግጋፍን ኪዝርግሓ፡ ኣእጋርና ኸኣ ናብ ቦታ ርኽሰት ዘይኰነስ ናብ ቤት እግዚአብሔርን ንሰናይ ግብርን ኪንቀሳቐሳ ምውፋይ ማለትዩ።

እምበኣር መንግስቲ ኣምላኽ ንምውራስ ቅድስና ብግዲ ኸም ዜድልይ ካብ ፈለጥና፡ ካብ ነፍስ ወከፍ ትጽቢት ዚግበር ስጕምቲ፡ ጽባሕ ዘይኰነስ ሎሚ ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ምምርማርዩ። ቅድስና ካብ ኣምላኽ ዝወረስናዮ ባህርያዊ ትዕድልትናምበር፡ ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕነ ዘይትግበር ጽኑዕ ትእዛዝ ጌርና ኻብ ምርኣይ ንተዓቐብ። ነቲ ቅዱስ ባህርዩ ዘውረሰና ኣምላኽ ብቕድስናና ነኽብሮምበር ብርኽሰትና ኣይነነውሮ። ንቕድስና ኣምላኽ ብግብራዊ ናብራና ንስበኮ። እግዚአብሔር ብደም ቅዱስ ወዱን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንምቕዳስና ዜድልይ ኵሉ ስለ ዝገበረልና ንርኽሰትና እነቕርቦ ዝዀነ ብቝዕ ምኽንያት ከም ዘይብልና ነስተውዕል። ደድሕሪ ርኽሰት ብምስዓብ ንስራሕ ቅድስት ስላሴ ኣይንጻረር። ዓስቢ ቕድስናን ፍዳ ርኽሰትን ብዚግባእ ብምስትውዓል ዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸብቕ ምርጫ ነልዕል መንፈሳዊ ልቦናና ነግህድ። ንኣካላትና ናውቲ ጽድቅን ቅድስናንምበር መጋበርያ ርኽሰትን ሓጢኣትን ኣይንግበሮ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

16 ሕዳር 2023 | ሕዳር 26, 2016 ግዕዝ (መበል 11 ሰንበት: ቊ..፲፩/11)

ምስባክ

 መዝ. ፻፴፬(፻፴፭)፡፮

እስመ አነ አእመርኩ ከም ዓቢይ እግዚአብሔር። ወአምላክነሂ እምኵሉ አማልክት። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።

ወይ፡ መዝ.፻፲፫(፻፲፭)፣፫አምላክነሰ ውስተ ሰማይ ላዕለ። በሰማይኒ ወበምድርኒ። ኵሎ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር።

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 121-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 113-21

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1927-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 517-27

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘአትናቴዎስ

መዝሙር፦ ሎቱ ስብሐት

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div