S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣይትጨነቑ !!

ማእከላይ ንባብ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ መዓልቲዚ: ካብ ህይወትና ጭንቀት ከነወግድ እዩ ዚእዝዘናን ዚምዕደናን። እቲ ጭንቀት ኣብ ምግብን መስተን ክዳንን ኣተኵሩ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኣብኡ ጥራይ ዚድረት ግን ኣይኰነን። ኣብኡ ጥራሕ እንተ ደረትናዮ፡ ነቶም ብዛዕባ ዚምገብዎን ዚኽደንዎን ዝዀነ ይኹን ጸገም ዘይብሎም ሰባት እዚ መልእኽቲ እዚ ኣይምልከቶምን እዩ ማለትና እዩ። ጭንቀት ግን ደረጃ ቝጠባ ኸይፈለየ ንዅሉ ዚምልከት ኵነተ ኣእምሮ እዩ። ነቲ ስኡን ድኽነቱ ኼጨንቖ ኸሎ ነቲ ርኹብ ድማ ሃብቱ የጨንቖ።

ንዅላትና ብሓባር ዜጨንቐና ንዝኰነ ሰብ ብማዕረ ዚብጽሖ ሕማምን ሞትን ናይ ገዛእ ርእስና ዀነ ናይ ኣባላት ስድራ ቤትናውን ኣሎ። ንወዲ ሰብ ዜጨንቕዎ ጕዳያት ኣዝዮም ብዙሃት እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ እንጭነቐሉ ዘሎና ጉዳይውን ኣርእስቲ ኢና እንስእነሉ። ይጭነቅ ንዘሎ ሰብ ቀሪብካ፡እንታይ እዩ ዜጨንቐካ ዘሎ፧ኢልካ ሓቲትካዮውን፡እንድዒ፡ እንታይ የጨንቐኒ ኸም ዘሎውን ኣይፈልጥን እየዚብል መልሲ እንረኽበሉ ጊዜ ውሑድ ኣይኰነን። ስለዚ ጭንቀት ሓባራውን ኣድማስውን ጸገም ደቂ ሰባት ምዃኑ ፈሊጥና ብምንታይ ከም እንፍወሶ ኽንፈጥን ይግብኣና። ጐይታ ደጋጊሙኣይትጨነቑ፡ ኣይትፍርሁዚብለሉ ምኽንያት ከነስተውዕሎ ግቡእ እዩ። ቅድሚ ዅሉ ጭንቀት ሓጢኣት ምዃኑ ክንፈልጦ የድልየና። ምኽንያቱ ጭንቐት ናይ ርእሰ ሙርኰሳ ወይ ናይ ርእሰ-ትውክልቲ ምልክት እዩ። ሓደ ሰብ ቫይረስ ወይ ባክተርያ ኼጥቕዖ ኸሎ ረስንን ካልእ ምልክታትን ከም ዜንጸባርቕ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውካል ሕማም ዘጥቅዖ ሰብ ድማ፡ ነቲ ሕማሙ ብጭንቀት እዩ ዚገልጾ። ብዘይክኡ ንገዛእ ርእሱ ዀነ ንስድራ ቤቱ ዚሓልይ ካልእ ኣካል ከም ዘይብሉ ዚሓስብ ሰብ፡ ብርቱዕ ጭንቀት ኪስምዕ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ድሩት ዓቕሚ ዘለዎ ድኹም ፍጥረት ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ንጭንቀት ዚወልድዎ ክልተ ዓይነት ሓሳባት እዮም።

1) ብዘይካኻ ናይ ህይወትካን ናይ ህይወት ስድራ ቤትካን ሓላፍነት ዚወስድ ከም ዘየለ ምሕሳብ እዩ። ወይ ከኣ፡ ናይ ህይወትካ ሓላፍነት ኣብ ናይ ወላዲኻ ወይ ወላዲትካ፡ ኣብ በዓል ወይ በዓልቲ ኪዳንካ ጥራይ ከም ዚምርኾስ ጌርካ ምሕሳብ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ዓቕሚ እዚ ድኹምን ሓላፍን ስጋ ምሙርኳስ ወይ ምውካል እዩ። እቲ ዝፈጠረካን ብህይወት ክትነብር ህይወት ዝሃበካን ኣምላኽ ናይ ህይወትካ ሓላፍነት ከም ዚወስድ ፈቲኻ ደይመደይ ኢልካ ምርሳዕ እዩ። ንሕና ብባህሪና ኽፉኣት ክነስና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እቶም ናትና እንብሎም ሰባትን ጽቡቕ ንሓስብን ንሓልይን እንተ ዄንና፡ እቲ ብባህርዩ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እቶም ባዕሉ ዝሃበና ስድራንኣይሓልይን እዩኢልካ ምሕሳብ ሓጢኣት እንተ ዘይኰይኑ፡ እንታይ ካልእ እዩ ሓጢኣት ኪኸውን፧ ነቲ ናቱ ባህርይ ንርእስኻ ወሲድካ፡ ነቲ ናትካ ክፉእ ባህርይን ድኻምን ንእኡ ምልጣፍ ማለት እኮ እዩ።

2) ኣቲ ኻልኣይ ንጭንቀትና ምኽንያት ዚኸውን ኣተሓሳስባ ድማ፡ ኣብ ውሽጥና፡ ነቲ ከይተገብኣና ባዕላትና ኣብ ዝባንና ዝጸዓንናዮ ሓላፍነት ክንፍጽሞ ዜኽእለና ዓቕሚ ኸም ዘይብልና ምፍላጥና እዩ። እዛ ምፍላጥ እዚኣ ካብ ጭንቀት ከተገላግለና እምበር ናብኡ ኽትሸምመና ይግባእ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኽ ንኽንውከል እትሕግዘና ጽብቕቲ ኣተሓሳስባ እያ። ምስታ ቐዳመይቲ፡ ማለት ምስታ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውካልን ምምርኳስን ሓጥእ ኣተሓሳስባ ተተሓሒዛ እንተ መጺኣ ግና፡ ጭንቀት ትፈጥርን ተጋድድን እምበር፡ ናብ ዕረፍቲ ኸተእትወና ኣይትኽእልን እያ።

ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ጭንቀት ማለት ኣብ ኣምላኽ ምውካል ኣቢኻ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ወይ ኣብ ካልእ ሰብ ምውካል ማለት እዩ። ኣብ ዓቕሚ ሰብ ክትውከል ከሎኻ ጭንቀት ዚወልዱሉ ምኽንያት፡ እቲ ቐዳማይ፡ ሰብ ይትረፍ ብዛዕባ መጻኢ ብዛዕባ ህልዊ ዅነታት እኳ ዘለዎ ፍልጠት ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ እዩ። ኵሉ ጊዜ፡ ወፊርና ኸም እንምለስ፡ ደቂስና ብሰላም ከም እንትንስእ፡ ጥዕናና ተሓልዩ ኸም ዚነብር፡ ወይውን ሕማምና ንሞት ኣሕሊፉ ኸም ዘይህበና፡ ስራሕ ከም ዘይንስእን፡ ዋኒንና ከም ዘይከስር ወዘተ ርግጸኛታት ስለ ዘይንኸውን ክንጭነቕ ይገብረና። ገሊኡ ዜጨንቐና ዅነታት ዕድሜና ምሉእ ፈጺሙ ኸየጋጥመና ዚኽእል እዩ። እንተ ዀነ ብሰሪ እቲ ድሩት ናይ መጻኢ ኣፍልጦና፡ ዕድሜና ምሉእ ብምጭናቕ መሪር ዋጋ ኽንከፍለሉ ንነብር። እንተ ዀነ፡ ንነፍሲ ወከፍ ህልዊን ኣብ መጻኢ ዚኽሰትን ዝርዝር ኵነታት ዚፈልጥ ኣምላኽ ኣሎና። ንሱ ይትረፍ ብዛዕባ እቲ ብኣምሳሉ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ዋላ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዑፍን ኵሉ ዓይነት ግዙፍን ደቂቕን እንስሳ እኳ ይፈልጥን ይግደስን እዩ። ይትረፍ ብዛዕባ ህይወት ዚኣኽል ዓብዪ ነገር፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጸጕርና እኳ ዚሓልይ እዩ (ማቴ 1029-31) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እግዚኣብሄር ይፈልጥ ጥራይ ዘኰነስ፡ እቲ ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ኵሉ ብፍቓዱ ጥራይ ዚፍጸም ምዃኑን፡ ነቲ ኣባና ኺፍጸም ዚፈቕዶ ድማ ብሰናይ ሓሳብ ዚገብሮ ምዃኑን እዩ። ስለዚ ኻብ ጭንቀቱ ኺዓርፍ ዚደልይ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብቲ ዅሉ-ፈላጥነትን፡ ሰናይ ሓሳብን ናይ ኣምላኽ ኪውከልን ነፍሱ ኼዕርፍን ይግብኦ። እዛ ጥበብ እዚኣ ዝተሰወረቶ ሰብ ግና፡ ካብ ጭንቀት ኪናገፍ ኣይክእልን እዩ። ብጥዑዩ፡ ብርኹቡ፡ ብደሓኑ ኸሎ እኳ እናተጨነቐ እዩ ዚነብር።

እቲ ኣብ ዓቕሚ ሰብ ጥራይ ምውካል ጭንቀት ዜዕዝዘሉ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ምግባር ዓቕምና ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ እዩ። ዋላ ሓንቲ ወይ ድማ ውሑድን ድሩትን ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ሓላፍነት ናይቶም ኣብ ህይወት ዜጋጥሙ ከበድቲን ብዙሓትን ኵነታት እንተ ወሲዱ ብጭንቀት ኪወሓጥ ባህርያውን ጽቡይን ነገር እዩ። እግዚኣብሄር ሓላፍነት ክንወስደሎም ዝኣዘዘና ብዙሓት ነገራት ኣለዉ። ብዛዕባኦም እንተዀነውን ኣብኡ ብምውካል ክንገብሮም እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ካብቲ ጉዳይና ኣግሊልና ንበይንና ኽንገብሮም ኣይኣዘዘናን። ከምኡ ኽንገብር ከኣ እይጽበየናን እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ እዩ፡ ጐይታና፡ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምዝበለና (ዮሃ 155) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፡ክእለትና ካብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና ሓንቲ እኳ ኽንሓስብ ኣይከኣለናን እዩ።ብምባል ነቲ ሓላፍነትና ኸም ዚግባእ ክንፍጽሞኸኣልቲ ዚገብረናንሱ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ (2ቈረ 35-6) እምበኣር ካብቲ ምንጪ ኽእለትካ ዝዀነ ኣምላኽ ርእስኻ እንተ ፈሌኻ፡ ክትጭነቕ ይግብኣካ እዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ጕንዲ ርእሱ ዝፈለየ ጨንፈር ምንቃጹ ዘይተርፍ እዩ። ዝዀነ ኽኢላ ኣብ መገዱ ኣብ ዕዮኡ ዚዕወት፡ እግዚኣብሄር ኪዕወት ስለ ዝፈቐደሉ እምበር ንሱ ስለ ዝኸኣሎ ኸም ዘይዀነ ኼነስተውዕል ይግብኣና። እቲ ንጉስ ሰለሞን፥ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፡ ከአ ጉያ ንፈጣናት፡ ውግእ ንጀጋኑ፡ እንጌራ ንጥበበኛታት፡ ሃብቲ ነእምሮኛታት፡ ሞጐስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም (ነናቶም) ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም። ሰብ ከኣ ነታ (ኣተመደበትሉ) ጊዜኡ ኣይፈልጣን እዩ እሞ፡ ከምቶም ኣብ ክፉእ መርበብ እተገፈፉ ዓሳ፡ ከምተን ብመፈንጠራ እተፈንጠራ ኣዕዋፍ፡ ከምኡ ኸአ ደቂ ሰብ ድንገት ምስ ዚወርዶም፡ ብኽፉእ ጊዜ ይፍንጠሩ።ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዜረጋግጸልና እዩ (መክ 911-12) ፈጣን ጐያዪ ስለ ዝዀንካ ጥራይ ኣብ ውድድር ጕያ ኣይትዕወትን ኢኻ። ዓቕምኻ ዘይኰነስ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ነቲ እትዕወተሉ ግዜን ኣጋጣምን ዚሰርዓልካ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ቍመና ኸም ዘሎ እተመስከረሉን ኪዕወት ትጽቢት ዝተገብረሉን ሰብ ተሪፉ ሓደ ካልእ ዘይተሓስበ ሰብ ግን ከኣ ጊዜኡ ብኣምላኽ ዝተሰርዓሉ በዓል መዓልቲ ዚዕወት። ከምቲ ዓሳ ብመርበብ ዚተሓዝ፡ ከም መርበብ ኰይኖም ዚሕዙና ዝተፈላለዩ ዅነታት ድማ ይኽሰቱ እዮም። ካብታ መርበብ እቲኣ ኼውጽኣና ዚኽእል እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። ካብ ውሽጢ እታ መርበብ ከይወጻእና ኣብኣ ዄንና ነቲ ሰናይ ሓሳብን ፍቓድን ናይ ኣምላኽ እናኣኽበርና ኽንነብር ዜኽእለናውን እግዚኣብሄር እዩ። ኣቦና እዮብ፡ ብሓንቲ ጥራይ ዘይኰነ ብብዙሓትን ክፉኣትን መርበባት ምስ ተታሕዘ፡ ኣይተረበሸን። ዋላ እንተ ዘይተሓጐሰ እኳ፡ ኣብ ውሽጢ መርበባት ኰይኑ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ። ከምቲ ካብ መርበብ ነጻ ኸሎ ፍጹም ሰብ ዝነበረ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መርበብ ኰይኑውን ነቲ ፍጹምነቱ ኣይጥፈኦን። እታ ዘይለባም በዓልቲ ኺዳኑ እኳ፡ገናዶ ፍጹም ኴንካ ጸኒዕካ ትነብር ኣሎኻ፧ብምባል ብምግራም ተዛረበቶ። ምኽንያቱ ንሳ እቲ ሕሱም መርበባት መጺኡ ንብረታን ደቃን ምስ ኣሕደጋ፡ ድሮ ንኣምላኽ ክሒዳቶስ መንፈሳዊ ሞት ሞይታ ነበረት። እዮብ ግነ፡ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ፧ዚብል ካብ ጓህን ጭንቀትን ካብቲ ንሳቶም ዚወልድዎም ማእለያ ዘይብሎም ኣበሳታትን ዚሕልዎ፡ ቅዱስን ቅኑዕን ኣረኣእያ ኣማዕቢሉ ነበረ (እዮ 28-10) ንኣና ናብ ጭንቀት ዚሸምመና ዘሎ፡ ከምዚ ቕዱስ ኣቦ ነቲ ካብ ኢድ ኣምላኽ ብሰናይ ዕላማ ዚመጸና ክፉእ ኰነ ጽቡቕ ኵነታት ንምቕባል ድልዋትን ፍቓደኛታትን ዘይምዃንና፡ ነቲ ናትና ባህግን ምርጫን እምበር ነቲ ሉኡላዊ ፍቓድን ምርጫን ናይ ኣምላኽ ከነኽብር ዘይምምራጽና እዩ። ነቲ ምርኡይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሓደ ኪቕበሎ ዜጸገሞ ሕማም ስጋ (ግራጭ) ተዋሂብዎ ነበረ። እዚ ሕማም እዚ ኻብ ስጋኡ ኺንቀለሉ፡ በቲ ንኣምላኽ ዘስመረ ቅቡል ጸሎቱ ሰለስተ ሳዕ ለመነ። እንተ ዀነ እግዚኣብሄር ካብቲ ሕሱም ሓጢኣት፡ ካብ ትዕቢት፡ ምእንቲ ኺሕልዎ ኻብታ መርበብ ፈተና እቲኣ ኼውጽኦ ኣይደለየን። ብኣንጻሩ ኣብኣ ኸሎ ጸጋ ኼብዝሓሉ፡ ብድኻም (ሕማም) ስጋኡ ገይሩ ድማ ሓይሉ ኺገልጽ መረጸ። እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ድማ፡ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ (ብሕማመይ) ክምካሕ እየ። እምበኣርከ ምስ ዝደክም ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድካም (ብሕማም) ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።ብምባል ነቲ ንሰናይካ ብፍቓድ ኣምላኽ ዚወሃበካ ዅነታት ብኸመይ ብጸጋ ተቐቢልካ፡ ካብ ጓህን ጭንቀትን ናብ ሓጐስን ሓበንን ከም እትቕይሮ ግሩም ኣብነት ሃበና (2ቈረ 12:7-10) ካብዚ ልዕል ኢልን ዝጠቐስናዮ ኣብነታት ከም እንርድኦ እምበኣር፡ ዓይነት ናይቲ ዜጋጥመና ዅነታት ዘይኰነስ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ እቲ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘሎና ኣረኣእያን ኣተሓሳስናን ከም ዚውስኖ እዩ። ስለዚ ኻብ ጭንቀት ክንናገፍ ንደልይ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ እቲ ኣባና ኸይክሰት እንፈርሆ ዅነታት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ንእኡ ኼመክተና ዚኽእልን ንኣምላኽ ድማ ዜኽብሮን ጥዑይ ኣተሓሳስባን ምምዕባልናን ዘይምምዕባልናን ደኣ ንሕሰብ። ምሕዋይና ወይ ምሕማምና፡ ምጽጋብና ወይ ምጥማይና፡ ምዕራቕና ወይ ምልባስና ዘይኰነስ፡ ኣብ ኽልቲኡ ዝተረሓሓቐ ኵነታት፡ ንኣምላኽ ኣኽቢርና ምሕላፍና እዩ። ኣቦና እዮብ፡ ኣብ ክልቲኡ ዝተረሓሓቐ ጫፋት ናይ ህይወት ፍጹም ኰይኑ ኣብ ምቕጻል ጥራይ ከም ዘድሃበ፡ ንሕናውን ከምኡ ንኹን። ኣብ ዝሃለና ዅነታት ንሃልው፡ ምስኡ ዄንና ድማ፡ “ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ ኤቕንዕ እምበር፡ ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን። … እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡ ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ። ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሐቕ፡ ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን። ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰድዶን፡ ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን።” ንበል (እዮ 13፡15፣ 27፡3-6)። ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ዘይተደላዪ ጭንቀት ምእንቲ ኼናግፎም፡ ኪልእኮም ከሎ፡ “ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ዀነ፡አብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። … ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።” ኢሉ ኣዘዞም (ማቴ 10፡9,10)። ቅድሚ ስቕለቱ ዘላ ሓሙስ ምሸት ድማ፡ “እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧” ብምባል ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ሓንቲ እኳ ኣይጐደለናን” ኢሎም መለሱ (ሉቃ 21፡35)። ስለዚ ስለ ዝሰኣንካ ኸም ዘይጥመይን ከም ዘይዕረቕን፡ ስለ ዝረኸብካ ኸም ዘይጽገብን፡ ስለ ዝሓመምካ ኸም ዘይምወትን፡ ክውሉ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚምርኰስ ኣስተውዒልና፡ ንጭንቀትና ንፈውሶን ነወግዶን። ጭንቀት ናይ ነፍሲ ዀነ ናይ ስጋ መርዚ ምዃኑ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውካል ሓጥእ ውጽኢትውን ምዃኑ ዘኪርና፡ ካብዚ ሰራም ልማድ እዚ ርእስና ንሓልው። እቶም ኣብ ገዝእ ርእሶም ዚውከሉ ደኒኖም ኪወድቁ፡ እቶም ኣብ ኣምላኽ ዚውከሉ ድማ ደልዲሎም ኪቖሙ ዘይገሃስ መለኮታዊ ሕጊ እዩ። እምበኣር ኣብ ኣምላኽ ንወከል፡ ኣይንጨነቕ!!

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

 ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ጥቅምቲ 29, 2017     ጥቅምቲ 19, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 13

ይከውን ከመ እጽ እንተ ትክልት ሃበ ሙሃዘ ማይ። እንተ ትህብ ፍሬሃ በበጊዜሃ። ወቆጽላኒ ኢይትነገፍ።

ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብግዚኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ቈሎ 11-11

ዲያቆን

ወንጌል ሉቃ 1222-34

ያእ 11-12

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ግሃ 287-17

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div