S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር!!

ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ቕንያት እቲ ኣብ ወቕቲ ክራማት ተዘሪኡ ናብ ፍረ ዝበቕዐ በብዓይነቱ እኽልታት ዚእከበሉ ናይ ቀውዒ ወርሓት እዩ። ስለዚ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ፡ “ጸገየ ወይን፡ ወፈርየ ሮማን” እናበሉ መዝሙር ሰንበት ሰንበት ብምዝማር ነቲ ብፍርያት ምድሪ ዝባረኸና እግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ይስምንዑ።

ዲያቆናትውን በቲ ናይ መዝሙር ስብከቶም፡ ነቶም ብጉንዲ ወይኒ ዚምሰሉ እስራኤላውያን፡ ብሓያል ኢድ ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣውጺኡ፡ ኣብታ ንኣታቶም ዝመደበሎም መሬት ንዝነበሩ ሓጥኣን ኣህዛብ ሰጒጉ ከም ዝተኸሎም መልእኽቶም የስምዑ። እንተ ዀነ፡ እዛ ጕንዲ ወይኒ እዚኣ ኣብ ክንዲ ብዙሕን ጽቡቕን ፍረ እትህብ፡ ናብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለዊጣ ንተኻሊኣ ዜጕህይ ሕማቕ ፍረ ብምፍራያ እግዚኣብሄር ስለ ዝሓዘነ ብኣፍ ነብያቱ ገይሩ፡

“ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ፧ ብጨው ባሩድ እኳ እንተ ተሐጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኣብ ቅድመይ ርኹስ ኰይኑ ይነብር፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”   ከምኡውን

“ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ ኣሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ። ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ። ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ፧ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስ፡ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ፧ እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩም፡ ንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ። ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ። እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደም፡ ጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ።”

ብምባል ጓሂኡ ገለጸ (ኤር 2፡21-22፣ ኢሳ 5፡1-7)። ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ናይ ኣምላኽ ኣታኽልቲ ወይኒ ቤት እስራኤል እያ ዝነበረት። ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣታኽልቲ ወይኒ ግን፡ ቤተ ክርስትያንን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ውልቀ ክርስትያንን እዮም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ጐይታና ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ንቤተ ክርስትያን ብኣታኽልቲ ወይኒ መሲሉ ምሂርዎ ዘሎ ትምህርቲ፡ ናይ ሎሚ ምንባብና ኪኸውን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሰሪዓቶ ትርከብ።

ኣብቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ትንቢት ጽሑፋት ነታ ፍሬኣ ዘበላሸወትን፡ ነታ ፈጺማ ዘይፈረየትን ተኽሊ ወይኑ እግዚኣሄር ዝፈረዶ ፍርዲ ፍትሓዊ ግን ከኣ ኣዝዮ ኸቢድ ፍርዲ እዩ። ነብዪ ኤርምያስ ፈጺምካ ዘይምፍራይን፡ ብልሽው (መጺጽ ወይ ድቓላ) ፍረ ምፍራይን፡ ብጨው ባሩድ ይኹን ብብዙሕ ሳሙና ፋሕፊሕካ ዘይለቅቕ ነባሩ ርኽሰት ከም ዝዀነ እዩ ገሊጹልና። እቲ ብነብዪ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ እቲ ምቁር ዘቢብ ኬፍርይ ትጽቢት እናተገብረሉ መጺጽ ክፉእ ፍረ ዘፍረየ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተበየነ ፍርዲ ድማ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ኣብ ዘመነ ቝጥዓ ዝዀነ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ንዘይፈርይ ተኽሊ ዝተዋህበ ፍርዲ፡ ኣብቲ ዘመነ ምሕረት ዝተሰምየ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳንውን ፈጺሙ ዘይምጕዳሉ፡ አረ መሊሱ ኣዝዩ ምግዳዱ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ምፍራይን ዘይምፍራይን ዘለዎ መርገጺ ኣዝይዩ ጽኑዕን ዘይልወጥን ምዃኑ ዘመልኽትና እዩ።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኣብ ልዕሊ ዘይትፈርይ ኦም ዚፍጸም ፍርዲ ብማሕጸ (ብፋስ) ቈሪጽካ ኣብ ሓዊ ምድርባይ ምዃኑ መጀመርታ ዚገልጽ ዘሎ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ። ከም ጸራግ መገዲ መጠን፡ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን መንፈሳዊ ፍረ ኣብ ዘይፈርዩ ሰባት ዚውሰድ ስጕምቲ እንታይ ከም ዚመስል ኪገልጽ ናይ ግድን ነበረ። ንሱ ነቲም ደቂ ኣብርሃም ብምዃኖም ጥራይ ከም ደቂ ኣምላኽ ገይሮም ርእሶም ንዚቘጽሩ ፈሪሳውያን፡ “ ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ። እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበይ።” ብምባል፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ሰብ ብእተፍርዮ ዓይነትን መጠንን ናይ ፍረ ኸም እትምዘን፡ ናይቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ ኢየሱስ መምዘኒ ረቛሒውን ፍረ ምዃኑ ኣነጺሩ ነገሮም ( ማቴ 3፡10)። ጐይታና ድማ፡ ኣብቲ ዝተነብበልና ወንጌል፡ እቲ ዘይፈርይ ዘበለ ጨንፈር ጕንዲ ወይኒ፡ ተቘሪጹ ኻብቲ ጕንዲ ኸም ዚርሕቕ፡ ኣብ ሓዊ ተደርብዩ ድማ ኸም ዝነደድ ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (የሃ 15፡2,6)። ኣብቲ ብዛዕባ ፍረ ብምስላ ዝተዛረበሉ ክልተ ኣጋጣሚታትውን ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ገሊጹ (ማቴ 7፡19፣ ሉቃ 13፡6-9)። ስለዚ ኣብ ኣምላኽ ብዛዕባ ፍረ ዝዀነ ይኹን ዋጋ ዕዳጋ ኸም ዘየለ እምበኣር ርጉጽ ሓቂ እዩ።

እቲ ሓቂ እዚ ኻብ ኰነ፡ ካብቲ ጐይታ ዝበሎ ቓል፡ ብዛዕባ መንነት ናይቶም ዘይፈርዩ ሰባት ንርኣይ። ብመሰረቱ ሰባት ብመንጽር እቲ ምስ ጐይታ ዘለዎም ዝምድና ኣብ ክልተ እዮም ዚኽፈሉ። እቶም ሓደ ጉጅለ፡ ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ጉይታ ዝጠበቑ ኪዀኑ ኸለዉ፡ እዚኣቶም ብጐይታና ኢየሱስ ኣሚኖም ብጸጋ ጥምቐት ውልድነት ዝረከቡ፡ ካብ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ድማ ተኻፈልቲ ዝዀኑ እዮም። እቶም ካልኣይ ጉጅለ ድማ ብመሰረቱ ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘየለዉ ኻልእ ዝሃይማኖቶም፡ ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት ዜጠቓልል እዩ። ጐይታ ብዛዕባ እዞም ካልኣይ ጉጅለ ኣብዚ ትምህርቱ ዝዀነ ይኹን ኣይጠቐሰን።

መሰረታዊ ትሕዝቶ ትምህርቱ ብዛዕባ እቶም ብእምነት ብዳግማይ ልደት ኣካሉን ጨንፈሩን ዝዀኑ ምእመናንን ኣገልገልትን ቤተ ክርስትያን እዩ። ነዞም ጉጅለ እዚኦም ኪጠቕሶም ከሎ ድማ፡ “ነቲ ኣባይ ዘሎ ጨንፈር” ብምባል ጸዊዕዎም ኣሎ። ስለዚ እቶም ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘሎና ዅላትና ኣብዚ ጉጅለ እዚ ተሓቚፍና ኣሎና። እንተ ዀነ ጐይታና ነቶም “ኣብኡ ዘለዉ” ጨናፍር ኣብ ክልተ ኸፈሎም። ንሳቶም ከኣ፡ (1) ኣባይ ዘሎ ግን ከኣ ፍረ ዘይፈርይ ጨንፈር (2) ኣባይ ዘሎን ፍረ ዚፈርይን ጨንፈር እዮም። ጐይታ፡ “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኣኦም ዓይነት ጨንፈር ብኣብኡ ዚውሰነሎም ስጉምቲ፡ ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር (ኣቦይ) የርሕቖ፡ ነቲ ፍረ ዚፈርይ ጨንፈር ግና ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ።” ብምባል ገለጸልና። እምበኣር ኣብ ክርስቶስ፡ ኣብ እምነት ሃሊኻ ፍረ ዘይምፍራይውን ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ናይቲ ጨንፈር ዘይምፍራይ ግን ናይቱ ጕንዲ ጸገም ዘይኰነስ፡ ናይቲ ጨንፈር ውልቃዊ ጸገም እዩ። ካብቲ ጕንዲ ወይኒ፡ ማራ (sap) እናመጸየ ኽነሱ ፍረ ኺህብ ግን ኣይፈተወን። ስለዚ ነቲ ዝተማቐሎ ማራ (ጸጋ) ወይ ንዋላ ሓንቲ ኸይተጠቕመ ስቕ ኢሉ የባኽኖ ኣሎ ማለት እዩ፡ ወይ ከኣ ብኣቝጽልቲ ንምጕልዕላዕ ጥራይ ኪጥቀመሉ መሪጹ ማለት እዩ። እቲ ነቲ ጕንዲ ወይኒ ዝተኸለ ኣቦ ንጨንፈር ብፍሪኡ እምበር በቝጽልቲ ወይ ብርጕዱ ኣይመዝኖን እዩ። እቲ ነቲ ጨንፈር ጸይሩ ዘሎ ጕንዲ ድማ ልክዕ ከምኡ ብፍረ እምበር ብኻልእ ረቛሒታት ኣይምዘንን እዩ።

እምበኣር ክርስትያን ተባሂልና፡ እቲ ክርስቶስን ሃዋርያቱን ዘፍረይዎ ፍረ ኣብ ህይወትና እንተ ዘየልዩ፡ ፍርድና ተቘሪጽካ ኻብቲ ጕንዲ ምርሓቕ ጥራይ እዩ። ነስተውዕል፡ ካብቲ ጕንዲ ዝዀነ ክርስቶስ እምበር ካብ ቤት ክርስትያን ከም ዜርሕቖም ኣይተዛረበን። ስለዚ ገና ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን መዛግብትን ንጥፈታትን ከይተፈለና ኸሎና፡ ካብ ክርስቶስ ክንፍለይ ይከኣል ማለት እዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ከም ዘሎኻን ዘየሎኻን ዝዀነ መረጋገጺ ዘየድልዮ ርኡይ ጉዳይ እዩ። ናይ ግድነት መረጋገጺ ዜድልየና ግና ኣብ ክርስቶስ ምህላውናን ዘይምህላውናን እዩ። ምኽንያቱ፡ ከምተን ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል፡ ጽባሕ ንግሆ እቲ ጕንዲ ማለት እቲ መርዓዊ ብኽብሪ ምስ ተገልጸ፡ ዘይቲ ዘየፍረና ሰብ ባዶ ጢና ዄንና ኸይንጸንሕ እሞ ዘይቲ ኸነፍርየሉ ዀነ ኽንዕድገሉ ኣብ ዘይንኽእል ግዜ፡ ማዕጾ ምስ ተዓጽወና፡ “ጐይታ ደናግል ኢና እኾ፡ ቀንዴልውን ኣሎና፡ ምስዘን ምሳኻ ዝኣተዋ ደናግል ኣሓትናውን ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ተጸቢናካ ኢና፡ ኣጋጣሚ ዀይኑ እዩ ሎሚ ዘይትና ተወዲኡና፡ ጐይታይ ጐይታይ ክፈተልና ዀታ” እንተ በልና እቲ ናይ ድንጋጽን ናይ ምሕረትን ዘመን ስለ ዝተወደአ፡ እቲ ብድንጋጹን ብምሕረቱን ዚልለይ ጐይታ፡ ሽዑ ግን ዚፈርደሉ ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ብዘይ ድንጋጽ “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠኩምን እየ” ኪብለና እዩ። ንሱ ብፍሬካ እምበር ብዝዀነ ካልእ መገዲ ኣይመዝነካን እዩ። ዘይቲ ኺህልወን ቀንዴለን ኪበርህ ዘይከኣለ ካብቲ ጕንዲ ተፈልየንን ርሒቐን ሰለ ዝጸንሓ እየን። ይትረፍ ንሱ ንኣና፡ ንሕና ንሓድሕድናውን ብፍሬና ኽንመዛዘን ስለ ዚደልየና፡ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ብምባል ደጋጊሙ ኣጠንቂቑና እዩ።

ጐይታና ኣብቲ ናይ ማቴ 7፡16-23 ትምህርቱ፡ ክትፈርይ ዘይክትፈርይ ዚውስኖ እንታይ ዓይነት ኦም ምዃንካ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ፍረ ወይኒ ኼፍርይ ዚኽእል፡ ተኽሊ ወይኒ ጥራይ እዩ። በለስ ዜፍርይ ድማ ኦም በለስ ጥራይ እዩ። ዝዀነ ኣሻዅ ቈጥቛጥ ወይ ገረብ ድማ ወይኒ ኼፍርይ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ጹቡቕ ፍረ ኼፍርይ ዚደልይ ተኽሊ መጀመርታ ጽቡቕ ኦም ምዃኑ ኼረጋግጽ ኣለዎ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ድማ ጽቡቕ ፍረ ኬፍርይ እንተ ዀይኑ፡ መጀመርታ ናብ ጥዑይ ሰብ ኪልወጥ ይግብኦ ማለት እዩ። ፍረ ምፍራይ ማለት ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ማለት ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ከም ኣብነት ዝጠቐሶም ብዙሕን ዓበይትን መንፈሳዊ ውህበታት፡ ማለት ትንቢታትን ምውጻእ ኣጋንንትን፡ ግብርታት ሓይሊ ምግበርን ዝኣመሰሉ ውህበታት ዝነበሮም፡ ብእኡ ድማ ብዙሕ ዘገልገሉ፡ ግናኸ ገበርቲ ዓመጻ እምበር ገበርቲ ፍቓዱ ዘይኰኑ ሰባት ነበሩ። ብምኽንያት ምርኡይ ኣገልግሎቶም፡ ጐይታ ምስ ዚግለጽ ብኽብሪ ኸም ዚቕበሎም ድማ ዝዀነ ጥርጥር ኣይነበሮምን። ጐይታና ብምጽኣቱ ምስ ተጋህደ ግና፡ ነዞም ገበርቲ ተኣምራትን ዓበይቲ ኣገልግልትን ናይ ቤተ ክርስትያን፡ ኣንጻር እቲ ዝጸንሖም ትጽቢት፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካብይ ረሓቑ” ኢሉ ናብ ገሃነም ለኣኾም። ስለዚ ዋላ’ኳ ንብዚሓት ሰባት ካብ ባርነት ኣጋንንትን ካብ ሕማማትን እንተ ኣናገፉ፡ ወንጌል እናሰበኹውን ንብዙሓት ናብ መገዲ ጽድቂ እንተ መርሑ፡ ንርእሶም ግና ገበርቲ ጽድቂ ዘይኰነስ ገበርቲ ዓመጻ ዀይኖም ተረኽቡ። ስለዚ ንሕና እንተ ዀንናውን፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ብዘለና ኣበርክቶ ዘይኰነ፡ ኣብቲ ውልቃዊ ህይወትና እቶም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ ባህርያትን ተግባራትን ዘሎናን ዘይብልናን ኢና ኸነረጋግጽ ዚግበኣና። ተኽሊ ወይኒ፡ ጥዑይ ዝዀነ ፍረ ወይኒ እንተ ኣፍረየት ኢና ኸም ተኽሊ ወይኒ እንቕበላ እምበር ብጕንዳን በቝጽልታን ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ብእግዚኣብሄር ከም ክርስትያን ዚቝጸር ድማ፡ ክርስትያን ዜስምይዎ፡ ክርስቶስ ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዘርኣይዎ ፍረ እንተ ኣፍረየ ጥራይ እዩ። ብዅሉ ኣተሓሳስባኡን ቃላቱን ተግባራቱን ንክርስቶስ ጐይታኡ ዚመስል ሰብ ጥራይ እዩ ንገዛእ ርእሱ ከም ክርስትያን ኪፈልጣ ዚግብኦ።

ጐይታና፡ ጽባሕ በዓል ሆሳእና፡ ካብ ቢታንያ እትበሃል ዕዲ ናብ ኢየሩሳሌም እናተመልሰ ኸሎ ብርቱዕ ጥሜት ተሰመዖ። ኣብቲ መገዱ ድማ ብቘጽሊ ዘጕላዕልዐትን ዝማዕረገትን ኦም በለስ ረኣየ። ንጥምየቱ ዜዐግሳሉ ገለ ሒደት ዚብላዕ ፍረ ኸም ዘይሰኣና ብምትእምማን ድማ ናብኣ ኸደ። እንተ ዀነ ዋላ ሓንቲ ፍረ ኣይረኸበላን። ብዙሕ ጐሃየላ እሞ፡ “ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ” በላ። እታ ኦም በለስ ድማ ብኡንብኡ ነቐጸት። ቀደሙውን ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ዓብይ ትምህርቲ ምእንቲ ኽህቦም ደኣ እዩ ናብኣ መሪሕዎም ዝመጸ እምበር ፍረ ኸም ዘይብላ ጠፊእዎ ኣይዀነን። ንሱ ይትረፍ ፍሪኣ ብደገ ንዚረኣይ ኦም፡ ኣብ ልቢ ሰብ ንዝተሓብአ ሓሳብ ዚፈልጥ ፈላጥ ኵሉ ኣምላኽ እዩ። እንተ ዀነ በዛ ተኣምር እዚኣ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፈሎም ደለየ። እቲ ቐዳማይ፡ ኣብቶም ፍረ ዘይፈርዩ ሰባት፡ ነዛ ኦም ብዘይ ምሕረት ከም ዝፈረዳ፡ ንኣታቶምውን ከም ዚፈርዶም ኬመልክቶም ምድላዩ እዩ። እቲ ኻልኣይ መልእኽቲ ድማ፡ ኢዮሩሳሌምን ህዝባን ልክዕ ነዛ ኦም እዚኣ ኸም ዚመስሉን፡ ከምቲ ናታ ዓይነት ፍርዲ ይጽበያ ኸም ዘሎ ንምንጋር እዩ። ህዝቢ ኢዮሩሳሌም ኣብ መዓልቲ ሆሳእና፡ ክዳኖም ኣንጺፎም ስየ ነስኒሶም ከም ንጉስ ዓጂቦምዎ ኼብቅዑ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ግና ንጲላጦስ፡ “ንየው በሎ፡ ስቐሎ” ኢሎም ኣቕተልዎ። ስለዚ እቲ ናይ ሆሳእና ኣቀባብላኦም፡ ነታ ቘጻል ኦም ኬምስሎም ከሎ፡ እቲ ክስቀል ምጭራሖም ድማ ነቲ ፍረ ዘይብላ ምዃና ዜምስሎም እዩ። ከምቲ ነታ ኦም ዝወረዳ መርገም ስለ ዝረገሞም ድማ፡ ድሕሪ ሞቱ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመታት ኢዮሩሳሌምን ህዝባን ተደምሲሶም ጠፍኡ (ሉቃ 19፡41-44፣ ማቴ 21፡35-39)። ንሕናውን ሓቀኛ ፍረ እንተ ዘይብልና፡ ብእነርእዮ ላዕለ-ላዕላዊ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ጥራይ ንኣምላኽ ክንጥብሮ ከም ዘይንኽእል ክንፈልጥ ይግብኣና።

 እቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ፍረ ኣብ ህይወቱ ኼፍርይ ዚኽእል፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ መድሓኒኡ ዚጸንዕ ምዃኑ፡ “እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 15፡5)። ጐይታና ድማ፡ “ብዙሕ ፍረ ኽንፈርይን፡ እቲ ፍሬና ድማ ነባሪ ኪኸውንን” ከም ዝሓረየና ኣረጋጊጹልና እዩ (የሃ 15፡16)። ከምቲ ኣቦና ዘማራይ ዳዊት፡ “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፡ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳሕ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብጺእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዚኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ ኣብ ወሰን ወሓዚ እተተኽለት ኦም ይኸውን።” ዝበለና፡ ፍሬና ኺበዝሕን ነናሪ ኺዀነልናን ዚኽእል ብፍቕርን ብሓጐስን ንሕጊ እግዚኣብሄር ብምምርማርን፡ ነቲ መርሚርና ዝበጻሕናዮ መንፈሳዊ ሓቂ ተኣዚዝና፡ ካብ ሓጥእ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ምስ እንርሕቕ እዩ (መዝ 1፡1-3)። ስለዚ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቝዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ንጽሊ ኣሎና። … እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዘድሊ ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ ይመሃሩ።” ብምባል ጸሃፈልና (ቈሎ 1፡10፣ ቲቶ 3፡14)። ስለዚ መወዳእታና ምእንቲ ኺጽብቐልና፡ ክንዲ እቲ ኣምላኽ ንምፍራይ ፍረ ዝግደሰሉ፡ክንግደሰሉን ክንውፈየሉን ይግብኣና። እግዚኣብሄር ብዕዙዝን ነባርን ፍረ ይባርኸና። ኣሜን።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሕዳር 5, 2017     ጥቅምቲ 26, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 808-9

ዓጸደ ወይን ኣፍለስከ እም ግብጽ። ሰደድከ ኣህዛብ ወተከልከ ኪያሃ። ወጸሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ።

ጕንዲ ወይኒ ኻብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒጕካውን ተኸልካያ። ኣብ ቅድሚኣ ቦታ ኣዳሎኻላ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ኤፌ 51-13

ዲያቆን

ወንጌል ዮሃ 151-11

ያእ 31-18

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ግሃ 144-14

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div