S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ!!

እቲ ብዅሉ ነገር ኣርኣያና ምእንቲ ኪኸውን፡ ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእክከልና ዝተመላለሰ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ነዚ ኸም ኣርእስትና ሒዝናዮ ዘሎና ህያው ቃል እተዛረበ። እቲ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብቶም ብህዝቢ ኣይሁድ ኣዝዮም ጽዩፋት ዝነበሩ ሳምራውያን፡ ብሓንቲ ኣመንዝራ ኽትስመይ እትኽእል ሽዱሽተ ኣሰብኡት እተመርዓወት ሰበይቲ ገይሩ ዕዉት ናይ ወንጌል ስራሕ ዝሰረሓሉ መዓልቲ እዩ።

ንሱ ኣብ ዒላ ያእቆብ እናተጸበየ ከሎ፡ ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዚብላዕ ምግቢ ኺሽምቱ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። ሸሚቶም ምስ ተመልሱ ድማ፡ ምግቢ ኣዳልዮምብላዕ” በልዎ። ንሱ ግና፡ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ኻልእ ብልዒ ኣሎኒምስ በሎም ኵላቶም ተደናገሩ። ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ፡ ምስኦም ሓቢሩ ይምገብ ስለ ዝነበረ፡ ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ምግቢ ኺበልዕ ርእዮም ኣይፈልጡን ነበሩ። ንእኡ፡ንሕና ዘይንፈልጦ ምግቢ ደኣ እንታይ ዓይነት ዀን ዀይኑ እዩ፧ መንከ ኣምጺኡልካ፧ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝሓትትዎ፡ሰብ ደኾን ገለ ዝብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ኢሎም ናብ ባዕላዎ ግምት ወደቑ። ነቲ ኼበግሶ ዝደለየ ኣርእስቲ ኸም ዘይሰዓብዎ ርእዩ ድማ፡ ብቐጥታ ባዕሉ ነገሮም። እቲ ንሳቶም ዘይፈለጥዎ ብልዒ፡ ፍቓድ ናይቲ ዝለኣኾ እግዚኣብሄር ኣብኡ ምግባርን፡ ነቲ ኺገብሮ ዝተዋህቦ ዕዮ ወይ ተልእኾ ድማ ምፍጻምን ምዃኑ ገለጸሎም። ዋላ እኳ ንሃዋርያትነት ብእኡ እተሓርዩ ምሩጻት እንተ ነበሩ፡ ብርግጽ ነዚ ደረጃ ርድኢት እዚ ፈጺሞም ኣይበጽሕዎን ስለ ዝነበሩ፡ በዚ ሓድሽ ምህሮ እዚ ኣዝዮም ከም ዚግረሙ ፈጺሙ ዘየጠራጥር እዩ። ብዛዕባ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደጋጊሙ ኺምህር ከሎ ብዙሕ ጊዜ ሰሚዖምዎ እንተ ዀኑ እኳ፡ ምስቲ መሰረታዊ ድልየት ወዲ ሰብ ምስ ምግቢ ተመዓራርዩ ኸም ዚስራዕ ግን ኣብታ ሰዓት እቲኣ ንመጀመርታ ጊዜ እዮም ዚሰምዕዎ ዘለዉ። ምኽንያቱ፡ ቕድሚ ሕጂ ሰሚዕምዎ እንተ ዚዀኑ፡ ጐይታንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎኣይምበሎምን ነይሩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ኣመልኪቶም ካብ ዝተጻሕፉ ጥቕስታት፡ ምስዛ ምስጢር እዚኣ ዚዳረግ ትሕዝቶ ዘለዎ ጥቕሲ ኣሎ ኽትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ንብዙሓት ሎሚ መዓልቲ ነዚ መልእኽቲ እዚ እንሰምዕን እነንብብን ዘሎና ሰባትውን፡ እዚ ሓሳብ እዚ ሓዲሽን ምይንፈልጦን ኪኸውን ዚከኣል እዩ። ዋላ እቶም ቦዅሪ እዝንና ዘይኰነውን ብእዝንና ዝተላለናዮ ነባር ምስጢር እኳ እንተ ዀነ፡ ንህይወትናን ካብ ዕለታዊ ልምምዳትናን ግና ርሑቕን ጓናን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ጐይታና፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስቲ መሰረታዊ ድሌትና ምስ ምግቢ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይዛመዶ ብምስትውዓል ብዙሕ ክንመሃረሉ ይግብኣና እዩ።

ብልዒ ወይ ምግቢ፡ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ተራ ዘይፈልጥ ሰብ መቸም ክህልወና ኣይኽእልን እዩ። ብሳይንስ፡ ብደረጃ ትምህርቲ ብዝተራቐቐ መልክዕ ክንመሃሮ እንተ ዘይከኣልና እኳ፡ ምምጋብን ዘይምምጋብን ዘለዎ ረብሓን ወጽዓን ካብ ትምህርቲ ብዚበለጸ ኣገባብ ስለ እንምከሮ ነጋሪውን ኣየድልየናን እዩ። ምግቢ ንስጋዊ ሰብነትና ምንጪ ህላወን ሓይልን ጥዕናን ባህታን እዩ። ኣቦታትናውን፥ዘይበለዐ ነይመነዕኸም ዚብሉ፡ ኣሽንኳይ ምግቢ ፈጺምና ስኢንናዮስ፡ ዝተመጣጠነ እንተ ዘይኰይኑ እኳ ከመይ ንጥዕናና ኸም ዜዘናብሎ ዕለታዊ ማሕበራዊ ትዕዝብትና እዩ። ስለዚ ድማ ብዕላማ ብጾም ወይ ድማ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ብምስኣን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንምምጋብ ዚርስዖን ሸለል ዚብሎን ሓደ እኳ የብልናን። እኳ ደኣ፥እዛ ርግምቲ ኸብዲእናበልና፡ ንኽንነብር እንበልዕ ዘይኰነስ ንኽንበልዕ እንነብር ክሳዕ እንመስል ብስሰዐ ኣብ ሕማም ከም ንውድቕ ይገብረና ኣሎ።

ጐይታ እምበኣር ንምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ምምጋብ ምግቢ ኬመሳስሎ ከሎ መልእኽቱ ኣዝዩ ንጹር እዩ። ብዘይ ምምጋብ ስጋዊ ህይወት ኪህልወና ኽም ዝይክእል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብዘይምፍጻም ድማ መንፈሳዊ ህይወት ዚበሃል ኪህልወና ኸም ዘይክእል ብዘየማትእ መገዲ ገለጸልና። ዝዀነ ይኹን ሰብ ምምጋቡን ዘይምምጋቡን ፈጺሙ ኪርስዕ ከም ዘይክእል፡ ኪምገብ ድማ ኪጕሰይን ኪገሃስን ዘይክእል ሕገ-ተፈጥሮ ከም ዝዀነ፡ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ልክዕ ከምኡ እዩ። ይትረፍ ንምምጋብ ክንርስዖ፡ ነቲ ምግቢ ንምርካብ እንሰርሖ ስራሕ እኳ ክንርስዕን ሸለል ክንብሎን ኣይንኽእልን ኢና። ከምኡ ድማ ነቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ንኽንፈልጦን ንኽንገብሮን ዜኽእለና ምንባብ ቃል እግዚኣብሄርን፡ ምጽላይን ካልእ ኵሉ መንፈሳዊ ንጥፈታትንውን ፈጺምና ክንርስዖ ኰነ ብፍላጥ ክንጐስዮን ሽለል ክንብሎን ኣይግብኣናን እዩ።

እምበኣር ዘይምምጋብ ማለት ምድካምን ምሕማምን ምሟትን ማለት ከም ዝዀነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይምፍጻም ማለት ድማ ልክዕ ከምኡ ማለት እዩ። ብስጋ ብህይወት ምህላውና ጥራይ፡ ብመንፈስ ብህይወት ዘሎና ዀይኑ ኸም ዚስምዓና ገይሩ የደናግረና ኣሎ ዀይኑ እምበር፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤትናን ስራሕናን ቤተ ክርስትያንናን ካልእ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወትናን ፍቓድ ኣምላኽ ንዘይምፍጻም እነርእዮ ሸለልትነት ዳርጋ ኵላትና ካብ መንፈሳዊ ህይወት ርሒቕና፡ ተንቀሳቐስቲ ሬሳታት ኴንና ምህላውና እንስሕቶ ሓቂ ኣይኰነን። ይትረፍ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ዕለታዊ ምግቢ ሰሪዕና መዓልታውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ክንጥንቀቐሉ፡ፍቓድ ኣምላኽዚበሃል ኣምር ወይ ኣርእስቲ ኸም ዘሎ እኳ እንዝክረሉ ግዜ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ከም ኣቦና ዘማራይ ዳዊት፥ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡ ንስካ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ምሃረኒኢልና እንጽልየሉ ጊዜ እኳ ኣዝዩ ውሑድ እዩ (መዝ 408 14310) ቅዱስ ዳዊት ግና፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ካብ ምብሃግን ምጽላይን ሓሊፉ፡ ህይወቱ ምሉእ ስለ ዝሰዓቦን ዝተግበሮን፡ ብልሳን ኣምላኽ፡ከም ልበይ (ከም ፍቓደይ) ዚገብር ሰብኣይተባሂሉ ኺምስከረሉ ኸሎ፡ ብልሳን ሃዋርያት ድማዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈተባሂሉ ዝተመስከረሉ ዕዉት ኣቦ እዩ (1ሳሙ 13:14 ግብ 13:36) ነብዪ ሳሙኤልውን ብእግዚኣብሄርከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዚገብር እሙን ካህንተባሂሉ ዝተመስከረሉ ቕዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ (1ሳሙ 235)

እምበኣር ንሕናውን ነዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ምእንቲ ኽንመስል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ዕለታዊ ምግብናን ናይ ህይወት ምሉእ ተልእኾናን ክንገብሮ ይግብኣና። ጐይታና፥ካብ ርእሰይ ገለ ክገብር ኣይክእልንየ። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየብምባል ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ወይ ዘይምግባር ናይ ምርጫ እምበር ናይ ዓቕሚ ጉዳይ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 530) ፍቓደይ ክገብር ኣይደልን እየ እምበርኣይክእልን እየኣይበለን። ስለዚ ሓደ ሰብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ከም ዝሰኣነ ገይሩ ኬመኽንይ ኣይክእልን እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኪግበር ዘይክኣል እንተ ዚኸውን እግዚኣብሄርግበሩኢሉ ኣይምኣዘዘናን። እቶም ብዅሉ ነገሮም ከምዚ ከማና ዝዀኑ ናይ ኣምላኽ ሰባት ድማ ንፍቓድ ኣምላኽ ተኣዚዞምን ፈጺሞምን ክም ዝሓለፉ ኣይምተነግረናን ነይሩ። ስለዚ ኽንገብሮ ስለ ዘይደለና እምበር ክንገብሮ ስለ ዘይከኣልና ኣይኰንናን ንፍቓድ ኣምላኽ እንግህሶን እነፍርሶን ዘሎና ማለት እዩ። ኣብቲ መዓልቲ ፍርዲ ጐይታና፡ ነቶም ንፍቓዱ ደፊሮም ንፍቓድ ርእሶም ዘኽበሩ፡ ብዘይ ምሕረት ዚፈርደሉ ምኽንያት ድማ ንሱ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚፍጽምዎን ከም ዘይፈልጡ ኺዛረቡ ይኽእሉ እዮም። እንተ ዀነ እግዚኣብሄር ንፍቓዱ ኣብ ቃሉ ገሊጽዎ ከም ዘሎ ኽንፈልጥ ይግብኣና። ኣየናይ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣይናይከ እዩ ዘይፍቓድ ኣምላኽ ኣብኡ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ሓሶት ወይ ሓቂ ኽትዛረብ ዜገድድ ክውነታት ኬጓንፈካ ኸሎ፡ኣየናይ ክዛረብ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ፧ኢልካ ምሕታት፡ ግብዝነትና እምበር ዘይምፍላጥና ኣየመልክትን እዩ። ክንዲ ዘኽፈለ ዋጋ የኽፍልካ ብዘየገድስ፡ ነታ ሓቂ ብፍቕሪ ኽትዛረባ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ምስ ሰባት ዜቋዩቝ ወይ ዜባእስ ኵነታት ኪፍጠር ከሎ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ ነቲ ምሳኻ ዚገጥም ዘሎ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ንኽልቴኻ ዝፈጠረን ዚዕዘብን ዘሎ ኣምላኽ ክትዝክር ጽቡቕ ፍቓድ እንተልዩካ፡ነዚ ሰብ ክዕገሶን ከፍቕሮን ይቕረ ኽብለሉን ድዩ ፍቓድ ኣምላኽ ወይስ ካዕበት ክመልሰሉን ክፈድዮን፧ኢልካ ክትሓትት፡ ናይ ብሓቂ ሕልናን ጥዑይ ኣእምሮን እንተልዩካ፡ ፈጺምካ ኣይሕሰብን እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ መኣድኻ ኣብ መዳቕሶካ፡ ኣብ ስራሕካ፡ ኣብ ዕላልካ፡ ኣብ ኵሉ ካልእ ንጥፈታትካ ኣብ ኵሉ ሓሊፋ እያ ትጸንሓካ። ምሳኻ እያ እትጐዓዝ እምበር፡ ካብ ሰማይ ስሒብካ እተውርዳ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኬድካ እትዕድጋ ንብረት ኣይኰነትን። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮካ፡ ኣብ ልሳንካ፡ ኣብ ኣእዳውካ፡ ኣብ ካልእ ናውቲ ሰብነትካ፡ ኣብ ጁባኻ፡ ኣብ መኣድኻ ኣላ። ክትሰርሕ፡ ክትነግድ፡ ክትሓርስ ከሎኻ፡ ምስ ሰባት ከተዕልል፡ ክትወዓዓል፡ ክትማጐት፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ኽትጠማመት ክትዘራረብ ክትተናኽፍ ከሎካ ኣብኡ ምሳኻ ኣላ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ወይ ምህላዋ ዘኪርካ ኣልዒልካ ክትፍጽማ ኢኻ፡ ወይ ከኣ ምህላዋ ዘኪርካ ኣልዒልካ ክትድርብያን ክትረግጻን ኢካ፡ ወይ እውን ምህላዋ ንማለቱ ኸይዘከርካ፡ ከምቶም ብልባብን ብልጓምን ጥራይ ዝግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኴንካ ብደመነፍሲ (ብትፍንያት -instinictively) ክትኸይድ ኢኻ። ንስኻ ነቲ ክቡር ዘለኣለማዊ ፍቓዱ ዚምጥን ኣኽብሮት ሂብካ ኣብዛ ሓላፊት መዋእልካ ኣኽቢርካ እንተ ሓለፍካ፡ ነቲ ንስኻ ዝሃብካዮ ሓጺር ኣኽብሮት ንሱ ግና ኣብ ዘለኣለም ብዘይንገር ክብሪ ኬኽብረካ እዩ። ነዛ ሓጻር መዋእልካ ንፍቓድ ኣምላኽ እናገሃስካን እናረገጽካን እንተ ሓሊፍካ ድማ፡ ንሱ ንኽብሩ፡ ንፍቓዱ ቀናእ እዩ እሞ፡ በቶም ምስኦም ኴንካ ንፍቓዱ ዝረገጽካዮ ኣጋንንቲ ክትርገጽ ኣሕሊፉ ኺህበካ እዩ። እምበኣር ዝከበርካ ክርስትያን ነፍሲ፡ ህይወት ምርጫ እያ። እንተ ህይወት እንተ ሞት፡ እንተ ኽብረት እንተ ውርደት፡ ኵሉ ኣብ ምርጫኻ እዩ ዚምርዀስ። እቲ ኽብረትን ህይወትን ዚመርጽ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኪገብርን ኬኽብርን ይምረጽ። ከምቲ ብዛዕባ ኽቡር መድሓኒና፡ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩዝተባህለሉ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ቃላት ልሳንካ ኣብ ተግባር ኣእዳውካ ይኹን፡ ኣብ ሓሳባት ኣእምሮኻ ይሰልጥ ምህላዉ ርግጸኛ ኹን። ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ምርጫ ምዃኑ ወርትግ ዘክር። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዜዐውተካ ምስጢር ጐይታና ገሊጹልካ ኣሎ። ንፍቓድ ኣምላኽ ወርትግ ዚዕወቱሉ እቶም ከም ምግቢ ዕለቶምን ከም ተልእኾ ምሉእ ህይወቶምን ዚርእይዎ ሰባት ጥራይ እዮም።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥን ምግባርን፡ ንዓለም ካብ ምምሳል ከም ዜድሕንን፡ ንስጋኻ ድማ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርካ ከተቕርበሉ ከም ዝረድእ ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 122) ንምድሓን ለባም ብምግባር ንጥፍኣት ኣሕሊፉ ካብ ዝህብ ዕሽነት ከም ዜናግፍውን ነጊሩና እዩ (ኤፌ 517) ብሰናይ ግብሪ ሃብታማት ዚገብረናውን ምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ጥራይ እዩ (እብ 1321) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስውን፥ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።ብምባል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ብልህነት ማዕረ ኽንደይ ዓብይ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 217) ልዕሊ ዅሉ ግን እቲ ጐይታና፥ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ዝበሎ ቓል ከነቕልበሉ ይግብኣና (ማቴ 1250) ንሓደ ኣብ ምድሪ ዝመላለስ ሓጺር ዝመዋእሉ ድኹም ፍጥረት፡ ሓውን ሓብትን ናይ ክርስቶስ ካብ ምዃን ዚዓብይ፡ ካልእ ዝዓይነቱ ኽብሪ ኺርኸብዶ ይኽእል ኰን ይኸውን፧ ነቲ ኸንቱ ዝዀነ ፍቓድ ርእሱ ኺገብር ኢሉ፡ ናይዚ ክቡር ጐይታ ሓውን ሓብትን ካብ ምዃን ኪበኵር ዝመረጸኸ ከመይ ዝበለ ዓሻ ዀን እዩ፧ እምበኣር ንለብም፡ ፍቓድ ርእስኻ ብምፍጻም ዚርከብ ሕሱርን ሓላፍን ረብሓ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ንእንኸፍሎ ንእሽቶን ጊዝያውን ዋጋ ምእንቲ ኸነወግድ ኢልና ምስ ክርስቶስ ሓውን ሓብትን ዘይኰነስ ጸላእቲ ኸይንኸውን ንጠንቀቕን ምርጫና ነጸብቕን። ካብ ብፍቓድና እንሓጥእ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ንዘይምሕጣእ መከራ እንተ ጸገብናን ብዙሕ ረብሓታት እንተ ጐደለናን እዩ ዜሕሸና። ዋላ ንበይንና ጥራይ እንተ ዀንና እኳ፡ ከም ኖህ ኣብዛ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝተበላሸወት ዓለም፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ነበርና እዩ ዜሕሸና። ምኽንያቱ ነቶም ፍቓዱ ብምፍጻም ዘኽበርዎን ፍቓድ ስጋን ዓለምን ዘይጸየቖምን እሙናቱ፡ ብናይ ምድሓን መርከብ ዚብጀው ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። ነቶም ንእኡ ዘይኰነስ ንርእሶም ባህ ዜብሎም ጥራይ ዚሓርዩ ግና ከም ሰዶምን ጐመራን ብዝናም ዲንን ሓውን፡ ወይ ድማ ከምቲ ናይ ዘመን ኖህ ብናይ ኣይሂ ጥፍኣት ኬጥፍኦም እዩ። እምበኣር ብብልዒ ከም እንሕጐሶ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምፍጻም ካብኡ ብዚበልጽ ሓጐስ ንተሓጐስ። ሓጐስ ዘይህበካ ነገር ይትረፍ ክትደጋግሞን ክትነብሮን፡ ነዛ ሓንሳእ ክትገብሮን፡ ብዛዕባኡ ኽትሰምዕን እኳ ኣይጽወርን እዩ። ብፍቓድ ኣምላኽ ወርትግ ተሓጐስ። ፍቓዱ ወርትግ ኣብ ኢድካ፡ ኣብ ህይወትካ ይሰልጥ ከም ዘሎ ርግጸኛ ኹን። ክትዛረብ ከሎኻ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ኣፍካ ኣኰማስዓዮ። ኣብ ጥዑም ይኹን ዘይጥዑም ኵነታት፡ ፍቓድ ኣምላኽ ናይ ህይወት ምሉእ ተልእኾኻ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ኣብ ህይወትካ እታ ዝኸፍኣት መዓልቲ፡ እታ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ዘይሰለጠትላ መዓልቲ ትኹን። ብምርጫኻ ንክርስቶስ ምሰሎ። ከምቲ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ዝዀነ ጐይታኻ፡ ሰብ ዘይፈልጦ ነባሪ ምግቢ ተመገብ።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት 23 ጥቅምቲ 2017 ( ጥቅምቲ 12, 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 92፡12,13

ጻድቅሰ ከመ ብቀልት ይፈሪ። ወይብዝህ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ። ትኩላን እሙንቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር።

ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፡ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 4፡1-11

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 4፡34-42

ያእ 2፡5-14

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ግሃ 4፡31-37

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div