S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ግብዝነት ተጠንቀቑ!!

ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።

ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት እንተ ርኢና፡ ጐይታና ብዛዕባ ዝዀነ ኻልእ ኣበሳ ኺዛረብ ከሎ፡ ከምቲ ብዛዕባ ግብዝነት ኪዛረብ ከሎ ዚዛረቦ ብርቱዕ ሃይለ-ቃል ኣይጥቀምን እዩ። ምኽንያቱ ካልእ ኵሉ ሓጢኣት፡ ግሁድ ሓጢኣት ኰይኑ እዩ ዚመጽእ። ስርቂ፡ ዝሙት፡ ቅትለት ወዘተ ጽድቂ መሲሉ ኣይመጽእን እዩ። ግብዝነት ግና ኵሉ ግዜ ጽድቂ መሲሉ እዩ ዚረአይ እምበር፡ ጕልባቡ ቀሊዑ ሓጢኣትነቱ ኣግሂዱ ፈጺሙ ኣይመጽእን እዩ። ግብዝ ሰብ ብደጊኡ ብዘይካ ጽቡቕ ዝዀነ ኽፉእ ተግባር ኣይትዕዘበሉን ኢኻ። ምኽንያቱ እቲ ኽፍኣቱ ኣብ ውሽቱ እዩ ተሓቢኡ ዚርከብ። ስለዚ ነዚ ግብዝነት እዚ እግዚኣብሄርን እቲ እግዚኣብሄር መንፈሳዊ ምስትውዓል ዝዓደሎ ሰብን ጥራይ እዮም ዜለልይዎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል ከም ዚግባእ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ግብዝነት ማለት እቲ ንኣምላኽ ኢልካ ጥራይ ክትገብሮ ዚግብኣካ ተግባር ንሰብ ኢልካ፡ ወይ ሰብ ኪርእየልካ ኢልካ ምግባር ማለት እዩ። ክትምጽውት፡ ክትጽልይ፡ ክትጸውም ወይ ዝዀነ ኻልእ መንፈሳዊ ተግባር ክትገብር ከሎኻ፡ ንኣምላኽ ጥራሕ ከተስምርን ክትእዘዝን ኢልካ ኽትገብሮ እናተገበኣካ፡ ነቲ ምስቲ ትእዛዝ ዋላ ሓንቲ ምትሕሓዝ ዘይብሉ ሰብ ከተርእዮ ዜድልየካ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን። ከምኡ ኽትገብረሉ ዘይግብኣካ ምኽንያት ብዙሕ እዩ።

እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ ከምኡ ኽትገብር ዝኣዘዘካ እግዚኣብሄር እምበር እቲ ሰብ ኣይኰነን። ስለዚ ነቲ ዝኣዘዘ ኣምላኽ ሓዲግካ ነቲ ዘይምልከቶ ሰብ ኪርእየልካ ኢልካ ምግባር፡ ነቲ ስልጣንን ክብርን ናይ ኣምላኽ ኣልዒልካ ንሰብ ምሃብ ማለት እዩ። እቲ ካብ ሰብ ዚርከብ ጊዝያዊ ኽብረት፡ ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኣብሊጹ ዚርእይ ሰብ እዩ ብግብዝነት ዚጥቓዕ። ጐይታና ነቶም ከምዚ ዝዓይነቶም ፈሪሳውያን፥ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፧ብምባል ንኸይኣምኑ ዝዓንቀፎም እንታይ ምዃኑ ገለጸሎም (ዮሃ 544) እቲ ንሰብ ምእንቲ ኺርእየልና ኢልና ኽንገብረሉ ዘይግብኣና ካልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ኣዝዩ ዓብይን ዘለኣለማውን ረብሓ ኽንረኽበሉ ንኽእል ዝነበርና ተግባር ምእንቲ ግዝያውን ከንቱን ረብሓ ኽንረኽብ ክንብል ነባኽኖ ምህላውና እዩ። ነቲ ዝገበርካዮ ግብሪ ጽድቂ ሰብ ርእይዎ ኪገብረልካ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን። እንተ ሃበ ውዳሰ-ኸንቱ ጥራይ እዩ ዚህበካ። ናእዳ ሰብ ድማ ዋላ ሓንቲ ዚህቦ ጥቕሚ የልቦን። ስለዚ እዚ ምርጫ እዚ፡ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል እቲ ዝከፍአን ዓሻን ምርጫ እዩ። ነቲ ግብሪ ጽድቂ ዝፈጸምካሉ ዕላማ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልካ ኢልካ እንት ዀይኑ፡ እቲ ዓስብኻ ካብ ሰብ ጥራይ እዩ ዚኸውን ማለት እዩ። ነቲ ምእንቲ ሰብ ኢልካ ዝገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ዓስቢ ዚህበሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። እግዚኣብሄር ዓስቡ ኺህቦ ዚደልይ ኵሉ ሰብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ሰብ ክይረኣዮ ሰናይ ዚገብረሉ መገዲ ኺጣበብ ኣለዎ። ካብ ዓይኒ ሰብ ኪሃድመሉ ዘይክእል ኵነታትን ቦታን እንተ ዀይኑ ግና ነቲ ሰናይ ተግባር ካብ ምግባር ኪበኵር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ነቲ ዚገብረሉ ዘሎ ውሽጣዊ ድርኺት ወይ ውሽጣዊ ዕላማ ጥራይ እዩ ኺጥንቀቐሉ ዚግባእ። ሰብ ነቲ ብዓይቡ ዚርእዮ ደጋዊ ተግባር ጥራይ እዩ ዚርእይ፡ እግዚኣብሄር ግና ነቲ ተግባር ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ውሽጣዊ ድርኺትካ ከይተረፈ እዩ ኣዳቒቑ ዚምርምር። ብሰባት ጻድቕ ምእንቲ ኽትበሃል ኢልካ ዚግበር ዝኹነ ዓይነት ሰናይ ተግባር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ። ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸተኽብር፡ ትእዛዛቱ ምእንቲ ኽትፍጽምን ኢልካ ጥራይ ዝተገብረ ሰናይ ተግባር፡ ሰብ ይርኣዮ ኣይርኣዮ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኽቡርን ሰማያዊ ዓስቢ ኺቕበል ዚበቅዕን ተግባር ኢዩ። ስለዚ ኣይ ካብ ምድርዊ ኣይ ካብ ሰማያዊ ዓስቢ ሃዲግ ምእንቲ ኸንተርፍ፡ ንዅሉ ተግባርና ሰብ ምእንቲ ክርእየልና ዘይኰነ እግዚኣብሄር ጥራይ ምእንቲ ኪኸብረሉ ክንገብሮ ይግብኣና። እግዚኣብሄር ንዝኣዘዞ ስብ ምእንቲ ኺርእየልካ ኢልካ ምግባር፡ ወርቂ ደርቢኻ ጐሃፍ ከም ምልዓል ዝቝጸር ሕሱርን ዜሕፍርን ምርጫ እዩ።

እቲ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልና ኢልና ኽንገብረሉ ዘይግብኣና ሳልሳይ ምኽንያት ከኣ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምስራቕን፡ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ብተግባርካ ንስኻ ክትምለኽ ናይ ምድላይ ሰይጣናውን ስውርን ዕላማ ስለ ዘለዎ እዩ። ብመሰረቱ ምምጽዋትን፡ ምሃምን ምጽላይን ዝኣመሰሉ መንፈሳውያን ስነ ምግባራት ንእግዚኣብሄር እነምልኸሎም ተግባራት እዮም። እዞም ንስኻ ንእግዚኣብሄር ከተምልኸሎም ዝተዋህቡኻ ተግባራት፡ ሰባት ርእዮም ንኣኻ ምእንቲ ኽንእዱኻ ኢልካ እንተ ገበርካዮም፡ ክብሪ ኣምላኽ ትሰርቕ ከም ዘሎኻ ክተስተውዕል ይግብኣካ። ሰባት ንኣምላኽ ገዲፎም ንኣኻ ኬድንቑ እንተ ጀሚሮም፡ ንርእስኻ ኣብ ቦታ ኣምላኽ ተቐሚጥካ ኣሎኻ ማለት እዩ። ንግብዝነት እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዚጽየፈሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ እዩ። እግዚኣብሄር ንኽብሩ ቀናእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ክብሩን ምስጋንኡን ንኻልእ ኣሕሊፉ ኣይህብን እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ነብዪ ኢሳያስ ብከምዚ ኣስፍርዎ ኣሎ፥ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።ደጊሙውንስለይ፡ እወ፡ ስለይ ኢለ ኽገብሮ እየ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ ክሓድጎ፧ ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን እየ።” (ኢሳ 428 4811) ስለዚ እቲ ንኣምላኽነቱ ዚግባእ ክብሪ ንግኡዛን ጣኦታት ኪህብዎም ከለው ኣዝዩ ይቝጥዖም ነበረ። እቲ ንውዳሴ ኸንቱ ኢሉ ግብሪ ጽድቂ ዚገብር ግና ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ንርእሱ ኺወስዶ ኢሉ ይገብሮ ስለ ዘሎ፡ ልክዕ ከምቲ ስፍራ ኣምላኽ ኪወስድ ኢሉ ዝተመጣጠረ ሳጥናኤል ይገብር ስለ ዘሎ ግብዝነት ኣዝዩ ከቢድ ሓጢኣት ዝዀነ። ከምዚ ዝበለ ሓጢኣት ነቲ ጽቡቕ ዓስቢ ጥራይ ኣይኰነ ዜስእነካ፡ ብኣንጻሩ ኣዝዩ መሪርን ዘይጽወርን ፍዳ እዩ ዜሕቍፈካ። ዕድል ግቡዛት እንታይ ምዃኑ ከሎ ጐይታና፥ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።በለ (ማቴ 2451)

እቲ ሰብ ምእንቲ ኺርእየልና ኢልና ኽንገብረሉ ዘይግብኣና ራብዓይ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ግብሪ ጽድቂ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብር እኩይ ሃቐና ስለ ዝዀነ እዩ። እኩይ ግብሩ እንገብረሉ ካልእ ብዙሕ መገድታት እናሃለወስ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ቅዱስ ተግባር መጐልበቢ ናይቲ ጽዩፍ ድርኺትካ ኽትገብር ምፍታን፡ ነቲ ኽፍኣትካ ብዕጽፍታት እዩ ዜዕብዮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኽፍኣት ካብ ንስሓ ኣዚና ርሑቕ ከም እትኸውን እዩ ዝገብረካ። ኽፉእ ዝረኣየ ሰብዓገብከይብለካ፡ እቲ ብደገ ዚረኣይ ዘሎ ተግባርካ ሰናይ ተግባር እዩ። ንስኻ ሕልናኻ መርሚርካ ኸይትምለስ፡  እትገብሮ ዘሎኻ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ድሮ እቲ ዝተጠበረ ልብኻ ኣጋግዩካ እዩ። እግዚኣብሄር ብቓሉን ብመንፈሱን ከይገንሓካ ድማ፡ ባዕልኻ ንርእስኻ ዘጽደቕካ ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ነቲ ንኣካ ዝተዋህበ ቃል ንኻልኦት ትዕድሎ እምበር ንርእስኻ ኣይትምርምረሉን ኢኻ። ስለዚ ድማ ኢና ንግብዝነት ኣዚእና ክንፈርሆን ክንርሕቆን ዚግብኣና። ከም ፈሪሳውያን ገይሩ ቓል ጐይታና ዝሰምዐ የልቦን። እንተ ዀነ ግብዝናኦም ስለ ዝዓገቶም ፈጺሙ ኺጠቕሞም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ እቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ዘሎ ዘይጽወር ቃል ፍርዲ ተዋህቦም።

እምበኣር እቶምሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ክርስትያን ኢናእንብል ኵላትና ካብዚ ማይ ብሑቕ እዚ ርእስና ኽንሕልው ይግብኣና እዩ። ጸሎትና፡ ምጽዋትና፡ ጾምና ይኹን ካልእ ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ተግባርና፡ ብዘይካ እግዚኣብሄር ካልእ ዝዀነ ኣካል ኢርእየልና ኢልና ኸይንገብር ንጠንቀቕ። ከምቶም ርሕራሔኦም ዜውርዩ፡ ብገዛእ ልሳኖም ንገዛእ ተግባሮም ዚንእዱ፡ ከምቶም ገዛእ ኢዶም ዚስዕሙ ሰባት ኣይንኹን (ምሳ 206 272) እቲ እግዚኣብሄር ዚንእዶ እምበር፡ እቲ ሰብ ዚንእዶ ኣይኰነን፡ ተፈቲኑ ብዓወት ዚወጽእ (2ቈረ 10: 17,18) ይትረፍ ብሰብ ክነኣድ ዀነ ኢልካ ኽትገብሮ፡ ካብቲ ብስውር እናገበርካዮ ከሎኻ ብወዝቢ ዝረኣየካ ሰብ ንዝመጸካ ዘይደለኻዮን ዘየድልየካን ውዳሰ እኳ ብምሉእ ልብኻ ክትነጽጎ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ክብሪ ንምሃብ ልብኻ ክትሕልው ይግብኣካ። ካብ ከምዚ ዝበለ መርዛም ኣበሳ ምእንቲ ኽንድሕን፡ ነቲ ጐይታና፡ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።ኢሉ ዝመዓደና ዓዲ ዜእትው ቃል ከነስተውዕሎን ክንጥቀመሉን ይግብኣና። ብዘይ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ፡ ነዚ ግብዝነት ዚብልዎ ሰራም ኣበሳ ከነምልጠሉ ኣይከኣልን እዩ።

ብጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት 12 ሕዳር 2017     (3 ሕዳር 2009 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 798

ኢትዘክር ለነ ኣበሳነ ዘተካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።

ኣዚና ተዋሪድና ኢና፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ ምሕረትካ ትቀባበለና።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ሮሜ 510-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል ማቴ 61-16

1ዮሃ 21-18

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ (ንኣኵተከ)

ግሃ 221-12

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div