S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ ጓሳና “ክርስቶስ ኖላዊነ”

ታሕሳስ 5 ሰንበት ዝንበብ ወንጌልን ስብከትን(ዘመነ ስብከት፤ ካብ ታሕሳስ 7 - ታሕሳስ 26 ግእዝ)

ያሬዳዊ መዝሙር፡- ኖላዊ ዘመጽኣ ውስተ ዓለም (ናብ ዓለም ዝመጸ ጓሳ)

ኣብዚ ዕለት'ዚ ዝንበብ ወንጌል
ዲያቆን:- እብራ
  13፣16 - 25------------(Deacon) Hebrew 13:16 - 25
ንፍቅ ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ 2፣ 21-25-----(Sub deacon) 1 Peter 2: 21-25
ንፍቅ ካህን:- ግብ
  11፡22-30-------------(Assistant Priest) Acts 11:22-30
ካህን:- ዮሃ
  1፡1-22--------------------------(Priest) John 1:1-22
መዝሙር ዳዊት ግእዝ፡- ኖላዊሆሙ ለእስራኤል ኣጽምዕ፤ ዘይርዕዮሙ ከመ ኣባግዐ ዮሴፍ፤ ዘይነብር ዲበ ኪሩቤል ኣስተርኣየ።
መዝሙር ዳዊት ትግርኛ:- ኦ ጓሳ እስራኤል ጽን በለና፤ ኣታ ንህዝብኻ፡ ንደቂ ዮሴፍ፡ ከም መጓሰ እትመርሓና፡ ኣታ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ። መዝ 80፡1.
Psalms:- Hear us, O Shepherd of Israel, you who lead Joseph like a flock; you who sit enthroned between the cherubim, shine forth” Psalms 80:1.
ቅዳሴ፡- ቅ. እግዚእ (ንኣኩተከ)

ክርስቶስ ጓሳና “ክርስቶስ ኖላዊነ”

“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ ብዓል ዓስቢ ግና፡ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ተኹላ ኪመጽእ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣባጊዕ ሓዲጉወን ይሃድም፡ እቲ ተኹላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዘርፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ ስለዝኾነ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን።… ኣቦ ነኣይ ከምዝፈልጠኒ ኣነውን ከምዝፈልጦ፡ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይ ከኣ ይፈልጣኒ እየን ንሕይወተይውን በጃ ኣባጊዐይ አሕልፋ።” ዮሃ 10፡1-15 ዝበለ ጎይታ፡ እሙን ሓላዊ ቤተክርስትያን ንሱ እዩ። ክርስቶስ ከምቲ ነፍሱ ዝፈቱ ጓሳ፡ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ናብ ልሙዕ ሻኻን ጽሩይ ማይን ኣብ ክንዲ ዝመርሕ፡ ሓሓሪዱ ዝበልዐን ሕሱም ጓሳውን ኣይኮነን። ክርስቶስ ከምቶም ግዲ እተን ድኹማትን ዝሓመማን ኣባጊዕ ዘይብሎም፤ እተን ምሳኪን በተን ሕሱማት ኣባጊዕ እንዳተወግኣን እንዳቆሰላን፡ እንከለዋ ምግበንን ማየንን እንዳተዘርገ ከሎ እንታይ ገደሰኒ ከምዝብሉ ዕሱባት ጓሶትውን ኣይኮነን። ከምቶም ኣብ ናይ ክብሪ ወንበር ኮፍ ምባል ዝፈትዉ፡ ክደኽሙን ክጽዕሩን ግን ዘይደልዩ፡ ዝኾብለላን ዝርሓቓን ኣባጊዕ ብዝወጽኦ እንተጠፍኣ ቅጭጭ ዘይብሎም ሕሱማት ጓሶት ኣይኮነን ክርስቶስ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንማዕርጎም ዘጽርፉ ጓሶት፡ ኣባጊዕ ብቶዅላ እንዳተመንጠላ ግደን ኣይገብሩን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ዝኸፍኡ ካብኦም ዝተኣከበ ዝብትኑውን ኣሎዉ። ክርስቶስ ግን እታ ክብርቲ ህይወቱ እኳ በጃ ኣባጊዑ የሕሊፉ ዝሃበ እሙን ጓሳና እዩ። እቶም ንሱ ዝሾሞም ናይ ብሓቂ ተኸተልቱ ድማ ኣሰሩ ይስዕቡ እምበር ኣብ መጓሰ ኣምላኽ ኣይዕምጹን እዮም።

ጎይታ ኣብ መጓሴኡ ዘለዎ ባህጊ ብኸምዚ ይገልጾ “ካባኻትኩምከ እቲ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፡ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሓድግ፡ ክሳዕ ዚረኽባውን ዝጠፍአት ኪደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብ እዩ? ምስ ረኸባ ኸኣ ተሓጒሱ ኣብ መንኩቡ ይሕንግራ። ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ድማ ነዕርኹን ንጎረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ ‘ነታ ዝጠፍአት ብጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጎሱ’ ይብሎም። ከምኡ ኸኣ ንስሓ ካብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃን፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጎስ ኪኸውን እዩ።” ሉቃ 15፡3-7።

ክርስቶስ ኣባጊዑ ኪእከባን ናብ ቤተን ብንስሓ ኪምለሳን ከሎ ኣዝዩ ይሕጎስ፡ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ኩሎም ይሕጎሱን ይፍስሁን። ዘይታኸስን እሙንን ጓሳ ቤተክርስትያን መድኃኔ ዓለም’ዩ ክንብል ከሎና እምበኣር ንጥፉኣት ብዝጠፍእዎ ክተርፉ ሸለል ዘይብል፡ ከም በደልና ዘይኮነስ ከም መጠን’ቲ ሰፊሕ ምሕረቱ ዝርሕርሓልና፡ ካብ ዝኣተናዮ ዓዘቕቲ እሙናት ልኡኻቱ እንዳሰደደ ዘውጽኣና፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ናብ ቤቱ ሓንጊሩ ዘእትወና፡ ዳግማይ ተስፋን ሕዳሴን ሂቡ፡ ከምእንደገና ህያው ኣካላት ሰብነቱ (ቤተክርስትያን) ዝገብረና ኣምላኽ ብሓቂ ሕያዋይ ጓሳ እዩ።

ንጉስ ዳዊት ሓደ ካብቶም ኣብ ጉስነት ኣባጊዕ ነዊሕ ተሞክሮ ዝነበሮ እሙን ብዓል ሕድሪ እዩ ኔሩ። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ምስ ኣንበሳ (ምስቲ ዝበርትዐ ተጻባኢ) ተቓሊሱ ዝተዓወተ ነበረ “ዳዊት ከኣ ንሳኦል “ኣነ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦይ እጓሲ ነበርኩ ኣንበሳ ወይ ድቢ ካብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ኣነ ደድሒሬኡ ወጺአ እቐትሎ ካብ ኣፉውን አግድፎ ነበርኩ።…” 1 ሳሙ 17፡34-35። ንጉስ ዳዊት፡ ትርጉም ጉስነት ብደንቢ ዝርዳእ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ብወገኑ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ መከራ እኳ እንተተጓነፎ፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት፡ ጉስነት እግዚኣብሔር ከምዘይተፈለዮ ብመዝሙሩ ከምዚ እናበለ ይገልጾ “እግዚኣብሔር ጓሳይየይ እዩ፥ ዝጎድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሻኻ የውዕለኒ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።…” መዝ 23፡1-2።

ክቡራት ምእመናን ነፍሲ ወከፍና ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝገበረልና ከነዘንቱ ዕድል እንተዝውሃበና ብዛዕባ ጉስነት ኣምላኽ ብዙሕ ምመስከርና፤ ሎሚውን እግዚኣብሔር ኣይልወጥን እዩ፤ ንሱ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ እኳ ከይበቐቐ ኣብ ክንዳና ዘሕለፈ እዩ እሞ ንብድሕሪ ሕጂውን ክሳብ ግዜ ሞትና ክጓስየና እዩ፡ እሙናቱ ባሮቱውን ኪሰደልና እዩ። ሓንትስ ንሕና ጥራይ እምነትና ነጽንዕ።

ርሑስ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሩኽን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Posted:- 12/30/2008

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div