S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ‘’ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና’’ (ነህ 2፡20) ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ ኣብ ዓባይ ከተማ ኒው-ዮርክ ብኽብሪ ክበዓል ከም ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ብወግዒ ተኣዊጁ እዩ። በዚ መሠረት ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዓመት መጸ ክካየድ ዝጸንሐ፡ ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤውን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ኩለን ክፍለ-

ግዝኣታት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዝመጹ ብዝሒ ምእመናንን ሊቃውንቲ ውሉደ ክህነትን ተሳተፍቲ ንክኾኑ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። እቲ ዓመታዊ ጉባኤን ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክን ሓቢሩ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ንኽካየድ ከኣ ሰፊሕ ምድላዋትን ምቅርራብን ይግበር ከምዘሎ ኣዳላዊት ኮሚቴ-በዓል ብሓጎስ ትሕብር።

ኣቦና ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ‘’ካብ ሽሕ መዓልቲ ኣብ ካልእሲ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስካ ምውዓል ይሓይሽ’’ (መዝ 84፡10) ኢሉ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሔር ምስታፍ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝህቦ መንፈሳዊ ረብሓን በረኸትን ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ከም’ቲ ነቢይ ነህምያ ‘’ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ!’’ ኢሉ ብእምነት ተበጊሱ ድንቂ ዝኾነ መካበብያ ዝሃነጸ፡ ንሕና’ውን ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ነታ ኣብ ከቢድ ፈተና ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ንህዝብና ኣኻኺብና ዳግማይ ብኽብሪ ክንሃንጻ ኢና ዝብል እምነት ሒዝና፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ሓቢርና ብጸሎት ክንልምንን ከነመስግንን ሃየ ጉዕዞና ናብ ዓመታዊ ጉባኤ ኒው-ዮርክ ይኹን።

ብተወሳኺ ድማ ንኩሉኹም ኣብ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኒው-ዮርክ ክትሳተፉ ትደልዩ ምእመናን ናይ መደቀሲኹም ሆቴል: በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ ክትሕዙን፡ ኤር ቲኬት ክትቆርጹ ከሎኹም ከኣ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ኒው-ዮርክ ማለት፡ 1. መዕርፎ ነፈርቲ ላጓርዲያ (LaGuardia) ወይ ድማ 2. ናብ ጆን ኦፍ ከነዲ (John F. Kennedy ) ርኢኹም ክትቆርጹ ተመራጺ ምዃኑ ብኣኽብሮት ነዘኻኽር።

ኣድራሻ ሆቴል - Hotel Reservation Information

Hampton Inn & Suites Stamford

26 Mill River Street, 

Stamford, Connecticut, USA 06902

Tel: 1-203-353-9855  Fax: 1-203-353-1927

መደቀሲ ንምሓዝ ክትድውሉ ከለኹም፡ እዚ ዝስዕብ ቃላት ምስ እትገልጹሎም፡ ምስ መን ከም ምዃንኩም ብእኡ ክፈልጡ ኢዮም።"St. Gabriel EOTC of NY block of rooms"

ዕድመን ጥዕናን ን3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ

ኣዳላዊት ኮሚቴ ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div