ቃል ብቕድሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። …. ሕይወት ኣብኡ ነበረት፥ እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበርት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ዮሓ 1፡1-5። እዚ ጥቕሲ ካብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ቃል ኢዩ። ካብዚ ክንመሃሮ ዝግብኣና ድማ ሕይወት ሰብ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረትን ኣብ ብርሃን ክትነብር ከም ዝተመደበትን ይነግረና። እወ ኣቦና ኣዳምውን ኣብቲ ምሉእ
ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 26 ክሳብ 5 ሕዳር ወርሓት ጽጌ ይበሃል። ጽጌ ማለት ከኣ ብዕንበባን ጽጌታትን ፍሬታትን ዝወቀበ ጊዜያት ናይ ልምላሜ እዋን
ንብሉይ ኪዳን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ፡ መጽሓፍ ብመጽሓፍ፡ ምዕራፍ ብምዕራፍ፡ እንተ ኣንበብናዮ፡ ኵሉ መስትያት ናይ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝነበረ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘገርምን ዝጭበጥ መንፈሳዊ ሓቅን ኰይኑ
መስቀል ማለት ሰቐለ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ሡር ቃል ዝወጸ ኮይኑ መስቀሊ ማለት እዩ። ከም ልማድ ሕጊ ኦሪት ድማ ነፍሲ
ቐዲምና ብዛዕባ ፍልልይ ሕግን ጸጋን ኣሕጽር ኣቢልና ተመልኪትና ኣሎና፡ ካብዚ ንደሓር ድማ፡ ጸጋ ምስ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ርክብ ብታሪኽን ብምሳሌን ከመይ ከም ዝዀነ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንምልከቶ ኢና። ጸጋ
ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ እዩ
ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ ህይወት ዘውህብ እዩ። ኣመጻጽኣኡን ታሪኹን ምሳሌኡን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ መጻሕፍቲ ኦሪት ኢና ንረኽቦ። ነዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን እናኣነጻጸርና፡ ክንመሃሮ ክንፍትን ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ኣብ ግብጺ ከለዉ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞትን መከራኡን ክድሕኑ ምእንቲ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ደም ገንሸል ፈሲካ፡ ክለኽዩ ከም ዝተኣዘዙ፡ ብሉይ ኪዳን ይዛረብ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ድማ፡ ንሓቀኛ ደም ክርስቶስ ዝምስል ነበረ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ግዝያዊ ነበረ። ማለት እቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ ክሳዕ ዝመጽእ። ነቶም ኣሚኖም ደም ገንሸል ፍሲካ ዝገበሩ እስራኤላውያን ድማ እቲ ብማእከል ግብጺ ዝሓለፈ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣይቀዘፎምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያቶም ደም ገንሸል ኣብ ልዳቶም ዘይለኸዩ እስራኤላውያን ግና፡ ምልክት ስለ ዘይረኣየሎም ክቐዝፎም ግድን እዩ። ሕጂ’ውን ነቶም ኣሚኖም ብግብሪ ንደም እቲ ገንሸል ፈሲካ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይበልዑን ዘይሰትዮን ምልክት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ስለ ዘየብሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይቅድሶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ማሕተም ክኣትዉ። እምነት በይና ንመንግስተ ሰማያት ከተእቱ እተኽል ነይራ እንተ ትኸውንሲ፡ በልዓም’ውን ይኣምን ነይሩ፡ ወረ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ልዕሊ እምነት ኣብ ቅድሜኡ ይርዕዱን ይንቀጥቀጡን እዮም። እሞ ብእምነቶም ክጸድቑ ድዮም፧ እዚ እሞ ዘይመስል እዩ። ኣብርሃም ድማ እታ እምነቱ ንጽድቒ ተቖጽረትሉ ስለ ዝበለ ናይ ኣብርሃም እምነት በይና ጥራይ ኣይነበረት፡ ምስኣ ድማ ካብ ኡር ናብ ከንኣን ስለ ዝተጓዕዘ፡ ግብሪ ነይራታ እያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ