S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕዳር

ስርዓተ ኣምልኮ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰንበት ምንባባት ወንጌልን ስብከትን
ዕለት:- ሕዳር 1ይ ሰንበት
(ዘመነ ጽጌ፤ ካብ መስከረም ፳፮ - ሕዳር ፭ ግእዝ)
ያሬዳዊመዝሙር፡- ፀገየ ወይን ወፈረየ ሮማን ወፈረዩ ኩሉ ዕፀመ ገዳም (ወይኒ ዓንቢቡ ሮማን ዕንባባ በረኻንን ከኣ ፈርዩ)
ምንባባት ወንጌል
1ይ ዲያቆን:- ሮሜ  11፣13 - 25 (Romans)
2ይ ዲያቆን:- ራእይ 12፣ 13-18 (Revelation)
2ይ ካህን:-  ግብ  11፡1-12  (Acts)
1ይ ካህን:- ማቴ  21፡33-46 (Matthew)
መዝሙር ዳዊት ግእዝ፡- ዐፀደ ወይን ኣፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ ኣህዛብ ወተከልከ ኪያሃ፤ ወጼህከ ፍኖተ ቅድሜሃ።መዝ 79፡8
መዝሙር ዳዊት ትግርኛ:- ጉንዲ ወይኒ ካብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒግካውን ተኸልካያ።” መዝ 80፡8
Psalms:- Thou hast brought a vine out of Egypt: thou hast cast out the heathen, and planted it.” Psalms 80፡8
ቅዳሴ፡- ቅ. ማርያም

ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ኮራክር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሓዙልና

(ኣስግሩ ለነ ቆናጽለ ንዑሳነ እለያማስኑ ዐፀደ ወይንነ) መሃ 2፡15

ተኽሊ ወይኒ ኣብ ክረምቲ ዝቕምስል ኣብ ሓጋይ ዝዕንብብ፡ ፍሉይ ክንክንን ሓለዋን ዘድልዮ ኦም እዩ። ቀጥ ኢሉ ንኽቀውም ተወሳኺ ደገፍ ይግበረሉ፡ ወኻሩ ካልኦት ኣዕነውቲ እንስሳን ከይኣትውዎ ድማ ይቕጸር፡ ብቐጻሊ ዘማዕድዉ ሓለውቲ ድማ ይስርዓሉ (ኢሳ 1፡8፣ 5፡1-2፣ ማር 12፡1፣ ሕዝ 17፡6)። ዝበለጸ ፍረ ኪህብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኪቕምቀምን (ዘሌ 25L13፣ ዮሃ 15፡2) ወኻሩ ቀዳሞት ጠንቂ ምብኻን ስለዝኾና ድማ፡ ኣብቶም ቀዳሞት ሓረስቶት ብወጽመድ ተታሒዘን ከምዝቕተላ ይግበር ኔሩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ፡ ተኽሊ ወይኒ ናይ ቤተ-እስራኤል ወይ ድማ ቤተክርስትያን ምሳሌ ኪኸውን ከሎ፤ እቲ ቐጽሪ ናይ እግዚኣብሔር ሓለዋን ረድኤትን፡ እቶም ሓረስቶት እቶም ኣብ አእዋኑ ንቤተ-እስራኤል ከገልግሉ ዚምደቡ መንፈሳውያንን ስጋውያንን መራሕቲ፡ እተን ወኻሩ ድማ ሰብ ካብ ኣምላኹ ንኽርሕቕ ምኽንያት ዝኾኑ ሓሰውቲ መማህራን እዮም። ኣብዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተነበበልና፡ እቶም ክልተ ግዜ ዝተላእኩ እሞ ዝተቐትሉ ልኡኻት፡ ምሳሌ ናይቶም ዓበይትን ንኡሳንን ነብያት ተባሂሎም ዝፍለጡ ኪኾኑ ከሎዉ፡ እቲ ዋና ተኽሊ ወይኒ ኣብ መጨረሻ ዝለኣኾሞ እቶም እኩያት ሓረስቶት ድማ ካብቲ ግራት ኣውጺኦም ዝቐተልዎ ከኣ ምሳሌ ናይቲ ኣብ ምስቀል ቀራንዮ ዕርቓኑ ኣውጺኦም ንሞት ዝፈረድዎ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  

ብተወሳኺ ኣብ ሉቃስ (20፡9-18) ኣንተኣምበብና ብዝያዳ ይበርህ። እቶም ብመገስ ምስ ዋና ተኽሊ ወይኒ ውዕል ዝኣተዉ ክሳብ ክንደይ ዓመጽቲ ምንባሮም፡ ንግብሪ ናይቶም ሓሰውቲ መማህራን ኃይማኖት ገላጺ እዩ። ምእመናን ንኣምላኽ እንተፈለጥዎን እንተተገዝእዎን ክብረቶም ዚጎድል ኮይኑ ዝስምዖም ነቲ ፍረ ባዕሎም ምእንቲ ኪበልዑን ነቲ እንኮ ውሉድ (ወራሲ) ቀቲሎም ባዕሎም ምእንቲ ኪወርሱን ኣብ ርእሲ ኣምላኽን ምእመናን ዝዕምጹ መራሕቲ ሃይማኖት ይመስሉ። ከምኡውን ኣብ ትንቢት ኢሳያስ ተገሊጹ ከምዘሎ (5፡1-5) እቲ ተኽሊ ወይኒ ዚኣክል ክንክንን ሓለዋን ተጌሩሉ ከብቕዕ፡ ኣብ ክንዲ ምቁር፡ መጺጽ ፍረ ከምዘፍረየ ይሕብር። ክርስቶስ ነቲ ዝመረረን ዝዓርዓረን ከምእንደገና ሓድሽ ህይወት ዝህብ ጉንዲ ወይኒ ንሱ ምዃኑ፡ ቤተክርስትያን ድማ ጨንፈር ምዃና ምሂሩና እዩ (ዮሓ 15፡1-15)።

ካብዚ እንታይ ንምሃር? ኣብ ዘመንና እንተተዓዚብናውን ክንደይ ዝኣኽሉ ምእመናን እዮም ሰኣን ብቑዓት ጓሶትን መራሕትን መኺኖም ዝተረፉ? ንእግዚኣብሔርን ቤተክርስትያንን ዘሐጉስ ናይ ምእመናን መንፈሳዊ ፍረ ምእንቲ ኪበዝሕ ካብ ዓመጽቲ፡ ሓሰውትን፡ ብወኻሩ ዝምሰሉ፡ መማህራን ምእንቲ ክንሕሎ፡ ኣምላኽ ቅኑዓት ጓሶት ኪህበና ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝለመኖ ክንጽሊ ይግባእ። ከምኡውን ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ፡ ክርስቶስ፡ ክንጸንዕ ዘወትር ንቑሓትን ጸለይትን ኪንከውን ይግባኣና። ኣምላኽ ይደግፈና! ኣሜን።


ስርዓተ ኣምልኮ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰንበት ምንባባት ወንጌልን ስብከትን
ዕለት:- ሕዳር 2ይ ሰንበት
(ኣስተምህሮ፤ ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 ግእዝ)
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ (ንኣበሳና ኣይዘከረን)
ምንባባት ወንጌል
1ይ ንፍቅ ዲያቆን:- ሮሜ 1፣ 10 -32 (Romans)
2ይ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 2፣ 1-18 (1st John )
2ይ ካህን:-  ግብ  22፣1-12 (Acts)
1ይ ካህን:- ማቴ  6፡5-16 (Matthew)
መዝሙር ዳዊት፡- ኢትዝክር ለነ ኣበሳነ ዘትካት ፍጡነ ይርከበነ ሳህልከ እግዚኦ እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ። መዝ 78.8
መዝሙር ዳዊት፡- ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቀባበለና። መዝ 79፡8
Psalms:-Do not remember against us our former iniquities; let your compassion come speedily to meet us, for we are brought very low..” Psalms 79፡8
ቅዳሴ፡- ነኣኵተከ (ነመስግነካ)

ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዲያቆናት ዝዝምርዎ (ዘዝይምዎ) መዝሙር ዳዊት "ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር ምሕረትካ ድኣ ቀልጢፉ ይርድኣና" ዝብል እዩ። እግዚእብሄር ዝሓለፈ በደል ኣይጽብጽብን እዩ፣ ነቶም ብንስሓ ዝምለሱ ድማ ኣበሳኦም ይሓድገሎም። ንጉስ ዳዊት ኣብ ካልእ ጽሑፉ፣ "እግዚኣብሄር በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ" ይብል። ቀጺሉ ድማ "እግዚኣብሄር መሓርን በዓል ብዙሕ ሳህልን እዩ። ምሕረቱ ድማ ካብ ቁጥዐኡ ይበዝሕ"። “እግዜኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ። ንኹራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኩሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለኣለም ድማ ኣይቅየምን። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምዕራብ ካብ ምብራቕ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ካባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውልዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዜኣብሄር ንዚፈርሕዎ ይርሕርሓሎም እዩ።” እናበለ ነቲ ዓቢይ ምሕረት እግዚእብሄር እናዘከረ ዘመረ። ዘማራይ ያሬድ'ውን ምሕረት እግዜኣብሄር እናስተንተነ፣ ኣብዚ ናይ ዕለቱ መዝሙር "ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን ኄር እግዜኣብሄር።" ከይንጠፍእሲ ርሕሩሕ እግዜኣብሄር በደልናን ኣበሳናን ኣይጸብጸበን” እናበለ ከም ዳዊት ንእግዜኣብሄር ብመዝሙር ገይሩ የመስግኖ። እወ ብሓቂ ንበደልና ይቕረ ዝብለልና፣ ንኣበሳና ዝሓድገልና ከም እግዜኣብሄር ዝበለ መን ኣሎ? ንሱ ምሕረት ይፈቱ፣ ቁጥዓኡ ድማ ንዘለኣለም ኣይነብርን። ብኣፍ ነቢይ ሚክያስ ገይሩ ከምዝበሎ፣ "ከማኻ ዚበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሓድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ? ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ቲሕቲ እግሩ ይረግጾ፣ ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ትድርብዮ።“ ሚክ 7፣ 18-19።   

ጎይታናን መሓኒናን፣ ኣብ ሓጢኣትና ክንነብር ስለዘይደለየ፣ ነቲ ናይ ኣበሳና ኣድራሻ ደምሲስዎ። ንሱ ንኣበሳና ኣብቲ ናይ ትዕግስቱን ምሕረቱን ባሕሪ ብምድርባይ ረጊጽዎ። ንኣድራሻ ኣበሳና ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ጠቕሊሉ ብምጥሓል ኣጥፊእዎ።  በደልና ዝደምሰሰ ጎይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣  ኢዱን እግሩን ኣብ መስቀል ዝትሸንከረ ንበደልና ረጊጹ ከጥፍኦ ኢሉ እዩ። ንሱ ስሌና በጃ ብምሕላፍ ናብ ዕረፍቲ ኣእተወና። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብናይ መንፈስ ሓቂ "ዎ እግዜኣብሄር ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።” መዝሙር 25 7 " እናበልና ክንዝምር ይግባእ። ንምሕረቱ'ውን “ሓጢኣት እንተትጽብጽብሲ መንከ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ?” እናበልና ስለ ምሕረቱ ክነድንቖ፣ ብሓቂ "ኣበሳኡ እተሓድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።”(መዝሙር 32:1) ክንብል ይግባእ።

ምስጋና ንእግዚእብሄር ይኹን። ኣሜን።


ስርዓተ ኣምልኮ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰንበት ምንባባት ወንጌልን ስብከትን
ዕለት:- ሕዳር 3ይ ሰንበት
(ኣስተምህሮ፤ ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 ግእዝ)
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ሎቱ ስብሓት ወሎቱ ኣኮቴት ለዘቀደሳ ለሰንበት (ንሰንበት ዝቐደሰ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግባእ)
ምንባባት ወንጌል
1ይ ንፍቅ ዲያቆን:- ቆለ 1፣ 12 - 29 (Colossians)
2ይ ዲያቆን:- 1ይ ጴጥ 1፣ 13-21 (1st Peter)
2ይ ካህን:-  ግብ  19፣21-41 (Acts)
1ይ ካህን:- ዮሓ  5፡16-28 (John)
መዝሙር ዳዊት፡- ኩሎ  ዘፈቀደ ገብረ እግዚኣብሔር፣ በሰማይኒ ወበምድርኒ፣ በባህርኒ ወበኵሉ ቀላያት። መዝ 134፡6
መዝሙር ዳዊት፡- እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቕን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ። መዝ 135፡6
Psalms:- “Whatsoever the Lord pleased, [that] did he in heaven, and in earth, in the seas, and all
ቅዳሴ፡- ቅ. ኣትናቴዎስ

ኩሉ ብእኡን ንዕኡን እዩ ዝተፈጥረ (ቆለ 1፡16)

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስዩስ  ኣብ ዝለኣኾ፡ ሎሚ ኣብ ቅዳሴ ዝንበብ መልእኽቲ፡ ኩሉ ነገር ብሥልጣን፡ ቃልን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጥረ፤ ኣብ ሰማይ ዘሎዉ ክቡራትን ግሩማትን መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ብእኡ ስለዝተፈጥሩ፡ ፍግም ኢሎም ሰጊዶም ዝግዝእዎ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዚመልኽ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ የስተምህረና።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ዕለት ወንጌልውን ክርስቶስ በለ፡ ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ፡ ኣነውን ከምኡ፤ ንፍጥረት ኩሉዓለም በብእዋኑ ዝምግብ፡ ንህይወት ዘለዎን ግኡዝን ሕጉን ስርዓቱን ሓልዩ ንኽቕጽል ዝገብር ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  ስግር ኢሉውን “ወኵሉ ቦቱ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ” ኩሉ ብእኡ ኮነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይብኣኡ ዝኾነ የልቦን። (1፡3)።

እምበኣር ከም ክርስትያናት ካብዚ ደረት ዘይብሉ ሥልጣን ኣምላኽ ዘስተምህር ቃል እንታይ ንመሃር? ክርስቶስ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ኩሉ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ጥራሕ ኣይኮነን። ብምኽንያት ሓጢኣት ኣዳምን ደቁን (ንሕናውን) ኣብ ትሕቲ ሞትን መርገምን ንኣሽሓት ዓመታት ንዝነበርና ሕዝብን ኣሕዛብንውን ኣብ መስቀል ብሙማት፡ ከምብሓድሽ ካልኣይ ፍጥረት (ልደት) ሂቡና እዩ። እዚ ኩሉ ድማ ንሕና ንኽብሩን ንውዳሴኡን ምእንቲ ክንቀውም ኢሉ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዚመልኽ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝደለዮ ዝገብር እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ። እሜን።


ስርዓተ ኣምልኮ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰንበት ምንባባት ወንጌልን ስብከትን
ዕለት:- ሕዳር 4ይ ሰንበት
(ኣስተምህሮ፤ ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 ግእዝ)
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘእውሩ ተወልደ።
ምንባባት ወንጌል
1ይ ዲያቆን:- 1ይ ቆሮ 2፣ 1-16 (1st Corin)
2ይ ንፍቅ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 5፣ 1-6 (1st John)
2ይ ካህን:-  ግብ  5፣34-41 (Acts)
1ይ ካህን:- ዮሃ 9፡1 -41 (John)
መዝሙር ዳዊት፡- ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ ኣእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚኣብሄር በቅዱሳኑ። መዝ 4፣2
መዝሙር ዳዊት፡- ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኮን ክሳዕ መዓስ እዩ ዚሓስር? ክሳዕ መኣስከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ። መዝ 4፡2.
Psalms:-How long will you people ruin my reputation? How long will you make groundless accusations? How long will you continue your lies?” Psalms 4:2.
ቅዳሴ፡- እግዚእነ

እወ ጎይታይ እኣምን እየ (ዮሃ 9፣38)

ኣብዚ ዕለት'ዚ ነዚ ንዕውራት ብርሃን፣ ንዝተሓለሉ ተስፋ፣ ንመናፍስቲ ዝመልኽ፣ ንሕሙማት ዝፍውስ ኣምላኽ እነመስግነሉ ዕለት እዩ። ያሬድ’ውን “እስራኤላውያን ብዕውሩ ዝተወልደ ርኢናን ሰሚዕናን ኣይንፈልጥን ይብሉ” እናበለ ምስ ናይዚ ዕለት ዚመሳሰል መዝሙር እዩ ዘሚሩ።

እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል (ዮሃንስ 9ይ ምዕራፍ) መግለጺ ስለዘድልዮ፣ ኣንባቢ ብግቡእ ከንብቦ ነተሓሳስብ።   

"እወ ጎይታይ እኣምን እየ" ዝብል ቃል ካብቲ ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ፣ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ዝወጸ ቃል እዩ (ቁ1- 4)። ጎይታና ነዚ ሰብ እዚ ምስ ረኣዮ፣ ብስጋ ዝርአ ተኣምራቱ ዘይገልጸሉ ዕለተ-ስቕለቱ እናዘከረ "ኣብ ዓለም ከለኹ ብርሃን ዓለም እየ"ኢሉ ብጥፍጣፉ ጸብሪ ገበረ፣ በቲ ጸብሪ ድማ ኣዕይንቱ ለኸዮ እሞ ከይዱ ካብ ማይ ሰሊሆም ክሕጸብ ኣዘዞ። ብኡ ንብኡ ድማ ሓወየ (ቁ 5-12)። ዕለቱ ሰንበት ስለዝነበረ ንበረኸት ዝኸውን ኣእምሮ ዘይተዓደሉ ኣይሁድ፣ "እዚ ሰብኣይ'ዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን" በሉ። ይኹን እምበር "ካብ ኣምላኽ እንተዘይከውን ከምዚ ዚበለ ተኣምራት ኪገብር ዚኽእል የልቦን ዚብሉውን ኣይተሳእኑን (ቁ 13-27)። በዚ ድማ ንሓድሕዶም ተፈላለዩ። እቲ ዓይነስዉር ምስ ተሓተተ'ውን "ነቢይ እዩ" ኢሉ መለሰ። እቶም ኣይሁድ ግና እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ንኽጠራጠሩ ምኽንያት ስለዝሰኣኑ፣ ንወለዲ ናይቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ጸዊዖም፣  "እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዩ? ሕጂ ድኣ ከመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ? ኢሎም ሓተትዎም።" “ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ዘበለ ኩሉ ካብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ክስጎግ እዩ" ዝብል ሕጊ ናይ ኣይሁድ ስለዝፈርሑ ግና እቶም ወለዱ ከምዚ ኢሎም መለሱ፣"ወድና ምዃኑን ብዓይነ ስውሩ ከምዝተወልደን ንፈልጥ ኢና። ሕጂ ብኸመይ ከምዝሓወየን ኣዒንቱ መን ከምዝኸፍተሉን ግና ንፈልጦ የለን። ንዕዑ ሕተትዎ። ንሱ ብጹሕ ስለዝኾነ ድማ ባዕሉ ክነግረኩም እዩ" ብምባል ተኣምራት እግዚኣብሄር ካብ ምምስካር ንደሓር በሉ። ስለ ኢየሱስ ምምስካር ስለዝኣበዩ ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ናይ ምንባር ዕድሎም ኣናውሕዎ። ካብቲ ካብ ፈሪሳውያን ክስንዘር ዝኽእል ፈተና'ውን ደሓኑ። እምነት ዘይብሎም ፈሪሳውያን እንደገና "እዚ ሰብ'ዚ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና" በሉ። ንሱ ግና ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክገሃድ ተባሂሉ ዝተፈጥረ "ሓጢኣተኛ ምዃኑ  ኣይፈልጥን እየ" በሎም። ንሳቶም ድማ ደጋጊሞም፣ ከመይ ገይሩ እዩ ዓይንኻ ዝኸፈተልካ?" እናበሉ ምስ ኣሸገርዎ "ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛምርቱ ክትኮኑዶ ትደልዩ ኢኹም?" ኢሉ ዝለዝሓተቶም "ንሕናስ ደቀ መዛምርቲ ሙሴ ኢና" ብምባል ንገዛእ ርእሶም ክመጻደቑ ፈተኑ። ንዕኡ ድማ "ንስኻ [ግና] ወደ መዝሙሩ ኢኻ" ኢሎም ናይ ላግጺ ዘረባ ሰንደውሉ። ዝገርም እዩ። ዘይምፍላጥ ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እዩ። 

ፈሪሳውያን ናይ ትንቢት ተረባሕቲ ድኣ ኣይኮኑን እምበር ትንቢት ምዝራብሲ ይኾነሎም እዩ። ከም እኒ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ትንቢት ተዛሪቦም እዮም። ዕቤቱ ምስ ሙሴ ከነጻጽርዎ ከለዉ “ንሕናስ ኣምላኽ ንሙሴ ከምዝተዛረቦ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዜገርም እዩ። ንዓይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። እዚ ካብ ኣምላኽ እንተዘይከውንሲ ገለ ክገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ" ኢሉ ኽብሪ ክርስቶስ መስከረ። ፈሪሳውያን ግና "ንስኻ ብሓጢኣት ዝተወለድካስ ንዓና ክትምህረና?" ኢሎም ኣንጸርጺሮም ካብቲ ቤተ ጸሎቶም ኣውጽእዎ። ንኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝመስከረ ድማ ካብ ቤት መቕደስን ቤተ ጸሎት ኣይሁድን ተባሪሩ፣ እቶም ንገዛእ ክብሮም ደው ዝበሉ ግና ኣብቲ ቤተ ጸሎት ተረፉ። ምድራዊ ቤት መቕደስ ንዝተዓጽዎ ሰማያዊ ቤት መቕደስ ተኸፍተሉ (ዮሃ 2፣19-22)። ናብ ደገ ምስ ደርበይዎ ግና፣ ሓቅን መገድን ዝኾነ ጎይታ ተቐቢሉ፣ "ንስኻ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ?" ኢሉ ሓተቶ፣ ንሱ ድማ "እወ ጎይታይ እኣምን እየ" በለ። ናይ ክብሪ ጎይታ ድማ "እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፣ እቶም ዝርእዩ ኸኣ ኪዖሩ እየ ናብዛ ዓለም ዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ" በሎ። ክብሪ ንዕኡ ይኹን። ተዓዘብቲ ዝኾኑ ፈሪሳውያን "ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና?" ሓተቱ። ኢየሱስ ድማ "ዕዉራት እንተትኾኑስ፣ ሓጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና ንርኢ ኣሎና ትብሉ ኣለኹም፣ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር በሎም።"

ነዚ ንዕውራት ብርሃን፣ ንዝተሓለሉ ተስፋ፣ ንዝደኸሙ ሓይሊ ዝህብ ጎይታ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div