6ይ ክሲ:- "ምዝውዋር ኣቡነ ሽኖዳ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ተቓዊምኩም" ይብል።
መብርሂ:-
1.ንኣባ ሺኖዳ ጳጳስ ክኾኑ ዝቐብእዎም ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም። ኣብ ሃገረ ጣልያን ስለ ዝነበሩ ጳጳስ ኤውሮጳ ክኾኑ መደብዎም። በዚ ዘይተሓጎሰ ዮፍታሄ ምስ ሰዓብቱን ግና ነዚ ክቕይርዎ ብዙሕ ጸዓሩ። እዚ ከኣ ንምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ንምልማስ ስለ ዝኾነ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብትሪ ነጺጎሞ እዮም።
2. ኣባ ሺኖዳ ብዘይ ፍቓድን መምርሕን ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ መጺኦም እኳ እንተለዉ ኣብ ክንዲ ምርቓ መርገም፡ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ፡ ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ ክብሪ ሓሳርን ውርደትን ረኺቦም ከም ዘለዉ ብዓይንና ንርእዮ ዘለና ሓቂ እዩ። ንህዝቢ ተዋህዶ ድማ ጠንቂ ምብትታንን ምትህልላኽን ኮይኖም ኣብ ዝኸድዎ ሓዊ ይኣጕድሉ ኣለዉ። ምኽንያቱ ዝመጽዎ ንኽብሪ ኣምላኽን ዕዮ ወንጌልን ዘይኮነስ ንክብሪ ሰብን ንረብሓ ስጋን ክብሉ ምርቓ ኣብኦምን መራሒኦምን ረጊጾም ስለ ዝመጹ እዩ።
3. ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ፓትርያርክ ዝመርሖ ኩሎም ጳጳሳት ጥራይ እዮም ክእከቡ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝፈቕድ። ውጉዝ ዮፍታሄን ቀሺ ነበር ሃብቶም ርእሶምን ግና ካብ ጉባኤ ጳጳሳት ሓንቲ መዓልቲውን ተፈልዮም ኣይፈልጡን እዮም። እዚ ድማ ንምምሕዳር ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንሽሮ ኮይንዋ ዘሎ ከቢድ ጉዳይ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ