5ይ ክሲ:- "መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘዘራረበኩም ግዜ ነቶም ብሲኖዶስ መናፍቓን ምዃኖም ዝተኣምነሎም ብኻልእ ገበናትንውን ዝተኸሰሱ ሰባት ክፍትሕልኩም ብስም ቤተ ክርስቲያን ምሕታትኩም ኣንጻር ሲኖዶስ ደው ምባልኩም ዘነጽር እዩ።"
1. መብርሂ:- ሲኖዶስ መዓስ ዕለትን ኣበየናይ ጉባኤን እዩ ብጽሑፍ
ለ. ንቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ
ሐ. ንቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስተኣብ
መ. ንመሪጌታ ይትባረክ በርሀ
ከሲሱ መናፍቓን ኢዮም ኢሉ ወሲኑ ኣይፈልጥን። እዚ ውጹእ ሓሶት እዩ። ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ንምዕንቃፍ ብተንኮልን ውልቃዊ ጽልእን ዝተማህዘ እዩ።
መብርሂ:-
2.ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2005 ዓ.ፈ ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ መጺኡ ንኣቡነ እንጦንዮስን ንዮፍታሄን ዘከራኽረኩም ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ? ኢሉ ሓቲትዎም። ሓጋዚና ተባሂሉ ዝመጸና ዮፍታሄ ብሓዋርያዊ ማሕላ ዝተረከብክዎ ሓላፍነት ዕሽሽ ኢሉ ‘’ልዕሌኹም እየ ይብል ኣሎ’’ ከቢድ ጸገምና ድማ እዚ እዩ: ረኣዮ። ኢሎም ንፕረሲደንት ኢሳያስ እቲ ዮፍታሄ ዘሕተሞ ውጉዝ ሕጊ ኣብ ኢዱ ሃብዎ።
3.ብተወሳኺውን ብዛዕባ እቶም ዝተኣስሩ ምሁራት ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ‘’ክትፈሓትልና ብስም ቤተ ክርስቲያን እልምነካ ኣሎኹ’’ በልዎ። ንምዃኑ እዞም ዝተኣስሩ ሊቃውንት ካህናት መናፍቓን ምዃኖምን ካልእ ገበን ከም ዘለዎምን ኣቡነ እንጦንዮስ ከይፈለጡ ሲኖዶስ ብኸመይ ክፈልጥ ክኢሉ? ብዮፍታሄን ገለ ጳጳሳትን ከም ዝተኣስሩ ከኣ ይበርሃልካ።
4. እዞም ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ'ውን ብልዑል ሓላፍነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ኦርቶዶክሳውያን ካህናት ብገበን ወይ ብመናፍቕነት ብወግዒ ዝተኸሰስሉ ሕግን ጽሑፍን ኣበይ ኣሎ?
5. ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘለዎም መንፈሳዊ ሓላፍነት ምእንቲ እሱራት ካህናቶም ክፍትሑ ምልማኖም ወትሩ ዘንእዶም ሠናይ ስራሕ’ዩ። ምኽንያቱ መንፈሳዊ መራሒ እሱር ክፍታሕ እምበር ሓደ ሰብ እኳ ክእሰር ብፍጹም ጸሎቱን ድሌቱን ስለ ዘይኮነ።
6. ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብጸሎትን ልማኖን እሱራት ክተፍትሕ እምበር ደቃ ምእንቲ ክሳቐዩ እሰሩልና ኢላ ከሲሳ ኣይትፈልጥን እያ። ምኽንያቱ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምድራዊ ማእሰርቲ ዕላምኣ ስለ ዘይኮነ።
7. እዚ ብገለ ጳጳሳትን ሰብ ግዜ ጭዋታትን ተማኺሮም ንቅዱስ ፓትርያርክን ሊቃውንት ካህናትን ብዘይ ሓደ ብቑዕ ክስን ፍርድን ከእስሩ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ከምቲ ይሁዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ብ30 ቅርሺ ዝሸጦ ዓቢይ ታሪኻዊ ጌጋ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ