4ይ ክሲ:- "ብዛዕባ ኣባይቲ ደብረ ቤትኤል ዝምልከት ደብዳቤ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ብማሕተም ሲኖዶስ ሰዲድኩም" ይብል
መብርሂ:-
1. ኣባይቲ ደብረ ቤትኤል ንመምሃሪ መንእሰያትን መንበሪ ውሉደ ክህነትን ክኸውን ዝተንሃንጸ ናይ መድሃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ገዛ ባንዳ ገዛውቲ እዩ። 11 ውሉደ ክህነት ምስ ስድራ ቤቶም ድማ ይነብርሉ ኔሮም።
2. ኣብ ወርሒ መስከረም 2004 ዓ.ፈ ዮፍታሀ ’’እዚ ኣባይቲ ናይ ማሕበረ ሓዋርያት ስለ ዝኾነ ኵሎም ነበርቲ ክወጹ ኣለዎም ዝብል ተሪር ትእዛዝ ለኣኸ። ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ክነብርሉ ግቡእ እዩ ኢሎም። ስለዚ ብሓይሊ ፖሊስ ወጺኦም ኣብ ጎደና ምእንቲ ከይድርበዩ ‘’ክሳብ ንዘራረበሉ ካብ ኣባይቶም ከይወጹ’’ ዝብል ደብዳቤ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ልኢኾም። ሰይጣን ብህልኽ ስለ ዝድረር ግና እቶም ኣገልገልቲ ብሓይሊ ፖሊስ ከም ድሌት ዮፍታሄ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ኣብ ጎደና ተደርበዩ። ድሓር ከምዝተነጸረ ከኣ ኣቶ ዮፍታሀ ንብረት ኣቦይ እዩ ኪብል ስለዝደለየ እዩ። እንተኾነ ኣብኡ ብህይወት እንተዝህልዉ: ብሞባእን ዕሽርን ምእመናን ዝተጠርየ ንብረት ምዃኑ ባዕሎም ምመስከሩ ነይሮም። እቶም ኣብኡ ዝሰፍሩ ዝነበሩ ውሉደ ክህነት ከኣ ኣብ ኣባይቲ እታ ለይትን መዓልትን ዘገልግልዋ ቤተክርስትያን እምበር ኣብ እንዳማቶም ኣይተቐመጡን። ብቐደሙ ካብታ ጭዋ ሰብ ዘመሓድራ ቤተክርስትያን ክብረት ውሉደ ክህነት ይኹን ክብረት ስድራ ቤቶም ኪትጽበ ኣይትኽእልን።
3.ግላዊ ርብሓ ዝድግፍ ዝብል ጸለመ ግና ዝኾነ ፓትርያርክ ንመሰል ውሉደ ክህነትን ምእምናንን ክጣበቐሎም ሓዋርያዊ ሓላፍነቱ ምዃኑ ዘይምፍላጥን ስምዒታዊ ድፍረት ጥራይ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ