2ይ ክሲ:- "ናይ ነገረ መለኮትን ጉዳይ ሃይማኖትን ዘማኽሩ ሰባት መዚዝኩም ውጉዝ ስራሕ ፈጺምኩም" ይብል።
መብርሂ:-
1. ነገረ መለኮትን ጉዳይ ሃይማኖትን ዝምልከቶ ብፓትርያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ጥራይ ምዃኑ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ። እንተ ኾነ ግና ውሳኔ ቅድሚ ምሕላፉ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተመርዅሶም ዘጽንዑ ኣማኸርትን ሊቃውንትን ምምዳብ ብቑዕ ሓላፍነታዊ ስራሕ እዩ።
2. ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ዝኾነ ምምሕዳራዊ ስራሕ ቤተ ክርስቲያን ብምኽርን ልቦናን ክንከይድ ይግብኣና ዝብል ሰፊሕ ኣረኣእያ ኣለዎም። ምኽንያቱ ብዙሓት "ኣማኸርትን ለባማት ኣቦታትን ዘለውዋ ሃገር ምሉእ ሰላም ኣለዋ’’ ከም ዝበለ ሰሎሞን።
3. ፓትርያርክ እንጦንዮስ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ምስ ክልተ ጳጳሳት ክመርሕዎ፡ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያት ዝምልከት ግና ኣጽኒዖምን ኣጻፊፎምን ናብ ውሳኔ ፓትርያረክ ዘቕርቡ ሰለስተ ሊቃውንት ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት መንበረ ፓትርያርክ ዝነበሩ መዚዞም ንሲኖዶስ ኣፍሊጦም ምሉእ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም። ኣብ ጉባኤ ቅ. ሲኖዶስ ቀሪቡ ብስምምዕ ኣብ ውሳኔ ዝተበጽሓሉ ጉዳይ ተመሊሱ ከም ክሲ ኪቐርብ ከሎ እቲ ጉዳይ ካልእ ግዳማዊ ዘይክርስትያናዊ ኢድ ከምዘለዎ ዘገንዝብ እዩ። ምኽንያቱ ጳጳሳት ብቅዱስ ፓትርያርክ ተመሪሖም ባዕላቶም ዘጽደቕዎ ተመሊሶም እንተኸሲሶም ንገዛእ ነፍሶም ይኸስዋ ኣሎዉ ማለት ኪኸውን እዩ።
ሎሚ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕትን ምብትታንን በጺሓ ዘላ ቅኑዓት ኣማኸርትን ንኣምላኽ ዝፈርሑ መራሕትን ስኢና ንሓንቲ ሕይወቶም ክመርሑ ብዘይክእሉ ዓመጽቲ ሰባት ትመሓደር ስለ ዘላ ጥራይ ምዃኑ ማንም ሰብ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ