“እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ’ዩ። እቲ ንእኡ ደው ኢሉ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፡ ብድምጺ ናይ’ቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ፡ ደጊም’ዚ ሓጐሰይ እንሆ ተፈጸመ። ንሱ ኺልዕል፡ ኣነ ኽትሕት ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ (ክርስቶስ)፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። እቲ ኻብ ምድሪ ዝዀነ ኸኣ ምድራዊ’ዩ። ናይ ምድሪ’ውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። ነቲ ምስክሩ ዚቕበሎ ደኣ የልቦን’ምበር፡ ንሱስ ነቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን’ዩ ዚምስክር። እቲ ንምስክሩ ዝተቐበለ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝዀነ የረጋግጽ።” ዮሃ 3፡29-33 ካ.ት
እንሆ በዚ ዕለት’ዚ ካብ ዘመነ ክረምት ናብ ዘመን ጽጌ ሰጊርና ኣለና። ዘመነ ክረምት ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ድማ ክሳዕ መስከረም 25 ዚዝርጋሕ ነዊሕ ዘመን’ዩ። መስከረም 25 ድማ ፀአተ ክረምት (ምውጻእ ወይ ምዝዛም ክረምቲ) ተባሂላ ትጽዋዕ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረን 26 ክሳዕ ሕዳር 5 (ጥቅ 6 ሕዳር 14 ፈ) ዘሎ ቕንያት “ኣባ ዮሐኒ ጽጌ” ወይ ከኣ “ዘመነ ጽጌ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “አባ ዮሐኒ” ብቋንቋና “ኣብ ዮሃንስ” ማለት’ዩ። ኣባ ዮሃኒ ብትውልዶም ሶርያዊ ዝዀኑ ናይ ግብጺ መነኮስ’ዮም ዝነበሩ። ኣብ ምድሪ ኤርትራ ቅዱስ ወንጌል ዝሰበኹ ቀዳማይን ሃዋርያውን ኣቦ’ዮም። ቅድሚ ኣባ ሊባኖስን እቶም ትሽዓተ ቕዱሳንን (ተስዓቱ ቅዱሳን)፡ ካብ 451-464 ዓ.ም ናብ ኤርትራ ኣትዮም፡ ነታ በዅሪ ገዳማት ኤርትራ ዝዀነት ገዳም ደብሪ ሲና ዘቘሙ ኣቦ’ዮም። ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ዚርከብ “ጎቦ ኣባሓኒ” ዚጽዋዕ እምባ ኣሎ። ብናይ’ቲ ኸባቢ ኣፈ-ታሪኽ ኣብ’ቲ ኸባቢ’ቲ ወንጌል ይሰብክን፡ ኣብ’ቲ ጎቦ’ቲ’ውን ንጸሎት ይተግሁ ኸም ዝነበሩን ይንገር። ሕዳር 5 ኸኣ፡ ዓሪፎም ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ዝተኣከቡሉ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እዚ ዝተጠቕሰ ቕንያ’ዚ ንኽብሮምን ንዝኽሮምን ኢላ ብስሞም ኪጽዋዕ ገበረት።
ኣብ’ዚ ቕንያት’ዚ ዚዝከር ካልኣይ ኣገዳሲ ፍጻመ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲቱን ምስ ቅዱስ ዮሴፍ መጕዚቱን ናብ ግብጺ ብስድደት ዚኸዱሉ ዓመታት’ዩ። ንጉስ ሄሮድስ፡ “ንጉስ ኣይሁድ ኣብ ቤት ልሄም ተወሊዱ” ዚብል ኣሰንባዲ ዜና ምስ ሰምዐ፡ ንህጻን ኢየሱስ ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ ፈሊጡ፡ ብትእዛዝን ምርሒትን ናይ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ቅዱስ ዮሴፍ ሒዝዎም ናብ ግብጺ ተሰድደ። ነቲ ዘመነ ስድደቶም ኣብ ናይ ቍስቋም ገዳም ተዓቝቦም ስለ ዘሕለፍዎ፡ ነዚ ጐይታና ገና ናጽላ ኸሎ ዝርኸቦ መከራ ንምዝካር፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን “ጾመ ቍስቋም” ዝሰመየቶ፡ ናይ ፍቓድ ጾም ሰሪዓ ትርከብ።
ነዚ ቐዳማይ መዓልትን ሰንበትን ናይ ዘመነ ጽጌ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ኸኣ፡ “ትዌድሶ መርዓት” ዘርእስቱ’ዩ። መሪሕ ጥቕስናን ካልእ ክፍልታት ናይ ቅዱስ ወንጌልን ኣነጺሩ ኸም ዚገልጸልና፡ እቲ ውዳሴ ዚግብኦ ቅዱስ መርዓዊ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (ዮሃ 3፡29 ፣ ኤፌ 1፡23 ፣ 5፡25-27 ፣ ራእ 19፡6-8 ፣ 21፡2,9-11,17)። እታ ነቲ መርዓዊ እትውድሶ መርዓት ከኣ እታ ኣካሉን ስጋኡን ዝዀነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ያ። ደጋጊምና ኸም ‘ንመሃሮ፡ ቤተ ክርስትያን ማለት እቲ ንሕና እንጋብኣሉ ህንጻ መቕደስ ዘይኰነስ፡ ንሕና፡ እቶም ንቤተ ክርስትያን ዘቘምና ኣገልገልትን ምእመናንን ባዕላትና ኢና (1ቈረ 3፡16,17 ፣ 6፡19,20 ፣ 2ቈረ 6፡16 ፣ ኤፌ 2፡19-22 ፣ እብ 3፡6 ፣ 1ጴጥ 2፡4-7)። ስለ’ዚ “ትዌድሶ መርዓት” ኪበሃል ከሎ፡ እቶም ውዳሴን ቅዳሴን ዝተማህሩ ውሉደ ክህነት ጥራሕ ዘይኰነ፡ እቶም ብምስጢረ ጥምቀት ንክርስቶስ ዝለበስናዮን ኣካላት ሰብነቱ ዝዀንናን ዅላትና ምእመናን’ውን ከም ዜጠቓልል ክንፈልጥን ክንትግብሮን ይግብኣና (ሮሜ 12፡4,5 ፣ 1ቈረ 6፡15 ፣ 12፡12,13,27 ፣ ኤፌ 5፡28,29 ፣ ገላ 3፡26,27) ዘለኣለማዊ ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ንመርዓዊና፡ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ክርስቶስ፡ ንቅድስት ስላሴ፡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ዄንካ ክትውድስ ምንባር’ዩ (ራእ 4፡8-11 ፣ 5፡7-14 ፣ 15፡2-4 ፣ 16፡4-7 ፣ 19፡1-7)። ክርስቶስ ጐይታ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ እንእመነሉ ሓደ መገዲ ኸኣ፡ እቲ ንእኡ ዚበቅዕ ውዳሴ ኸነቕርበሉ ኸለና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ውን፡ “ንጉሠ ሰላም ክርስቶስ ዓቢይ ልዕልናከ ወመንክር ስብሐቲከ” ብምባል ብዛዕባ ዕብየት ልዕልናኡ ተኣሚኑ ኣሎ።
ሓደ ኻብ’ቲ ንኣምላኽ ክንውድስሉ ዚግብኣና ኣርእስታት ከኣ፡ እቲ ቐለብ ዓመትና ኺሰርዓልናን ብህይወት ኬንብረናን ኢሉ ዘቘመልና ዘመናት’ዩ። ዘመን ክረምቲ ሰሪዑ ዘራእትና ኸም ዚበቍልን ከም ዚፈርይን ብምግባር፡ ንእንስሳ ዚኸውን ሳዕሪ ኣብቍሉ ንዓይኒ ማያትና መሊኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዘመን ጽግያት ሰሪዑ ንምድሪ ብዕንበባታትን ብፍርያትን ኣማዕሪጉ እንሆ የናብረና ኣሎ። ነዚ ብማያት ኣብቍሉ ብጸሓይ ኣብሲሉ ዚቕልበናን ዜናብረናን ዘሎ ኣምላኽ፡ ስለ’ቲ ሕያውነቱ፡ መጋቢነቱ፡ ጕስነቱ ዘየመስገንናን ዘይወደስናን ደኣ ብዛዕባ እንታይ ክንውድስ ኢና፧ ከም’ዛ ተፈጥሮ ብሕያውነታ ዝለገሰትልና፡ ከም’ዛ ባዕላትና ጽዒርና ዘፍረናዮ ዄንና ንርእስና እናነኣድናን እናወደስናን ክንነብር፡ ኣቦኡ ዘፍለጠ ጥልመትን ክሕደትን’ዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ዝሓለፈ ዘመን ክረምትን ብዛዕባ’ዚ ንፍልሞ ዘለና ዘመነ ጽጌን ምሉእን ልባውን ውዳሴን ምስጋናን ከነቕርበሉ ዚግብኣና ጊዜ ምዃኑ ኸይዘንጋዕና፡ መንፈሳዊ ሓላፍነትና ኽንፍጽም ይግብኣና። ስለ’ዚ ነቲ ንሰማያት ብኸዋኽብቲ፡ ንምድሪ ድማ ብጽግያት ዘማዕረገ፡ ኣቐዲሙ ክረምቲ ዝገበረ፡ ኣስዒቡ ድማ ብሕያውነቱ ጽግያት ዝሃበና ኣምላኽ፡ ብድርኺትን ረድኤትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዙዝ ውዳሴን ምስጋናን ከየባተኽና ነቕርበሉ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና’ዩ።
ቅዱስ ዮሃንስ፡ “ክርስቶስ፡ ልዕሊ ዅሉ’ዩ” ኺብለና ዝደለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ካብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ቍሩብ ምልስ ኢልና ካብ ፍቕዲ 22 ጀሚርና ምስ ‘ነንብብ፡ እቲ ቕንያት’ቲ ጐይታና ደቀ መዛሙርቲ ኣፍርዩ ንህዝቢ ኼጥምቕ ዝጀመረሉን፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ዚውሕዘሉን ቅንያት’ዩ ዝነበረ። ገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ’ውን፡ ንዮሃንስ ሓዲጎም፡ ደድሕሪ ጐይታና ኺስዕቡ ጀሚሮም ነበሩ። እቶም ገና ንዮሃንስ መጥምቕ ዚስዕቡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ በቲ ዚርእይዎ ዝነበሩ ብዙሕ ኣይተሓጐሱን። እቲ ናብኣቶም ዚውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ ብቝጽሪ እናወሓደ ምኻድ ስለ ዘሰከፎም፡ ንመምህሮም፡
“መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ፡ ንስኻ’ውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ሰብ ከኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ።” ኢሎም፡ ብዛዕባ’ቲ ዓብይ መምህሮም ብዛዕባ ዮሃንስ ዝተሰምዕዕም ቅንኣት ገሊጾም ነበሩ (ጥ.26)። ዋላ ቕድሚ ሕጂ ደጋጊሙ ተዛሪብዎ እንተ ነበረ’ኳ፡ እዚ ዘረባኦም’ዚ ብዛዕባ ዕብየትን ልዕልናን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝነጸረን ብዝሓየለን ቃላት ኪዛረብ ደረኾ። ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ሰማይ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተዋህቦ፡ ባዕሉ ሓንቲ’ኳ ኺወስድ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ጐይታና ኻብ ሰማይ ዝተዋህቦ ምዃኑ ኣረጋገጸሎም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንልቢ ደቀ መዛሙርቱ ዜህድእን ስክፍታኦም ዚቕንጥጥን’ዩ። ኣስዒቡ ድማ ነቲ ንሱ ኣቐዲሙ ንኣታቶምን ነቲ ህዝብን ዝገለጾ ሓቂ ኼዘክሮም ሓሊኑ፡ ንሱ ቀቅድሚ ክርስቶስ ጸራግ መገዱ ኪኸውን ዝተላእከ መልእኽተኛ’ምበር፡ ክርስቶስ ዘይምዃኑ ብወግዒ ኸም ዝተኣመነ፡ ንሳቶም ባዕላቶም ድማ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ መሰኻክር ምዃኖም ኣፍለጦም። ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ’ታ ሓጻር ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ብዛዕባ ዕብየትን ልዕልናን ናይ ጐይታና ዝተጠቕመሉ ገላጺ ኣበሃህላታት ብዙሕን ኣዝዩ ዜገርምን’ዩ።
v ቅድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ ንሱ’ዩ ዮሃ 1፡15,27
v ኣነ ስራኽ (ላቺ) (Shoelace) ኣሳእኑ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ’የ ዮሃ 1፡27 ፣ ማር 1፡7,8 ሉቃ 3፡16
v ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር’ኳ ኣይበቅዕን’የ ማቴ 3፡11
v ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም’ዩ ሉቃ 3፡16 ፣ ማር 1፡7,8 ፣ ማቴ 3፡11 ፣ ዮሃ 1፡33
v እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ካባይ ይብርትዕ (ንሕይል)’ዩ ማቴ 3፡11 ፣ ማር 1፡7,8 ፣ ሉቃ 3፡16
v እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ዮሃ 1፡29,36
v ብስልጣን ዚፈርድ’ዩ ማቴ 3፡10,12 ፣ ሉቃ 3፡17
ነዚ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ መግለጺታት’ዚ ዝሰምዐ ሰብ፡ ብዛዕባ ዕብየትን ልዕልናን ናይ ጐይታና ጽቡቕ መረዳእታ ይረክብ’ዩ። ብፍላይ’ቶም ካብኡ ዘይፍለዩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ደጋጊሞም ስለ ዝሰምዕዎ ኣጸቢቑ ኺስቈሮም’ዩ ዚግባእ። ቅንኣትን ስክፍታን ብዝተሓዋወሶ ስምዒት፡ “ኵሉ ሰብ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ” ምስ በልዎ ድማ፡ ብዛዕባኡ ዕምቝ ዝበለ ምስጢራት ኪገልጽን፡ ዝሓሸ መረዳእታ ኺህብን ተደሪኹ። ስለ’ዚ እታ ቐዳመይቲ ዝገለጸሎም ምስጢር፡ ክርስቶስ መርዓት ዘላቶ መርዓዊ ምዃኑ፡ ንሱ ግና ዓርኪ መርዓዊ ጥራይ ምዃኑ ኣፍለጦም። እቲ መርዓዊ ካብ’ቲ ዓርኪ መርዓዊ ንኽብሪ ናይ’ቲ መርዓዊ’ዩ ዚምረጽን ዚምዘዝን። መዝነት ናይ’ቲ ዓርኪ መርዓዊ እናሃሰሰ ዚኸይድ ሓጺርን ጊዝያውን’ዩ። ዝምድና መርዓውን መርዓትን ግን ነባሪ’ዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብቐንዱ ብዛዕባ’ቲ መርዓዊ’ምበር ብዛዕባ’ቲ ዓርኪ መርዓዊ ቕንኣት ኪስምዖምን ኪሕለቝሉን ከም ዘየድልዮም ዚገልጽ’ዩ። እቲ ዓርኪ መርዓዊ ብዛዕባ ኽብርን ዕብየትን ናይ’ቲ መርዓዊ ምሉእን ፍጹምን ሓጐስ ይሕጐስ እንተ’ልዩ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይ’ቲ ዓርኪ መርዓዊ’ውን ማዕሪኡ ኺሕጐስ’ዩ ዚግባእ። ቃል ብቓላ ኣግሂዱ ድማ፡ “እቲ መርዓዊ ኺልዕል ኣነ ግና ኽንእስ’ዩ ዚግብኣኒ” ብምባል፡ ነተሓሳስባኦምን እምነቶምን ዜቕንዕ ንጹር መግለጺ ሃቦም።
ብድሕሪ’ዚ’ዩ ናብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርቲና ዀይኑ ዘሎ ሓሳብ ዝኣተወ። መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ካብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ስለ ዝመጸ’ዩ። ነዛ ሓሳብ’ዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚገብሮ ዘሎ፡ እቲ ኻባና ኻብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዝተኻፈሎ ስጋ ስለ ዘለዎ’ዩ’ምበር፡ ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን፡ ልዕልና፡ ዝዀነ ምኽንያትን ምንጭን ከየድለዮ፡ ናቱ ናይ ባህርይ ገንዘቡ’ዩ። ስጋና ለቢሱ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ኣብ ማእከልና ስለ ዝተራእየ ግን፡ ነቶም ዚርእይዎን ዚሰምዕዎን እቲ መግለጽን መዘናን ዘይርከቦ ልዕልናኡ ኺረኣዮምን ኪርድእዎን ኣየኽኣሎምን። ስለ’ዚ “ከማና ኸም’ዞም ምድራውያን ጌርኩም ኣይትርኣይዎ። ንሱ ኸም’ዚ ኸማና ስጋ’ኳ እንተ ለበሰ፡ ካብ ሰማይ ዝወረደን ዝመጸን መለኮታዊ’ዩ ዝመልእኽቱ ቓልን መግለጽን ሃቦም። ጐይታና’ውን ካብ ላዕሊ ኸም ዝመጸን ከም ዝወረደን ደጋጊሙ ገሊጹ’ዩ።
“ብዘይካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ’ኳ የልቦን። . . . ኣነ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።” ዮሃ 3፡13 ፣ 6፡38።
ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ክርስቶስ ልዕለይ’ዩ” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ “ልዕሊ ዅሉ’ዩ” ናይ ምባሉ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ምምላስ ዚሕግዘና፡ እቲ ጐይታና ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ዝሃቦ ምስክርነት’ዩ። ዮሃንስ መጥምቕ፡ “ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ (ኣብ ምድሪ ብህይወት ካብ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት) ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓብይ ሓደ’ኳ ኣይተንስአን” ተባሂሉ ብልሳን መለኮት (ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ዝተመስከረሉ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ (ማቴ 11፡11)። እዚ ቓል’ዚ ዝዀነ ፍሉይነት (Exception) ዘይብሉ ዅሉ ሓቈፍ ኣበሃህላ’ዩ። ጐይታና፡ “ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን (ኣይኪልወጥን፡ ኣይኪፈርስን’ዩ።” ኸም ዝበለ ኸኣ ኪዝንጋዕ ኣይግብኦን’ዩ (ማቴ 24፡35)። ስለ’ዚ ጐይታ ኻብ’ቲ ካብ ኵሉ ሰብ ዚዓብይ ዮሃንስ ዝዓበየን ዝለዓለን እንተ ዀይኑ፡ ዝዀነ ኻልእ ትንተና ኸየድለዮ፡ ካብ ኵሉ ቅድምን ድሕርን ዮሃንስ ዝተወልደ ዅሉ’ውን ዝለዓለን ዝዓበየን’ዩ። ምኽንያቱ ብዘይካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ጐይታና፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት ዝነበረ ኵሉ ዓብይ ይኹን ንእሽቶ፡ ተባዕታይ ይኹን ኣንስተይቲ፡ ካብ እስራኤል ይኹን ካብ ኣህዛብ፡ ምድሪ ዝመበቈሉ ምድራዊ’ዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝመጸ ሰማያዊ ድማ፡ ብባህርዩ ኻብ’ቲ ምድራዊ ዝለዓለን ዝዓበየን’ዩ። እቲ “ዳሕራይ ኣዳም” ዝተሰመየ ክርስቶስ ካብ’ቲ ቐዳማይን ብሓጢኣት ዝወደቐን ቀዳማይ ኣዳም፡ ብኸመይ ዝለዓለን ዝዓበየን ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦ “. . . ‘እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ኰነ፡’ ዚብል ጽሑፍ’ዩ። እቲ ዳሕራይ ኣዳም (ክርስቶስ) ግና ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። . . . እቲ ቐዳማይ ሰብ (ኣዳም) ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ’ዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ (ብክርስቶስ) ግና ካብ ሰማይ (ኰይኑ ሰማያዊ)’ዩ።” ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 15፡45,47)። ኵሎም ካልኦት ኣዳማዉያን ግና፡ ጻድቃን ይኹኑ ሓጥኣን፡ ልክዕ ከም’ቲ መበቈሎም ዝዀነ ኣዳም፡ ብባህርዮም መሬታውያን’ዮም። ብባህርዩ ሰማያዊ ዝዀነ ግና፡ እቲ እንሆ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ።
እዚ ናይ ክርስቶስ ሰማያውን ልዕሊ ዅሉን ምዃን፡ ናይ ድሕነትና መሰረት’ዩ። መሬታዊ ሰብ፡ መድሓኒ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ መሬታዊ ሰብ መድሓኒ ኪኸውን ኬድሕንን ዚኽእል እንተ ዚኸውን፡ እቲ ሰማያዊ ወልድ ስጋና ኺለብስ ኣይመድለዮን ነይሩ። ናይ ተዋህዶ፡ ማለት መለኮትን ስጋን ፍጹም ውህደት ገይሮም ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርይን ኪዀኑ ዘድለየ፡ ምእንቲ ድሕነትና’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝለበሶ ስጋ፡ ካባና ኻብ መሬታውያን ዝወሰዶ’ምበር፡ ካብ ሰማይ ሒዝዎ ዝወረደ ስጋ ኣይኰነን። እንተ ዀነ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ባህርይ ቃል፡ ምስ’ቲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋና ብተዋህዶ ሓደ ኣካልን ሓደ ባህርይን ስለ ዝዀነ፡ ልዕልና መለኮቱ ናይ’ቲ ዝለበሶ ስጋ ባህርይ’ውን ኰነ። ስለ’ዚ ክርስቶስ ብመለኮቱ ጥራሕ ዘይኰነ በቲ ሰብ ምዃኑ (ብትስብኣቱ)’ውን ልዕሊ ዅሉ ዀነ። እዚ ናይ ስግው-መለኮት ልዕልና ድማ፡ ንኽብርን ዕብየትን ናይ ሞቱ ኣዝዩ ልዑል ስለ ዝገበሮ፡ ብሞት ሓደ ሰብ ዕዳ ሞት ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ተኸፍለ። ክሳዕ ክንድ’ዚ ልዑል ሞት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ብዝተፈጸመት ዘይትድገም ሞት፡ ዋጋ ዅሉ ሓጢኣት ተኸፊሉ፡ ዕርቂ ኣምላኽን ሰብን ተፈጸመ። ዕርቅን ምሕረትን ዚርከብ፡ እቲ በጃ ዀይኑ ዚስዋእ ኣካል፡ ካብ’ቲ ዕርቂ ዜድልዮ ሓጥእ ኣካል፡ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝለዓለን ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚፍጸም ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት ዘላቒ ዕርቅን ድሕነትን ኬጐናጽፍ ዘይከኣለሉ ምኽንያት፡ ክብርን ልዕልነት ናይ እንስሳ፡ ካብ ክብርን ልዕልናን ናይ ሰብ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለን ፈጺሙ ዘይመጣጠን ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ዓለም ዘለዋ ዅለን ንጹሃትት እንስሳታት ብሓንሳእ ተሰዊአን፡ ይትረፍ ንዅሉ ሰብ፡ ንሓደ ሰብ’ኳ ኬድሕና ኣይክእላን’የን። ኵሉ መሬታዊ ሰብ ድማ ንርእሱ ሓጥእ ስለ ዝዀነ፡ ነዛ መስዋእቲ ምዃን’ውን ፈጺሙ ኣይበቕዓን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እቲ ልዕሊ ዅሎም እንስሳታትን ሰባትን መላእኽትን ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓንትን ናይ ሓዋሩን ሞት በጃ ዅሉ ፍጥረት ሰብ ኪስዋእ ዘድለየ። በዛ ዘለኣለማዊት መስዋእቲ’ዚኣ ድሕነት ኪረክብ ዚበቅዕ ድማ፡ እቲ ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ዝኣመነን ዝተኣመነን ሰብ ጥራሕ’ዩ።
ነዚ ምእንቲ ድሕነትና ዝተፈጸአ ልዕልናኡ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ’ሞ ከነኽብሮን ክንግዝኦን ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ነቲ ምስጢር ልዕልና ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ደጋጊሙ ገሊጹልና’ዩ።
“ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ’ታ እትመጽእ’ውን ኣብ ልዕሊ (ዅሉ) ግዝኣትን ስልጣንን ሓይልን ምልክን ሸይሙ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዚስመይ ስም ሃቦ። ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ጥሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ። ርእሲ ቤተ ክርስትያን ገይሩ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ።” ኤፌ 1፡21,22 ካ.ት።
“ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም ኢየሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለ (ዅሉ’ውን) ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ምዃኑ ኺእመን’ዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም’ውን ዝሃቦ።” ፊል 2፡9-11።
“ክርስቶስ ናይ’ቲ ዘይርአ ኣምላኽ ምስልን፡ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ በዅሪ ወዱ ንእግዚኣብሄር’ዩ። (ምኽንያቱ) ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፡ ዚርአን ዘይርአን፡ (ዝፋናት) ይኹኑ ጐይትነታት፡ ሕልቅነታት (ሊቃናት) ይኹኑ ስልጣናትን ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ’ዮም። ኵሉ ብእኡን ንእኡን’ዩ ዝተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ’ዩ፡ ኵሉ’ውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ። ንሱ (ናትና) ናይ’ታ ሰብነቱ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ርእሲ’ዩ። ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርታ’ዩ፡ ካብ ምውታት ብምትንሳእ’ውን በዅሪ’ዩ።” ቈሎ 1፡15-18 ካ.ት።
“. . . ክርስቶስ’ውን ብስጋ ኻብኣቶም (ካብ እስራኤላውያን)’ዩ ዝተወልደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ንዘለኣለም ብሩኽ’ዩ፡ ኣሜን!! (ሮሜ 9፡5 ካ.ት) እግዚኣብሄር ኣቦ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ከም’ዚ ገይሩ ንክርስቶስ ጐይታና ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ገይሩ እንተ ሰሪዕዎን እንተ ኣኽቢርዎን ንሕና’ዞም ድኹማት ፍጥረት ደኣ፡ ከም ናትና ከም ናይ ቤተ ክርስትያን ርእሲ መጠን ማዕረ ኽንደይ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ኽንሰርዖን ከነኽብሮን ዘይግብኣና፧ ይትረፍ ትሕቲኦም ዚሰርዖ፡ እቲ ማዕረ ቅዱሳንን ጻድቃንን፡ ማዕረ ቅዱሳን መላእኽቲ ገይሩ ዜመዓራርዮ ክርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንክርስቶስ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ዝሰርዖ እግዚኣብሄር ኣቦን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣኽሊላቶም ኣብ እግሪ ዝፋኑ እናደርበዩን እና’ንቀጥቀጡን ብግምባሮም ተደፊኦም ዚሰግዱሉ ሊቃናትን ሰራዊትን ናይ መላእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ህይወቶምን ክብረቶምን ዝሰውኡሉ ቕዱሳንን ጻድቃንን ሰባት ዘለዎም ንዕቀትን ሕስራንን ዚገልጹ ዓያሱን ዓለወኛታትን ሰባት’ዮም። ንዘኽበርዎ ዜኽብር፡ ንዝነዓቕዎ ዜሕስር ሓቀኛን ፍትሓውን ፈራዲ’ዮም፡ ከም’ቲ ኣብ’ቲ ምስላ ናይ ሉቃ 19-27 ገሊጽዎ ዘሎ፡ ነቶም ናይ ባህርይ ልዕልናኡ ዝኸሓዱሉ፡ ምስ ዘይመዛኑኡ ዝሰርዕዎ፡ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ከየኽብርዎ ዝነዓቕዎ እንታይ ከም ዚፈድዮም ይፈልጥ’ዩ (1ሳሙ 2፡30)።
ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ፡ ንኣና ዜጸግወና ረብሓ ኣለዎ ድዩ፧ ወይስ ልዕልናኡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዝተደረተ’ዩ፧ ኣይፋሉን፡ ንኣና ካብ’ዛ ውድቕቲ ናይ ሞትን ውርደትን ዓለም ልዕል ኬብለና፡ ካብ’ቲ ልዕልናኡ ምእንቲ ኼካፍለና’ኮ’ዩ፡ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወረደን ዝተዋረደን። ውርደትናን ሞትናን ኣብሂግዎን ኣወናዊንዎን፡ “እንታይ ኰን ይጥዕም ይኸውን፧” ኢሉ ኺፍትኖ ኢሉ ኣይኰነን ዝወረደ። ካብ’ቲ መሪር ናይ ዘለኣለማዊ ሞትን ውርደትን ስቓይን ናብራ ገላጊሉ፡ ተኻፈልትን መዋርስትን ናይ’ቲ ዘለኣለማዊ ህይወቱን፡ መንግስቱን ክብሩን ሓጐሱን ምእንቲ ኺገብረና’ዩ ዘይጽወር ዋጋ ምእንታና ዝኸፈለ። ስለ’ዚ ኸኣ ብጸጋ ጥምቀት መሰል ውልድነት ብምሃብ፡ ካብ ላዕሊ ተወሊድና ልዕል ክንብል፡ ሰማያውያን ገበረና (ዮሃ 3፡3,5)። ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ’ምበር ካብ ታሕቲ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን ብምባል ድማ ኣረጋገጸልና (ዮሃ 15፡18,19 ፣ 17፡14-16)። ነቶም ብእኡ ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና፡ “ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ፡ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም” ኢሉ ዓለማዊ መንነቶም ኣፍለጦም (ዮሃ 8፡23)። ምድራዊ ተልእኾኡ ፈጺሙ ብዕርገት ኣብ የማን ኣቦኡ ምስ ተቐመጠ ድማ፡ ንኣና’ውን ናብ የማን እግዚኣብሄር ኣቦ ልዕል ኣቢሉ ምስኡ ከም ዘቐመጠና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኤፌ 2፡6,7 ፣ ቈሎ 2፡20-22 ፣ 3፡1-3 ፣ እብ 12፡22-24)። ኣቐድም ኣቢልና ናይ ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ ምዃን፡ ናይ ድሕነትና መሰረት ምዃኑ ጠቒስና ኣለና። ምስ’ዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ንሕና’ውን ምስኡ ልዕል ናይ ምባል ክብሪ ምርካብና ደሚርና ኽንርእዮ ኸለና፡ ረብሓ ልዕልናኡ ንኣና ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ኣዝዩ ዜጕልሖ’ዩ። ብዳግማይ ምጽኣቱ ብትንሳኤ ሙታን ምስኡ ናብ ሰማይ ክንዓርግ (ልዕል ክንብል) ምዃንና ድማ እቲ ዝዓበየን ዛዛምን ረብሓኡ’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ንልዕልናኡ ልዑል ክብሪ ኺስምዓና ዚግብኦ።
ኣብ’ቲ ናቱ ልዕልና ናትና ግደን ሓላፍነትን እንታይ’ዩ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ንእኡ ልዕል እነብሎ፧ ወይስ ናይ ልዕልናኡ ተዓዘብትን ተጠቀምትን ብምዃን ልኡማት (passive) ክርስትያን ኴንና ኢና ኽንነብር፧ ኣይፋልናን፡ ንጡፋት ተዋሳእቲ ኽንከውን’ዩ ዚግብኣና። ንክርስቶስ ልዕል እነብለሉ ቐዳማይ ተግባርና፡ ብእኡን ብቓሉን ምእማን’ዩ። እምነት፡ ንኣምላኽ እነስምረሉን እነዕብየሉን መንፈሳዊ ጥበብ’ዩ (እብ 11፡6)። ምኽንያቱ ኪእመን ዚበቅዕ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ነረጋግጽ ስለ ዘለና’ዩ። እቶም ዘይኣምኑ ግና ብዛዕባ ህላወኡን ሓቅነቱን ከኣልነቱን ዘለዎም ንዕቀት ዚገልጹን ዜውርድዎን ዜዋርድዎን ሰባት’ዮም (ሉቃ 7፡29,30)። እቲ ኻልኣይ መገዲ ኸኣ፡ ምሉእ ተኣዝዞ’ዩ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዜኽብር ኣምላኽ’ዩ። እቲ ዘይእዘዝ፡ ብልዕልና ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ብልዕልና ገዛእ ርእሱ ዚኣምን፡ ንሱ ልዕሊ ኣምላኽ ልዑል ምዃኑ ዚኣምን ትዕቢተኛን ዓለወኛን ሰብ’ዩ። ሳልሳይ መገዲ ድማ፡ ብዛዕባ ልዕልናኡ ብልሳንካ እትእመንን እተመስግንን ሰብ ምዃን’ዩ። ብኣፍና ኢየሱስ ጐይታ ዅሉ (ልዕሊ ዅሉ) ምዃኑ እንተ ተኣመንና፡ ብልብና’ውን ብትንሳኤኡ እንተ ኣመንና ከም ‘ንድሕን ቃሉ ኣረጋጊጹልና’ዩ (ሮሜ 10፡9-11)። ኢየሱስ ልዕሊ ዅሉን ጐይታ ዅሉን ምዃኑ ኽንኣምንን ክንእመንን ‘ንኽእል ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ ንጐይታና ብተኣምኖና ልዕል ከነብሎ ኸለና፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ንተሓባበር ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ (1ቈረ 12፡3)። እቲ ራብዓይ መገዲ ድማ ካልኦት ሰባት ንልዕልና ክርስቶስ ኪፈልጥዎን ኪቕበልዎን፡ ኪኣምንዎን ኪእመንዎን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኪእዘዝዎ ምግባር’ዩ። ነዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ብምንጋርን ብዛዕባኦም ድማ ከየባተኽና ብእምነት ብምጽላይን ኢና ንገብሮ። ካብ’ዚ ሓላፍነቱ’ዚ ዝበዀረ ሰብ፡ ብዕዳ ደም ናይ’ቲ ሰኣን ፍልጠቱ ዚጠፍእ ዘሎ ሰብ ዜሕተት’ዩ (ህዝ 3፡17-21 ፣ 33፡7-9 ፣ 1ቈረ 9፡16-18) እዚ ምስትምሃር’ዚ ኣብ መድረኽ ናይ ቤተ ክርስትያን ዚግበር ኣይኰነን። ንሱ ነቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ዚምልከት’ዩ። ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራና ንዘይኣምኑ ሰባት ምስትምሃር ግን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ድማ’ምበር፡ ናይ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ስለ ዘይኰነ፡ ንዅላትና ዚምልከት ተሓታትነት ዘለዋ ሓላፍነትና ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
እምበኣር ምልስ ኢልና ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘሎና ርድኢትን ሕሉፍ ኣካይዳናን እንታይ ከም ዚመስል ንመርምር። ኣብ ኣተሓሳስባና ዀነ ኣብ ግብራዊ ህይወትና፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ትሕቲ ዅሉ፡ እቲ ቕድሚ ዅሉ ኸኣ ድሕሪ ዅሉ ተሰሪዑ ኸይህልው ንፍራህን ንጠንቀቕን። ነቲ እግዚኣብሄር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን፡ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን፡ ቅዱሳን መላእኽትን ዝተኣመንዎ ልዕልናኡ፡ ንሕና’ውን ብምሉእ ልብናን ብሓቀኛን ንጹህን ሕልናናን፡ ብኣፋዊ ቃልናን ብግብራዊ ናብራናን ንእመኖ ኸም ዘለና ነረጋግጽ። እቶም ነቲ ዚግብኦ ልዕልናኡ ዝሃብናዮ፡ ወረስቲ ልዕልናኡ ኽንከውን ኢና። እቶም ነቲ ናቱን ገንዘቡን ዝኹነ ልዕልናኡ ኸሊእና ዘዋረድናዮ ድማ ዘይጽወር ዘለኣለማዊ ውርደት ክንወርስ ኢና’ሞ፡ ብኣግኡ ምርጫና ነጸብቕ። ናይ ልዕልናኡ ተረባሕትን ተኻፈልትን ምዃንና ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ነረጋግጽ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
6 ጥቅምቲ/ት 2024 | መስከረም 26, 2016 ግዕዝ (4ይ ሰንበት: ቊ.፬/4) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፳፯(፻፳፰)፡፪-፫ “ፍረ ፃማከ ተሴሰይ። ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ። ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሐ ቤትከ።” “ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ’ሞ፡ ብጹእ ኢኻ፡ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ'ዮም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቁረ 9፡1-12 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 21፡31-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡25-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ትዌድሶ መርዓት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ