“ኣቱም ፍቍራት፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታ እመኽረኩም ኣለኹ፡ ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ። . . . ከም እዙዛት ውሉድ’ምበር፡ ከም’ቲ ኣብ ዘመን ድንቍርና ኸለኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ።” 1ጴጥ 2፡11 ፣ 1፡14
እንሆ ኣብ ዘመነ ጾም ኢና ንርከብ ዘለና እዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመን ክረምትን፡ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ጾም ፍልሰታን’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ነሓሰ 1 ክሳዕ ነሓሰ 15 ዘሎ ቕንያት ጾም ፍልሰታ እንጾመሉ’ዩ ትውፊት ቤተ ክርስትያንና ኸም ዚገልጾ፡ ነሓሰ 16 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብኣካል ስጋ ናብ ሰማይ ዝፈለሰትሉ (ዝዓረገትሉ) ዕለት’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ዕለት’ዚ ቀዳመይቲ ሰንበት ናይ ጾም ፍልሰታ’ያ። ነሓሰ 5 ሰንበት መዓልቲ ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ “ወይብሉ ኵሎሙ ሓዋርያቲ ሆሙ” ዘርእስቱ’ዩ። ብመሰረት’ዚ መዝሙር ኣብ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሓንቲ ኻብ’ቶም ሰማዕቲ ጐይታ ዝዀነት ሰበይቲ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዝነበረ ዘረባ ጸጋ ኣዝያ ምስ ተገረመት፡ ድምጻ ዓዉ ኣቢላ “ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦኻየን ኣጥባት ብጽኣን’የን በለቶ። እዚ ቓል’ዚ ድማ እግዚኣብሄር ወልድ ገና፡ ኣብ ማህጸና ኸይሓደረ ኸሎ፡ ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንቕድስቲ ማርያም ተነጊርዋ’ዩ (ሉቃ 1፡28 ካ.ት)። ኣብ ከርሳ ምስ ሓደረ ድማ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብልሳን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ንብጽእናኣ ገሊጽዎን ተኣሚንዎን’ዩ (ሉቃ 1፡42-45 ካ.ት)። ጐይታና ንዘረባ ናይ’ታ ሰበይቲ ምስ ስምዐ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ ምንጪ ብጽእናኣ እንታይ ምዃኑ ዜመልክት’ዩ። “ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ’ዮም።” እዚ ኣበሃህላኡ’ዚ ብዛዕባ ኻልኦት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዓብዩ ብዛዕባኣ ዝተዘረበዩ። ካብ ኵለን’ተን ሽዑ ዝነበራ ደቀ’ኣንስትዮ ብፍሉይነታ ኽትምረጽ ዝገበራ፡ ካልእ ኣይነበረን። ካብ ኵለን ካብ ዓሌት ዳዊት ዝተወልዳ ደቂ ‘ንስትዮ፡ ንሳ በይና ጥራሕ ድንግል፡ ምልክዕቲ ወዘተ ስለ ዝዀነት ኣይተመርጸትን። ቅዱስ ገብርኤል፡ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ” ኢሉ’ዩ ዝሰመያ፡ ምልኣት ጸጋ ድማ እግዚኣብሄር ነቶም ብምሉእ ልብም ዚፈርህዎ ዚእዘዝዎን ዜኽብሮን’ምበር፡ ንዝዀነ ኻልእ ኣይህቦም’ዩ፡ (2ዜና 15፡15 ፣ ኤር 24፡7 ፣ ግብ 11፡23-24)። እዚ ቕዱስ ኣርኣያ’ዚ፡ ንኣና’ውን ዓብይ ተስፋ ዜስንቐና’ዩ። ንቓል ኣምላኽ እንሰምዕን እንእዘዝን ሰባት እንተ ዄንና ብምልኣት ጸጋኺ ኺባርኸና’ዩ። ኣብ’ታ ምድብቲ መዓልቲ ምጽኣቱ ድማ ብደበና ተላዒልና ምስ ክርስቶስ ናብ ክብሪ ክንፈልስ (ክንዓርግ) ኢና። ንቓል ኣምላኽ ዘይንሰምዕን ዘይንሕልውን ምስ’ንኸውን ግን፡ ካብ ፍልሰት’ኳ ኣይከነምልጥን ኢና፡ ፍልሰትና ግን ናብ ገሃንም ናብ ቍልቍል’ዩ ኪኸውን። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ጾምን፡ እቲ ሰንበት መጸ ዚወሃበናን ኣብ ኣእዛንናን ልብናን ዚፈስስ ዘሎ ቓል ኣምላኽን፡ እቲ ዝጽበየና ዘሎ ዘይተርፍ ፍልሰትና ናብ መንግስቲ ሰማያት፡ ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ገጽና ንኸነቕንዖ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ድማ ካብ’ቲ ንነፍስ ዚወግእን ናብ ገሃንም ገጹ ዚጐትተና ትምኒት ስጋና ብኸመይ ከም እነምልጥን ብኸመይ ከም ንስዕሮ ዜለብመናን ዚመርሓና’ዩ።
ንምዃኑ ትምኒት እንታይ ማለት’ዩ፧ ኵሉ ትምኒት ድዩ ዚወግኣናን ዚዋግኣናን፡ ወይስ ንትምኒት’ውን ዓይነት ኣለዎ’ዩ፧ ንምንታይ’ዩኸ ትምኒት ክሳዕ ክንዲ’ዚ ኣገዳሲ ዀይኑ፧ ትምኒት ማለት፡ ባህጊ፡ ድልየት፡ ፍትወት፡” ወዘተ ማለት’ዩ። ዕለታውን ናይ ምሉእ ዕድመናን ተመክሮ ኸም ዜረጋግጸልና፡ ንዅሉ ተግባራትና ዚቕልሶ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድልየትናን ባህግናን’ዩ። ዘይደለናዮን ዘይተመነናዮን ነገር ምግባር ኣዝዩ’ዩ ዝኸብደና ነቲ ኣዚና ዝበሃግናዮን ዝተመነናዮን ንምርካብ ድማ ዘይንበላሓቶ ንዘይንገብሮን ነገር የለን። ትምኒት ኣብ ህይወት ሰብ ዘለዎ ኣገዳስነት’ምበኣር፡ ኣብ’ዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዚምርኰስ ናይ መንፈስ ህይወትና ጥዕና ኸኣ፡ ብዓይነት ናይ ትምኒትና’ዩ ዚውስን። ስለ’ዚ ዓይነት ናይ ትምኒትናን ሓሳባትናን ኣብ ክልተ‘ዩ ዚኽፈል። እቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ስጋዊ። ንነፍስና ዚወግኣ ትምኒት ከኣ፡ እቲ ስጋዊ ትምኒት ምዃኑ መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኣሎ። ስለ’ዚ ህይወትና፡ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ትምኒታት ዓውደ ውግእ’ያ ማለት’ዩ። ሰዓሪ ዀይኑ ዚወጽእ ትምኒት ከኣ፡ እቲ ንሕና ኸነእንግዶን ክንግዝኦን ዝመረጽና ትምኒት’ዩ። ንስጋዊ ትምኒትና ኽንግዛእ፡ ነቲ መንፈሳዊ ትምኒትና ግና ክንወግእ እንተ መሪጽና፡ ሽዑ ስጋዊ ትምኒትና መጠን ዘይብሉ ሓጢኣት እና’ፍረየ፡ ስጋ ዝለበሱ ኣጋንንቲ ኽሳዕ እንመስል ብእልቢ ዘይብሉ ሓጢኣት የጋዕዝየናን የሰይጥነናን። ብምርሒትን ረድኤትን ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ንመንፈሳዊ ትምኒትና ኽንግዛእ እንተ መሪጽና ድማ ፍረ ህይወትና ጽድቅን ቅድስናን ይኸውን፡ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ብምፍጣር ዘኽበረና ልዑል ኣምላኽ’ውን ንመስል። ቅዱስ ወንጌል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ ትምኒታት ዘሎ ውግእን ውጽኢቱን ብቕዱስ ጳውሎስ ገይሩ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ኣብ ሮሜ 8፡5-10 ተደጊሙ ዘሎ ሓሳብ ዝብል ቃል “ትምኒት” ማለት’ዩ ምኽንያቱ ትምኒት ሓሳብ’ዩ።
“ኣነ ግና ‘ብመንፈስ ንበሩ፡ (ከምኡ እንተ ነበርኩም) ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም’ እብለኩም ኣለኹ። (ምኽንያቱ) ትምኒት ስጋ ምስ (ትምኒት መንፈስ መጻርርቲ’ዩ፡ (ትምኒት) መንፈስ ከኣ ምስ ትምኒት ስጋ መጻርርቲ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ክልቲኦም መጻርርቲ’ዮም።” ገላ 5፡16,17 ካ.ት
“ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ’ዮም ዚሓስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ’ዮም ዚሓስቡ። ናይ ስጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ፡ ሞት የምጽእ። ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን የምጽእ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፡ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፡ ኪግዝኦ’ውን ኣይክእልን’ዩ። እቶም ብስጋ ዝምርሑ’ውን ንኣምላኽ ኬሐግስዎ ኣይክኣሎምን’ዩ። ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ’ምበር ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ናይ ክርስቶስ)) ኣይኰነን። ክርስቶስ ኣባኻትክም እንተ ደኣ ሃልዩ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ስጋኹም ብሰሪ ሓጢኣት ምውት’ዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እዚ እግዚኣብሄር ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ህያው’ዩ። “ ሮሜ 8፡5-10 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ንርድኦ’ምበኣር፡ ንሕና ብስጋን ብመፈስን ዝቘምና ፍጡራት ኢና። ክልቲኦም ድማ ነናቶም ሓሳብን ድልየትን ዘለዎም ፍጹም መጻርርቲ’ዮም። እቶም ንናይ ስጋኦም ሓሳብን ድልየትን ዚግዝኡ፡ “ስጋውያን” ይብሃሉ። እቶም ንናይ መንፈሶም ሓሳብን ድልየትን ዚግዝኡ ኸኣ፡ “መንፈሳውያን” ይበሃሉ። እቲ ንፈጣሪኡ ኺመስልን ብጽድቂ ኺነብርን ዝመረጸ ሰብ ብሓጢኣት ዝወደቐ ድኹም ፍጥረት ሰለ ዝዀነ ብዘይ ረድኤት መንፈስ ቅዱስ ነቲ ምርጫኡ ኺገብሮ ኣይክእልን’ዩ፡ ስለ’ዚ ዝዀነ ሰብ ናይ ክርስቶስ ክርስትያን ኪኸውን ዚኽእል፡ መንፈስ ክርስቶስ ሓዲርዎ እንተ’ልዩ ጥራሕ’ዩ። “ብመንፈስ ንበሩ” ወይ “ብመንፈስ ተመላለሱ” ኺበሃል ከሎ፡ ንስጋኹም ዘይኰነ ንመንፈስኩም ንበሩ” ማለት’ዩ። ብመንፈስ ክንነብር ወይ ከኣ “ብመንፈስ ኣለኹ” ክንብል እንኽእል፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ሓዲሩ እንተ’ልዩ ጥራሕ’ዩ። በቲ ኣብ መንፈሱ ዝሓደረ መፈስ ቅዱስ ተሓጊዙን ተመሪሑን ብመንፈስ ዚነብሩ ክርስትያን ንትምኒት ስጋኡ ኣይግዛእን’ዩ። ስጋኡ ናይ መንፈሱ ግዙእ ስለ ዝዀነ፡ ገዛእ ትምኒቱ ኺገብር ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ እግዚኣብሄር ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ባህርይን ጽድቅን ናይ ክርስቶስ ስለ ዘልበሶ፡ እቲ መንፈሱ ህያው’ዩ እቲ ስጋኡ ግና፡ ብትምኒቱ ተደሪኹ ሓጢኣት ንኸይገብር ተሰቒሉን ሞይቱን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓሳብ’ዚ ንምብራህ ከም’ዚ ዚስዕብ ጽሒፉልና’ሎ።
“ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም (ስጋዊ ትምኒትኩም) ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስስዐ ቅተሉ።” ቈሎ 3፡3,5ካ.ት
“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዀሎም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱ ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዩ። ብመንፈስ (ቅዱስ) ህይወት ዝረኸብና እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።” ገላ 5፡24,25ካ,ት
“(ድሕሪ ሕጂ) ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ (ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ (ምስ ክርስቶስ) ከም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።. . . ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም ንርእስኹም ቍጸሩ።” ሮሜ 6፡6,11 ካ.ት
“እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም።” ሮሜ 8፡12-14 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ንርድኦ’ምበኣር፡ “ናይ ክርስቶስ ክርስትያን’የ፡ ምስኡ ተሰቒለ ምስኡ ኸኣ ተንሲአ’የ፡” ዚብል ኵሉ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ስጋዊ ፍትወቱን ትምኒቱን እናቐተለ’ዩ ዚነብር። ትምኒት፡ ኣካልነት ስለ ዘይብሉ፡ ከም’ዚ ንሰብ እንቐትሎ ጌርና ኽንቀትሎ ኣይንኽእልን ኢና። “እምብለይ፡ ንትምኒት ስጋይ ኣየእንግድን ኣይግዛእን’የ ኢልና እንተ ኣበናዮ፡ ብህይወት ክሳዕ ዘለና ህላወ ኸም ዘይብሉ ኸም ዝሞተ ጌርና ነመሓድሮ ስለ ዘለና ቐቲልናዮ ኣለና ማለት’ዩ። ሰብ ዝደለዮን ዝተመነዮን ኪገብርን ኪረክብን እንተ ዘይኪኢሉ ይነብር ኣሎ ህላውነት ኣለዎ ክትብል ኣዝዩ ከም ዜጸግም ብዛዕባ ትምኒት ስጋና’ውን ልክዕ ከምኡ’ዩ። ብቀንዱ እቲ ኣካላዊ ስጋና ሞይቱ ስለ ዘይተቐብረ እቲ ሎሚ ዝቐተልናዮ ትምኒትና ግና መዓልቲ መጸ ኺፈታተና’ዩ ዚነብር። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ ጸጽባሕ መስቀልና ኣልዒልና ክንስቀል ሞት ኢየሱስ ጸዊርና ኽንነብርን ዝተነግረና (ሉቃ 9፡23,24 ፣ 2ቈረ 4፡10)። ስለ’ዚ ምስ ትምኒት ስጋና ዘሎና ውግእ፡ ናይ ምሉእ ዕድመን ዕለታውን ውግእ ከም ዝዀነ ክንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
ስጋዊ ትምኒትና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ተሃላሊኹ ምስ ነፍስና ዚዋጋኣሉ ዕላማ እንታይ’ዩ፧ ንሕና ምስ ስጋዊ ትምኒትና ብዕቱብ ክንዋግኣሉ ዚግብኣና ዕላማኸ እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። ዕላማ ጸላኢና ብንጹር እንተ ዘይፈሊጥና፡ ንሕና’ውን ብምንታይ ምኽንያትን ዕላማን ክንዋግኦ ኸም ዚግብኣና ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ዕላማ ጽቡቕ ጌርና ኽንርድኦ እንተ ዄንና ኸኣ፡ ንድሕሪት ናብ’ቲ ዝተፈጠርናሉ ጊዜን ቦታን ክንምለስ የድልየና። ናይ ስጋዊ ትምኒትን መንፈሳዊ ትምኒትን ጕዳይ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካለ ስጋ ተገሊጹ እምነት ክርስትና ምስ ኣቘመ ዝጀመረ ኣይኰነን። እቲ ጸገምን ውግእን ኣብ ገነት’ዩ ጀሚሩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ ኣብ ገነት ኤድን ዝተሰዓርናዮ መሪር ስዕረት ናብ ዓወት ኪልውጦ’ዩ ብስጋ ተገሊጹ በጃና ዝሞተ።
እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንዚነብር ኵሉ ህያው ፍጥረት፡ ካብ ሓመድ ምድሪ’ዩ ዝፈጠሮ (መክ 3፡20)። ኵሉ’ቲ ፍጥረት ካብ ምድሪ ጥራሕ ስለ ዝተፈጥረ፡ ምሉእ ብምሉእ ምድራዊ ፍጥረት’ዩ። ብስጋን ብነፍስን ጥራሕ ዝቘመ ኣካል’ዩ ሰብ ግና ካብ ኵሉ ኻልእ ህያው ፍጥረት ብዝተፈልየ መገድን ኣቃውማን’ዩ ዝተፈጥረ። ሰብነቱ፡ ከም ኵሉ እንስሳ ካብ ሓመድ ምድሪ ተፈጥረ። ከም ኵሉ እንስሳ’ ውን እታ ንስጋኡ ህያው እትገብር ነፍሲ ተዋህበቶ። ስለ’ዚ ኸኣ ህያው ስጋ ዀነ። ዘይ ከም ካልእ እንስሳ ግና፡ እግዚኣብሄር ኡፍ ኢሉ ካብ መንፈሱ ሃቦ። በዚ ኸኣ፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ እዚ ኣገላልጻ’ዚ ነቲ ትግባረ ብንጹር ምእንቲ ኽንርድኦ ደኣ’ዩ እቲ መስርሕ ተዘርዚሩ ተገሊጹ’ምበር፡ ኪፍጸም ከሎ ብሓንሳእ ከም ሓደ ተግባር ከም ዝተፈጸመ ከነስተውዕሎ ይግባእ። በዚ መሰረት ከኣ ካብ ምድሪ ሓመድ ስለ ዝወሰደ፡ ምድራዊ ፍጡር ኰነ። ካብ ኣምላኽ መንፈስ ስለ ዝወሰደ ከኣ ሰማያዊ ፍጡር ኰነ። ካልእ ኵሉ ፍጥረት፡ ምድራዊ ፍጡር ጥራሕ ኪኸውን ከሎ፡ ሰብ ግና ምድረ-ሰማያዊ ፍጡር’ዩ። ኵሎም ካልኦት ፍጡራት ብስጋን ብነፍስን ጥራሕ ዝቘሙ ፍጡራት ኪዀኑ ኸለው፡ ሰብ ግና ብስጋን ብነፍስን ብመንፈስን ዝቘመ ስሉሳዊ ፍጥረት ኰነ (2ተሰ 3፡23)። እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዜመሳስለና መልክዕና ድማ፡ እቲ ከም ኣምላኽ ብሰለስተ ኣካላት ዝቘመ ሓደ ሰብ ምዃንና’ዩ።
ዋላ ካብ ምድርን ካብ ኣምላኽን ዝተኻፈልናን ዝወሰድና’ዮን ኣካል ደኣ ይሃልወና’ምበር፡ ንኽልቲኡ ብማዕረ ክንርእዮ ግን ኣይግባእን’ዩ። ምድሪ ንርእሳ ፍጥረት’ያ። እቲ ኻብኣ ዝወሰድናዮ ሓመድ’ውን ፍጥረት’ዩ። ምድሪ ሓላፊት’ያ፡ ሰብ ከኣ ብስጋ ሓላፊ (መዋቲ)’ዩ። እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ንመንነትና ዝሃንጽ መንፈስ ግን፡ ፍጡር ኣይኰነን። ኣካል ናይ’ቲ ፈጣሪ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ’ዩ። ኵሉ ኻልእ ፍጥረት ጊዝያዊ ኪኸውን ከሎ፡ ሰብ ግና ዘለኣለማዊ ፍጥረት’ዩ። ዋላ’ቲ ኻብ ምድሪ ዝለበስናዮስ ስጋ መዋቲ እንተ ዀነ እታ ነፍስን፡ እቲ ንነፍሲ ህያው ዝገበራ መንፈስን ግን ዘይሞቱ ዘለኣለማውያን ኣካላት’ዮም። ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ እቲ ዘለኣለማዊ ኻብ’ቲ ጊዝያዊ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝኸበረን’ዩ። ዘለኣለምነት (ዘይሙማት) እግዚኣብሄር ንሰብ ዝመደበሉ ዝኸበረ ህያብ’ዩ (መክ 3፡11 ፣ ሮሜ 2፡7 ፣ 2ጢሞ 1፡10)። እዚ ሓቂ ‘ዚ ንምንታይ ንስጋዊ ትምኒትና ኽንክሕዶ ክንዋግኦን ንመንፈሳዊ ትምኒትና ኸኣ ክንግዝኦን ከነኽብሮን ከም ዚግብኣና ዜረድእ’ዩ። ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ኪፍትኖምን ኬውድቖምን ዝተዓጥቀሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነዛ ሚዛን’ዚኣ ምእንቲ ኼዘናብል’ዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ ገዲፍና፡ ነቲ ጊዚያዊ ኸነኽብር፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ካብቲ ፈጣሪና ዝተኻፈልናዮ ክቡር መንፈስ ገዲፍና ነቲ ካብ ምድሪ ካብ’ዛ ግእዝቲ ፍጥረት ዝተኻፈልናዮ ሓሙድ ከነኽብር፡ ሚዛን ኣተሓሳስባና ኣካይዳናን ኬመዛብልን ኪግልብጥን ተዓጥቀ። ሰብ ዓሻ ድማ፡ ኣብ’ቲ ንጥፍኣቱ ዝተጻወደ መፈንጠራ ርኹስ ጸወታ ኺጻወት ብዕሽነት መረጸ። ንመንፈሳዊ ትምኒቱ ረጊጹ፡ ንስጋዊ ትምኒቱ ኬኽብር ዓሸወ። ወርቂ ደርብዩ፡ ጐሓፍ ኣልዓለ።
ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ብግብራዊ ኣርኣያኡን ብቤዛዊ መስዋእቱን፡ ነዚ ሰይጣንን ገዛእ- ዕሽነትናን ዘመዛብሎ ሚዛንና ኼተኻኽል፡ ስጋ ዝለበሰ መንፈስ ኰይኑ ተጋህደ። ምኽንያቱ ኣምላኽ መንፈስ’ዩ (ዮሃ 4፡23,24)። ንስጋናን ንስጋዊ ትምኒትና ብኸመይ ከነመሓድሮን ክንመልኮን ከም ንኽእል ንመንፈስናን ነቲ ኻብ መንፈሱ ዝኸፈለና ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንግዝኦ ከነኽብሮን ከም ንኽእል፡ ብግብራዊ ኣካይዳኡ፡ መስተንክር ብዝዀነ ኣገባብ ኣርኣየና። ኣዳምን ሄዋንን ከብዶም ብጹጉብ ምእንቲ ብልዒ ተፈንጦሩ። እቲ ዳሕራይ ኣዳም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ነርብዓ መዓልቲ ለይትን ገለ ኸይለኸፈ ብጥሙዩ፡ ነቲ ናይ ብልዒ መፈንጠራ ሰዓሮ (ማቴ 4፡1-11)። ካብ ንመንፈሱ ንስጋኡ ዜኽብር፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መንፈሱ በጃ ናይ’ቲ ጊዝያዊ ስጋኡ ዚገብር፡ ካብ ነቲ መንፈሱ ዝሃቦ ኣምላኽ፡ ነታ ሓመድ ዝሃበቶ ምድሪ ዜኽብር፡ ንሚዛን መንነቱ ዘበላሸወ ዝንቡዕ ሰብ፡ ነዚ ኣርኣያ ክርስቶስ ኬድንቖ፡ ኪቕበሎ፡ ኪስዕቦ፡ ኪትግብሮ ኣይክእልን’ዩ።
እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ መንፈስ፡ ካብ’ቲ ኻብ ምድሪ ዝወሰድናዮ ሓመድ ኣዝዩ ስለ ዚዓብይን ዚኸብርን፡ ካብ ምድራዊ መንነትና ንላዕሊ እቲ መንፈሳዊ መንነትና ዝዓበየን ዝኸበረን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ ጥዑይ ኣእምራውን መንፈሳውን ቍመና ዘሎ ሰብ፡ ካብ ነቲ ምድራዊ መንነቱ፡ ነቲ መንፈሳዊ መንነቱ’ዩ ዜኽብርን ዚመርጽን። ነዚ ተፈጥሮና’ዚ ሃገርና ኣብ’ቲ ኣምላክ ዚነበረሉ፡ ኣብ ሰማያት’ምበር፡ ኣብ’ዛ ምድራ’ዚኣ ኸም ዘይኰነ፡ ብባህርያዊ መገዲ የረጋግጸልና’ዩ። እቲ ጊዝያውነት ናይ ስጋና ድማ፡ እዛ ምድሪ’ዚኣ ንኣና ምድሪ ግሽነትናን ስድደትናን ምዃና፡ ብባህርያዊ መገዲ የርእየና’ሎ። ኣእምሮና ብሓጢኣት ስለ ዝተደፍነ ነዚ ባህርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኽንግንዘቦን ከነስተውዕሎ እንተ ዘይከኣልና’ኳ፡ እግዚኣብሄር ግና ብቕዱስ ወንጌል ገይሩ፡ ሃገርና ኣብ ሰማያት ምዃና፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ድማ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃንና ደጋጊሙ ይነግረና ኣሎ (2ቈረ 5፡1-8 ፣ ፊል 3፡20,21)። መሪሕ ጥቕስና’ውን ንስጋዊ ትምኒትና ኽንዋግኣሉ ዚግብኣና ምኽንያት፡ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ስለ ዝዀንና ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ። ሰይጣን ንስጋዊ ትምኒትና እና’ዕፈረ፡ ብዘይካ’ዛ ዓለም’ዚኣ ካልእ ዓለም ከም ዘይብልና፡ ብዘይ’ዛ ምድራዊት ህይወት’ዚኣ ካልእ ህይወት ከም ዘይብልና ኽንሓስብ’ሞ፡ ምስ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኽንጠፍእ፡ ምስኡ’ውን ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይ ክንኣትው ዕላማ ገይሩ ኺጋደለና ዚነብር።
ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃንናስ፡ ንስጋዊ ትምኒትና ተዋጊእና ንኽንስዕሮ ናይ ብሓቂ ብቑዕ ምኽንያት ድዩ፧ ብቑዕ ኰይኑ ይረኣየና ኣይረኣየና፡ ብዘይካ’ዚ ምኽንያት ዕላማን’ዚ ኻልእ ፈጺሙ የልቦን። ሰብ ንገዝኡን ንሃገሩን’ዩ ዝመስል፡ ኣብ ዘይገዛካ ከምቲ ኣብ ገዛኻ እትነብሩ ዀንካ ኣይክኣልን’ዩ። ንኣና ንክርስትያን ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ክንነብር እተክእለና ዘላ እታ ካብ ሓመዳ ዝለበስናያ ስጋ ጥራሕ እያ። ዘይገዛናን ዘይሃገርናን ስለ ዝዀነት ከኣ ነታ ኻብኣ ዝወሰድናላ ስጋና ሓዲግናላ ክንግደድ ኢና። ናብ’ቲ ካብ መንፈሱ ዝሃበናን ዘልኣለማውነት ዝዓደለናን ኣምላኽ ኽንከይድ ኢና። እዛ ዓለም’ዚኣ ንዓና ልክዕ ከም ገዛ ክራይ’ያ። ናትና’ያ ንብላ ዓለም ኣይኰነትን ስለ’ዚ ነዛ ናይ ክራይ ህይወት’ዚኣ ልዕሊ ነታ ናይ ዘልኣለም ቤትና እንርእየሉን እነኽብረሉን ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት የብልናን። ጋሻ ናብ ገዝኡ ስድደተኛ ድማ ናብ ሃገሩ ክምለስ ከም ዝናፍቕ ንሕና’ውን ከምኡ ነታ ናይ ዘለኣለም ቤትናን ሃገርናን ክንናፍቕ’ዩ ዝግባእ። ናብኣ ክሳዕ ንምለስ ዘሎ ጊዜ ድማ ነታ ዘለኣለማዊት ሃገርና ዝውክል ናብራ ኢና ክነብር፡ ነዛ ሓዲግናያ ንኸይድ ጓና ዓለም ኣይኰነን። ሰይጣንን ኣምላኽ ኰነ ስጋን መንፈስን ዚገብርዎ ዅሉ ውግእ፡ ልዕልና ስጋዶ ልዕልና መንፈስ ይዕብልል ንምርግጋጽ’ዩ። ምድሪ ሰማያውያን ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ እቲ ገዛእ’ዛ ዓለም ዝዀነ ድያብሎስ፡ ብምኽንያት’ታ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝወሰድናያ ስጋ፡ “ናተይ’ዩ፡ ምድራዊ’ዩ ኢሉ ኼትርፈና ዚጋደል ደረቐኛን ጕሒላን’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ሰማያዊ’ዩ ካብ መንፈሰይ ዝመቐልክዎ ኣካላይ’ዩ ኢሉ ካብ ኢድ ሰይጣን ኬድሕነና ዚዋጋእ ተበጃዊና’ዩ። ስጋና፡ ናብ’ታ ዘመዱ፡ ናብ ዓለም ኣድልዎ ይገብር፡ መንፈስና ኸኣ ናብ’ቲ መበቈሉ ናብ ሰማይ ኣድልዎ ይገብር። እቲ ፍርዲ ግና ናይ’ቲ ብኽልቲኡ፡ ብስጋን ብመንፈስን፡ ዝቑመ ሰብ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣሚትዎ ኸም ዘሎ፡ እቲ ኣእምሮኡ ዝጸልመተ፡ ናይ ምድራዊ ህይወት ዘመኑ ዘመን-ድንቍርና ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ነቲ ኽቡር መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ለቢስዎ ዘሎ ሕሱር ሓመድ ኬኽብር ስለ ዚመርጽ፡ ንፍትወት ናይ’ቲ ሓመዱ ይግዛእ። እቲ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝበርሀ’ሞ፡ ነቲ ሕሱር ካብ’ቲ ኽቡር ፈልዩ ኼለልይ ዓቕሚ ዝረኸበ ብልሂ ሰብ ድማ፡ ነቲ ሓመዱ ንሓመድ ዚግበኦ ኽብሪ ጥራይ ሂቡ፡ ነቲ መንፈሱ ግን ብልዑል ክብሪ የኽብሮ፡ ይግዝኦ ድማ። ስለ’ዚ እቲ ንስጋዊ ትምኒቱ ዚግዛእ ሰብ፡ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ድንቍርና ዝጠሓለ ሰብ ምዃኑ ፈጺምና ኣይዘንግዕ። ዓለም ሓላፊት’ያ። እዚ ለቢስናዮ ዘለና መሬታዊ ስጋ ድማ ሓላፊ’ዩ። ነፍሲ ወከፍና ክንዲ’ቲ ዓለም’ትጸንሖ ዓመታት ኣብኣ ብህይወት ንነብር እንተ ንኸውን’ኮ፡ ነቲ ዕሽነትናን ድንቝርናናን ብመጠኑ ምኽኑይን ቅቡልና መምስሎ ነይሩ። እቲ ናትና ስጋዊ ዕድመን ናብራን ግን፡ ይትረፍ ምስ’ቲ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ዋላ ምስ ዕድመ ናይ’ዛ ምድሪ’ውን ዝዀነ ምምጥጣን የብሉን። ንሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ብስጋዊ ፍትወትናን ትምኒትናን ክንዕንድር ኢልና፡ ንዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ምድርባይ ድንቍረና ዘይኰነ ድኣ፡ እንታይ ካልእ ድንቍርና ኪኸውን’ዩ፧ ይትረፍ ንኽብሪ ስጋና ኻብ ክብሪ መንፈስና ኣዕቢና ክንርእዮ እቲ ንስጋን ንመንፈስን ከነወዳድሮ ኢልና ምሕሳብናን ምፍታናን’ኳ፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኪፍጽሞ ዚኽእል ዝኸበደ ዕሽነት’ዩ። ስይጣን ኸኣ ነዛ ዕሽነትና’ዚኣ መዝሚዙ’ዩ፡ ናብ ከቢድ ስሕተት ዜውድቕናን ዚዕወተልናን ዘሎ። ሓደ ሰብ፡ ንወርቅን ጐሓፍን ኬወዳድር፡ “ኣየናይ ኰን ይሕሽኒ፧” ኺብል’ሞ እንተ ረኣናዮ፡ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮኡ ካብ ምጥርጣር ሓሊፍና፡ ጨርቁ ዘይደርበዮ ዕብዱ ሰብ ምዃኑ ኣይመረጋገጽናንዶ፧ ወርቂ’ውንኮ መሬታዊ ማዕድን ስለ ዝዀነ፡ ንርእሱ ሓላፍን ብላሽን’ዩ። ናይ ስጋን መንፈስን ፍልልያት ግን፡ ዝዀነ ንጽጽር ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ኣዝዩ ዓብይ’ዩ። ስለ’ዚ ብዋጋ መንፈስና፡ ንስጋዊ ትምኒትና ኸነእንግድን ክንግዛእን ክንመርጽ ከለና፡ ልክዕ ከም’ቲ ወርቂ ደርብዩ ጐሓፍ ዜልዕል ሰብ፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕብዳን ኣብ ግብ ዝበለ መንፈሳዊ ድንቍርናን ጸልማት ከም ዘለና’ዩ ዜቃልዓና።
ብስጋዊ ትምኒት ብቐሊሉ ኼስንፈናን ኪምልከናን ዚኽእል ዘሎ ግን ብኸመይ’ዩ፧ እቲ ምኽንያት፡ ስጋና ዀነ እቲ ንስጋ ዜድልዮን ዜብህጎ ኵሉ፡ ግዙፍን በቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ኽንዋስኦ እንኽእልን ምዃንና’ዩ። ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምሽታት፡ ምጥዓም፡ ምድህሳስ (ምትንካፍ)፡ እዚ ስጋና ምስ ከባቢኡ ዚዋስኣሎም ናይ ስምዒት ህዋሳት’ዮም። እቶም በዞም ህዋሳት’ዚኣቶም ክንዋስኦም እንኽእል ኵነታትን ነገራትን ከኣ፡ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብመጠኑ ኰነ ብዓይኖም ኣዝዩኦም ብዙሓት’ዮም። ብኣታቶም ተኸቢብና ኣብ ማእከሎም ኢና ንነብር። ንኣብነት ምስ ዝሙት ወይ ስስዐ ዝተተሓዘ ስጋዊ ትምኒትና እንተ ወሰድና፡ ኣንጻር ጾታና ዝዀኑ ሰባት ኣብ ከባቢና ማእለያ የብሎምን። ካብኣቶም እንርእዮን እንስምዖን፡ እንሽትቶን እንድህስሶን ብዙሕ ነገር ኣሎ። እቲ ባህርያዊ ፍትወት ከኣ ኣብ ውሽጥና ተደጕሉ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዘየቋርጽ ፈተና ኢና ንነብር። ስለ’ዚ ነዚ ስጋዊ ትምኒትና’ዚ ብዘይ ዝዀነ ገደብ ከነእንግዶ እንተ መሪጽና፡ ካብ ዝሙት ከነዕርፍ ፈጺና ኣይንኽእልን ኢና። ናብ ስስዐ ዜጽድፈና ብልዕን መስተን ገንዘብን ጥሪትን ድማ ኣብ ከባቢና ብዙሕ’ዩ። ስለ’ዚ ብብልዕን መስተን ርእስና ነበላሽው፡ ገንዘብ ጥሪትን ምእንቲ ኽንረክብን ኪበዝሓልናን ከኣ ናብ ሓሶትን፡ ስርቅን፡ ምትላልን፡ ጕቦ ምሃብን ምቕባል ካልእ ብዙሕ ዓይነት ሓጢኣት ንወድቕ። እቲ ናይ መንፈስ ድሌታትና ግን ረቂቕ ስለ ዝዀነ፡ በዚ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ብቐሊሉ ኽንዋስኦ ንኽእል ኣይኰነን። ረብሓኡ ድማ መብዛሕትኡ ኣብ’ዛ ምድሪ ዘይኰነ፡ ኣብ’ታ ሰማያዊት ሃገርና ድሕሪ ትንሳኤ ኣብ ዘሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ኢና ንረኽቦ። ስለ’ዚ ናብ’ቲ ቐረባና ዘሎን ረብሓኡ ብኡንብኡ ቐልጢፍና እነስተማቕረሉ ስጋዊ ትምኒትና ገጽና ኽንዛዝው ንቕሰብ። ናብ’ቲ ዝርኣይ’ምበር ናብ’ቲ ዘይርኣይ ከነድህብ ኣይንመርጽን። እቲ ሃዋጺ ድፍኢትን ፈተና ናይ ድያብሎስ ተሓዊስዎ ድማ ፈጺምና ባሮት ስጋዊ ትምኒትና ዄንና ንተርፍ። ነቲ ጊዝያዊ ረብሓ’ምበር ነቲ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ናይ’ቲ ምርጫና ኸም ዘይንርእይ ገይሩ ንመንፈሳዊ ኣዒንትና ብምድፋን ወርትግ ኪጻወተልና ይነብር፡ ነቲ ኸም ጐሓፍ ሕሱር ዝዀነ ስጋዊ ትምኒትና ስለ ዝመረጽና ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መወዳእታ ናብ ገሃነም ይጕሕፈና፡ እምበር ነየናይ ትምኒትና ንግዛእ ኸም ዘለና ርእስና ጽቡቕ ጌርና ንመርምር። ስጋዊ ትምኒት፡ ሰይጣን ንነፍስና ንምውጋእ ዚጥቀመሉ ኣጽዋሩ’ዩ። ኣብ ስጋና ዝተጻወደ ሕሱም መፈንጠራ’ዩ። እና’ዘናግዐ ዜዘንግዕ ረቂቕ ውዲት’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ ስጋናን ትምኒታቱን ንላዕሊ ንመንፈስናን ድልየታቱ ነኽብር። ነቲ ጊዝያውን ምድራውን ትምኒትና ቐቲልና፡ ነቲ ዘለኣለማውን ሰማያውን ትምኒትና ነንግስ። ምስ ስጋዊ ትምኒትና ውግእ’ምበር፡ ምሕዝነት ክንገብር ኣየዋጽኣናን’ዩ። ስጋዊ ትምኒት፡ ነቲ ኽቡር ተፈጥሮናን ጽውዓናን ኣይምጥኖን’ዩ። ነቲ ላዕሊ ዘሎ’ምበር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኸይንደልይ፡ ንርእስና ከይነዋርድ ተነጊሩና’ዩ’ሞ፡ ነቲ ዜኽብረናን ዚምጥነናን ክቡር ምርጫ ንምረጽ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
11 ነሓሰ 2024 | ነሓሰ 5, 2016 ግዕዝ (መበል 48 ሰንበት: ቊ.፵፰/48) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፴፬(፻፴፭)፡፮-፯ “በባሕርኒ ወብኵሉ ቀላያት። የዓርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር። ወገብረ መብረቀ ለጊዜ ዝናም።” ዓዲ፡ መዝ.፸፮(፸፯)፣፲፯-፲፰ “ቃለ ወሀቡ ደመናት አሕፃከ ይወፅኡ። ቃለ ነጐድጓድከ በሠረገላት። አስተርአየ መባርቅቲሁ ለዓለም።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 3፡15-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 2፡5-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡1-12 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 11፡27-36 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ | መዝሙር፦ ወይብሉ ኵሎሙ ሐዋርያቲሁ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ