ኤርትራዊ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ልዕሊ ሸሞንተ ቋንቋታት (እብራይስጢ፣ ዓረበኛ፣ ግሪኽ፣ ኮፕቲክ፡ ኢጣልያ፣ እንግሊዘኛ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ግእዝ) ኪዛረቡ ክጽሕፉ
“ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ [ሰምበደት]። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ሕዝብን ኣኪቡ፡ “ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧” ኢሉ ሓተቶም።” ማቴ 2፡3,4።
እምበኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ (ማቴ 25፣13) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 17 ዓመት ካብ ሓምለ 30 - ነሓሰ 02/ 2015 (ሓምለ ፳፻፯ ግእዝ)፣ ኣብ ቅድስት ማርያም ኦክላንድ (ሳን ሊያንድሮ) ካሊፎርንያ ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ Read more...
ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ ጉባኤ 2015 1. ተጠንቀቑ! ንቕሑ። ሓቛቑኹም ዕጡቕ ሓቛቑኹም ዕጡቕ መባርህትኹም መባርህትኹም መባርህትኹም ብሩህ ይኹን።
2. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር
3. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ
4. ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ንቤተክርስቲያን ዘጋጠማ ፈተናን ጽንዓት ኣመንቲ ወለድናን
5. ምዕቃብ ግእዛዊ ዜማ
6. ቃል ኪዳን
7. መዘከርታ ጸሎት መዘከርታ ጸሎት፥ ስለ እሱራት
ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ 2015 (July 30 – August 2, 2015) ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ኪካየድ እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ከምቲ ልሙድ ቀዳም ዕለት 23 ሕዳር 2013 ኣ.ፈ
“ነተን ኣባጊዑ ምስ ኣውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ የለልያ’ሞ ይስዕባኦ፡ ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን’የን።” ዮሃ 10፡4,5።
“ዝጸበቦ እንተሎ ይጸሊ” (ያዕ 5፡13) ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቤተ ክርስቲያንና ተዋህዶ ብግዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉን ትጠርዓሉን ጎደና-እምነት
“ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ዮሃ 1፡12,18።
ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ኩሉ ሓሳብናን ድልየትናን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣብ ህይወትና ማእከላይ ሰፈርን ትርጉምን ዝሓዘ ክኸዉን ኢዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ካብዘይ ምንባር ናብ ምንባር ዘሰጋገረና፡ ዘድልየና ኩሉ በብዕለቱ ዝምግበና ዝኣልየናን ንሱ ሰለ ዝኾነ። ስለዚ ኩለንትናና ናይ እግዚኣብሔር ኢና፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ንሽገረሉን ሓገዝ ኣብ ዘድልየናን ግዜ ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ነእዊ፡ ስለ ስጋዊ ህይወትና ሓገዙ ንሓትት፡ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ምረት ዝተሓወሶ ጥርዓን ነቕርብ። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያትከኣ ካብኡ ወጻኢ ረዳኢ ስለ ዘይብልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ስጋዊ ህይወትና ሓገዝን ረዲኤትን ንሓትት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እዉን ከምኡ ክንሓትት ኣገዳሲ ኢዩ።ምክንያቱ ካብ ኣምላኽ ተፈሊና እንጉዓዞ ህይወት መወዳእትኡ ናበይ ገጹ ከም ዝወስደና ስለ ዘይነፈልጥ። ብስጋ እካ ናብኡ ኣዚና ዝጠራዕና ብመንፈስ ደኣ ማዕረ ክንደይናብኡ ክንጠርዕ ዘይግብኣና።
ሰንበት 5 ጥቅምቲ 2014፡ ንዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ።
ስብከተ ወንጌል ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - Sermon from the lectern of the Church
“ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። . . .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ