ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------> ኣግዓዞ ለኣዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ይኩን---------------------------------> ፍስሓ ወሰላም።
ሽዑ እግዚአብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ። ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፣ ንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም (መዝ 78: 65-66)።
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ጳጉሜን 1 ክሳብ ጳጉሜ 5 ዘሎ መዛሙር ከምዚ ትብሎ “ ከመ እንተ መብረቅ ዘይወፅእ እምጽባሕ። ወያስተርኢ እስከ ዓረብ። ከማሁ ምጽአቱ ለወልደ እግዚአብሔር። ምስለ ኃይለ ሰማያት በንጥረ መባርቅት። ከመ መብረቅ ዘይወፅእ እምጽባሕ፡ አክሊለ አክሊላት። ዲበ ርእሶሙ ለካህናት። ትርጉሙ “ከም መብረቅ ካብ ምብራቅ ዝወጽእ፡ ክሳብ ምዕራብ ከኣ የብርህ። ምጽኣት ወዲ እግዚአብሄር። ኣብ ሰማያት ብሓይሊ ጭድርታ ክግለጽ እዩ።. . .ናይ ኣክሊለ አኽሊላት። ኣብ ርእስ ካህናት።” እዚ መዝሙር እዚ አብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝቀርብ ናይ ምስጋና ጸሎት እዩ።
ኣብ ኦሬንታል ቤተ ክርስቲያናት፡ ከም ንመዓርግ ዲቁና ዝተፈላለየ መጸውዒ ዘለዎም፡ ንመዓርግ ክህነትን ንመዓርግ ጵጵስናን’ውን መጸውዒ ስም ስለ ዘለዎም፡ ኣቐዲምና እንተ ፈለጥናዮም ክጠቕሙና ይኽእሉ እመስለኒ። መጸውዒ መዓርግ ካህናት ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም፡ ግናኸ ኣብ ሓድሕዶም ድማ ይወራረሱ እዮም። ስለዚ መዓርጎምን ኣመጸጽእኦምን ምፍላጥ ኣድላዩ እመስለኒ። ኣቐዲምና ኣስማቶም ከነቐድም ኢና ዝርዝራቶም ግና ድሒርና ከነቕርቦ ኢና።
ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት Video
ብንብዓት ዝተሰነየ መልእኽቲ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ (10 ሚያዝያ 2011) ብምኽንያት እቶም ኣብ ቀላያት ማልታ ዝሓለቑ ግዳያት ዝተገብረ ጸሎት ፍትሓት {audio}images/stories/mp3/diocese/FithatByAMekarius04102011.mp3{/audio}
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ካብ ነሐሴ 22 (ማኅበር በኲር) ክሳብ ነሐሰ 27 (አብርሃም) ዘሎዉ መዓልትታት “ዕጒለ ቋዓት ደሰያት ዓይነ ኵሉ” ይብሃል። ኣብዚ ጊዜያት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝቀርቡ መዛሙር ምስጋና ከኣ ከምዚ ይብሉ “ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ወይሁበነ እክለ በረከት። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ። ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ፡ ወይሁበነ ዝናመ በረከት። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ከሢቶ ዓይኖ፡ ሰፈሖ የማኖ ይፌኑ ሣህሎ ወበዘአእመረ ይሴባሕ፡፡ ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ ወሠርዐ ሰንበት ለሰብእ ዕረፍተ፡ ወብውህ ሎቱ ይኅድግ ኃጢአተ። ይሁበነ ዝናመ በጊዜሁ፡ዐይነ ኩሉ ነፍስ ይሴፎ ኪያከ። ይሁቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ።” ትርጉሙ “ኣብ ጊዜኡ ዝናም ይህበና(2 ) እኽሊ በረኸት ይህበና። ኣብ . . . ክረምቲ የርሑ …ምሕረት ይገብር፡ ዝናም በረኸት ይህበና። ኣብ . . . ዓይኑ ከፊቱ፡ የማኑ ዘርጊሑ፡ ይቕረ ምባሉ ይልእኽ፡ በቲ ዝፈለጠ ይምስገን። ኣብ . . . ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዐ፡ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ . . . ዓይኒ ኩሉ ነፍሲ ንዕኡ ይጽበ፡ ኣብ ጊዜኡ መግቢ ይህቦም።”
ቃል ርትዒን ምሥክርን፡
ጥርዓን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኃየንታን ውሉደ-ሰብ ዝግህስ ሕሱም ጭካኔን -፡ ማእከላይ ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዓለም-ለኸ ማሕበር-ክርስትና፡ (World Council of Churches)
ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church
ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ነሐሴ 17 ንዘሎ ዕለት ኣብ ሰንበት እተዊዒሉ “አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። ጥዕምት በቃላ ወሠናይት፡ በምግባራ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ነቢያተ ወሐዋርያተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ ወትባርክ ጻድቃነ ወሰማዕተ።አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡ በህየ ትባርክ ነገሥተ ወነጋሥያተ። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት። አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት፡” ። ማለት “መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ፡ ብልሳና ጥዕምቲ፡ ብምግባራ ሰናይ ኢያ ። ንነባያትን ሓዋርያትን ትባርኮም። ንጻድቃንን ሰማዕታትን ትባርኮም። በዚውን ንነገሥታትን ንንጉሥን ትባርኮም።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ።መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ” ተባሂሉ አብ ቤተ ክርስትያን ዝዝመር መዝሙር ምስጋና እዩ።እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 17, 2012) ሓደ ካብቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዘሎ ዓበይቲ በዓላት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕርገታ ብዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘተዀረ ተአዛዝነት አምላኽ ዘተኮረ ሓሳባት ክንኻፈል ኢና።
“ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተአመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ።” (እብ 11፡8)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ