S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።                             
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ከምቲ ልሙድ ቀዳም ዕለት 23 ሕዳር 2013 ኣ.ፈ

(፲፬ ሕዳር ፳፻፮ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝመጹ ብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያንን ምእመናን ነበርቲ ሻርሎትን፡ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ኣብ ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይ ዝተኻየደ ክቡር በዓል ብኃይሊ ሰማያዊ ኣምላኽ፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤልን ብጸሎት ኩሎም ህዝበ ክርስቲያንን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ሓጎስን ፍሉይ በረኸትን ገዲፉ ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ክብረ በዓል ታቦት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት በቲ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) መሠረት፥ በቶም ነቲ ክብረ-በዓል ከማዕርጉ ዝመጹ ክቡራን ኣቦታት ውሉደ-ክህነት እናተመርሐ፥ ጸሎተ ነግህን ስብሓታት-ማሕሌትን ብመንፈሳዊ ተመስጦ ረዳኤ ምንዱባን ሚካኤል በከመ ታለምድ ዘልፈ፡ ለረዲኦትነ ነዓ ሰፊሓከ ክንፈ! ማለት ሚካኤል ኣብ ጸበባ ንዘለው ምርዳእ ዝልምድኻ፥ ንረድኤትና ንዓ ዘርጊሕካ ክንፍኻ! እናበሉ ጣዕመ ዜማ ዘለዎ ማኅሌት ካብ 7፡30 ጀሚሮም ክሳብ ሰዓት 9፡30 ቅ/ቀትሩ ከብጽሑ ኣርፈዱ። ብድሕሪ እዚ ኩሉ ህዝበ-ክርስቲያን ዝተሳተፎ ኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን ዝመርሕዎ ጸሎተ-ቅዳሴ ተኻይዱ። ብተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ድማ ዝተፈላለየ መዝሙር ቀሪቡ። ቀጺሉውን ነቲ ክብረ በዓል ዝምልከት እዋናዊ ቃል-ኣምላኽ ግሩም ስብከተ ወንጌል ተዋሂቡ።

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሕዳር ክንዝክር ከሎና እግዚኣብሔር “ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጭቆናን መግዛእቲ ግብጽን ብረድኤት ሊቀ-መላእኽት ቅዱስ ሚካኤልን መሪሕነት ነቢይ ሙሴ ተሰንዮም፥ ካብ ሰማይ መና እናውረደ፥ ካብ ከውሒ ማይ እናውሓዘ፥ ናብታ ምድሪ ርስትን ተስፋን ዝኾነት ሃገረ እስራኤል ከም ዘእተዎም ኣይንዝግዖን ኢና። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ “ኣብ መገዲ ኪሕልወካ ናብቲ ዘዳሎኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፥ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ። ኣብ ቅድሜኡ ተጠንቀቕ፥ ድምፁ ከኣ ስማዕ። ዘጸ 23፡20ዝብል መልእኽቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦም። እምበኣር ኵላቶም መላእኽቲ ነቶም ክድኅኑ ዘለዎም ሰባት ኪኅግዙ ዚለኣኹ ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ዘለዉ መናፍስቲ እቶም። ዕብ 2፡14። ስለዚ ንሕናውን ልብና ኣንጺህና፥ ቅኑዕ መገዲ የማን ሒዝና፥ ንሕድሕድና ተፋቒርና ናብ ልዑል እግዚኣብሔር ብትሕትና እንተ ጸሊና፥ ከምቲ ንህዝቢ-እስራኤል ብተራዳእነት ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ባርነትን ከንቱ ሞትን፥ ናብ በረኸትን ሕይወትን ዘሳገሮም፥ ንዓናውን ንሕማምና ፈውሲ፥ ንሕቶና መልሲ፥ ከም ዝልእከልና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለምንታይሲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርህዎ ይሰፍር፥ ካብ ድንገት ድማ የናግፎም ዝብል ኣገዳሲ ጥቕሲ ስለ ዘሎ።መዝ 34፡7።

ስለዚ እምበኣር ሕያው ኣምላኽ ንቅዱስ ሚካኤል ልኢኹ ካብ ፈተና ኣጋንንትን ድንገትን ምእንቲ ከድኅነና ብእምነትን ጸሎትን ክንነብር መንፈሳዊ ግዴታና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። በዓለ-ንግደትና እትዉ-በሰላም ተባሂሉ ጸሎተ-ቡራኬ ምስ ተገብረ፥ ኣቦታት ውሉደ-ክህነትን ኩሉ ህዝብን ናብ ኣዳራሽ ምሳሕ ንግደት ኣምርሑ። ኩሉ ሰብ ድማ ነቲ ኣብ ደገ-ሰላም ዝተዳለወ ምሳሕ ንግደት ተመገቡ። ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓጺር  ጸብጻብ እምበኣር ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት፥ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ምስ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ብዘርኣይዎ ሠናይ ድሌትን ተወፋይነትን እንሆ ሎሚ ዘመን ንመበል 4ይ ዓመቱ እዩ ብመንፈሳዊ ኽብሪ ዝበዓል ዘሎ። ኣብ መወዳእታ ናይቲ ክቡር-በዓል ከኣ ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጎይታ! ብዝብል ጥዑም መዝሙር ብሰላም ተዛዚሙ። በዚ ኣጋጣሚ፥ ነቶም ብርሑቕ ብጸሎት ዝሓገዝኹሙና፥ ነቶም ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓልና ንምስታፍ ብኣየርን ብመካይንን፥ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩምና ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር ውሉደ-ክህነት፥ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣቦታትን ኣዴታትን፥ ብሩኻት ደቅና መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ኩልኹም ነጋድያን እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም፥ ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና እናበልና ዕዙዝ መንፈሳዊ ምስጋናና ነቕርብ።

ክብርን ምስጋናን ንልዑለ-ባሕርይ እግዚኣብሔር ይኹን!!! በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ሚካኤል ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div