S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕረ- ባይታ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ

ኤርትራዊ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ልዕሊ ሸሞንተ ቋንቋታት (እብራይስጢ፣ ዓረበኛ፣ ግሪኽ፣ ኮፕቲክ፡ ኢጣልያ፣ እንግሊዘኛ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ግእዝ) ኪዛረቡ ክጽሕፉ

ዚኽእሉ ፍሉይ ናይ ቋንቋትታት ህያብ ዘለዎም ጳጳስ እዮም። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብስነ-መለኮት ማስተርስ ዲግሪ ዝሓዙ ሊቅ እንኮ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን-ተዋህዶ እዮም። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ግብረ ዲቁናን ግብረ ክህነትን ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን፣ መዝገብ-ቅዳሴ ድማ ኣብ ደብረ ኣባይ ትግራይ ተማሂሮም። ቅኔ ግእዝ’ውን ኣጻፊፎም ዝፈልጡ ኣቦ እዮም።

ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ብ1951 ዓ.ም ኣብ ግብጺ ኣብ ደር ሶርያን ዮሓንስ ከማ ዚበሃል ገዳም ኣትዮም ብምንኵስና እናገልገሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ1959 ዓ.ም. ብናይ ስነ-መለኮት ዲግሪ ተመሪቖም። ብ1960 ማኅደረ ትምህርቲ (scholarship) ረኺቦም ናብ የሩሳሌም ድሕሪ ምኻድ: ኣብ 1964 ዓ.ም ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቖም። ብ1959 ዓ.ም ኣቡነ ባስሌዎስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ሓበሻ ኣብ ዝተመርጽሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ግብጺን ሓበሻን ንዝተገብረ ስምምዕ ዋና ተርጓማይ ኮይኖም ኣገልጊሎም። ብናይ ሃጸይ ኃይለ-ሥላሴ ሕቶ ድማ ዕላዊ ወኪል  ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ኮይኖም  ኣገልግሎ ተመደቡ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፣ ብ1962 ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ጉባኤ ንቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ወኪሎም ተሳቲፎም። ከምኡውን ብ1965 ኣብ ሌጎስ ዝተገብረ ጉባኤ፣ ወኪል ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ኮይኖም ተሳቲፎም።

ኣመሓዳርን መምህርን ቅ-ሥላሴ-መንፈሳዊ-ኮለጅ ኮይኖም እናኣገልገሉ ኮለው ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ቀጺሎም። ግና ብመጸዋዕታ ንጉስ ኃይለ-ሥላሴ ብ1967 እንደገና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመልሱ። ብሓደ ወገን መምህር ኮለጅ ቅ.ሥላሴ (comparative Theology)፡ በቲ ካልእ ድማ ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን-ኣማኑኤል ኮይኖም ክሳብ 1974 ዓ.ም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።

ናይ ፖለቲካ ጸገማትን ተጽዕኖታትን ምስ በዝሖም ግና ብ1975 ኣብ ጉባኤ-ኦሬንታል-ኣብያተ ክርስቲያናት ንምስታፍ ንኣውስትርያ ምስ ከዱ፡ ደጊም ኤርትራዊ እየ ኢሎም ኢዶም ሂቦም ናብ ኣሜሪካ መጺኦም። ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ መጀመርታ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ወጻኢ ብቋንቋ ግእዝን ትግርኛን እንግሊዝኛን ኣገልግሎት ጀመሩ። ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ (ኣሜሪካ) ድማ መጻሕፍቲ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ እናተርጎሙ ብቋንቋ ትግርኛ ቅዳሴ ጀመሩ።

ኣብ ጊዜ ቃልሲ ኤርትራ፡ ማዕርገ ክህነቶም ለቢሶም ኣብ ዝተፈላለየ ንትፈታት ምእንቲ ሃገሮም ኣብርክቶኦም ቀጸሉ። ኣብ 1985፡ ፈላሲ ኮይኖም ንጥይትን ካልእ ነገርን እኳ ከዋጽኡ እንተ ዘይከኣሉ፡ ኣብ በረኻ ብምኻድ፡ ውጉኣት ብምጽንናዕ ኣበርክቶ ገበሩ። "ሩዝበል ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ውግእ መሪሑ ተዊቱ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ዋላ ትፈትውዎ ኣካልኩም እንተሃብኩም ኣዴኹም ኣይትጸግበኩምን እያ ብዙኃት ሩዝበላት ክትኮኑላ ኢኹም" ኢሎም ዘጸናንዕዎም ብብዙኃት ይጥቀስ እዩ። ጥይትን ብረትን ከወፊ ኣይግብኣንን ብምባል ድማ፡ 18300 መራፍእ፡ 7303 ትቦ ናይ ፈትሊ፡ ክዳን እንተ ተቀደደኩም ትልግብሉ፡ እሾኽ እንተ ወግኣኩም ትነቕስሉ፡ ብምባል ወፈዩ።

20 ግንቦት 1991 መዓርግ ጵጵስና ተቐቢኦም ጳጳስ ዲበ-ኩሉ (General Bishop) ናይ ሓበሻ ምእመናን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ተባሂሎም ተሾሙ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ምስቲ ዝነበሮም ህርፋን ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ መስከረም 1991 ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዋና ኣመሓዳሪ ቤ.ክ. ኮይኖም ከገልግሉ ጀመሩ።

ምስቲ ዘለዎም ተሞክሮን ናይ ቋንቋ ክእለትን  ብ1994 ናይ ወጻኢ ርክባትን ዝምድናታትን ሓላፊ ኮይኖም ተመዲቦም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ። ብ1995 ዝሽየሙ ሓደሽቲ ሓሙሽተ ጳጳሳት ሒዞም ንግብጺ ብምኻድ ን4 ወርሕን ፈረቓን ኣብ ገዳማት ኣብ ዕጽዉ ቤተ ትምህርትን ገዳማትን ምሂሮም ናብ ሃገር ተመልሱ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን-ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ፓትርያርክ ንኽህልዋ ድማ ልዑል ተራ ዘበርከቱ ጳጳስ እዮም። ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሥራቲ ሓዲሽ ሲኖዶስ ኤርትራን ኣባልን እዮም ከምኡውን ኣባል ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ እዮም።

ብ1997 ዳግማይ ናብ ግብጺ ተሰዲዶም፡ ኣብቲ ዝተሾሙሉ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናተዘዋወሩ ንምእመናን ብቋንቋ እንግሊዝኛ፡ ትግርኛ፡ ዓረብኛን ኣገልግሎት ኪህቡ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ብ26 መስከረም 2009 ዓ.ም ድማ በቲ ዝተቐብኡሉ መዓርግ ጵጵስና ነቲ ብሕጋዊ ቀኖናን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ዝኸይድ ኣብ ትሕቲ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመሓደር፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ሃገረ ስብከት ጳጳስ ኮይኖም ኣገልግሎት ጀሚሮም ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ሊቅ ኣቦ ብምርካብና እዚ ንህዝብና ከነበሥር ሓጎስ ይስምዓና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div