S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ ኣበይ’ዩ ዚውለድ፧ [መበል 18 ሰንበት: ቊ.22 -፳፪ ]

ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ [ሰምበደት] ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍቲ ሕዝብን ኣኪቡ፡ክርስቶስ ኣበይ ዚውለድ፧ኢሉ ሓተቶም።ማቴ 23,4

 እዚ ሕጂ ዘለናዮ ወቕቲ፡ ንጾመ-ነብያት ብረድኤት ኣምላኽ ኣሕሊፍና በዓለ-ልደት እነብዕለሉን፡ ብመንጽር ልደት ክርስቶስ ርእስና እንምርምረሉን እነማእዝነሉን ቅንያትዩ። እቲ ቓሉ ዘይዓጽፍ፡ ንዅሉ ግብሩ ድማ ብምዱብ ጊዜ ዚገብር ልዑልን ከኣል-ኵሉን ኣምላኽ፡ ነቲ ኻብ ገነት ኤድን ኣትሒዙ ባዕሉ ዀነ ብቕዱሳን ነብያቱ ዘተስፈዎ ንልደት መድሓኒና ኢየሱስ ዚምልከት ኵሉ ተስፋታቱ ዝፈጸመሉ ኽቡር ቅንያት ክንዝክርን ከነብዕልን ስለ ዘብቅዓና፡ ክብርን ምስግናን ውዳሴን ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። እቲ ንዓለምና ዘናወጸን ሕይወት ኣእላፋት ዝቐዘፈን ፌራ ብሰላምን ብሕይወትን ኣሕሊፍና ነዚ ኽቡር ቅንያት ኸነብዕል ብምብቃዕና ድማ፡ ንእግዚኣብሔር ሓለፋ ኽብርን ምስጋናን ክንህቦ ይግብኣናዩ።

እዚ ቅዱስ በዓል ልደትዚ፡ ንኣምላኽ ዚኣምን ኰነ ዚኽሕድ ኵሉ ዜብዕሎ፡ መንፈሳዊ መኣዝኑ ዝሰሓተ በዓል ዀይኑ ዘሎ። ናይብላዕ-ስተ ናይ ዕብዳንን ዳንኬራን ባህሊ ውሒጥዎ፡ ካብ ናይ ክርስቶስ በዓል ንላዕሊ ናይ ሰይጣን በዓል ናብ ምምሳል ተለዊጡ ኣሎ። እዚ ንክርስቶስ ኣርሒቑ ዘግለለ ኣገባብ ኣበዓዕላ ልደት ክርስቶስ፡ ነቲ፡ክርስቶስ ኣበይ ዚውለድ፧ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ግቡእ መልሲ ካብ ዘይምሃብና ዚነቅልዩ። ነቲ ንልደት ክርስቶስ ከም ሓደ ሕሉፍ ታሪኽ ዚርእዮ ሰብ፡ እዚ ሕቶክርስቶስ ኣበይ ተወሊዱ፧ናብ ዚብል ሕቶ ተለዊጡዩ። ስለዚ ድማ ኣካይዳ ሕይወቱን ኣከባብራ በዓሉን ዚምርምረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። እቲ ንክርስቶስ ከም ሕሉፍ ናይ ታሪኽ ሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ህሉውን ህያውን ንጉስ ናይ ሕይወቱ ገይሩ ዚርእዮ ግን፡ ልደት ኣብ ሕሉፍ ዘመን ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣብ ቊሸት ቤተ ልሄም ዝተፈጸመ ኽስተት ዘይኰነስ፡ ኣብ ልቡ ኣብ ውሽጡ ዝተፈጸመን ዚፍጸምን ነባሪ ኽውንነት ኰይኑ ዚነብር። ልደት በዓሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ዕለታዊ ናብራኡዩ። ንሕና እምበኣር፡ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስቲያን ህዝቢ መጠን፡ ንልደት በቲ መንፈሳዊ መልእኽቱን ትርጒሙንምበር፡ በቲ ዓለምን ዓለማውያንን ዜብዕልዎ መገዲ ኸነብዕሎን ክንነብሮን ከም ዘይግብኣና፡ ኪስሓት ዘይብሉ ርዱእ ሓቂዩ።

እዚ ሕቶኣዊ ኣርእስትና ዘይምልከቶ ሰብ ደኾን ይህሉ ይኸውን፧ ነብያት ንእስራኤል ጥራሕ ስለ ዝተነበዪላ፡ እቶም ካልኦት ኣሕዛብ ብዛዕባ ልደቱ ዚነግሮም ስኢኖም ደዀን ይዀኑ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዚጽበይዎ ዝነበሩ እስራኤላውያን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቶም ንጣኦታት ዜምልኹ ኣሕዛብውን ዝተወልደ። ስለዚ ድማ ነቶም ሰብ ርሑቕ ምብራቕ ዝዀኑ፡ ስግለት ከዋኽብቲ ዜጽንዑን ብእኡ ዚምርሑን (astrologers) ተገልጸሎም። ነብያት ስለ ዘይነበርዎም በቲ ዚኣምኑሉን ዚምርሑሉን ጥበቦም ገይሩ፡ ንጉስን መድሓንን ከም እተወልደሎም ሓበሮም። እቲ ትእምርቲ ክርስቶስ ዝዀነ ኰዀብ ድማ ካብ ሃገሮም መሪሑ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብጽሖም። እቲ ብትንቢት ዝተነግረ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ እቲ መራሒኦም ኰዀብ ተሰወረ። ብዛዕባ ንጉስ ኣብ እንዳ ነገስታት ስለ ዚሕተት ድማ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ንጉስ ሄሮድስ ከዱ። ሰሚዕዎን ተጸብይዎን ዘይፈልጥ ነገር ምስ ሰምዐ ድማ፡ ሄሮድስ ኣዝዩ ሰምበደ። ኣብ እስራኤል ዝነገሱ ኵሎም ሄሮድሳት፡ ኤዶማዊ መበቈል ዘለዎም ካብ ሶርያ ዝመጹ፡ እምነት ኣይሁድ ዝተቐበሉ፡ ብሮማውያን ቄሳራት ዝተሾሙ ነገስታትዮም ዝነበሩ። ስለዚ ድማ ሕቶ ናይቶም ሰብ-ጥበብ (ሰብኣ-ሰገል) “ካብ ዝፋንኩም ዚዓልወኩም ንጉስ ኣብ ማእከልኩም ተወሊዱልኩምዚብል መርድእ ከም ዝሰምዑ ዀይኖም ሰምበዱ። ኢየሩሳሌምውን ምስ ሄሮድስ ሓቢራ ሰምበደት። ናይ ጥዕና ሕቶ ደኣ ኣይኰነንምበር፡ ሄሮድስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ሓተተ። መንፈሳዊ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ነዚ ሕቶ እንተ ዚሓትት ብዙሕ ዚረብሕ። ነቲ ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነት ዘሎ ግና፡ እዚ ሕቶ ሰላም ስለ ዘይህቦ ኣንጻር ክርስቶስ ኪለዓል ዚደፋፍኦ። ነገስታት ምድሪንጉስ ተወሊዱዚብል ወረ ንምንታይ ብርቱዕ ሰምባድ ከም ዚፈጥረሎም ርዱእዩ። እታ ኣብ ትሕቲ ባርነት ሮማውያን ዝነበረት፡ ምምጻእ ናይቲ መሲሕ ኢየሱስ እትጽበ ዝነበረት ኢየሩሳሌምከ ንምንታይ ሰምበደት፧ ብዛዕባ ኰዀብ ዝተነግረ ትንቢት ነይሩ ደዀን ይከውን፧ ኣብ መወዳእታ ነቲ ንጉስ ሒዛ ዝቐተለት ኢየሩሳሌም ምዃና ምዝካር፡ ኣብ ልደቱ ዘሰምበዳ እንታይ ምዃኑ ክትርዳእ ይሕግዝዩ።

እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ወጺኦም ናብታ ምድሪ ተስፋ እናተጓዕዙ ኸለው፡ ናይ ሞኣብ ንጉስ ንኣታቶም ዚረግም ሓደ ነብዪ ኺዓስቡ ይጋደሉ ነበሩ። እዚ ኻብ ወገን ኣሕዛብ ዝዀነ ነብዪ ኺረግም እናተወናወነ ኸሎ ግና፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ኪምርቕን ኪንበን ኣገደዶ። ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ድማ ተነበየ።

ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡እቲ ክፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡ <እቲ ቓል ኣምላኽ ዚሰምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዚፈልጥ፡ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ራእይ ዚርኢ፡ እቲ ዚወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዚኽፈታሉ፡> ከምዚ ይብል፡እርእዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣሎኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንዅሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም። ኤዶም ርስቲ ኪኸውን እዩ፡ ሰዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኽትከውን እያ፡ እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኺገብር እዩ። ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኺወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸኣ ኻብታ ኸተማ ኺወድኦ እዩ።ንኣማሌቅ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ኣማሌቅ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ እዩ፡ ዳሕራዩ ግና ንጥፍኣት እዩ። ናብ ቄናውያን ርእዩ ኸኣ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ እትነብረሉ ጽኑዕ እዩ፡ ቤትካ ኸኣ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ ኣሎ። እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዚማርኸካ፡ ቃይን ኪዖኑ እዩ። ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ወይለይ፡ እግዚኣብሔር ነዚ ምስ ዚገብርሲ፡ መን ኮን ብሕይወት ይነብር፧ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ፡ ንዔብርውን ኬጨንቓ እየን። ንሱ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ። በላዓም ድማ ተንሲኡ ኽደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ።ዘሁ 2415-25

እዚ ኰዀብ እዚ ነዞም ሰብ ጥበብ ካብ ርሑቕ ምብራቕ መሪሑ ናብ ኢየሩሳሌም ዘምጽኦም። ጐይታና ድማ እቲ ኻብ ሱር ዳዊት ዝዀነ ኰዀብ ጽባሕ ንሱ ምዃኑ፡

ኣነ ኢየሱስ፡ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ አሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ፡””

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ1 ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ጠፈር ዚነብሩ ብርሃናውያን ፍጥረታትዮም። ናይዚ ዘለናዮ ኽፋል ጠፈር ዝደመቐት ኰዀብና ድማ ጸሓይያ። ክርስቶስ ጐይታና ብኰዀብ ዝተመሰለሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኻብ ኵሎም ከዋኸብቲ ዚበርህ ብርሃንና ስለ ዝዀነዩ፡ ንሱ ባዕሉ ብርሃን ዓለም ምዃኑ ተኣሚኑ ኣሎ2 ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትንውን ጸልማት ኪሕዞ ዘይክእል ብርሃን ናይ ዓለም ንሱ ምዃኑ መስኪሮምሉዮም3፡፡ እዚ ኰዀብ ጽባሕ ኸምቶም ካልኦት ግኡዛን ከዋኽብቲ፡ ኣብ ጠፈር ተንሳፊፉ ኣካላዊ ብርሃን ዚህብ ኣይኰነን፡ ናብ ውሽጢ ልቢ ኣትዩ ዜብርህ ኰዀብ ደኣዩ። እቲ ንሰብኣ-ሰገል ዝመርሐ ትእምርታዊ ኰዀብ ኣብ ሰማያት ተራእዩ። እቲ ሓቀኛን ብሩህን ኰዀብ ጽባሕ ግን ኣብ ልቢ ሰብ ኣትዩ ዜብርህዩ። ነዚ ሓቂ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ አሎና፡ ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ አሎኹም።” 2ጴጥ 119

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ኣብ ልቢ ዚወጽእ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕዩ። ነቲ ንዓለም ብእምነት ዚስዕራ ክርስቲያን ዚወሃቦ ዝዓበየ ክብረትን ስልማትን ድማ ንሱ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕዩ።

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንኢየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧” 1ዮሃ 54,5

እቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣሕዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።ራእ 226,27

እቲ ንልደት በቲ ሓቀኛ ትርጉማ ብኽብሪ ዜብዕላን ዚነብራን ድማ፡ እቲ ብእምነት ንዓለም ብምስዓሩ፡ ነቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዝተቐበለ ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቡ ዘይተቐበለን ዘየብርሃሉን ሰብ ግና፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ፡ ንርእሱ ጸልማትን ወዲ ጸልማትን ስለ ዝዀነ፡ ክርስቶስን ልደቱን ኣይብጽሕዎንዮም። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ስለ ዘይተወልደን ስለ ዘይረኸብናዮን ኢና፡ ካብ ዕዳጋ ጽሕዲ ልደት ዓዲግና ብእልፊ ከዋኽብትን መብራህትን ከነከሓሕሶ ንጋደል ዘለና። ዘመነ-ትእምርቲ ኣብቂዑስ ናብ ዘመነ-ክዉንነት ኣቲና ኢና። ስለዚ ነቲ ሓቀኛ ኰዀብ ኣብ ልብና ኣብሪህናምበር፡ ንእኡ ምልክት (ትእምርቲ) ዚኸውን ሰብ-ሰርሖ (ኣርቲፊሻል) መብራህትን ከዋኽብትን ከነዳሉ ኣየድልየናንዩ። ከምቶም ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምስ ስኣንዎ፡ ብሰብ-ሰርሖ ጣኦታት ዚትክእዎ ኣሕዛብ ኣይንኹን። ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ዝተወለድና ደቂ ኣምላኽ እንተ ዄንና፡ ንዓለም ብእምነትን ብግብርን ብምስዓር እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብና ኸም ዝወጸን ከም ዝተወልደን፡ ንርእስናን ንዚዕዘበና ዅሉን ብግብሪ ነረጋግጽ። ኣብቲ ዘንበብናዮ ናይ ራእ 226,27 ጥቕሲ ከም ዝተገንዘብናዮ፡ እቲሰዓሪዚበሃል፡ እቲግብረይ ክሳዕ መወዳእታ (ናይ ሕይወቱ) ዝሕሉብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ ክርስቶስ ግብሪ ገዲፉ፡ ናይ ውልቁ ግብሪ ዚገብር ሰብ ስዑርምበር ሰዓሪ ኺበሃል ኣይበቅዕንዩ። ግብሪ ክርስቶስ ኪገብር ዚኽእል ድማ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ምሉእን ሓቀኛን እምነት ዘለዎ ጥራሕዩ። ክርስቶስ ናብ ልቡ ኣትዩ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኰይኑ ዜብርሃሉን ብርሃን ዓለም ዚገብሮን ድማ ንእኡ ጥራሕዩ።

ወዲ ሰብ፡ ስጋ-ለበስ ፍጥረትዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ከኣ ስጋና ብርሃን ዘይብሉ ጸልማት ኰይኑ ተሪፉ። እዚ ጸልማት ዝዀነ ስጋና ድማ ግብሪ ጸልማት፡ ግብሪ ስጋ ጥራሕምበር ግብሪ ብርሃን ኪገብር፡ ኣጽዋር ብርሃን ኪዕጠቕ ኣይክእልን4 ስለዚ ድማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡

ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሓጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።

ብምባል ዝመዓደናን ዝመሃረናን5 ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ምዃን ዚልውጠና፡ እዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕዩ። ጐይታና ነቶም ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቦም ሰፈር ዝሃብዎ ደቀ መዛሙርቱ፡ ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁንዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።”  ኢልዎም ኣሎ6 እምበኣር እቶም ብርሃን ዓለም ኪዀኑ ዝተዓደሉ ሰባት፡ ንብርሃኖም ብጽቡቕ ግብሮምዮም ንሰባት ዜርእይዎም።

በታ ልደቱ ምፍላጥ ጥራይከ ኣኻሊ ድዩ፧ እንታይ ሓደጋኸ ኣለዎ፧ እቶም ንኣምላኽ ብቕዱሳት ጽሑፋትምበር ብግብሪ ዘይፈልጥዎ ሊቃውንቲ ኣይሁድ፡ ሄሮድስክርስቶስ ኣበይ ዚውለድ፧ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ንጽሑፋት ነብያት ተወኪሶም፡ኣብ ቤተ ልሄም ናይ ኣውራጃ ይሁዳ ዚውለድኢሎም ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታዮም ዝሃብዎ። ቤተ ልሄም ይሁዳ ግና፡ ንክርስቶስ ስለ ዘይተቐበለቶ፡ ሰብ ቤተ ልሄም ንልደቱ ኪኸውን መብልዕ-ማልምበር ገዝኦም ኪህብዎ ኣይፈቐዱን። ምስ ሰብ ዘይኰነስ፡ ምስ እንስሳታት ኪሰርዕዎዮም መሪጾም። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ከም እንስሳ ኺሕረድ ተፈርዶ። ካብዛ ፍርዲዚኣ ምእንቲ ኸይመልቚ ኸየምልጥ፡ ኣብ ቤተ-ልሄምን ከባቢኣን ዝነበሩ ትሕቲ ኽልተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን ቈልዑትን ብዘይ ምሕረት ተሓርዱ። ዓለምን እቶም ግብሪ ጸልማት ዝግብሮም፡ ጸልማት ዝመንነቶም ሰባትን እዚ ንክርስቶስ ኣብ ልደቱ ዝቐረቡሉ ህያብ። ኣብ ልደቱ ኸም ዘምለጦም ምስ ኣረጋገጹ ድማ፡ እቲ ብርሃን ሰላም ስለ ዝኸልኦም፡ ኣብ መበል ስላሳን ሰለስተን ዓመቱ፡ ህዝብን ኣሕዛብን ተኣኪቦም፡ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን፡ ምስ ሮማውያንን ሄሮድሳውያንን ተሓባቢሮም፡ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ፡ ከም ገንሸል ድማ ሓረድዎ። ስለዚ ከኣ፡ገንሸል ፋሲካና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡተባህለልና7 ሕጂውን ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ኰይኑ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ኣብ ሰማያት ኰይኑ ይዕዘበናን ይጽበየና ኣሎ8 ዓለምን እቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉን፡ ንጸልማት መንነቶምን ግብሮምን ኪገብርዎ ዝመረጹ ሰባት፡ ኣብ ልደቱ ዀነ ኣብ ፋሲካኡ ዝቐረቡሉ ህያብ ነቲ ብርሃኑ ኬጥፍኡን ኪድምስሱን ምፍታኖም ጥራሕዩ። ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ሰባት፡ ብርሃነ ልደቱ ዀነ ብርሃነ ትንሳኤኡ ዓቕሎም ዜጽብበሎም። ምኽንያቱ ብርሃኑ ነቲ ናይ ጸልማት ግብሮምን መነንቶምን እናቐልዐ ስለ ዜሸግሮምዩ። ናብ የማን ኣቦ ዓሪጉ ኼረኻክቡሉ እንተ ኣጸገሞም ድማ ነቶም ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኰይኑ፡ ኣብ ልቦም ዜብርሃሎም ዘሎ ክርስቲያን ደቁ ኬጥፍእዎምን ኪቐትልዎምን ክሳዕ ሕጂ ክሳዕ ዕለትዚኣ ዚከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኣለዉ። ሓዋርያ ጳውሎስ፡ ገና ሳውል ከሎ፡ ነቶም ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቦም ሒዞም ብርሃን ዓለም ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኼሳድድ ይግስግስ ኣብ ዝነበረሉ፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ መገዱ ተጓኒፉ ብብርሃኑ ደጒሑ፡ ናብ ምድሪ ጻሕ ኣቢሉ ኣውደቖ።ሳውል፡ ሳውል ንምንታይ ትሰጒጐኒ ኣለኻ፧ኢሉ ድማ፡ ግብሩ ኣግሃደሉ። ሳውል ነቶም ብርሃን ወንጌል ብስብከቶምን ብሕይወቶምን ዜብርሁ ሰባት ኬሳድድ ከሎ፡ ንሰብ እምበር ንኻልእ የሳድድ ከም ዘሎ ኣይፈለጠን። እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኢየሱስ፡ በቲ ብርሃናዊ መንነቱ ተገሊጹ፡ንምንታይ ተሳድደኒ ኣለኻ፧ምስ በሎ ግና፡ ምስ መን ይገጥምን ይበኣስን ከም ዘሎ ተጋህደሉ።ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ኢሉ ምስ ሓተተ ድማ፡ኣነ፡ እቲ ንስኻ እትሰጒጎ ዘለኻ ኢየሱስየ፡ዚብል ንጸልማቱ ዝቐንጠጠ ንርእሱውን ናብ ብርሃን ዝለወጦ መልሲ ረኸበ9 ሳውል፡ ምስጢር ሕይወት ጽቡቕ ገይሩ ኸም ዝተገልጸሉ ዝተጋህደ፡ ብዓይነት ናይቲ ዘቕረቦ ሕቶዩ። ነቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እተዕግቦ፡ ንስኻ ድማ ነቲ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልብኻ ከም ዝተቐበልካዮ እተረጋግጽ ሕቶጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደልይ ኣሎኻእትብልያ። እቲ ነዛ ሕቶዚኣ መልሲ ዝረኸበ ሰብዩ፡ ናይታክርስቶስ ኣበይ ዚውለድ፡እትብል ሕቶ ሓቀኛ መልሲ ዚረክብ።

እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኪወጸለይዝተባህለሉ ኣካላዊ ልደት ቅድሚ 2013 ዓመት (2020) ኣብ ቤትልሄም ተፈጺሙ ኣብቂዑ10 እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቢ ሰብ ዚወጻሉ ጊዜ ግን መዓልታዊ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ልቢ ሳውል ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ ሰላሳታት . ተፈጺሙ። ኣባናኸ መዓስ ኰን ተፈጺሙ ይኸውን፧እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ዝዀነ ክርስቶስ ኣበይ ዚውለድ፧ንዚብል ሕቶ እንታይ ዚብል መልሲ ዀን ንህብ ንህሉ፧ ኣዘንተውቲ ታሪኽ ጥራሕ ዲና፧ ወይስ ታሪኽ ናይቲ ብሩህ ኰዀብ ኣባና ይስራሕ ኣሎ፧እቲ ብርሃናዊ ኰዀብ ኣብ ልበይ ተወሊዱስ ንኣይውን ብርሃን ዓለም ገይሩኒዚብል ታሪኽ ሕይወት ደዀን ይህልወና ይኸውን፧ ወይስ ኣብ ጸልማት ተቐሚጥና፡ ግብሪ ጸልማት እናኣዘውተርና፡ ንርእስና ጸልማት ኴንና፡ ልደት ክርስቶስ ግና ብሰብ-ሰርሖ (ኣርቲፊሻል) ብርሃን ነብዕሎ ኣለና፧ ከምቶም ነዚ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ዝኣተዋን ዝተወልደላን ልቢ እናኣተና ኻብኣ ኸነውጽኦ፡ ኣብ ሰባት ንዝረኣናያ ብርሃኑ ኸነጥፍእ እንጋደል ሰባት ዲና፡ ወይስ ነዛ ብርሃናዊት ኰዀብ ጽባሕ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ከተብርህ ዚጋደሉ ናይ ብርሃን ልኡኻት ኢና፧ ልደት ክርስቶስ መንነትምበር በዓል ኣይኰነን። ብርሃን ኴንካ ዚበዓል እምበር ሽምዓ ወሊዕካ ዚበዓል በዓል ኣይኰነን። ነቲ ንጸልማትካ ኼብርህ ዚጋደል ዘሎ፡ ኣብ ኣፍ ልብኻ ዀይኑ እናዃሕኵሐናብ ልብኻ ኣትየ ኸብርሃልካን ከብርሃካን ፍቐደለይዚብለካ ዘሎ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ ልብኻ ብምኽፋት፡ክርስቶስ ኣብ ልበይ ዚውለድእናበልካን ከምኡ እናገበርካን ኣብዕሎ!!

ቃለይ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ጥሪ 2, 2013 ግዕዝ (10 ጥሪ  2021)  - መበል 18 ሰንበት: ቊ.22 -[፳፪]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

ሮሜ 1125-ፍጻ

1ዮሃ 41-9

ግብ 717-23

ማቴ 21-13

ዘእግዚእነ (ነአኵተከ)

መዝ 88(89)፡27,28

“ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም ኣዐቅብ ሎቱ ሣህልየ”

“ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ”

1ራእ 22፡16 2ዮሃ 8፡12፣ 12፡35,36፣ 3፡19 3ዮሃ 1፡4-9፣ ኢሳ 60፡1,17-20:4ሮሜ 7፡14-24 5ኤፌ 5፡8-10 6ማቴ 5፡14-16 71ቈረ 5፡7 8ራእ 5፡6:9ግብ 9፡1-7 10ሚክ 5፡2፣ ሉቃ 2፡1-5

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div