መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ - ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 30 ሓምለ -2 ነሓሰ (30 July-August 2) 2009 ዓ.ም ኣብ ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን፡ ኣመሠራርታኡን
ድሕሪ ናጽነት ሃገርና: ነቲ ብስደት ምኽንያት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ዝነብር ህዝብና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተባሂሉ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ምልኣኽ ቀልጢፋ እያ ጀሚራቶ።
ብዕለት የካቲት 10/2005 (3 የካቲት 1997) ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክምደቡልና፡ ክሳዕ ዝምደብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኑ ክካየድ፡ ብደብዳቤ ምጽሓፍና ዝዝከር እዩ።
7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ንዕለት 28-31 ሓምለ (July) 2005 ዓ.ም ኣብ ግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ እንጦንዮስ ሀይ-ዎርድ ካሊፎርንያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ምእመናን: ኣቐዲሞም ምድልዋት ክገብሩ: እንተተኻኢሉ ድማ ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉባኤ እዚ ከሕልፍዎ ንላቦ። ንዓበይ ቲ ዝኸውን ዝትፈላለ ስብከት: ትምህርተ ወንጌል: ትምህርትን ሰሚናራትን ክወሃብ እዩ:: ከምኡውን ኣብ ጥዕና: ማሕበራዊን ቁጠባውን ንምእመናን ዝሕግዝ ምስ ባህልናን እምነትናን ዝሰማማዕ ሰሚናራት ክወሃብ እዩ። ብተወሳኺ መዓልታዊ ንንኣሽቱ ዝኸውን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ትምህርትታት ተዳልዩ ኣሎ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ