S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያንና -2007-10-04

ናብ:- ኩሎም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን  ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ነቲ ቀኖና (ሕጊ) ቤተክርስቲያንና ዝጠሓሰ ኣብ ሊዕሊ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተውስደ ዘይሕጋዊ ምውራድ  ኣጥቢቕና ከምዝተቓወምናዮ
ብተደጋጋሚ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና፡፡ ሕጂውን ንኹንኖ ኣለና፡፡ ነዚ ንዘመናት ተኸቢሩ ዝጸንሐ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ቀኖና (ሕጊ) ቤተክርስቲያን ምዕቃብን ናብ መጻኢ ወለዶ ምምሕልላፍ ድማ ሓላፍነትና እዩ። ነዚ ምፍራስ ስርዓት እዚ እናረአኻ ከምዝይረኣኻ ምሕላፍ ኣብ እምነት ተዋህዶ ጎደሎ ትምህርቲ ምምሕልላፍ ጥራይ ዘይኮነስ ክሕደትውን እዩ። ምኽንያቱ፣ ከም ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘቖመና ሓደ ረቛሒ ካብ ኣቦታት እናተመሓላለፈ ዝጸንሐ ንእምነትና ዝሕሉን ዘጽንዕን ቀኖና ቤተክርስቲያንና ስለዝኾነ እዩ።
 

ከምዝፍለጥ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ቤተክርስቲያንና ህላዌኣ ተፈሊጡ ማዕረ እተን ኣሕዋታ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ተሰሪዓ። ከምቲ ብገለገለ ብሰሪ ኣፍልጦ ምስአን ወይውን ኮነ ኢልካ ሰብ ንምድንጋር ዝዝረብ ኣብ ትሕቲ እስክንድርያ ወይ ግብጺ ከምዝኾንና ዝገልጽዎ ዘይኮነስ፡ ቤተክርስቲያንና ማዕረ ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን እያ። ኣብ ትሕቲኣ እትኾነሉ ምኽንያት ዋላሓደ የለን። ከም ኣሕዋት ብእምነት ግና ምስ ኩለን ብእምነት ንዓና ዝመስላ ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን ኣብ ኩሉ ናይ እምነት ኣገልግሎትና ምትሕግጋዝን ሕብረትን ክንገብር ሕጂ ብንኡስ ሃገረስብከት ዝተጀመረ ዘይኮነስ ሕጊ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ኣቐዲሙውን ኣብ መንጎ ናይ ኤትራን ናይ ግብጽን ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝተገብረ ስምምዓትን ዝነበረ ዝምድናን መቐጸልታን እዩ። ውዕል ኣብዚ ተመልከት

ሕቶ ንኡስ ሃገረስብከት ሰሜን ኣመሪካ ስርዓት ቤተክርስትያን ስለ ስለ ዝተጋህሰ ጥራይ እዩ። ኣብ ታሪኽ እምነት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ስሕተታት ክፍጸሙ ጸኒሖም እዮም። ንኣፈታትሖኦም ዝምልከት ግን ንኹሉ ኣማኒ ክፉት ዝኾነ ክትዓት ተጌርሎም መዕለቢ ረኺቦም ጥራይ ዘይኮነ ንወለዶታት ክነመሃረሎም ዝጸናሕና ፍጻሜታት ተሰኒዶም ይርከቡ። ኣብ ልዕሊ ፓትሪያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተወስደ ውሳኔ ንቤተክርቲያንና ካብ መዛኑኣ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ዝፈለየ ዘሕፍር ተግባር ዘኽስስ ነገር ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነ ፈራድን ከሳስን ዘይፍለጥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያንና ተራእዩ ዘይፈልጥ ፍጻሜ እዩ። ሕጂ ኣብ እዋንና በጺሑ ተዓቢጡ ዝኸይድ ጉዳይ እምነትና እንታይ ገበን ስለ ዝተረኽቦም እዮም፤ እዚ ሕቶ እዚ ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘልዕሎ ዘሎን ከልዕሎ ዝግባእ ሕቶን ኸኣ እዩ። እቲ ሕቶ ፓትርያርክ ካብ መዓርጎም ንምውራድ ዝተገብረ ከም ሕጊ ቤተክርስቲያንናን ሕጊ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝተኸተለ ድዩ፤ ኣማሓዳሪ ሲኖዶስን ወኣማሓዳሪ ቤተክርስቲያንናን ተራ ምእመን ክኸውን ሕጊ ቤተክርስቲያንና የፍቅድ ድዩ፤ ስለምንታይ ቤተክርስቲያንና ካብ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ተነጺላ

ነዘን ሕቶታት እዚአን ከም ስርዓት ቤተክርስቲያን ብግቡእ ክምልስ ዝኽእል ኣካል ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን። ንሕና ብዛይካ እዚ መሰረታዊ ሕቶ እዚ (ምጥሓስ ሕጊ ወይ ቀኖና ቤተክርስቲያን) ተዘይኮይኑ ዝኾነ ይኹን ምስ ካልኦት ዝፈላልን ዘገራጩን ጉዳይ የብልናን። ከምቲ ገለ ገለ ሰባት ዘውጽእዎ መሰረት ዘይብሉ መግለጽታትን ጠቐነታትን እውን ናይ ፖለቲካ ሕቶውን የብልናን። ብዘይካ እቲ እምነትና ዝእዝዞ ጸሎት ብዛዕባ ሃገርና ምስ ዝኾነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ምትእስሳር ፈጺሙ የብልናን። እዚ ንሓድነት ህዝብና ዝበታትንን ካልእ ረብሓ ዘይብሉ ዝዝርጋሕ ዘሎ መግለጽታት ግን ዝምልከቶ ኣካል ክሓስበሉ ከምዝግባእ ከነተሓሳስብ ንፈቱ። ብዝተረፈ ቤተክርስቲያንና ምስ እምነታን ስርዓታን ክንዕቅባን ምስተን ኣሕዋታ ቤተክርስቲያናት ክንሰርዓን ሓላፍነት ኩልና እዩ።

ነዚ ሕቶ እዚ ምምላስ ጽቡቕ ታሪኽ ምግዳፍን ክብርን እዩ። እንተዘይ መሊስናዮውን ታሪኽ ክምልሶ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ወለዶታት ግን ብኣና እናሓፈሩ ክዝክሩና ምዃኖም ክንፈልጥ ይግባእ።

እግዚኣብሔር ንሃገርናን ቤተክርስቲያንናን ይባርኽ
ምምሕዳር ንኡስ ሃገረስብከት ሰሜን ኣመሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div