S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉባኤ ወከልቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዘውጽኦ ውሳኔ

ብዕለት የካቲት 10/2005 (3 የካቲት 1997) ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክምደቡልና፡ ክሳዕ ዝምደብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኑ ክካየድ፡ ብደብዳቤ ምጽሓፍና ዝዝከር እዩ።

ፈጻሚት ምምሕዳር ቦርድ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብዘይተሓበረን፡ ብዘይኣፍልጦ ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ብሃንደበት ዝመጹና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ዕለት 28 ሓምለ 2005 ንጉባኤ ኣዝዩ ዘሰምበደን ንጉባኤ ዘሕዘነን ፍጻሜ ብምዃኑ ንዘሎና መሰል ዝረገጸ፡ ነቲ ባዕሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣጽዲቑ ዝሃበና መምርሒ ዝጻረር ጎናዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ኣጋጢሙና።

ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ጉባኤ ምስ ተረኸቡ፡ ፈጻሚት ምምሕዳር ቦርድን ምምሕዳር ጉባኤ ካህናትን ብሕብረት ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኣቢሉ ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ኣዘራሪብዎም።

ኣቐዲሙ፡ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ናብ ጉባኤ ክሳተፉ ተዓዲሞም ክመጹ ከም ዘይክእሉን፡ ዝኾነ ሰብ ክመጸና መደብ ከም ዘየለን፡ ብቅድስነቶም ከም ዝተሓበረ፡  ኣብ መላእ ጉባኤ ተሓቢሩ፡ ቅድስነቶም ናብ ጉባኤ ዝለኣኽዎ ናይ ቡራኬ መልእኽቲ ድማ ተነቢቡ። ምስ እዚ ዝተዋህበ ሓበሬታ ዝጻረር ድማ ንምሸቱ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ናብ ጉባኤ፡ ድሕሪ ምርካቦም፡ ኣመጻጽኣኦም ዝምልከት፡ ሕቶታት ኣቕሪብና።

ካብ ኣቡነ ሉቃስ ዝተዋህበና መልሲ፡ ኣነ ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ከም ዘሎኒ ምሕባርኩምን ዘይምሕባርኩምን ዝፈልጦ ነገር የብለይን ተሓቢርኩም ዘሎ እዩ መሲሉኒ፡ ኣነ ግና ብወግዒ እየ ተላኢኸ። ንኤምባሲውን ተሓቢሩ እዩ እየ ዝብል። ኢሎም ድሕሪ ምምላሶም፡ መምጽኢ ዓላማኦምውን ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ተመዲቦም ይመጹኹም ኣለዉ፡ ብዛዕባ እቶም ጳጳስከ እንታይ ኣፍልጦ ኣሎኩም፡ ብማለት ንጉባኤ ሕቶታት ኣቕሪቦም። ጉባኤ ብወገኑ ብዛዕባ እቶም ተመዲቦም ዘለዉ ጳጳስ  ዝተባህለ ግና ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ምንም ኣፍልጦ ዘይብሉ ምዃኑ ጉባኤ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይዚ ምስ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ተኣኪብና ምምጻእ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምልከት ምስ ኣቶ ጸሃየ ፋሲል ም/ኤምባሲ ተራኺባን ተዘራሪብና፡ ብወገን ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ፡ ምንም ኣፍልጦ ከም ዘይነበረን፡ ከም ዘይተሓበረን ገሊጾም። ድሕሪ ጉባኤ ግና ናብ ኣሥመራ ብምድዋል፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ብሕጊ ተላኢኾም ከም ዝመጹ፡ ሓቲቶም ብሕጊ ፍቓድ ረኺቦም ከም ዝመጹ ካብ ዝለዓለ ኣካል መንግስቲ ፍቓድ ከም ዝተዋህቦምን ምትሕብባር ከም ዝግበረሎምን ንጉባኤ ኣብ መወዳእታ ተሓቢሩ።

 ድሕሪዚ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለት እቲ ሓሳብ ንጉባኤ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ካህናት ኣብ ዘለውዎ፡ ብስፍሓትን ብዕምቆትን ናይ ነዊሕ ሰዓታት ዝገበረ ጉባኤ ተኻይዱ። በዚ መሠረት ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ በዘን ዚስዕባ ጉዳያት ተመያይጡን ዘትዩን፡

1. ብመሠረት ሕቶና፡ ቅቡል ኮይኑ ኣቐዲሙ ኣብ 2004 ኣብ ጉባኤ ናይ ሲያትል ዝተገብረ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከትና ብደረጃ ሃገረ ስብከት ተመስሪቱ፡ ንጉዳይና ዝፍጽምን ዝከታተልን ሓደ ጳጳስ ቤት ጽሕፈቱን መነባብሮኡን፡ ኣብ ኣሥመራ ኮይኑ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ብዝተሓተ ወርሓዊ ውጽኢት ብምግባር መነባብሮ ጳጳስን ደሞዝን ካብቶም መዘናኦም ጳጳሳት ዘይውሕድ ክሽፍና፡ ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን፡ ብጽሑፍ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ፡ ዕለት 29 ሓምለ 2005 ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ከም ዝተሓበረና፡ ኣቐዲሙ ጳጳስ ተመዲቦም ከም ዘለዉ፡ ንጉባኤ ሓቢሮም፡ መምጽኢኦምውን ጳጳስ ሒዞም ከላልዩ፡ ምኳኖም ጌሊጾም። እንተ ኾነ እቶም ክላለዩ ዘለዎም ጳጳስ፡ ግን ኣብ ጉባኤ፡ ኣይተረኽቡን። ጉባኤ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብስፍሓትን ብዕምቆትን፡ምስ ዘተየ እዚ ዚስዕብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

v  ንሕና ብመሠረቱ ጳጳስ ክህልወና፡ ኣቐዲምና ባዕላትና ምሕታትና ከም ዘለዎ ቅቡል ኮይኑ፡

v  እቶም ንኣና ዝሽየሙ ጳጳሳ፡ ኣብ ኣሜሪካ መነባብሮኦም፡ ዝምልከት ክሳዕ ዝጣጣሕ፡ በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት።

(ሀ). ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትአን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ካብ ሰለስተ ዓመት ንታሕቲ ዘለዎ ናይ ባንኪ ዕዳ (Mortgage) ምስ ልዑል ወለድ ኣብ ምኽፋል ስለ ዝርከባ፡ ክፍሊት ናይ ኣባላት ምስ ዓቕመንን ብዝሒ ገንዘብን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ኮይኑ ይርከብ።

(ለ). ገለ ገለ ኣብያተ ክርስቲያናትውን፡ ብጻዕሪ ምእመናነን ዋላኳ ቤተ ክርስቲያን እተወነና ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብለን፡ ብውሕስነት ናይ ውልቀ ሰባት ዝተመሥረታ ስለ ምዃነን።

(ሐ). መብዛሕትአን ከተማታት ብሰንኪ ናይ መነባብሮ ኩነታት፡ ቤተ ክርስቲያናት ዘይሃነጻ፡ ምስ ዝመስላና ይኹን ዘይመስላና ቤተ ክርስቲያናት ብኽራይ ተጸጊዐን ዝነብራ፡ ታቦተ ኪዳን ምዕረፊ ዘይረኸባ ብምዃነን።

   (መ). እቶም ዝበዝሑ ኣገልገልቲ ካህናት፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ብቑዕ ደሞዝ ዘይረኽቡ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ስራሕ ተዋፊሮም ይርከቡ ምህላዎም፡ ኣብ ገሊኡውን ኩነታት መነባብሮ ስድራ ቤት ኣገልገልቲ ካህናት ተፈላሊኻ ምንባር ምዃኑ ብምግንዛብ።

ኣብ ርእሲ እዚ ኩሉ ጸገማት፡ ሓደ ጳጳስ፡ ምስ ዘሎናሉ ሓድሽ እዋን እግሪ ተከልን፡ ብዙኃትውን ዋላውን ፈጺሞም እግሪ ዘይተኸሉ፡ ብምግምጋም፡ ጳጳስን መነባብሮኡን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዓቕሚ መነባብሮታት እቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ንላዕሊ ምኻኑ ገምጊሙ፡ ኣብ ኣመሪካ ጳጳስ ምንባር ዘይከኣል ምዃኑ ኣሚኑ ብዝለዓለ ድምጺ ወሲኑ። ኣብ ጉባኤ ክልተ ድምጸ ተዓቅቦ፡ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣብ ለካቲት 2005 እንታይ ከም ዝወሰነ ስለ ዘይንፈልጥ፡ ጳጳስ ይምጽኡ ኣይምጽኡ ዚብል ቃል ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና ኢሎም

ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብስፍሓትን ጥልቀትን ምስ ዘተየሉን ምስ ተዘራረበሉን።  

2.  ብመሠረት ኣቐዲሙ ክጸሓሓፍ ዝጸንሐ፡ ብክልተ ዝተፈላለየ መንገድታት ነንሕድሕዱ ዘይቃዶ ኮይኑ ክኸይድ ብምጽንሑ፡ ኣብ ኣሰራርሕና ፈጺሙ ኣጸጊሙና ስለ ዘሎ፡ እቲ  ዝርአ ዘሎ ምፍልላያት ናይ ኣጸሓሕፋ ክጸብብን፡ ምእኩል ዝኾነ፡ ኣሰራርሓን ኣጸሓሕፋን፡ ተኸቲሉ ክኸይድ፡ ብምእኩል መንገዲ ድማ ብጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተወሲኑ፡ ብፓትርያርክ፡ ተፈሪሙ ንኽበጽሓና፡ ጉባኤ ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ወሲኑ: ብሓደ ድምጺ ብምልኣት ወሲኑ። ናብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዝኾነ ዝለኣኽ ሰብ ይኹን ካእል ናብ ኣሜሪካን ካናዳን ንኡስ ሃገረ ስብከት ናይ መሰነይታ ጽሑፍ ካብ ፓትርያርክ ሒዙ ክመጽእ ጉባኤ ወሲኑ፡ ከምዚ ዓይነት መሰነይታ ደብዳቤ ምስ ዘይህሉ ግና፡ ዝኾነ ተቓባልነት ከም ዘይህልዎ ጉባኤ ተሰማሚዑ ወሲኑ።

3.   ጉዳይ ናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ፡ እቲ ኣብ ርእሰይ ተፈጺሙ ዝበሎ በደላት ብዝርዝር ናብ ጉባኤ ኣቕሪቡ፡ ንቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክውን ሓላፍነቱ ከም  ዘውረደ፡ ዝገልጽ ጽሑፍ፡ ምጽሓፉን ፈጻሚ ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከትን ጉባኤ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን፡ ብሕብረት ክሳዕ እዚ ጉባኤ እዚ ዝበጽሕ፡ ከም ዘለዎ ክጸንሕ፡ ዝኾነ ይኹን ስጉምትታትን ምቅይያራትን ከይግበር፡ ከም ዝሐተተ፡ ብኡ መሠረት ድማ፡ ክሳዕ እዚ ጉባኤ እዚ ዝጅመር ከም ዘለዎ ጸኒሑ ኣሎ።

ጉባኤ እዚ ዝተባህለ ጉዳይ ብዝርዝር ምስ ተሓበሮ፡ ብጽሞና ንምዝርራብ ንቀሺ ገብረሚካኤል ካብ ጉባኤ ከም ዝወጽእ ተገይሩ ብዕጽው ጉባኤ ተዘትዩ።ጉባኤ ወከልቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን፡ ብዛዕባ እዚ ዝተፈጥረ ኩነታት ብስፍሓትን ብዕምቆትን ምስ ዘተየ።

ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስ ኣብ ዘለዎ ሓላፍነት ክጸንሕ፡ ዝኾነ ይኹን ምልውዋጥ ብዘይ ናይዚ ጉባኤ እዚ ከይፍጸም፡ ዝኾነ ይኹን ርክባት ናይቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ድማ በቲ ዘለዎ ክቕጽል፡ ብትእዛዝ ተወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን፡ ጉባኤ ካህናትን ከም ዝተዋህቦ: ብምልኣት ድምጺ ናይ ደገፍን ብሓደ ድምጺ ናይ ተቓውሞ ቃልን ውሳኔ ተመሓላሊፉ ኣሎ።

30 ሓምለ/July 2005 ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን

ሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div