S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ ምድሪ ኤርትራ ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን”።

"ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሃብዎም፡ ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም [ሊብያ] ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን” (መዝ. 79፡ 2-3)። በቲ ኣብ ሊብያ ዝተፈጥረ ዕግርግርምኽንያት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 325 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ሊብያ ከምዝሃለቑ ናይዚ እዋን'ዚ ቀንዲ ዜና ኮይኑ'ሎ። እዚ ኣስካሕካሒ ፍጻሜ እዚ ሓዘን ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። ኣቦ-ሓጎታትና ዝወሓጠት ትሩቡሊ ሎሚ ድማ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ገማግም ማያት ሊብያ ተዋሒጦም ተሪፎም።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጾመ-ኣርብዓ ናይ ድኅነትን በረኸትን ክኾነልና ንኣምላኽ ንልምን። ቀጺልና ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራውያን

{vimeo width="300" height="270"}18791936{/vimeo}

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን ኣማን ተንሥኣ።
መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንኹሉ ምእመን ርሑስን ብሩኽን በዓል ትንሣኤ ክርስቶስ ክኾነሎም ሠናይ ትሚኒቱ ምስናይ ጸሎት ይገልጽ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍትዋት ኣኅዋተይ ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናንን፡ እንቋዕ ናብ እዚ ርእሰ በዓላት ዝኾነ በዓል እዚ ብሰላም ኣብጽሓና ኣምላክ።

በቲ መጀመርያ ዘመን ክርስትና ዝነበሩ ሰባት፡ ስለ ትንሣኤ ካብ ምዉታት ኪንገሮም እንከሎ፡ ገለ ይሳለቑ (ይሕጭጩ ) ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡ ፴፩) ይኹን ደኣ እምበር ካብ እቶም መራሕቶም እኳ በቲ ትምህርቲ እቲ ደኣ ይኣምኑ ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡፴፬) ገለ ከኣ ንምንታይ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሢኡ፡ ተባሂሉ ትምህርቲ ተዋህበ ኢሎም ነቦታትና ሓዋርያት፡ ኣብ ሓለዋ (ማእሰርቲ) ዘእተዉ፡ ዘጠንቀቑ፣ ዝገረፉ ነበሩ። ቁጽሪ እቶም ኣመንቲ ግና ፴፻ (3000) ኮነ (ግብ.ሓዋ. ፪፡፵፩። ተቓውምኦም ግና ቀጸለ ቁጽሪ ኣመንቲ ከኣ ፶፻ (5000) በጽሐ (ግብ.ሓዋ.፬፡፬)

ሓደ መዓልቲ ንሓዋርያት ንምቕታል (ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፫) ዕዉር ብምራን፣ ሓንካስ ብምንርኩስ ተኣከቡ፣ ሓዋርያት ካብ ሓለዋ ብህጹጽ ተጸውዑ። ብዙኅ ወቀሳታት ተዘርበ።

ከይጸበበ ኣይርሁን እዩ እሞ፡ ኣብ እዚ ኩሉ ጸበባ እዚ፡ ኣይሁድ ዝኣምንዎ ሰብ ንሓዋርያት ዚሕለቕ ሕግን ፍትሕን ዝኽእልን ዝፈልጥን ነታ ሓቂ ዚፈልጣን ዚገብራን እተማህረ ሰብ  (ሂለል ሃዛቀን) ዝኾነ መምህር ኦሪት ገማልኤል ተላዒሉ፡ እዚ ምኽሪ እዚን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ክፈርስ እዩ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ግና ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም ምስ ኣምላኽ ከይትበኣሱ( ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፬- ፴፱)

ብካልእ ጊዜ ከኣ ወዲ ጠርሴስ ካብ ነገደ ብንያም ተመሃሪ ገማልኤል (ግብ.ሓዋ.፳፪) ዝኾነ፡ ሳውል ኣነ እንከለኹ እዚ ሃይማኖት እዚ ኣይነብርን እዩ ኢሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ውሒዶም ናብ ደማስቆ ጎየየ። ካብ ሊቃነ ካህናት ነታ ማኅበር ከጥፍእ ፍቓድ ተቐቢሉ (ገላ.፩፡ ፲፫- ፲፬፡ ግብ.ሓዋ. ፱፡፪)(ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝበሃል)ሰባት ንኽኣስር ናብ ደማስቆ ከደ። ሊቃነ ካህናት፣ ሰብን ስንቅን ከይወሰኹሉውን ኣይተርፉን።

ኃይሊ ኣሎኒ ኢሉ ካብኡ ዚኅይል ኣብ መገዲ ተጸበዮ። ጐይታና፣ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰማያዊ ባውዛ ፈነወሉ። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን ነቶም ምእመናን ዘፋጥጠሎም ዝነበረ ኣዕይንቱ ብርሃኑ ተሰወረ። በቲ ምእመናን ኪኣስረሉ ኢሉ ኂዝዎ ዝነበረ ገመድ፡ ተመሪሑ ናብ ከተማ ደማስቆ በጽሐ (ግብ. ሓዋ. ፱፡፰) ወዮ "እሩቅ ብእሲ" እዩ፣ ኣይተንሥአን፣ ዝብሎ ዝነበረ ጐይታና ድማ ከም ዝተንሥአ ኣረጋገጸሉ። ጉያኡ ክሳብ ዚውድእ፡ ምእመናን ንምብዛኅ ጐየየ (፪ጢሞ. ፬፡፯) ወዮም ብዝተንሥአ ጐይታ ዝኣምኑ ከኣ ቁጽሮም ኣእላፋት እናኾነ ከደ(ግብ.ሓዋ.፳፩፡፰)

በዓል ትንሣኤ ከምቲ  ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ዝበሎ ርእሰ በዓላት እዩ። ኣልኣዛር ካብ ምዉታት እንተ ተንሥአ ነዓ ውጻእ ተባሂሉ እምበር ባዕሉ ኣይተንሥአን። (ዮሓ.፲፩) ኣቦታትና ሓዋርያት ናብ ሥራሕ ቅድሚ ምውፋሮም ንሓዋርያ ማትያስ ኣብ ክንዲ ይሁዳ ዝመረጽዎ ብትንሣኤ ክርስቶስ ንኽምስክር እዩ (ግብ. ሓዋ.፩፡፳፪)

ኣብዚ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ እተሰምዕዎ መልእኽቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ( ቈሮን ፲፭) እቲ ኩሉ ምሳሌ ሂቡ ዝተጻሕፈ ንትንሣኤ ንምብራህ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ነቶም ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ኃጢኣትና  ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ ኢሉ ዝተጻሕፈሎም( ፩ጴጥ.፫፡፲፰)ነኣናውን ትምህርቲ ኮይኑና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ተማሃሪኡ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል።ነቲ ከም ወንጌል ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኰነ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።”(፪ጢሞ.፪፡፰) ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያውን ኣብቲ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ራእይ ፩፡፲፰።ኣነ እቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሞይተውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ።

እቲ ዝጥመቕ ሰብ ኩሉ ከኣ ብትንሣኤ ምውታን ክኣምን ኣለዎ። ኣብቲ ጸሎተ ሃይማኖት "ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታንብትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ንገብር እንብሎ፡ እቲ ትንሣኤ ዓቢይ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ እዩ።

ጽቡቕ በዓል ይግበረልና ኣምላኽ።

ነደ ሥዉዕ፡ ኃፍቲ ሥዉዕ፡ ጓል ሥዉዕ ጽንዓት የሃበልና ኣምላክ። ነፍሲ እቶም ሥዉዓት ይምሓረልና።

ዝጐዪ መንእሰይ፡ ዝመክር ዝገንሕ ዘጸናንዕ ሽማግለ፡ ፍርዲ ዘየጉድል በላዕቲ ጉቦ ዘርሕቕ መራሕ ሃገር ኣየጥፍእ ኣምላክ።

ብጸሎት እዞም ኣቦታት።

ፖፕ ሺኖዳ 3 ናይ እስክንድርያ።

ቀዳማይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን።

መቃርዮስ ኣቡን።

መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div