“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም። ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።” ገላ 5፡24,25 ካ.ት
““.....ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን፡ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይ’ውን ስዒርኩምዎ ኢኹም’ሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።” 1ዮሃ 2፡14
ዓመታዊ ጉባኤ [Conference] 2023- ሓበሬታ Announcement:
መበል 25 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ካብ 3 ክሳብ 6 ሓምለ (August 3-6) 2023 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣብ ከተማ ባፍሎ ክፍለግዝኣት ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ። ናይዚ ዓመት'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ መበል 25 ዓመት ጉባኤና (silver jubilee) ከነኽብር ኣምላኽ ዕድመ ስለዝሃበና ብፍሉይ እነኽብሮ ጉባኤ እዩ። ብተወሳኺ፡ ከተማ ባፍሎ፡ ሓደ ካብቶም ሰሓብቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ (Niagara Falls) ዘለዋ ከተማ'ውን እያ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ከም-ዝፍለጥ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ናይ ሕይወት-ጉዕዞ፣ ምውራድን ምድያብን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ስለዚ`ውን ሓደ ሰብ ኮነ ሓደ ሕዝቢ፣ ብፈተና ተፈቲኑ ዘይሓልፍ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ ኣብቲ ክግበር ዝኽእል ናይ ሕይወት ጉዕዞ፣ ብፈተና ዘይፍተን ሕይወት ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ስዒሩ ክወጽእ ዝኽእል ግና፣ ኩሉ`ዩ ምባል ዘኽይድ ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቶም ብሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ስብእና ዘለዎም ኩሎም፣ ነቲ ክገጥሞም ዝኽእል ፈተና ብዓወት ስዒሮሞ ክወጹ ከለዉ፣ ብኣንጻሩ እቶም ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት ዘጋጥሞም ድማ፣ ብፈተና ተረቲዖም ክወድቁ፣ ክተርፈሎም ዘይክእል ዕዳ`ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን: በዓልቲ ቤቶም ንኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ፡ ብቀዳም 4 ሰነ 2022 ዓሪፈን። ወ/ሮ ጽገወይኒ፥ ኣደ ጽንዓት ናይ ጸሎት ኣደ ከምዝነበራ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። በዓል ቤተን ኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ካብ ዝእሰሩ 18 ዓመታት እኳ እንተቕጸረ፡ ንሰን ግን ንኣምላኽ እናለመና፡ ብጽንዓትን ብጸሎትን “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ፡ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊሊጲ 4.13) እናበላ ብትዕግስቲ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ንደቀን ክንዲ ኣደን ኣቦን ኮይነን እናዕበያኦም፡ ን18 ዓመታት ገጽ በዓል ቤተን ክርእያ ሃረር እናበላ እንከለዋን እየን ብሞት-ስጋ ተፈልየን።
እግዚኣብሔር ንስድራቤት ምጽንናዕ ይሃቦም። ንኣዴና ወ/ሮ ጽገወይኒ ድማ ኣብቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝኾነ መንግስቲ ብርሃን የዕርፈን። “ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ዓመትከ ጽገወይን”
ነቶም ን18 ዓመታት ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ሓርነት ይኣውጀሎም ኣምላኽ።
መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ
ቀኖናዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን እሞ: ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ! ራእ/ዮሓ 2፡10
ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ብማዕርግ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120: ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኮይኖም፥ ሓዋርያዊ ሕግን ክርስቶሳዊ ሥርዓትን ኣኽቢሮም፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ድምጺ ዝተሓርዩ፥ ፓትርያርክ እዮም።
ሰንበት 20 የካቲት 2022 ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ:ንቅዱስ እንጦንዮስ ብኽብሪ እንዝክረሉ፡ 2ይ ቀብሪን ጸሎተ ፍትሓትን እነካይደሉ፥ መስዋዕቲ ቅዳሴ ነዕርገሉን መዓልቲ ተወሲኑ ምህላዉ ኣህጉረ ስብከታት ይሕብር። ኣብዚ ክቡር መዓልቲ ምሳና ኪትውዕሉን፥ በረኸት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኪትካፈሉን ብኽብሪ ንዕድም።
“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ”
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
14 የካቲት 2022 ዓ.ም.ፈ.
Invitation to a Memorial Service of HH Abune Antonios, the 3rd Patriarch of the Eritrean Orthodox Church
The memorial prayer service for H.H. Patriarch Abune Antonios, led by His Grace Bishop Makarios, will take place on Sunday, February 20, 2022, at Medhane Alem Eritrean Orthodox Church, Washington DC. The North American Diocese of the Eritrean Orthodox Church requests you to join the memorial prayer service.
May God grant eternal rest to H.H. Patriarch Abune Antonios and send us all His spirit of solace.
"Precious in the sight of the LORD is the death of his saints” – Psalm 116:15.
The Canonical Eritrean Orthodox Church in Diaspora.
February 14, 2022.
መደብ ጸሎተ ፍትሓት (ዳግማይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቆኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብምኽንያት ዕረፍቲ ግፉዕ፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና፥ ንኹሎም ደቂ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ኤርትራውያን ደቂ ሃገርን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፥ ልዑል እግዚኣብሔር ጽንዓትን ኑዛዜን ክህበና ብጸሎት ንልምን። ቀጺልና፡-
1) ሰንበት 13 የካቲት 2022 (፮ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ) ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ኣሕጉረ ስብከታት መስዋዕተ-ቅዳሴን ጸሎተ-ፍትሓትን (እግዚኣ-ሕያዋን) ክግበር።
2) ሰንበት 20 የካቲት 2022 (፲፫ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ) ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ናይ ኦሬንታል ብፁዓን ኣቦታትን ዝመርሕዎ፥ ናይ ኣሜሪካን ካናዳን ኩሎም ውሉደ-ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ዝሳተፍዎ ወግዓዊ -ጸሎተ-ፍትሓት (ካልኣይ-ቀብሪ) ኣብ ደብረ ሰላም ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ (Map & Address) ክግበር ስለኾነ፥ ኩሉ ሰብ ፈነዋን ቡራኬን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክካፈል ብኽብሪ ንዕድም። ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥ እስራኤል፥ ኣውስትራልያን'ውን ተመሳሳሊ መድባት ተሰሪዑ ስለዘሎ በብኸባቢኡ ህዝቢ ክሳተፍ ንዕድም።
3) ን40 መዓልቲ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ጸሎተ-ቅዳሴ፥ ስም 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክዝከር መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።
“ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ”
ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
11 የካቲት 2022 ዓ.ፈ (፬ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ)
ዕረፍቲ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓ.ም. ፈ.(2 የካቲት 2014 ዓ.ም.ግ) ዓሪፎም። "...መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።" መዝ ዳዊት 112. 6።
እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ድማ ምጽንናዕ ይሃባ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ገበን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ