S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። 2 ጢሞ 4:7-8። ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ፥ በድርየኒ ፈጸምኩ፥ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፥ እንከሰ ጽኑሕ ሊተ ኣክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ ይእተ ዕለተ እግዚኣብሔር መኰንነ ጽድቅ ወኣኮ ለባሕቲትየ ኣላ ለኲሎሙ እለ ያፈቅሩ ምጽኣተ ዚኣሁ። ፪ ጢሞቴዎስ ፬፥፯-

3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ካብ ኣቡኦም ቀሺ ገብረመድኅን ደብረጽዮንን፥ ካብ ኣዴኦም ወይዘሮ ኢለን ቀለታን ኣብ ዞባ ማእከል (ሓማሴን) ሕምብርቲ ብ፭ ሓምለ  ፲፱፻፲፱ ዓመተ ምሕረት  (12 ሓምለ 1927) ተወልዱ።

 ወለዶም ከም ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዚእዝዞ፥ ካብ ጥሪት፥ ካብ ውሉድ፥ ዕሽር ንቤተ ክርስቲያን ስለ ዚግባእ፥ “ንኹሉ ዘመን ሕይወቱ፥ ንኣኻ ንእግዚኣብሔር ከገልግል ክውፍዮ እየ፥ … ጡብ ምስ ሓደገ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክርአ፥ ከብጽሖ እየ፥ ንሓዋሩ ከኣ ኣብኡ ኪነብር እዩ…ንእግዚኣብሔር እህቦ ኣሎኹ፥ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሔር ተዋሂቡ እዩ። “1 ሳሙኤል 1:11:28  ዝብሎ ቅዱስ ጽሑፍ መሠረት ብምግባር። ክልተ ደቆም ምሉእ ሕይወቶም ንኣገልግሎት ኣምላኽ ከወፍዩ ወሰኑ።

ብመሠረት ቃሎም ድማ ኣባ ገብረ-ወልድ ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣቡነ ፊሊጶስ፥ ኣባ የማነ ብርሃን (ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ) ናብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ተወፈዩ። 

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ወዲ 5 ዓመት ምስ ኮኑ፥ ኣሞኡም ኢታይ ኣመተጽዮን ቀሺ ደብረጽዮን፥ ሓዚለናኦም ብሕጻኖም፥ ክፉእን ጽቡቕን ከይፈለዩ፥ ናብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሞባእ ተዋህቡ። ኣብቲ ገዳም ድማ ጥጥቖ እናተመገቡ፥ ኣብ ትሕቲ ክንክን ገዳም ብዘይወለድን ቤተ ሰብን ዓበዩ። ብሕጻንነቶም ንገዳማውያን ኣቦታት እናተላእኩን እናገልገሉን፥ ካብ ፊደል ክሳብ ጸሎት ግብረ ዲቁና ብዝግባእ ተማህሩ። ትሕትናኦምን ስነ ምግባርን ምስ ተራእየ ድማ፡ ብፍቓድን ጸሎትን ማኅበር ገዳም፡ መዓርገ ዲቁና ክቕበሉ ተወሰነ። ኣብ መበል 12 ዕድሜኦም ዕለት ፲፰ መጋቢት ፲፱፻፴ ዓመተ ምሕረት ( 27 መጋቢት 1938) ኣብ በዓለ ደብረ ዘይት፥  ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ናይ ኤርትራ ጳጳስ፥ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። ረድእን ዲያቆንን ብምዃን፥ ትምህርቲ ግብረ-ክህነት እናተማህሩ፥ ኣገልግሎቶም ቀጸሉ። “ብእግዚኣብሔርን ብሰብን ፍትው ነበረ” 1ሳሙ 2:21:26 ዚብሎ ቅዱስ ጽሑፍ  ድማ ብገዳም ፍሉይ ፍቕርን ምንክብኻብን ይግበረሎም ነበረ።

ብዝግባእ ምሉእ ግብረ ክህነት ክሳብ ልዑል ዜማ መዝገብ ቅዳሴ ተማሂሮም ምስ ኣጻፈፉ፥ ብ ፲፱፻፵፪ ዓ ም (1950) ብኩሉ ተመኩሮ ምንኩስና ሓሊፎም ካብ ግብረ ዓለም ተፈልዮም፥ ምሉእ ሕይወቶም ምስ እግዚኣብሔር እናተራኸቡ ዚነብሩሉ፥ ከም መላእኽቲ ዘብሎም፥ ልብሰ-ምንኩስና ለቢሶም ኣባ የማነ ብርሃን መነኰስ ዘደብረ ጽጌ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኮኑ። ኣብቲ ዓመት እቲ ድማ መዓርገ ክህነት ብፍቓድ ገዳም ተቐብኡ።

ገዳማዊ ኣገልግሎቶም፥ መጽሓፈ መነኮሳት ከም ዝእዝዞ፥ ብዝግባእ እናተኸተሉ፥ መነኮሳት ፍጹማን ናብ ዝበሃሉሉ፥

ሀ) ባሕታዊ ዘበህድኣት (ባሕታዊ በዓል ዓቕሊ)

ለ) ድዉይ ዘበኣኰቴት (ኣመስጋኒ፥ ተጋዳሊ)

ሐ) ረድእ ዘበጥብዓት (ተባዕ ኣገልጋሊ) ካብ ዝብሉ ግብረ ምንኩስና፥

ኣባ የማነ ብርሃን ብፍሉይ ረድእ ዘበጥብዓት (ተባዕ ኣገልጋሊ) ዝምልከት ፍሉይ ህያብ ኣገልግሎቶም፥ ብውፉይን ብጥብዓትን ዚግለጹሉ ሓደ ፍሉይ ህያቦም እዩ።

ኣብ ዘመን ምንኩስናኦም፥ ሊቀ ረድእ ኮይኖም፥ ኣብ ዝተመርጹሉ፥ ኣብቲ ገዳም ብዙኅ ዝረኣዩ ለውጥታትን፥ ኣብ ምዕባለ እቲ ገዳምን፥ ሰሪሖም። ብፍላይ ድማ እቲ ገዳም ኣብ ኣጻድፍ ቦታ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ገዳም ወጻኢ፥ ክሳብ መገዲ ኣርባዕቲ መዓልቲ ኣብ ዝርሕቀቱ ዞባታት ንሕርሻ ዝኸውን ቦታ ተማሲሖም፥ ተዓጢቖም እናሓረሱን እናኣሕረሱን ቀለብ ዓመት  ማኅበረ መነኰሳት ይሓፍሱ ነበሩ። እቲ ገዳም ንሓዋሩ ብሕርሻን እንስሳን ልምዓትን ርእሶም ከኣሉ።

ኣባ የማነ ብርሃን ኣብ ገዳም ቀዳሲ ካህንን፥ ቀሺ ገበዝን ኮይኖም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብስብሓታትን ብጸሎትን ኣብ ቤት መቕደስ፥ መጋቤ ማኅበር ኮይኖም ብትሕትናን ብቅድስናን ዕለታዊ መነባብሮ ገዳም ይመርሑ ነይሮም። ክሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዶምውን ናይ ሕርሻ ቦታታት እናተኸታተሉ እቶት እቲ ገዳም ከም ዝስስን እቲ ገዳም ከም ዝምዕብልን ከምዝሰፍሕን ገበሩ።

ኣብ ዘመን ርድእነቶም

ሀ) 1942-1945 ሊቀ ኣርድእት

ለ) 1946- 1948 ቀሺ ገበዝ ገዳም

ሐ) 1948- 1954 ስግር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምክትታል ልምዓትን ሕርሻን ነቲ ገዳም ብዙኅ ኣስተዋጽኦ ገበሩ።

ድሕሪ ዕረፍቲ እቶም ዝነበሩ  ኣበምኔት መምህር ኃይለ፥ ማኅበር ገዳም ተኣኪቦም፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ሱባኤ ተገይሩ፥ ሠለስተ ሕጹያት ቀረቡ። ካብቶም ዝቐረቡ ሓደ ኣባ የማነ ብርሃን ኮይኖም ንሶም ኣብ ዘይነበሩሉ ብመነኮሳት እቲ ገዳም ሕፁይ ኮይኖም ቀረቡ።

ብዝለዓለ ድምጺ ድማ ኣበምኔት ክኾኑ ተመርጹ። ምምራጾም ምስ ሰምዑ፥ ኣነ ዘድምዓሉ ቦታ እፈልጥ እየ፥ ሓሪሰ ኣንደፋሪሰ፥ ኣቦታተይ እቕልብ፥ እምበር ኣበምኔት ኮይነ ክሰርሕ ፍቓደኛ ኣይኮንኩን ኢሎም ኣብ ዘለውዎ ቦታ ኣብ ኢትዮጵያ ይሕብኡ። ኣቦታት ገዳም ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፥ ኣቢሎም ተለሚኖምን ተኣዚዞምን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ገዳሞም ከም ዝመጽኡ ተገብረ።

፰ ሕዳር ፲፱፻፶፭ ( ሕዳር 17, 1962) እስመ መምሕረ ሕግ ይሁብ በረከተ ወየሓውር እምኃይል ውስተ ኃይል ወያስተርኢ ኣምላከ ኣማልክት በጽዮን መዝ. ፹፫፡፯ (84:7) ብዚብል ሥነ ሥርዓት መምህር የማነ ብርሃን ኣበምኔት ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ደብረ ጽጌ ሰፍኣ ተሾሙ።

ኣበምኔት ኮይኖም፥ ብመሪሕነቶም፥ ገዳማዊ ኣገልግሎት ክሰፍሕን ክዓብን፥ መንበሪ መነኮሳት ኣብ ምትዕርራይ፥ ናይ ጽሬትን ንጽሕናን ገዳም ክዓብን ክሰፍን፥ መነኰሳት ንተልእኮ ብጉዳይ ቤተ ክርስቲያንን ብሕክምናን ካልእ ጉዳያትን ኣብ ዝገሹሉ፥ ኣብ ዝኾነ ቦታ ከይዓርፉ፥ መዕረፊ መነኮሳት ኣብ ከተማታት ብምድላው ገዳማዊ ሕይወት ኪሕሎ ኣብ ምግባር፥ 13 ክፍልታት ዘለዎ መካበብያ ተሰሪሑ ልክዕ ከም ኣብ ገዳም ዘለዉ ዘዕርፉሉ ቦታ ሃኒጾም ክሳብ ሕጂ ገዳማውያን ኣቦታት ይጥቀሙሉ ኣለዉ።

ዝመነና መነኮሳይያት ደቂ ኣንስትዮ፥ መነባብሮአን ኣብ ምምሕያስን፥ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ምድላውን፡ ካብ ገበርቲ ሠናይ ዝርከብ ሓገዛትን፥ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ብምእማንን፥ እቲ ገዳም ዝነበሮ ናይ መገዲ ጸገም ጸሪጎም፥ 30 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ ሓድሽ ጽርጊያ ኣጽሪጎም፥ ተሳለምቲን ኣካለ ድኹማትን ብቐሊሉ፥ ክበጽሑሉን በረኸት ዝረኽቡሉን፥ ዝኽእሉ መገዲ ኣጣጢሖም ኣብ ኣገልግሎት ይርከብ። ጠሓኒት መኪና ተኺሎም ገዳምን እቲ ከባቢን ኣገልግሎት ከም ዝረኽቡ ብምግባር፥ ኣብ መንጎ እቲ ገዳምን ዓድታትን ዝነበረ ናይ መሰል ክርክር ብዕርቀ-ሰላም ክድቅስ ብምግባር፥ ሰላም ኣስፊኖም እዮም 

መምህር የማነ ብርሃን፥ ገዳማት ኤርትራ ሓድነተን ከደልድላን፥ ንሕድሕደን ክረዳድኣን ክተሓጋገዛን ብምሕሳብ፥ ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ክምሥረት ቀዳምነት ዘቖሙ ሓደ እብነ-መሠረት ኣብ ኩለን ገዳማት ብኽብሪ ዝጽውዑ ኣቦ እዮም ነይሮም።

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብ፲፱፻፸፩ (1979) ካብ ኤርትራውያን ንጵጵስና ሕጹያት ክቐርቡ፥ ምስ ተሓተተ መምህር የማነብርሃን፥ ብዝነበሮም ኣስተውዓልን በሊሕ ኣተሓሳስባን ሓደ ኮይኖም ተሓጽዩ። እንተ ኾነ ታሪኽ ሕይወቶም ክቐርብ ተሓቲቱ፥ ብጉዳይ ገዳም ኣብ መገሻ ስለ ዝነበሩ፥ ንሶምውን ንሢመት ፍቓደኛ ስለ ዘይነበሩ ክሳተፉ ኣይተኻእለን።

 

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ

መምህር የማነ ብርሃን ድሕሪ ናፅነት ኤርትራ፥ መሰጋገሪ (ጊዜያዊ) ሲኖዶስ ኣብ ሙቛሙ ብቀዳምነት ዝተመርጹ ኣቦ እዮም። ካብቶም ናፃ ቤተ ክርስቲያን ንኽትህሉ፥ ንጵጵስና ቀዳማይ ኮይኖም፥ ምስ 5 ጳጳስት ብመሪሕነትን ኣላይነትን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ናብ ግብጺ ከይዶም፥ ንሓሙተ ኣዋርሕ ሥርዓት ጵጵስና ኣገባቡን ሥርዓቱን ተማሂሮም፥ ብ፲፪ ሰነ ፲፱፻፹፮ ዓም (ሰነ 19, 1994) በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዓልቲ፥ ልዕሊ 60 ሊቃነ ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን ካብ ካብ መግሥትን ቤተ ክህነትን ምእመናን ኤርትራውያን ኣብ ዝተሳተፉሉ፥ ብቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ሥርዓተ ሢመትን ጸሎተ ተቐብኦ ጵጵስናን ተፈጸመሎም። ብፁዕ ኣቡነ እንጦንዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሓማሴን ተባህሉ።

ጵጵስና ካብ ዝተሾሙሉ ዕለት ጀሚሮም፥ 6 ንኡሳን ሃገረ ስብከታት፥ ሊቃነ ካህናት ምምሕዳራት ኣድላዲሎም በቢዓዱ እናዞሩ፥ ኣገልግሎቶም ኣስፍሑ። ኣብ ናይ ጵጵስና እዋን ኣብ ሃገረ ስብከቶም፥ 430 ካህናት፥ 827 ዲያቆናት ድምር 1257 ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት ኣብ ሃገረ ስብከቶም ሸይሞም። ብዙኃት ሓደሽቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ባሪኾምን ኣቚሞምን።

ብፁዕ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ እምነቶምን መትከሎምን ኣዝዮም ተባዕን ጽኑዕን ብምዃኖም፥ ኣብ ሃገረ ስብከቶም ኣንጻር ጠንቆልትን ጥንቁልናን ኣበርቲዕም ዝተቓለሱን፥ ዘቃለሱን ኮሚቴ ኣቚሞም ኣንጻር ጠንቆልቲ ብዙኅ ጻዕርታት ዘካየዱ ኣቦ እዮም።

ብፁዕ ኣቡነ እንጦንዮስ ምምዕባል ሃገረ ስብከቶምን ዘርኣይዎ ተወፋይነት ተራእዩ፥ ብቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ፳፩ ሓምለ ፲፱፻፺ ዓም (28 ሓምለ 1998) ናይ ሊቀ ጳጳስ ሥልጣን ተዋህቦም።

ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ ርእሲ ናይ ሃገረ ስብከቶም ሓላፍነት፥ ኣብ ቀዋሚ ምምሕዳር ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ቤተ ክርስቲያን ወኪሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ምእመናን ኣብ ምጥርናፍን ምትብባዕን፥  ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ድሕሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ 2ይ ፓትርያርክ ኤርትራ፡ ዓቃቢ መንበር ኮይኖም ክመርሑ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ፮ የካቲት ፲፱፻፺፮ ዓም (3 የካቲት 2004) ብምሉእ ድምጺ ሲኖዶስን ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ገዳማትን፥ ብዓብላሊ ድምጺ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ተመርጹ።

ቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ኣብ ዝተረኽቡሉ ድማ በዓለ ሢመቶም ተፈጸመ።

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ቤተ ክርስቲያን ናፃን ሉዓላዊትን ኮይና ርእሳ ክኢላ ክትከይድ፡ ካብ ተጸጋዕነትን፥ ተመጽዋትነትን መንግሥቲ ሓራ ክትወጽእ፡ ብዙኅ ጻዕርታት ኣካየዱ። ካብኡ ሓደ ንሕና መነኮሳት ኢና፡ ብሓደ እናበላዕና ቀለብና ጥራይ ይኣኽለና እዩ፥ ካባይ ጀሚሩ ኩሉ ኣገልጋሊ ቤተ ክህነት ካብ ደሞዙ ይኹን ካብ ካልእ ኣታዊኡ ዕሽር ክኸፍል፥ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ኣገልግሎታ ክትፍጽም፥ ኣብ ዝብል ብዙኅ ጻዕርታት ኣካየዱ። 

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምትእትታው መንግሥቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣትሪሮም ስለ ዝተቓወሙ፥ ኣብ ዓይኒ መንግሥቲ ኣተዉ። መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብትብዓት እናፈጸሙ እንከለዉ፡ ብዘይተጸበይዎ፥ ብፍላይ ድማ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዝሸሙዎም ፮ተ ጳጳሳት፥ ኣባ ማቴዎስ፥ ኣባ ሉቃስ፥ ኣባ ጴጥሮስ፥ ኣባ ሺኖዳ፥ ኣባ ኣትናቴዎስን ኣባ ባስልዮስን ጳጳሳት፥ ዝተወሃሃደ ተጻብኦ ኣጋጠሞም። ንኹሉ ጸገማትን ተጻብኦታትን ተጻዊሮም ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ እኳ እንተ ፈተኑ፥ ማሕለኻታት ልዕሊ ዓቕሞም ኮይኑ በርትዖም።

ኣብ ፲፩ ሓምለ ፲፱፻፺፯ ዓም (ሓምለ 18, 2005) ብመሪሕነት ኣባ ዲዮስቆሮስ ዝተኣከበ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ጳጳሳት፥ ንኣቡነ እንጦንዮስ፥ ካብ ዝኾነ ምምሕዳራዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተኣሊኹም ኣሎኩም፥ ብጀካ ቡራኬ ካልእ ክትገብሩ ኣይፍቀድን ዝብል ጽሑፍ በጽሖም።

፲፮ ሓምለ ፲፱፻፺፯ ዓም (ሓምለ 23, 2005) ነቲ ዝቐረበሎም ናይ ጠቐነ ክሲ መሊሶም፥ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን ብማሕላ ዝተረከብክዎ፥ ንማንም ኣሕሊፈ ኣይህብን ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ መወዳእታ ሕይወተይ ደው ክብል እየ፥ ካብ ጌጋኹም ክትእረሙ ዝብል ናይ ማዕዳ ሓዘልን መተንቀቕታን መለሱሎም።

ከሰስቲን ፈረድቲን ብምዃን፥ ንመጠንቀቕታን ማዕዳን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሸለል ኢሎም፥  ብድፍረትን ብንዕቀትን፥ ድማ ብ ፬ ጥሪ ፲፱፻፺፮ ዓም (13 ጥሪ 2006) ካብ ሥርዓትን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ፥ ዘይሕጋዊ ጽሑፍ፥ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ሥልጣንኩም ኣውሪድናኩም ዝብል መስደመም ጽሑፍ ዘርግሑ።

ቅዱስ ፓትርያርክ፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይወዓሉ ከይሓደሩ ካልእ ጌጋን ስሕተትውን ከይስዕብ ብምባልን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ምጥሓስ ሕግታት ከይትኣቱን፥ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዚረግጸካ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ረዚን መልእኽቲ ፥ ንዕለቱ ብ ፬ ጥሪ ፲፱፻፺፮ ዓም (13 ጥሪ 2006) ንኹሎም ጳጳሳት፥ ካብ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ሽመታትን ተልእኾታትን ደው ክብሉ፥ ናይ ውግዘት መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።

ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምራሕ፥ ኣባ ማርቆስ፡ ኣባ ሉቃስ፥ ቀሺ ሃብቶም ርእሶም፡ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ዝርከብዎም፥ ምስ ሰበ ሥልጣን መንግሥቲ ብምምኽኻር፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ምስቶም ዝተረፉ ጳጳሳት ውዲት ኣሊሞም ኣብ ዝኸበደ ማሕዩር ተሓየሩ።

ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ዝተኣስሩሉ፥ ገዛ በይኖም፥ ብጀካ እታ መግቢ እተቕርበሎም ሰራሕተኛ፥ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ፥ ኣብ ፍሉይ ቤት ንበይኖም ን 12 ዓመታት ተኣስሩ።

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበርትዐን እናሓየለን ብዝኸይድ፥ ከቢድ ፈተና፥ ተሳቕዮም ኣብ ዘይፈጸምዎ ገበንን ጌጋን ይቕረ ንክብሉ፥ ኣብ ርእሲ ወዲ ሰብ ክፍጸም ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይትጽበዮ ከቢድ ማእሰርቲ በጽሖም። ቅዱስ እንጦንዮስ ግን “ሎሚ ፈላሲ ትማሊ ፈላሲ፥ ክጸድቕ ኢለ እምበር ጳጳስ ክኸውን ኣይመንኰስኩን” ብዝብል መንፈሳዊ እምነቶም ዝያዳ ከም ዓረ ተረሩ፥ ማእሰርቶም ክንዲ ዝበርትዐ ይበርትዕ ንድሕሪት ከምዘይብሉ ኮይኖም ጸኒዖም ቀጸሉ።

ሕዝቢ ብዝገብሮ ዝነበረ ተጽዕኖ ድማ፥  ብዘይሓሰቦ  ኣብ ፱ ሓምለ ፳፻፱ ዓመ (16 ሓምለ 20017) ቅዱስ ፓትርያርክ ተፈቲሖም፥ ዕርቂ ተፈጺሙ፥ ተባሂሉ ሕዝቢ ንምትላልን ንምትዕሽሻውን መደብ ተገይሩሉ፥ “ጌጋይ ተኣሪመ እየ” ቢሎም መቕጻዕቶም ወዲኦም ከም ዝወጽኡ ንሕዝቢ ከደናግሩ እኳ እንተፈተኑ፥ እቶም ኣቦ ሓቅን ተብዓትን ዝኾኑ ኣቦ ግን ኣይተገርሁን። ጉዳየይ ብሕጊ ክርአ ኣለዎ ኣብ ዝብል ጸንዑ።

ኣሰርቶም፥ ሕዝቢ ንምድንጋር ንውሱን ጊዜ እኳ ምስ ሰብ እንተ ኣራኸብዎም፥ ጸኒሖም ግን፥ ካብቲ ቅድም ዝጸንዐን ዝኃየለን ማእሰርቲ፥ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ጸላኢኦምን ክሳሲኦምን ኣባ ሉቃስ ከም ዝድርበዩ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ኣባ ሉቃስን ቀሺ ሳሙኤልን ተደርበዩ። እቲ ዝተኣስሩሉ ገዛ ቆራርን ጀቕጀቅን ብምዃኑ፥ ንኹሉ ሕማማት ተቓሊዕም ጸኒሖም እዮም።

ካብ መፋርቕ 2021 ጀሚሮም ድማ፥ ሓሚምኩም ስለ ዘሎኹም እናበሉ፥ ብዘይድሌቶም፥ መድኃኒት ክህብዎም ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ድሕሪ እዚ ኩሉ ከቢድን መሪርን ናይ ሥጋ መቕጻዕትን ማእሰርትን፥ ናይቶም ካብ ወዲ 5 ዓመት ጀሚሮም ዘገልገልዎ፥ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ክብረ በዓል መዓልቲ፥ ፩ የካቲት (8 የካቲት) ብምሉእ ልቦም፥ ኣቦኦም እናዘከሩ፥ ብጸሎት ውዒሎም ንምሸቱ፥ ናብ ዕለት ፪ የካቲት ፳፻፲፬ (8 የካቲት 2022) ዘውግሕ ለይቲ ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብቲ ካብ ሕጻንነቶም ዘገልገልዎ ኣምላኽ ገይሾም ኣለዉ። ረይሳ ቅዱስ ኣቦና ድማ ኣብቲ ካብ ሕጻንነቶም ኣትኂዞም ዘገልገልዎ፥ ገዳሞም ብደቆም መነኮሳት ግቡእ ጸሎተ-ፍትሓት ተገይሩሎም፥ ሓሙስ ፫ የካቲት ፳፻፲፬ ዓም (10 የካቲት 2022) ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ ታሪኽ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ብዕድመ ዝነውሐ ምንኩስና ዝጸንሑ፥ ብምሉኦም መነኮሳት ኣብቲ ገዳም ዝርከቡ፥ ድሕሪ ንሶም ኣበምኔት ምዃኖም ብእኦም ጀሚሮም ዝመንኩሱ፥ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋን ናይ ዘመንና “ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘኤርትራ” ኣቦ እዮም ነይሮም።

መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር! መዝ 112፡6 (ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ! መዝ ፻፲፩፡፮)

በረኸቶም ኣይፈለየና።

 

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

11 የካቲት 2022 ዓ.ፈ (፬ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div