ዓመታዊ ጉባኤ 2022 - Conference 2023 መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ክካየድ እዩ። ጉባኤ፥ ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ (July 14 to July 17) 2022 ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሔር ሎሚ ዚገብረልኩም ርኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ንዘልዓለም ኣይትርእይዎምን" ዘጸ 14:13።
ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ - Conference Venue:-
Holy Trinity Eritrean Orthodox Church
12327 15th Ave NE, Seattle, Washington
Map
ሓበሬታ ሆቴል - Hotel Information
Coming
ከም-ዝፍለጥ ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን፣ ምስ መስቀል ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ካብ መስቀል ዝተፈልየ ሕይወት ኣሎና ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ ኢና “-መስቀል- ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል-መድኃኒተ-ነፍስነ-!-” ብምባል፣ መስቀል ኩሉ ነገርና ምዃኑ ከነንጸባርቖ እንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ወርሓት መስከረም`ውን “-መስቀል ዘይበለ ካባና ይፈለ-” ዝብል ባህሊ ከም-ዘሎና ዝፍለጥ`ዩ። ስለዚ መስቀል ንዓና ኩሉ ነገርና`ዩ እንተ-ተባህለ፣ ተጋጊኹም ከይንበሃል እንስከፈሉ ምኽንያት የብልናን።
ፍቕረይ ደሪኽዎ እቲ ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ኣየ ፍቕሪ!
በስመ ኣብ ወወልድ፥ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጥን ወጻእን!
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ-ኤርትራ፥ ዝኾነ ሕክምና ኣይደልን እንዳበሉ፥ ብዘይ ፍቓዶም፥ ብልኡኻት መንግሥቲ ተገዲዶም፥ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም መድሃኒት ክወሃቦምን መርፍእ ክውግእዎምን ከም ዝጸንሑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ቃል ውግዘት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ
ካብ ቃሎም ዝተረኽበ መልእኽቲ - 19 ሚያዝያ 2021
Pray for His Holiness Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Church who has been under house arrest since January 13, 2006.
Day 41 (6th Saturday of the Holy Great Fast)
“…in everything give thanks; for this is the will of God in Christ Jesus for you.” (1 Thes 5:18)
“The spiritual person is the one who is grateful for everything. He is the one who receives everything with thanksgiving, and who knows that he has nothing except what he has received from God ( Jn 3:27).
Day 19 (3rd Friday of the Great Fast)
“… and be clothed with humility, for ‘God resists the proud, But gives grace to the humble.’” (1 Pet 5:5)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ