S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“.....ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን፡ ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይ’ውን ስዒርኩምዎ ኢኹም’ሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣለኹ።” 1ዮሃ 2፡14

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ነሓሰ 29 ክሳዕ ነሓሰ 30 ዘለዋ ኽልተ መዓልታት “ጎህ፡ ጽባሕ፡ ነግህ፡ ብርሃን፡ መዓልት” ይብሃል። ካብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡልና ዘሎ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ፡ እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና የመልክተና ኸም ዘሎ፡ እዞም ነቲ እኩይ ድያብሎስ ከም ዝሰዓርዎ ዝተመስከረሎም ሰባት ኣብ ዕድመ ጕብዝና ዝነበሩ ኣባጽሕ’ዮም። ኣብ’ቲ ዘንበብናዮ መልእኽቲ፡ ኣቦና ቕዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ’ታ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዉ ዅላቶም ምእመናን በብዕድሚኦም’ዩ መልእኽቲ ሰዲዱሎም። ነቦታትን ነጕባዝን ንቘልዑን፡ ነናቶም ብልጫታት ከም ዘለዎም ገለጸሎም። ነዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ኪኸውን ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ተሰሪዑልና ዘሎ ኸኣ እቲ ነቶም ኣጕባዝ ዝተባህለ’ዩ። ኣጒባዝ ማለት መንእሰያት ማለት እዩ። ኣብ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ከባቢና እንዕዘቦ ማሕበራዊ ተመክሮታት ድማ ኣወዳት ኰኑ ኣዋልድ መንእሰያት በቲ እኩይ ተሳዒሮም ኪበላሸው’ምበር ነቲ እኩይ ኪስዕሩ ኣይንዕዘብን ኢና። እዚ መንእሰያት ተሳዒሮም ምርኣይ ልሙድ (ዝውቱር) ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ከም ንቡርን ቅቡልን ተወሲዱ፡ ተሳዒሮም ኪበላሸው እንተ ረኣና፡ “መንእሰያት እንድዮም፡ ናይ መንእሰይ ነገር ከምኡ’ዩ” ኢልና ኽንድምድም ንርከብ። “ልቢ ጐበዝ ኣብ ደረቱ” ኢልና’ውን ንምስል። ኣብ ባህልና’ሞ ኸኣ፡ “ኣዋልደየ ኺዳ ዕበዳ፡ ኣብ ላዕላይ ሰማይዶ ኣሎ ሜዳ” ኢልና ስዕረት መንእሰያትና ዜተባብዕ ዜሕፍር ዝምባለ ኣማዕቢልና ኣለና። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም “ፓርቲ” እናተባህለ፡ ገና ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ መንእሰያት ብመስተን ጭፈራን ፍኑው ጾታዊ ዕብዳን ኪፍጽሙ ንነፍሲ ወከፍ ቀዳመ- ሰንበት (F ኬሕልፍዎ፡ ብስድራ ቤታት ባጀት ዚስልዓሉ ልዑል ምድላዋት ዚግበረሉ ተርእዮ ዓዚዙ ይርከብ። እቲ እኩይ ዲያብሎስ በዚ ነገር’ዚ ብዙሕ ስለ ዝሰለጦ፡ ኣብ ልዕሌና ዀነ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዓብይን ዘየቋርጽን ዓወት ተዓዊቱ’ዩ። እዚ ዓወት’ዚ ኸኣ ገና ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ኣትሒዙ ዝረከቦ’ዩ’ምበር፡ ሓድሽ ዓወት ኣይኰነን። እዞም በዚ ቕዱስ ሃዋርያ’ዚ ዚጓሰዩ ዝነበሩ መንእሰያት ግና ፍሉያት’ዮም። ብኣካላዊ ብቕዓቶም ጥራሕ ዘይኰነ ብመንፈስ’ውን ብርቱዓት ነበሩ። ነቲ ነቦታት፡ ንመንእሰያት ኰነ ንቘልዑ ዝሰዓረ እኩይ ዲያብሎስ ድማ ስዒሮምዎ ነበሩ። ንሕና’ውን ሰዓርቲ ኽንከውን ስለ ዚግብኣና፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ኽንመሃሮን ርእስና ኽንምርምረሉን ኢላ ሰሪዓትልና ኣላ’ሞ፡ ብዕቱብነት ንጠቐመሉ።

ብዛዕባ ስዕረትን ዓወትን ክንዘራረብ እንተ ዄንና፡ ከነልዕሎምን ብብቕዓት ክንምልሶምን ዚግብኣና ሓያሎ ሕቶታት ከም ዘለዉ ርዱእ’ዩ። ምስ መን ከም ንገጥም፡ ብምንታይ ከም ንገጥም፡ ንምንታይ ከም እንገጥም፡ ብመንን ብምንታይን ከም ንምራሕ፡ ናይ ምዕዋትና ረብሓን ናይ ምስዓርና ወጽዓን እንታይ ምዃኑ ኽንሓትትን ክንፈልጥን ግቡእ’ዩ። ናይ’ዚ ሕቶታት’ዚ ንጹር መልስን ርድኢትን እንተ ዘይብልና፡ እቲ ግጥም ገና ኸይተጀመረ ኸሎ ኸም እንሰዓር ዝተረጋገጸ’ዩ።

እንተ ኽንስዕር እንተ ኽንሰዓር፡ ብመሰረቱ እቲ ግጥም እንታይ’ዩ፧ ዓይነት ናይ’ቲ ግጥም፡ ኣብ ዓይነት ናይ’ቲ እንገብሮ ቓልሲ ወሳንነት ስለ ዘለዎ፡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ግቡእ’ዩ። እቲ ግጥም፡ ውግእ’ምበር ጸወታ ኣይኰነን። ኣብ ጸወታ እንተ ተሰዓርካ፡ ዝዀነ ሃሳዪ ሳዕቤን የብሉን። እንተ ሓሰመ፡ ሕፍረት የጐልብበካ ይኸውን። ምናልባት’ውን ናይ ገንዘብ ክሳራ የስዕብ ይኸውን። ኣብ ውግእ እንተ ተሰዓርካ ግን ሞትን ምርኮን’ዩ ሳዕቤኑ። ስለ’ዚ ዓይነት ናይ’ቲ እትገብሮ ግጥም እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ፡ ኣብ’ቲ እትገብሮ ጥንቃቐን ገድልን ኣጸቢቕካ ኽትዓትብ ዚሕግዝ’ዩ። እቲ ግጥም ውግእ እንተ ዀይኑ፡ ብቑዕ ዓቀይታይ (ወተሃደር) ክትከውን ናይ ግድን’ዩ። ጥራይ ኢድካ ውግእ ኪግበር ስለ ዘይከኣል ከኣ፡ ክትዓጥቆ ዚግብኣ ኣጽዋር ከም ዘሎ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ዚስዕብ ጥቕስታት ገይሩ ነቲ ሓቂ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

“ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ ነቲ ዘዓቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን።” 2ጢሞ 2፡3,4

“ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት (ኣጽዋር ጸልማት) ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” ሮሜ 13፡12

“ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ . . . እምነትን ሰናይ ሕልናን ሒዝካ፡ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ’ዚ አማዕቊበካ’ለኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕልናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም’ያ (ተሳዒሮም’ዮም)።” 1ጢሞ 1፡18,19

“ብስጋ እንመላለስ ክነስና’ኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮ’ውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” 2ቈረ 10፡3-5

ስለ’ዚ ካብ’ታ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዝተወለድናላ ዕለት ጀሚርና ኣብ ዘየቋርጽ ውግእ ከም ንነብር ኣስተውዒልና ከም ብቑዓት ዓቀይቶት ክርስቶስ ኴንና ኽንነብር ይግብኣና። “ጽቡቕ ውግእ ክትዋጋእ” ማለት “ብዓወት ክትዛዝም” ማለት’ዩ። እምነትን ሰናይ ሕልናን ካብ’ቶም ክንዓጥቆም ዚግብኣና ኣገደስቲ ኣጽዋራት’ዮም። ኣብ ውግእ “ተዓዊትና” ኽንብል ዚከኣል ድማ ንጽኑዕ ዕርድታት ሰይጣን ከነፍርስን፡ ነእምሮናን ነእምሮ ኻልኦትን ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኽ ምስ እንኽእል ጥራሕ’ዩ። ፍረ ዕዉት ውግእ እዙዝ ኣእምሮ’ዩ። ኣብ ውግእ፡ ስዑር ዄንካ እትወጽእ ከኣ በጽዋር ስጋ ምስ እትዋጋእ’ዩ። ኣጽዋር ስጋ ድማ፡ ሓጢኣት’ዩ።

ምስ መን ኢና እንዋጋእ፧ ብምንታይ ኢናኸ እንዋጋእ፧ ነዛ ምስጢር’ዚኣ ዘይምፍላጥና’ዩ፡ ዳርጋ ኣብ ዝገጠምናዮ ዅሉ ውግእ ስዑራት ዚገብረና ዘሎ። እቲ ኽንዋግኦን ክንስዕሮን ዚግብኣና ሰይጣን ክነሱ፡ ንእኡ ሓዲግና ምስ’ቶም ብዓይንና ዚረኣዩና ሰባት ኢና እንዋጋእ። ንሱ ረቂቕ መልኣኽ (መንፈስ) ስለ ዝዀነ ኽንርእዮ ስለ ዘይንኽእል ንእኡ ሓዲግና፡ ነቶም እንርእዮም ሰባት ጸላእትና ኸም ዝዀኑ ጌርና ንቘጽሮም። ንሱ ብሰባት ገይሩ ዚዋግኣና ድማ፡ ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንዋጋእ’ሞ፡ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺበዝሕ ኢሉ’ዩ። እቶም ከም ወተሃደራቱ ገይሩ ዚጥቀመሎም ሰባት፡ ንርእሶም ግዳያት ናይ’ቲ ጸላኢና’ምበር ጸላእትና ኸም ዘይኰኑ እንተ ንፈልጥ፡ ነቲ ውግእ ገና ኸይጀመርናዮ ኸም እንዕወተሉ ርጉጽ ምዀነ ነይሩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቲ እንኮ ጸላኢና ሰይጣን ምዃኑ፡ በጽዋር ሰብ ዘይኰነ ድማ በጽዋር ኣምላኽ ከም እንስዕሮ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

“ብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና (ውግእና)፡ ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት’ዩ’ምበር፧ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን’ሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለ’ዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም’ውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ።”ኤፌ 6፡10-13

እቲ ምስ ሰይጣንን፡ ኣጋንንቱን ዚግበር ውግእ ቀሊል ኣይኰነን። እቶም ዚዋግኡና መናፍስቲ፡ ምስ’ቲ ገንሸል ምስ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽትን ሰራዊቱን ዚገጥሙ፡ ሕልቅነትን ስልጣንን ዘለዎም ንዓለም ዜመሓድሩ ናይ ጸልማት ገዛእቲ’ዮም። ምስ’ቲ ስጋን ደምን ዝዀነ ሰብ ኣይኰንናን እንዋጋእ። ከምኡ እንተ ዚኸውን’ሞ ዓቕምና ምዀነልና ነይሩ። ምስ’ቶም ዘይዓቕምና ንዋጋእ ስለ ዘለና ኢና፡ ናይ ጐይታና ሓይልን ጽንዓትን ተዓጢቕና ኽንብርትዕን ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብስን ዚግብኣና። እዚ ጅግናን ዕዉትን ዓቀይታይ ናይ ክርስቶስ ዝዀነ ሃዋርያ ዝሓበረና ፈጺምና ኽንስሕታ ዘይግብኣና ነጥቢ ድማ፡ እቲ ውግእ ዚካየደሉ ቦታ “ኣብ ሰማያት’ምበር ኣብ ምድሪ ዘይምዃኑ’ዩ። እምበኣር ዕጥቅናን ኣጽዋርናን መለኮታዊ (ኣምላኻዊ) ቦታ ውግእና “ሰማያዊ” ምዃኑ ኣነጺርና ኽንፈልጥ ይግብኣና። እቲ ኣብ 2ቈረ 10፡3-5 ዘሎ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ጥቕሲ እቲ መለኮታዊ ኣጽዋር ነቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ጽኑዕ ዕርድታት ሰይጣን ዜፍርስ’ዩ። እቲ ኣጽዋር ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ድማ ኣስዒቡ ኣብ ኤፌ 6፡14-18 ከምኡ’ውን ኣብ 1ተሰ 5፡8 ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

1. ዕጣቕ ሓቂ (6፡14)

2. ድርዒ ጽድቂ (6፡14)

3. ድርዒ እምነትን ፍቕርን (1ተሰ 5፡8)

4. ሳእኒ ወንጌል-ሰላም (6፡15)

5. ዋልታ እምነት (6፡16)

6. ቊራዕ ርእሲ ምድሓንን ተስፋን (6፡17፣ 1ተሰ 5፡8)

7. ሰይፊ መንፈስ (ቃል ኣምላኽ) (6፡17)

8. ሰናይ ሕልና (1ጢሞ 1፡18,19)

9. ብመንፈስ ምጽላይ (6፡18) 

ነዚ ኣጽዋር ኣምላኽ’ዚ ኸይዓጠቕካ ምንባር ማለት፡ ድሮ ስዑርን ምሩኽን ምዃንካ ምርግጋጽ ማለት’ዩ። እቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣጽዋር ከም ኣጽዋር ኰይኖም ዚርኣይዎ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። እዚኣቶም ግና እቶም ዝበርትዑ ኣብ ሰማያት እትዋግኣሎም፡ ጽኑዕ ዕርድታት ሰይጣን ዜፍርሱ፡ ረቂቕ ፍሕሶታት ሰይጣን ዚበታትኹ ናይ ሰብ ዘይኰነ ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር’ዮም። ነዚ ኣጽዋር’ዚ ዝዓጠቐ ሰብ፡ ስጋኡ ኣብ ምድሪ ይሳቐይን ይቘራረጽን ኪህልው፡ ስለ’ዚ ኸኣ ስዑር ሰብ ኪመስል ይኽእል’ዩ። እቲ ዝዓበየ ዓወቱ ግን ንሱ እቲ ሞቱ’ዩ። እቶም ናይ ሰይጣን ሕልቅነታትን ስልጣናትን ነዚ ዅሉ ስቓይ ኣብ ስጋኡ ዜውርዱሉ፡ ነቲ ንኣታቶም ዜዕንዎም ዘሎ ንሱ ዝዓጠቖ ኣጽዋር ኣምላኽ ምእንቲ ኼፍትሕዎ’ዮም። ነቲ እኩይ ድያብሎስ ዚስዕሮ ኸኣ፡ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ነቲ ዝዓጠቖ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣጽኒዑ ዚሕዝ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡

“ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ፡ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ።”

“ሓደ’ኳ ኣኽሊልካ ከይዝርፈካ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ።” ተባህለልና (ራእ 2፡25 ፣ 3፡11)። ናይ ሎሚ ኣጽዋርና፡ ናይ ጽባሕ ኣኽሊላትና’ዮም። ሎሚ ብድርዒ ጽድቂ ንዋጋእ ኣብ ምጽኣቱ ድማ ኣኽሊል ጽድቂ ንደፍእ። ናይ ትማሊ ድርዕና ዝነበረ ጽድቂ፡ ናይ ጽባሕ ኣኽሊልና ይዀነልና’ሎ (2ጢሞ 4፡8)። 

ብመንን ብኸመይን ኢና እንዕወት፧ እቶም ኣጽዋር ኣምላኽ ዓጢቖም ውግእ ኣምላኽ ዚዋግኡ ሰባት፡ መራሒ ኣለዎም። ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ’ዩ። እቶም በጽዋር ሰይጣን ዚዋግኡ ብሰይጣን ከም ዚምርሑ፡ እቶም በጽዋር ኣምላኽ ዚዋግኡ ድማ ብኣምላኽ ኪምርሑ ናይ ግድን’ዩ። ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ፡ ኣጽዋር ኣምላኽ ኪህልወካ ኣይከኣልን’ዩ። እግዚአብሔር ነቶም ናቱን ምስኡን ዝዀነ ጥራሕ’ዩ ነቲ ኽቡር ዕጥቁ ኣሚኑ ዜዕጥቖም። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ሓቂ’ዚ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።

“ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እዩ’ሞ፡ ብኣምላኸይ’ውን ንቐጽሪ እዘልሎ፡ ....እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፡ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ’ዩ። ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን። ኣብ’ቲ በሪኽ ቦታይ የቚመኒ። ንሱ ነእዳወይ ውግእ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን’ዩ። ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፡ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም። ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ። .....ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ’ዩ። እወ፡ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፡ ካብ ዓመጸኛ ሰብ እትባልሃኒ ንስኻ ኢኻ።” መዝ 18፡29,32-34,39,40,48

ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ናይ ውግእ ዘመንና፡ ኵሉ ጊዜ ምስ’ዚ ዜዐውት ኣምላኽ ምህላውና ኸነረጋግጽ’ዩ ዚግባእ። ዓወት ብዘይ ብእኡ ዘይትርከብ ምዃና ኸይፈለጥካ ምጽናሕ፡ ንርእሱ ፍርቂ ስዕረት’ዩ። ሰይጣን ከኣ ነታ ብልብኻ ኻብ ኣምላኽ እትፍለየላ መዓልቲ’ዩ ዚናፍቕ። ምኽንያቱ ስጋ ንበይኑ፡ ከይደፋእካዮ ዚወድቕ ምህሙን’ዩ። ኵሉ ጊዜ ብኣምላኽ ጥራሕ ከም እንዕወት ከኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ።

“.....ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ መን’ዩ ዚቃወመና፧ ....ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን’ዩ፧ ከመዮ፡ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ’ውን ተቘጸርና፡” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ መከራዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ድንገትዶ ወይስ ሞት፧ እምበኣር ኣብ ልዕሊ’ዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ዓወት ብምርካብ ካብ’ቶም ዝሰዓሩ ኣዚና ንበልጽ ኢና። ስለ’ዚ ሞት ኰነ ህይወት መላእኽቲ ዀኑ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ዚመጽእ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረት’ውን እንተ ዀነ፡ ካብ’ታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ’ለኹ።” ሮሜ 8፡31,35-39 ካ.ት

“ግናኸ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።” 1ቈረ 15፡57

“ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዚመርሓና፡ ብኣና’ውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ።” 2ቈረ 2፡14

ስለ’ዚ እቲ ኻብ ኣምላኽ ርእሱ ዘርሓቐ ሰብ፡ ነቲ ብክርስቶስ ጥራሕ ዚርከብ ዓወት ኪጐናጸፎ ኣይክእልን’ዩ። ብኣንጻሩ ኵሉ ጊዜ ስዑር ኰይኑ’ዩ ዚነብር። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብነብያቱ ገይሩ፦

“ዎ እስራኤል፡ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካስ ንጥፍኣትካ’ዩ። . . . ኣነ ኻባታቶም ምስ ዝርሕቕ ወይልኦም።” ዚብለና3። ብዛዕባ’ቶም ዕዉታት፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝሃቦ ምስክርነት ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ዜረጋግጸልና’ዩ።

“እዚኣቶም (እቶም ጸላእቲ ኣምላኽ) ሓደ ሓሳብ ኣለዎም። ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ’ዮም። እዚኣቶም ምስ’ቲ ገንሸል ኪዋግኡ’ዮም። እቲ ገንሸል ግና ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ-ነገስትን’ዩ’ሞ፡ ኪስዕሮም’ዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ’ዮም።”ራእ 17፡13-15

“ሳላ ደም ናይ’ቲ ገንሸልን ሳላ’ቲ ቓል ምስክሮምን ከኣ ሰዓርዎ፡ ንህይወቶም’ውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።”ራእ 12፡11

እቲ እንዋግኦ ዘለና እኩይ ጸላኢ፡ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ዜጽልል ረቂቕ መልኣኽ፡ ኪሩብ፡ ዝነበረ’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ካብ ማዕርጉ ቐንጢጡ ደኣ ኣርሒቕዎ’ምበር፡ ዓቕሙ ኣይገፈፎን። በዚ ንኽፍኣት ዝተጠቕመሉ ልዑል ዓቕሙ ንምልእቲ ዓለም ኣስሒቱ ኣብ ትሕቲኡ ስለ ዘግዝአ ኸኣ፡ “ገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚኣ” ኺበሃል ዝበቕዐ’ዩ (ዮሃ 14፡30፣ 16፡11፣ 2ቈረ 4፡4)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ውን ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ዲያብሎስ ተታሒዛ ምህላዋ ኣረጋጊጹልና’ዩ (1ዮሃ 5፡19)። ኣብ’ዛ በዚ እኩይ ተገዚኣን ተማሪኻን እትነብር ዓለም፡ ንባዕሉ ነቲ እኩይ ስዒርካ ብዓወት ምምልላስ መዘና ኣልቦ ዓወት’ዩ። ነዛ ዓወት’ዚኣ ዚረኽባ ድማ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎን፡ ኣእምሮኡ ዀነ ዅለንተናኡ ንኣምላኽ ዘግዝአ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ውልድነት ዚነብረሉን ብእምነት ዚመላለስን ሰብ ጥራሕ’ዩ (1ዮሃ 5፡4,5)።

ረብሓ ዓወትን ወጽዓ ስዕረትንከ እንታይ’ዩ፧ ይትረፍ ክትትንትኖ ንኽትጠቕሶ ጥራሕ’ኳ ብዙሕ’ዩ። ጐይታና ኣብ’ቲ ናብ’ቶም ሾብዓተ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ንገለ ኻብ’ቲ ረብሓታት ዓወት ጠቒስዎ ኣሎ (ራእ 2፡7,11,17,26-28፣ 3፡5,12,21፣ 21፡7)። ነዚ ንዚስዕሩ ተዋሂቡ ዘሎ ዓስቢ፡ ልክዕ ከም ስምና ኸነጽንዖ ዚግባእ’ዩ። እንተ ስዒርና ምስ ክርስቶስ ኣብ’ታ ዝፋኑ ናይ ምቕማጥ ክብሪ ተዓቚሩልና ኸም ዘሎ እናፈለጥና፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣትን ስቓይን ምእንቲ ኽንወሃብ በቲ እኩይ ተሳዒርና እንዋረደሉ ምኽንያት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። እዚ እኩይ ምርጫ፡ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዚመርጾ ኣይኰነን። ኣብ’ዛ ሓጻርን ተካልን ዕድመ’ዚኣ ኸም ድላይካ ብሓጢኣት ምእንቲ ኽትጻወት ኢልካ፡ ርእስኻ ናብ’ቲ ሓሰኻኡ ዘይመውት፡ ሓዉ ዘይጠፍእ፡ ስንኻ ዜሐርቅም ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘለዎ፡ እቲ እኩይ ድያብሎስን፡ እቲ ኣራዊትን ነብዪ ሓሶትን ዝተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን (ሳልፈርን) ምድርባይ፡ እቲ ዝኸፍአ መለሳ-ኣልቦ ዕሽነት’ዩ (ማቴ 5፡22,28,29፣ 22፡13፣ 24፡51፣ 25፡30,41,46፣ ማር 9፡43-48፣ ሮሜ 2፡8,9፣ 2ተሰ 1፡8-10፣ 2ጴጥ 2፡3-6,12,17,19-21፣ ይሁ 5-7,13-15፣ ራእ 20፡5-10፣ 21፡8፣ 22፡15)። እዚ ንስዑራት ዚወሃብ ፍርዲ ኺዝርዘርን ኪግለጽን ከሎ፡ ንመፈራርሂ ዝተደርሰ ጽውጽዋይ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሰበኽትን ዚመስሎም ብዙሓት’ዮም። በቲ ነዚ መዓት’ዚ ባዕሉ ዘዳለወ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ሓቀኛ ቓል ምዃኑ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኺገሃደልና’ዩ። ስለ’ዚ ኸም ቊማርተኛታት በቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና እንተ ዘይተጻወትና’ዩ ዜሕሸና። ኣብ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዝደለኻዮ ምእንቲ ኽትከውን፡ ብቢልዮን ኰነ ብትሪልዮን ንዘይቊጸር ዘለኣለም ርእስኻ ንስቓይ ምሃብ ክትእርሞ ዘይትኽእል ከቢድ ጌጋ’ዩ። እታ እንኮ ምርጫና ድማ፡ ነቲ እኩይ ድያብሎስ ምስዓር ጥራሕ’ዩ። በዚ እኩይ ክንሰዓርን፡ ንዘለኣለም ብእኡ ተታሒዝና ባሮቱን ምሩኻቱን ዄንና ኽንነብርን፡ ይትረፍ ከም ተኽእሎ፡ ከም ሓሳብ’ውን በእምሮና ኺሓልፍ ኣይግብኦን’ዩ። ኣቦ ይዅን ኣደ፡ ጐበዝ ይኹን ጐርዞ፡ ዋላ ቘልዓውን ከይተረፈ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኽሳዕ ዘሎ ኣብ ልዕሊ’ቲ እኩይ ሰዓሪ’ምበር ስዑር ኪኸውን ኣይግባእን’ዩ። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ዘየባትኽ ጻዕርን ሸቶን ከኣ እዚ ኪኸውን’ዩ ዚግባእ።

እምበኣር፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ዚግባእ ድሕሪ ምግንዛብና ኸነስዕቦ ዚግብኣና፡ ህይወትና ብዘይ ንሕስያ ምምርማር’ዩ። ናብራ ዕዉታት ወይ ከኣ ናብራ ስዑራት ንነብር ምህላውና ነረጋግጽ። ኣብ ዘየቋርጽ ውግእ ኢና ንነብር ዘለና። ንነፍሲ ወከፍ እንሓስቦ ሓሳባት፡ እንዛረቦ ቓላት፡ እንገብሮ ተግባራት፡ ናይ ዓወት ድዩ ናይ ስዕረት ክንመምዮ ይግባእ። ኣብ ሰሙን ወይ ኣብ ወርሒ ሓንሳእ ኣይኰነን። መዓልታዊ ዅለንትናና ፈቲሽና፡ ናይ ዕዉታት ወይ ናይ ስዑራት ባህርይን ግብርን ከነዘውትር ከም ዝወዓልና ፈሊጥና፡ ንዓወትና ኸነጽንዕ፡ ነቲ ዝተሰዓርናሉ ድማ ብንስሓ ኸነሕውይ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት፡ ፍረ-ስዕረት’ያ። ነፍሲ ወከፍ ግብሪ ጽድቂ ድማ ፍረ-ዓወት’ያ። ሓጢኣት ከኣ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ተዋህላሊ’ዩ’ሞ፡ መዛግብቲ-ህይወትና ኻብ ሓጢኣት ኣንጺህና፡ ኣብ’ቲ እኩይ ዲያብሎስ ዓወት ነመዝግብ ምህላውና፡ ወርትግ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ነሓሰ 28, 2015 ግዕዝ (3 መስከረም 2023  [መበል 52 ሰንበት: ቊ.፷/60, 2023] )

ምስባክ

 መዝ..፭፡፪-፫

“እስመ ኀቤከ እጼሊ እግዚኦ። በጽባሕ ስምዐኒ ቃልየ። በጽባሕ እቀውም ቅድሜከ ወአስተርኢ ለከ።”

ዓዲ፡ መዝ.፴፭(፴፮)፣፱-፲

“እስመ እምኀቤከ ነቅዓ ሕይወት። በብርሃንከ ንርአይ ብርሃነ። ስፋሕ ምሕረተከ እግዚኦ ላዕለ እለ የአምሩከ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ኤፌ 5፡5-20

ዲያቆን

1ዮሃ  2፡7-15

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 27፡33-39

ንፍቅ ካህን

ማቴ 4፡12-17

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ

መዝሙር አምላኪየ ኄር

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div