S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት፥ ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳ፥ ካናዳን ማእከላይ ምብራቕን

ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን እሞ: ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ! ራእ/ዮሓ 2፡10

ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ብማዕርግ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120: ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኮይኖም፥ ሓዋርያዊ ሕግን ክርስቶሳዊ ሥርዓትን ኣኽቢሮም፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ድምጺ ዝተሓርዩ፥ ፓትርያርክ እዮም።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፥ “እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅዕን እዩ።” (ማቴ 10፡38) ብዝበሎ መሠረት፥ ነዚ ተኸቲሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ፈተና ምስ ገጠሞም፥ “ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኪሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቖጽሩ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሓጎሱ ከዱ።” ይብል። ግብ 5:41 ሓዋርያዊ ክርስቶሳዊ ኣሰር ዝተከተሉ፥ ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ እዚ ከቢድ ናይ ስቓይ መቕጻዕቲ ኣብ ርእሲኦም ምስ ወረደ፥ ንኹሉ ሽግሮም ከም በረኸት ብምቝጻር፥ ነቶም ገበርቲ ክፉእ’ውን ኣምላኽ ናብ ልቦም ክመልሶም እናጸለዩ፥ ኣሰር ክርስቶስን ኣሰር ቀዳማይ ሰማዕት እስጢፋኖስን፥ ተኸቲሎም፥ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ብኽብሪ ዝሓለፉ  ኣቦ እዮም።

ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ምእንቲ ልዕልና ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን፥ መሰልን ፍትሕን ደቂ ሰባት ኣቦን ተጣባቒን ኮይኖም “ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዚብሎ፥ “ካብ ንጊዚኡ ብኃጢኣት ባህ ዚብሎስ ምስ ሕዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ኪጸግብ ሓረየ። ናብቲ ዓስቢ ዓወት ጠመተ እሞ፥ ካብ መዝገብ ግብጽስ፥ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ፥ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙኅ ሃብቲ ገይሩ ቈጸሮ።” ዕብ 11:25-26 ዚበሎ፥ ቅዱስ ሰማዕት እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥  ካብ ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ኣሕሊፈ ዚህብ፥ ሥልጣንን ጊዚያዊ  ክብንረትን፥ እዛ ዓለም ይትረፈኒ። ክጸድቕ ኢለ እምበር ጳጳስ ክሽየም ኢለ ኣይመንኰስኩን፥ ፍትሕን ሕግን እናተረግጸ፥ ተዓሚተ ኣይሓልፍን። ነቶም ሰኦኣርቲን መፍረስቲ ሕግን ድማ “ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዚረግጸካ።” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ፥ ሓረግ ሓንጺጾም፥  ምእንቲ ሕዝቦምን መጓሴኦምን በጃ ሕዝቦም ኩሉ ጸዋትወ መከራ፥ ተሰኪሞም ሓሊፎም ኣለዉ።

ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ኣብ ዝሓለፈ መሪርን ኣሰቃቕን ማእሰርቶም፥ ዋላካ ብብዙኃት ኣመንቲን፥ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብኢዶም ዝቐብኦውምን መጓዕዝቶምን መሻይምቶምን ጳጳሳት እንተ ተኸሓዱን እንተ ተጠለሙን፥ ብሓቅን ብጸጋን ተቢዖም፥ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኮነ ንኣና ሰዓብቶም ረዚን ሕድሪ እምነት ሓዲጎሙልና፥ ሓሊፎም  ኣለዉ።

 ስለዚ ንሕና ሎሚ፥ ኣብዚ ቅዱስ ቦታን ኣብ ኩሉ ኵርንዕ ዓለምን ንዝኽሪ-ዓሱሮም ንምዝካርን ካልኣይ ቀብሮም ንምስታፍን ተጋቢእና ዘሎና፥ ቀንዲ ዓላማና ነዚ ናይ ዘመንና ሰማዕት ዝኾኑ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ዚሓደጉልና ሓዋርያዊ ተልእኮን ግዴታን ተቐቢልና ሓዋርያዊ ሕድሪ እምነት ንምፍጻምን መብጽዓና ንምቕጻልን።

በዚ መሠረት ሓዋርያዊ ሕድርን ታሪኻዊ ለበዋን ናይ ቅዱስ ሰማዕት እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ኣብ ተግባር ብምውዓል፥ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ጥንታዊ ሕጋን፥ ቀኖናዊ ሥርዓታን ብኽብሪ ተዓቂቡ፥ ንቀጻሊ ወለዶታት ንምስግጋር፥  ሕዝቢ ኤርትራ ብሕግን ፍትሕን ክዳነን ክምራሕን፥ ኩልና ኣሰር  ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፥ ሕድሮም ተቐቢልና እነተግብረሉ፥ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ብፍላይ ድማ ውሉደ-ክህነትን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተሓጊዝና ንኹሉ ውዲታት ማሕለኻታት ናይ ሰይጣን ሰጊርና ብተወፋይነት መንፈሳዊ ዕላማና ኣብ ፍጻሜ ከም እነብጽሖ ንኹሉ ኣማኒ እነረጋግጸሉ ፍሉይን ቅዱስን ዕለት እዩ። 

ቅዱስ ሰማዕት ስፕርያን ዘካርታጅ (Bishop Cyprian, Bishop of Carthage [Tunisia] ) “ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ እያ፥ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን በበይኑ ኣይኮነትን። ወይ ምስ ናቫቲያን ሕጊ ዝሰዓረ፥ ወይ ከኣ ምስቲ ሥርዓትን ሕጊ ሓዋርያት ተኸቲሉ፥ ንጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽቢሩ ሰማዕትነት ዝፈጸመ፥ ቅዱስ ቆርነሌዎስ እያ ዘላ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ምስቲ ክርስቶስ ዝተኸተለ ምእንቲ ስሙ ሰማዕትነት ዝፈጸመ ቆርነሌዎስ እምበር ምስ እቲ ሕጊ ዝሠዓረን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኸይድን ናቫቲያን ክትህሉ ኣይትኽእልን።” ሲፕርያን ናይ ካርታጅ ደብዳቤ 75:3 (252 ዓም  ከም ዝበሎ፥ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ምስቶም ሕግን ሓዋርያዊ ክርስቶሳዊ ሥዓርት ተኸቲሎም ዝኸዱ እምበር ኣብ ክልቲኡ ክትህሉ ኣይትኽእልን እያ።  

በዚ መሠረት፥ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳ፥ ካናዳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ከምእውሳኔና እንሆ፡-ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉር ዝርከቡ ጽኑዓት ኣመንቲ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣቋም መግለጺ ውሳኔና እንሆ፡-

1) ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ዓሠርተ ሽዱሽተ ዓመትን፥ ዕስራን ሾምንተን መዓልቲ፥ ምእንቲ ሃይማኖቶም ኣብ ከቢድ ግፍዓዊ ቤት ማእሰርቲ፥ ብሰማዕትነት ስለ ዝሓለፉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰማዕት ምዃኖም ንኣምንን ንእውጅን። በዚ ድማ ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ተባሂሎም፥ ኣብ ቅድስና ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዝገብ ቅዱሳን (ስንክሳር) ክምዝገቡ ምዃኖም ነረጋግጽ።

2) ኣብ ኩሉ ጸሎታትና፥  እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ኖላዌ  ኄረ ወመራሔ። ኦ ጐይታ ነፍሲ ኣቦና እንጦንዮስ ኣዕርፍ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሕያዋይን መራሕን ጓሳ ሃበና። ኢልና ብጥብኣት እናጸለና፥ ኣምላኽና ኣብ ዝመደቦ መልሲ ክሳብ ዝህበና፡ ቃል  ቅዱስ ሰማዕት እንጦንዮስ ቀዳማዊ ክሳብ ዝፍጸምን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንቡር ክሳብ ዝምለስን፥ ኣብ ቃልና ጸኒዕና፥ ከየባተኽና ጸሎትና ቀጻሊ እዩ። 

3) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኤርትራዊ ኣብዚ ናይ ጸልማት ጊዜ፥ ሓዋርያዊ ኣቦን እሙን ጓሳን ብምዃን፥ ከይተሓለሉ፥ ዝመርሑና፥ ሕጋዊ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ፥ ኣባል ቀኖናዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን፥ ቅዱስ ሲኖዶስ መንበረ ማርቆስ እስክንድርያን፥ ንዝገበሩልናን ዝገብሩልና ዘለዉ ዓቢይ ሓዋርያዊ  ኣገልግሎት ልዑል ኣኽብሮትና እናገለጽና፥ ጸሎቶም ኣይፈለየና ንብል።

4) ኣብ ዚሓለፈ ጊዜ ኣብ ናይ ጣዕሳ “ንሕና ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቅድሚ ኮሮና ምጅማሩ፥ ኮሮና ኮንና ቅድሚ ምጅማሩ፥ ኮሮና ዝዓጸናዮም ንሕና ጳጳሳት ኢና።” ብዝበልዎ ኣባ ሲኖዳ ናይ ጣዕሳ ቃልን ብድሕሪኡውን ቅድስና ኣቡነ እንጦንዮስ ኣሚኖም፥  ብስሞም ምስላዮምውን፥ ነሞግስ። ካልኦትውን ካብ ዝሓለፈ ጌጋኦምን ስሕትቶምን ተኣሪሞም፥ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኪትንሥኡን ካብ ጌጋኦም ክምለሱን ንጽውዕ። እቶም ዕርፊ ሃይማኖት ኂዞም፡ ከም ዴማስ ንድሕሪት ኽጥምቱ ዝደልዩ ሰብ ክልተ ልቢ ድማ ‘’ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ!’’ እናበልና መመስቀሎም ጾይሮም  በታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ክጎዓዙን ነዚ ረዚን እምንትን ቃልን ናይ ቅዱስ እንጦንዮስ ኪስዕቡ ንጽውዕ።

5) ዝሓለፈ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሕብሮ፥ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን፥ ገለ ሰብ ረብሓ ጳጳሳትን ሰበ ሥልጣንን ንቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፥ ብዘይገበሮን ዘይፈጸሞን ገበን ኣጸሊሞም፥ ምስ ነገሥታት ዓለም ተሰማሚዖምን ተሻሪኾምን፥ ብዘይፈጸሞ ገበን፥ ገፊዖምን፥ ወጊዞምን ክሳብ ሞት ከም ዘብጽሕዎ  ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን መዝጊብዎ ዚርከብ ሓቂ እዩ። ፈጸምቲ ገበን፥ ንዝፈጸምዎ ጥፍኣት ተኣሚኖም፥ ድሕሪ 31 ዓመት ኣብ መቓብሩ ከይዶም ይቕሬታ ሓቲቶም ኣብ ቅድስና፥ ከም ዘስፈርዎ፥ ድማ ዳግማይ ቅዱስ ዮሓንስ ዝኾኑ፥ ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ እቲ ብፖለቲካዊ ኃይሊ ዝዝወር፥ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ፥ ዘይሕጋዊ  ምሕደራ፥ ሲኖዶስ ቢሎም ርእሶም ዝሠየሙ፥  ኣብ መቓብር ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ከይዶም ይቕረታ ብምሕታት ክሳብ ቅድስናኦም ዘረጋግጹን፥ ንልዕልና ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ዝኽብሩን፥ ዝኾነ መንፈሳዊ ሥልጣኖም ከም ዘይንቕበልን፥ ውግዘት ቅዱስ እንጦንዮስ ኪለዓል ከኣ ይቕሬታ ምስ ዚሓቱ ጥራይ ከም ዝኾኑ  ንሕዝብና ንሕብር።

6) ኩሎም እቶም ኣብ ርእሲ ሰማዕት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ኣብዚ ከቢድ ግፍዒን ማእሰርት ሕልፈተ-ሕይወትን ብቀጥታ ይኩን ብተዘዋዋሪ፥ ኢድ ዝሓወሱ፥ ሰበ-ሥልጣን መንግስቲ፥ ጳጳሳትን ካልኦት ገበርቲ ክፉእ ተሓባበርትን  ኣብ ቅድሚ-ሕግን ኣምላኽን ተሓታቲ ምዃኖም፥ ክፈልጡ ይግባእ። ብሕይወተ ሥጋ እነለዉ ድማ፥ ካብ ኣቦና ፍትሓትን ቕሬታን ካብ እግዚኣብሔር ከኣ ምሕረትን ፥ መንፈሳዊ ጻውዒትና ከኣ ንኣኣቶም ነቕርብ።

7) ሕጂውን ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ጎዳጉዲ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ፥ ብቃንዛ-ሥጋ ዝሳቐዩ ዘለዉ ገዳማውያን ኣቦታትን ካህናትን፥ ኩሎም ውሉደ ቤተ ክርስቲያንን ኩሎም ኤርትራውያን፥  ፍርድን ብዘይፍትሕን ብዘይሕግን ተኣሲሮም ዘለዉ ፍታሕ ክረኽቡ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ።

8) መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፥ ድማ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ናይ ብዙኃት ስቕታን፥ ናይ ገለ እንታይ ገደሰኩም ስቕ በሉ ዝብሉ ተጠቀምትን ሰብ ረብሓን ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ታሪክ ዓለም ዘይተሰምዐ፥ ከሰስቶም ፈረድቶም፥ ፈረድቶም፥ ከኣ ሓለውቶምን ዋርድያታቶምን፥ ብምዃን፥ ንሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ካብ ሕልና ደቂ ሰባት ንላዕሊ ዝኾነ ከቢድ ዋጋ ኣኽፊለምዎም እዮም። ሕጂውን ብኅብረት ኮንና፥ ዓገብ ክንብልን፥ ቅዱስ ሰማዕት እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ናይ ፍትሒ ቃሎም ክሳብ ዝትግበርን ብሓድነት ቃልና ናብ ኣምላኽ ከነስምዕን ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ።

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ! መዘከርታ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር። መዝ 112፡6

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት፥ ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳ፥ ካናዳን ማእከላይ ምብራቕን

20 የካቲት 2022 ዓ/ም/ፈ (፲፫ የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div