S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስቕለት ክርስትያን ተሰቐሉ (መበል 26 ሰንበት: ቊ.፳፮/26, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎዮም። ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።ገላ 524,25 .

እንሆ ብረድኤት ኣምላኽ ናብ ቐዳመይቲ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም በጺሕና ኣለና። ካብ ዘመነ ኣስተርእዮ ናብ ዘመነ ጾም ንኣትው ኣለና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዛ ቐዳመይቲ ሰንበትዚኣን እዚ ዚስዕብ ክሳዕ ቀዳም ዘሎ ሰሙንንዘወረደተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ዝዀነን ምእንታና ሞት-መስቀል ዝሞተን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን፡ ነቲ ንሱ ኻብ ክብሩ ወሪዱ ምእንታና ዝተሳቐየሉን ዝተዋረደሉን ዕላማ ንነብር ምህላውና ርእስና ንኽንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያትዩ። እዛንነብረላ ዘለና ዓለም ኣብ ትሕቲ ሰይጣን እትግዛእ፡ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ዝጋዕዘየት ውድቕቲ ዓለምያ። ይትረፍ ፍጹም ኣምላኽ ናብኣ ወሪዱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኺነብረላ፡ ብክርስቶስ ኣሚኑ ብሕድገት ሓጢኣት ዝጸደቖ ጻድቕ ሰብ ኺነብረላ ዘይትበቅዕ ዓለም (እብ 1138) ንኣምላኽ ይትረፍ ሓጢኣት ዓለም ጸይሩ ብስጋ ኺመውት፡ እታ ናብ ዓለምዚኣ ወሪዱ ብኣካለ ስጋ ኣብኣ ምንባሩ ጥራሕውን፡ ኣዝዩ ዓብይ መከራን ውርደትንዩ። ስለ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ወልድ ምውራድ፡ ልክዕ ከም ናትና ኻብ ላዕላይ ደርቢ ናብ ታሕታይ ደርቢ እንወርዶ ዓይነት ምውራድ ጌርና ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግብኣናንዩ። ነቲ ኻብ ሰማይ ናብ ዓለምዚኣ ምውራዱ ብዓብይ ክብሪ ኽንርእዮን ዕዙዝ ምስጋና ኸነቕርበሉን፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ዝወረደሉ ዕላማ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ኽንነብሮን ክንትግብሮን ናይዘወረደቕንያት ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተሰሪዑልና ዘሎ።ወረደ፡ ወረደኢልና ዘሚርናን ኣጣቒዕናን፡ ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ግን ኣንጻር ናይ ዝወረደሉ ዕላማ ንሰርሕን ንዋጋእን እንተሊና፡ ጥበራናን ግብዝነትናን ካብ ምቅላዕ ዚሓልፍ ዝዀነ ኻልእ ትርጕምን ረብሓን ኣይህልዎንዩ።

ጐይታና ግን ክሳዕ ዘለናያ ግእዝቲ ዓለም ጥራሕ ኣይኰነን ዝወረደ። ነቶም ብመስዋእቱ ኼድሕኖም ኣብ መዓሙቝ ሲኦል ኣብ ማእሰርቲ ዀይኖም ይጽበዩ ንዝነበሩ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ሓራ ንኼውጽእ ብሞቱ ኽሳዕ ሲኦል ወሪዱ (ኤፌ 48,9 1ጴጥ 318,19 46) ጐይታና ምእንታና ኺብል፡ ካብ ልዑል ክብሪ ናብ ውርደት ዝወረደ። ምውራድ እንተ ዘይፍጸም፡ ሞትን ትንሳኤን ኣይምተፈጸመን። ስለ ኸኣ ድሕነት ኣይምተረኽበን ነይሩ።

ናይ ዕለት ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔርዘርእስቱዩ። እቲ ናይ ዕለት ምስባክውን፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃትዚብልዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ካብ ሰማይ ብዛዕባ ምውራዱ ጐይታና ባዕሉ ዝተዛረቦ ቓል ዝሓዘዩ። ብዘይካ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፡ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ የልቦን።ዮሃ 313

እዚ ቓል ናይ ምስጢረ-ስጋዌ መሪሕ-ቃልዩ። ኣምላኽነት ናይ ጐይታና ዜረጋግጸልና ምስጢር ዝመልኦ ቓልዩ። ካብ ሰማይ ወሪዱ ወዲ ሰብ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ገናውን ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ፡ ካብ ምልኣት መለኮቱ ኸም ዘይጐደለ፡ ብህልውናኡ ሰማይን ምድርን ዚመልእ ኣምላኽ ምዃኑ ኺገልጸልና ዝበሎ ቓልዩ። ኣብ ስጋ ሓዲሩ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ስለ ዝተገልጸ፡ ካብ ምልኣት መለኮቱ ንላዕሊ ነቲ ብሓጺር ቍመትን ጸቢብ ደረትን ዝተገልጸ ናይ ስጋ ድሩትነቱ ጐሊሑ ኺረኣየና ኣይግባእን። ብመለኮቱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ሃለወ፡ ገለ ኽፋል ናይ መለኮቱ ጥራሕ ኣብ ስጋ ኸም ዝሓደረ ጌርና ብምሕሳብ ከይንሃጽጽ ከኣ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣብ ሰብነት (ስጋ) ናይ ክርስቶስ መለኮት ብምልኣት ከም ዝሓደረ፡ መንፈስ ቅዱስ ብቕዱሳን ሃዋርያት ገሊጹልና (ቈሎ 119 29,10) ቅዱሳን ኣቦታትና ንናይ ጐይታና ኻብ ሰማይ ምውራድ ኣጽንዖት ብምሃብ ርእሱ ዝኸኣለ ቕንያት ዝሰርዑሉ ምኽንያት፡ ጐይታና ባዕሉ ብዛዕባ ኻብ ሰማይ ምውራዱ ደጋጊሙን ጸቒጡን ብኣጽንዖት ስለ ዝተዛረበሉዩ።

“......እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ ...... ኣነ ፍቓድ ናይ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። .... እቲ ኻብኡ ዚበልዕ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነየ። ካብ እንጌራ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብርዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይዩ።” ዮሃ 633,38,50,51,58

ስለብክርስቶስ እኣምንዚብል ክርስትያን፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ኻብ ሰማይ ምውራዱ፡ ማዕረ ጐይታናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን፡ ዝሃብዎ ኣድህቦ ኼድህብሉ ይግብኦ። ኣይሁድ ነቲ ኣካላዊ ቍመናኡን ስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይትኡን ዝዓበየሉ ኸባብን ርእዮም፡ ነቲካብ ሰማይ ወሪደዝበሎ ቓል፡እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዴኡን ንሕና እንፈልጦም ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፡ካብ ሰማይ ወረድኩይብል ኣሎ፧እናበሉ ንሓድሕዶም የጕረምርሙ ነበሩ (ዮሃ 641,42) ጐይታና መሊሱሎም ከም ዘሎ፡ ናይ ጐይታና ኻብ ሰማይ ምውራድ ዘይርድኦን ዘይምስጦን ሰብ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘይሰሓቦን ካብ ኣምላኽ ዘይተማህረን ሰብ ጥራሕ (ዮሃ 643-45)

እዚ ንኣትዎን ንፍልሞን ዘለና ዓብይ ጾም፡ ስቕለትን ትንሳኤን ናይ ጐይታና ዘማእከለ ጾምዩ። ነዚ ዓብይ ጾም ዓመት መጸ ኢና እንጾሞን እነኽብሮን። ንናይ ስቕለት ሞቱ ዓመት መጸ ንመሃሮን ነብዕሎን። ናይ ክርስትና እምነት ግን ብዛዕባ ዕብየትን ኣገዳስነትን ናይ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ጥራሕ ኣይኰነን ዚምህረና። ዕላማ ናይ ስቕለቱ እንታይ ምዃኑውን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ይምህረናዩ። ብስቕለቱ፡ ንስሓን ምሕረትን ዕርቅን ቅድስናን ንጽህናን ንኺህበና ኸም ዝተሰቕለ ዅላትና ንፈልጥ ኢና። ገሌና ፈጺምና ዘይንፈልጦ፡ ገሌና ኸኣ ፈሊጥናዮ ኸነብቅዕ እናፈለጥና ፈቲና፡ ኰነ ኢልና እንርስዖ ኢና። እዚ ዕላማ ጐይታና ኻብ ሰማይ ዝወረደሉን፡ ተሰቒሉ ዝሞተሉን፡ ሓይሊ ሞት ስዒሩ ዝተንስአሉን ዕላማ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ዓብይ ጾም ቀዳማይ ትምህርትና ዀይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ዘይተሰቕለ ክርስትያን ስቕለት ክርስቶስ ንፍርዲ ይዀኖምበር፡ ኣይረብሓሉንዩ።

ስቕለት ክርስትያንኢልካ ዘረባኸ እንታይ ዘረባኡዩ፧ ክርስቶስ ጐይታናስ ንኣና ንኼድሕን ተሰቒሉ፡ ንሕናኸ ደኣ ንምንታይ ኢናንስቀል፧ እዚ ሕቶታት ግሩም ዝዀነ መንፈሳዊ ብርሃን ዚኸስተልና፡ ኣዝዩ ኣገዳስን ወርቃውን ሕቶታትዩ። ነዚ ሕቶታት ግቡእን ምሉእን መልሲ ዝረኸበ ሓታቲ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ሓቀኛ ውሳነን ስጕምትን ናይ ምውሳድ ተኽእሎኡ ኣዝዩ የስፍሓሉዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታ ዝተዛረቦ ነዚ ሕቶና ግቡእ መልሲ ዚህብ ክፍሊ ወንጌል ብኸም ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።

““ፍርዲ ናይ ዓለምዚኣ (ዚፍጸመሉ ጊዜ) ሕጂ በጽሐ። ገዛኢ ናይ ዓለምዚኣ (ዝዀነ ድያብሎስ) ሕጂ ናብ ወጻኢ ኺድርበይዩ። ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦበሎም። ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣማውታ ከም ዚመውት ንኼመልክተሎም እዚ ዝበለ።ዮሃ 1231,32

ብመሰረት ኣገላልጻ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ካብ ምድሪ ልዕል ምባሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝሞቶ ሞት ዜመልክትዩ። በዛ ስቕለቱዚኣ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ናብኡ ናብ መስቀል ኪስሕቦ ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ። ጐይታና ነዛ ቓልዚኣ ዝተዛረበ ኣብ መንጎ ሆሳእናን ኣብ መንጎ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ሓሙስ ምሸትንዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ናይ ሕማማት ሰሙን ተዛሪብዋ። እዛ ቓልዚኣ ብዛዕባ ናትና ናይ ክርስትያን ስቕለት ናይ መጀመርታ ዘይኰነትሲ፡ ናይ መወዳእታ ዘረብኡያ። እታ ናይ መጀመርታ ዘረብኡ ደኣ ኣበይ ትርከብ፧

ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕልሞ፡ ይስዓበኒ። ንህይወቱ (ኻብ መስቀል) ኬድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን (ኣብ መስቀሉ) ዜጥፍኣ ግና ኬድሕናዩ።ማር 834,35 ሉቃ 923,24 ማቴ 1624,25

እዚ ቕዱስ ወንጌል ነጊሩና ኸም ዘሎ፡ እዚ ቓል ንደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ዝሰምዖ ዝነበረ ህዝቢውን ዝተዛረቦ። ስለ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ ንነፍሲ ወከፍ ምእመንውን ከም ዚምልከት ብንጹር ተመልኪቱ ኣሎ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስዕብ ዘሎን ኪስዕብ ንዚደልይን ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚምልከት ትእዛዝዩ። ነናትና መስቀል ኸነልዕልምበር፡ ናይ ክርስቶስ መስቀል ከነልዕል ኣይተነግረናን። ጐይታና ናቱ መስቀል ከም ዘልዓለ፡ ንሕናውን ነናትና መስቀል ከነልዕል ኣዚዙና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ዝተሰከሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ኸኣ ኣብኡ ሰቒሉ ብስጋ ዝሞተ። ንሕና ግን ነዚ ግዙፍ ስጋና ኽንሰቅል ኣይተኣዘዝናን። ከምኡ እንተ ዚኸውንሞ፡ ኣብ ቐዳመይቲ ስቕለትና ስለንመውት፡ እናፈለጠኣብ ጸጽባሕ መስቀሉ የልዕልኣይምበለናን ነይሩ። ናትና መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ኣልዒልና ንስቀለላ ኻብ ኰንና፡ ስቕለትና ብዓይነቱ ኻብ ናይ ክርስቶስ ስቕለት ዝተፈልየ ምዃኑ ርዱእዩ። ብርግጽ ናይ ስጋ ሞት ዚምወቶ መስቀል ዜልዕሉ ውሑዳት ሰባት ከም ዘለዉ ዘይከሓድ ሓቂዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ቍልቁል ኣፉ ተደፊኡ ኸም ዝተሰቕለ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ይነግረናዩ። ገሊኣቶም ከኣ ተሰዪፎም፡ ተመጊዞም፡ ብሓዊ ተሃሚኾም፡ ብኣራዊት ተበሊዖም ዝሞቱሞ፡ ናይ ስጋ መስቀሎም ዘልዓሉ ኣለዉ። እዚ ናይ ሞት መስቀልዚ፡ ኣብ ርእሲ ኸም ኵላትና ዝተሰከምዎ ነናቶም መስቀል ተደራቢዩ።

እዚ ዘንበብናዮ ናይ ማር 834,35 ጥቕሲ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ንሕና እንስቀሎ ስቕለት፡ ምእንቲ ርእስና ወይ ምእንቲ ኻልኦት ሰባት ዘይኰነ፡ ምእንቲ ክርስቶስን ምእንቲ ወንጌልንዩ። ከም ንሱ ምእንታና ኣብ መስቀሉ ዝተሰቕለ፡ ንሕና ድማ ምእንትኡ ኣብ መስቀልና ንስቀል ማለትዩ። እቲ ዕላማ ናይ ስጋዊ ስቕለት ክርስቶስን፡ ዕላማ ናይ መንፈሳዊ ስቕለትናን ግን ኣዝዩ ዝተፈላለየዩ። እታ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና ዝተሰቕለላ ስቕለት፡ ናይ ስጋ ስቕለትያ። ምኽንያቱ ምእንታና ብስጋ መከራ ኸም ዝጸገበ ቅዱሳን ሃዋርያት ኣነጺሮም ነጊሮምናዮም (1ጴጥ 41 318 ሮሜ 83 .) እንተ ዀነ በቲ ቕድሚ ስቕለት ስጋኡ ዝነበረ ናብራኡ፡ ናብራ መስቀል ይነብር ከም ዝነበረ ቕዱስ ወንጌል ተሪኹልና ኣሎ። እዚ ማለት፡ ፍቓዱ ገዲፉ ንፍቓድ ኣቦኡ ይፍጽም ምንባሩ፡ ክብሪ ናይ ዝለኣኾ ኣቦኡምበር ክብሪ ርእሱ ዘይምድላዩ፡ ዋላ ብሰይጣንን ብሰባትን ብኸቢድ ይፍተን እንተ ነበረ ሓጢኣት ዘይምፍጻሙ፡ ወዘተ፡ ናይ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ መስቀል መርኣያዩ። ኣብ እዋን ብኣካል-ስጋ እንተ ዘይተሰቕለ እቲ ዅሉ ናብራኡ ግን ናይ ዝተሰቕለ ሰብ ናብራ ነበረ። ነዚ ኢናመንፈሳዊ ስቕለትእንብሎ።ስቕለት ክርስትያን ንሰቐልኪበሃል ከሎምበኣር፡ ነዚ ኣርኣያ ክርስቶስ ንስዓብ ማለትዩ። ስለ ኣብ ነናይ ዕለቱ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና፡ ናይ መንፈሳዊ ስቕለቱ ኣርኣያ ንኽተል። ብምኽንያት እምነትና ብስጋና መከራ መስቀል እንቕበለሉ ዅነታት ኪኽሰት ከሎ ድማ፡ ኣርኣያ ናይ ስጋዊ ስቕለቱ ንኽተል ማለትዩ። ናይ ሎሚ ትምህርትና ግን ኣብ ስጋዊ ስቕለቱ ብኸመይ ብመንፈሳዊ ስቕለትና ኽንሓብሮ ኸም ዚግብኣና ዚገልጽዩ። ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና፡ ንሓጢኣትና ምእንቲ ኼርሕቐልና ብስጋኡ ዝተሰቕለ። ንሕና ግና ምእንቲ ሓጢኣቱ ኣይኰንናን ንስቀል፡ ምኽንያቱ ንሱ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብንዩ። ንሕና ምእንቲ ኽብሩ ኢና ንስቀል። ጐይታና፡ ብዛዕባቶም መስቀሎም ዘልዓሉ ቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ዮሃ 1710) ብዛዕባናውን እዛ ምስክርነትዚኣ ምእንቲ ኺህብ ኢና ንስቀል። ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሰብ ካብ ዝዀነሉ ዕላማታት ሓደ እንታይ ምዃኑ ጐይታና ባዕሉ፦ ኵሉ ሰብ ከም ነቦ ዜኽበሮ ገይሩ (ንወልድ) ምእንቲ ኬኽብሮስ ፍርዲ ዘበለ (ንወልድ) ሃቦምበር፡ ኣቦ ንሓደ (ባዕሉ) ኣይፈርድንዩ። እቲ (ንወልድ) ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮንዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 522,23) ኵሉ ሰብ ኪስቀል ዘድለየሉ ምኽንያት ንወልድ ማዕረ ኣቦ ምእንቲ ኬኽብሮዩ። እቲ ፍርዲ ንእኡ ስለ ዝተዋህበ፡ ነቲ ኣብ መስቀሉ ዘየኽበሮ እንታይ ከም ዚፈርዶ ኸይተሓልመ ዝተፈትሐ፡ ርዱእ ሓቂዩ። ነዚ ኽብሪ ግን ካባና ጥራሕ ኣይኰነን ዚጽበዮን ዚረኽቦን። ብዓብዩ እግዚኣብሄር ኣቦ ባዕሉውን ኣዝዩ ኬኽብሮዩ። ጐይታና ኻብ ኣቦኡ ኸምኡ ትጽቢትን ድልየትን ስለ ዝነበሮ፡ ኸምኡ ኢሉ ተኣሚኑን ጸልዩን (ዮሃ 174,5 1331) ነዚ ኽብሪ ኻብ ኣቦኡ ኸም ዝተቐበሎ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ (ፊል 26-11) ንሕና ኸኣ ብስጋና ንኣምላኽ ከነኽብሮ ብኣጽንዖት ተኣዚዝና ኣለና (1ቈረ 619,20 1031 2ተሰ 111,12) ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ነቲ ንጐይታና ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ብግብሪ ስለ ዝፈጸሞን ንኣና ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀነና ኢሉ፡ ነዚ ዚስዕብ ግሩም ተኣምኖ ተኣሚኑ ኣሎ።

“(ንክርስቶስ ናይ ምኽባር) ተግባረይ ንምፍጻም ከይሓፍር ብዓል ምሉእ ተስፋን ሃረርታንየ። ከም ዅሉ ሳዕ (ዝገብሮ) ሕጂውን እንተ ዀነ፡ እንተ ብህይወት እንተ ብሞት (ብስጋይ) ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮየ። (ምኽንያቱ) ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስዩ፡ (ምእንትኡ) ሙማት ከኣ ረብሓይዩ።ፊል 120,21 .

ሕራይ፡ ዕላማ ስቕለትና ንክርስቶስ ምኽባር ምዃኑ በሪሁ ኣሎ። ግን ብኸመይን ኣብ ምንታይን ኢና ኽንስቀል፧ ብኸመይ ኢናኸ ከነኽብሮንኽእል፧ ነዚ ሕቶና መሪሕ ጥቕስና መሊስዎ ኣሎ። ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልእ መልእኽታቱ ገሊጽዎ ዘሎ ኣገናዚብና ምስንርእዮ፡ ምሉእ መልስን ርድኢትን ክንቀስም ኢና፡

ምስኡ ሓቢርና እንተ ሞትና፡ ምስኡ ሓቢርና ኸምንትንስእ ርጉጽዩ። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና (እቲ ሓጥእ ባህርይና) ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ምስ ክርስቶስ) ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡዩ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፡ ምስኡ ብህይወት (ብጽድቂ) ከምንነብር ድማ ንኣምን ኢና። ብሞቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንሓጢኣት ዝሞተ፡ ብህይወቱ ግና ንኣምላኽ ዚነብር፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ (ጽድቂ ንምግባር) ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ። እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ። ንኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። ከመይ ትሕቲ ጸጋምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምንዩ።ሮሜ 65-8,10-14 .

ካብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ድሮ ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና፡ ስቕለትና ስጋዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ስቕለትዩ። ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ንሓጢኣት ብምእባይን ካብ ሓጢኣት ምዉታት ንኸውን። ጐይታና ንሓጢኣትና ኻባና ንኼርሕቕ ስለ ዝተሰቕለ፡ ብምሉእ ፍቓድናን ብዅሉ ሓይልናን ሓጢኣት ካባና ኺርሕቀልናን ከይጠብቀናን ምስ ንጋደል፡ መስቀልና ኣልዒልና ንክርስቶስ ጐይታና ኣብ ስቕለቱ ሓቢርናዮ ኣለና ማለትዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ዕላማ ምስንነብርን ምስነተግብርን፡ መንፈሳውን ግብራውን ስቕለት ተሰቒልና ኸም ዘለና ርጉጽ ይኸውን። ንሓጢኣትና ኼርሕቕ ስለ ዝሞተ፡ ሓጢኣት ካባና ኸም ዚርሕቕ እንተ ገበርና፡መስቀልና ንመስቀሉ፡ ሞትና ኸኣ ንሞቱ መሲሉ ኣሎኽንብል ንኽእል ኢና። ንሕና ንሓጢኣትና እነርሕቐሉ መገዲ ኽልተዩ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ብምንሳሕንዩ። ስለ ምስጢረ ንስሓውን፡ ልክዕ ከም ምስጢረ ጥምቀት፡ ናይ መስቀልን ናይ ሞትን ምስጢርዩ። ክንሰርቕ፡ ክንሕስው፡ ክንዝምው፡ ክንበኣስ፡ ክንቅየም፡ ክንጻረፍ፡ ክንስስዕ፡ ክንሓምይ ወዘተ ዚድርኸና ዅነታት ምስ ዚፍጠር፡እምብለይ፡ ነዚ ነውራም ሓጢኣት ኣይውዕሎንየ፡ ምስ ክርስቶስ ዝተሰቐልኩ ክርስትያንየ፡ ንሞት ክርስቶስ ከንቱ ኣይገብርን፡ ብመስዋእቱን ብደሙን ኣይላገጽንየ።ዚብል ጽኑዕ መርገጺ ምስንወስድ ምስነተግብሮ ናይ ብሓቂ ስቑላት ክርስትያን ኢና። ሰይጣንን ሓጢኣትን ሰራማትዮምሞ፡ ኣብ ገሊኡ ተሳዒርና ሓጢኣት ምስ ዚጠብቀና፡ ከይወዓልና ኸይሓደርና፡ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኻብ ሓጢኣት ዝሞትኩ ሰብየ፡ ብምስጢረ ንስሓ ብደም ክርስቶስ እሕጸብምበር፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕለይ ነጊሱ ኺነብር ኣይፈቅድንየ።ኢልና ዘይንጠዓሰሉ ሓቀኛን ንህይወት ዚኸውንን ንስሓ ምስንፍጽም፡ ደጊምና ርእስና ሰቒልና ኣለና ማለትዩ። እዚ መንፈሳዊ ገድሊ ዕድሜና ምሉእ፡ መዓልቲ መጸ ደጋጊምና ስለንፍጽሞዩ፡ ጐይታናኣብ ጸጽባሕ መስቀልኩም ኣልዕሉዝበለና። ጐይታና ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ናቱ ስቕለትን ሞትን ዘይድገምን ዘለኣለማውንዩ። ንሕና ግና ይትረፍ ግብርና፡ ንሕና ንርእስናውን ጊዝያውያንን ሓለፍትን ኢና። ስለ ኣብ ጸጽባሕ መዓልቲ መጸ ኢና ንፍጽሞምበርሓንሳእ ፈጺመዮኢልና፡ ናይ ሓዋሩ ኪዀነልና ኣይንጽበይን ኢና።

ስቕለትና ንስቕለቱ ሞትና ድማ ንሞቱ ድሕሪ ምምሳሉ፡ ዚተርፈና ነገር እንተልዩ፡ ትንሳኤና ንትንሳኤኡ ምምሳሉ ምርግጋጽዩ። ክርስቶስ ጐይታና ንሓዋሩ ተሰቒሉን ሞይቱን ከም ዘይተረፈ፡ ንሕናውን ኣብ ስቕለትን ሞትን ተደሪትና ኣይንተርፍን ኢና። ስለ ንሓጢኣት ድሕሪ ሙማትና፡ መንፈሳዊ ትንሳኤ ተንሲእና፡ ንኣምላኽ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ከም ዚግብኣና ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩልና ኣሎ (ሮሜ 61-5) እዛንኣምላኽ ህያዋን ምዃንማለት ከኣ ብጽድቂ ምንባር ማለትያ። ንሓጢኣት ክንመውት ዘድለየ፡ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብርዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ ኣብ 1ጴጥ 224 ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መስቀልና ተሰቂልና ኻብ ሓጢኣት ድሕሪ ሙማትና፡ ናይ ግድን ብኻልእ ተግባር ክንትክኦ ኣለና። ኣይ ሓጢኣት ኣይ ጽድቂ፡ ካብ ኵሉ በዂርና ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ተንጠልጢልና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ክልቲኡ ርሒቕና ኽንነብር ንኽእል ብኣካለ ስጋ ምስ ሞትናን ተቐቢርና ሓመድን እምንን ምስ ጸቐጠናን ጥራሕዩ። ኣብ መዋቲ ስጋና ሓጢኣት ነጊሱ ኸሎ፡ ንሰይጣን ህያዋን ንኣምላኽ ግና ምዉታት ኢና። ንሓጢኣት ብስቕለትና ምስ ቀተልናዮን ምስ ኣርሓቕናዮን ብጽድቂ ምስ ተካእናዮ ግን፡ ንኣምላኽ ህያዋን ንሰይጣን ግና ምዉታት ንኸውን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ስቕለት ክርስትያን ናይ ዝተሰቕሉ ሰባት ኣብነት ኣሎናዶ፧ ኵሎምቶም ብእምነቶምን ብጽድቆምን ዝተመስከረሎም ሰባት ኣብነትናዮም። ዋላ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳንውን ርእሶም ስለ ዝሰቐሉዮም ጽድቂ ኣብ ምግባር ዝተዓወቱ (ዘፍ 396-12) ቅዱስ ጳውሎስ ግን ብግብሩ ዀነ ብቓሉ፡ ስቕለት ክርስትያን ከም ዝተሰቕለ ተኣሚኑ ኣሎ።

ንኣምላኽ ህያው ኰይነ ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺአየ፡ ማለት ሕጊ ባዕሉ ቐቲሉኒዩ። ክርስቶስ ተሰቒሉዩ፡ ኣነ ኸኣ ምስኡ ተሰቒለየ። ደጊም ክርስቶስ ኣባይ ዚነብር ዘሎምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ ዝነብር ዘለኹ። ..... በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰነስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ።ገላ 219,20 614,15

እምበኣር እቲተሰቐሉዚብል ትእዛዝ ተዋሂቡና፡ ኣርኣያ ክርስቶስን ኣርኣያ ዅላቶም ቅዱሳንን ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ኣሎ። ዚተርፈና እንተሎ፡ ዓቲብና ምትግባሩ ጥራሕዩ።

ስለ ናብ ርእስና ምልስ ኢልና፡ ምስሊ ህይወትና ንፈትሽ። ንመን ንመስል ኣለና፡ ነቲ ስቑል ክርስቶስዶ ንመስል፡ ወይስ ነቶም ሰቐልቲ ክርስቶስ ንመስል ንኸውን፧ ንስቕለት ክርስቶስ ገዛእ ናብራናን ገዛእ ታሪኽናን ንግበሮምበር፡ ጸምበልቲ ስቕለት ክርስቶስ ጥራሕ ኣይንኹን። ክርስቶስ ጐይታና፡ ኣድነቕትን ኣጣቓዕትን ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ መስቀል ጕዕዞ ሰዓብትን መኻይድትን ክንኰኖ ዝጸውዓና። እምበኣር ምስ ክርስቶስ ንሰቐልሞ፡ ንናብራ መስቀል ንንበሮ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

10 መጋቢት 2024 | መጋቢት 1, 2016 ግዕዝ (መበል 26 ሰንበት: ቊ.፳፮/26)

ምስባክ

 መዝ.፪፡፲-፲፪

“ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።”

ዓዲ፡ መዝ.፺፱(፻)፡፫-፭

“ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ።ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ። ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 5፡13-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡1-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 15፡25-35

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡10-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div