“እቶም ናይ ክርስቶስ (ዝዀኑ ዅላቶም) ከኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም። ብመንፈስ ህይወት ዝረኸብና (ሰባት) እንተ ደኣ ዄንና፡ ብመንፈስ ንንበር።” ገላ 5፡24,25 ካ.ት
እንሆ ብረድኤት ኣምላኽ ናብ’ዛ ቐዳመይቲ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም በጺሕና ኣለና። ካብ ዘመነ ኣስተርእዮ ናብ ዘመነ ጾም ንኣትው ኣለና። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዛ ቐዳመይቲ ሰንበት’ዚኣን እዚ ዚስዕብ ክሳዕ ቀዳም ዘሎ ሰሙንን “ዘወረደ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ’ቲ ኻብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ዝዀነን ምእንታና ሞት-መስቀል ዝሞተን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትንን፡ ነቲ ንሱ ኻብ ክብሩ ወሪዱ ምእንታና ዝተሳቐየሉን ዝተዋረደሉን ዕላማ ንነብር ምህላውና ርእስና ንኽንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያት’ዩ። እዛ ‘ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣብ ትሕቲ ሰይጣን እትግዛእ፡ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ዝጋዕዘየት ውድቕቲ ዓለም’ያ። ይትረፍ ፍጹም ኣምላኽ ናብኣ ወሪዱ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኺነብረላ፡ ብክርስቶስ ኣሚኑ ብሕድገት ሓጢኣት ዝጸደቖ ጻድቕ ሰብ’ኳ ኺነብረላ ዘይትበቅዕ ዓለም’ያ (እብ 11፡38)። ንኣምላኽ ይትረፍ ሓጢኣት ዓለም ጸይሩ ብስጋ ኺመውት፡ እታ ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ወሪዱ ብኣካለ ስጋ ኣብኣ ምንባሩ ጥራሕ’ውን፡ ኣዝዩ ዓብይ መከራን ውርደትን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ወልድ ምውራድ፡ ልክዕ ከም’ዚ ናትና ኻብ ላዕላይ ደርቢ ናብ ታሕታይ ደርቢ እንወርዶ ዓይነት ምውራድ ጌርና ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግብኣናን’ዩ። ነቲ ኻብ ሰማይ ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምውራዱ ብዓብይ ክብሪ ኽንርእዮን ዕዙዝ ምስጋና ኸነቕርበሉን፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ዝወረደሉ ዕላማ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ኽንነብሮን ክንትግብሮን’ዩ ናይ “ዘወረደ” ቕንያት ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተሰሪዑልና ዘሎ። “ወረደ፡ ወረደ” ኢልና ዘሚርናን ኣጣቒዕናን፡ ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ናብራና ግን ኣንጻር ናይ’ቲ ዝወረደሉ ዕላማ ንሰርሕን ንዋጋእን እንተ’ሊና፡ ጥበራናን ግብዝነትናን ካብ ምቅላዕ ዚሓልፍ ዝዀነ ኻልእ ትርጕምን ረብሓን ኣይህልዎን’ዩ።
ጐይታና ግን ክሳዕ’ዛ ዘለናያ ግእዝቲ ዓለም ጥራሕ ኣይኰነን ዝወረደ። ነቶም ብመስዋእቱ ኼድሕኖም ኣብ መዓሙቝ ሲኦል ኣብ ማእሰርቲ ዀይኖም ይጽበዩ ንዝነበሩ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ሓራ ንኼውጽእ ብሞቱ ኽሳዕ ሲኦል ወሪዱ’ዩ (ኤፌ 4፡8,9 ፣ 1ጴጥ 3፡18,19 ፣ 4፡6)። ጐይታና ምእንታና ኺብል፡ ካብ ልዑል ክብሪ ናብ ውርደት’ዩ ዝወረደ። ምውራድ እንተ ዘይፍጸም፡ ሞትን ትንሳኤን ኣይምተፈጸመን። ስለ’ዚ ኸኣ ድሕነት ኣይምተረኽበን ነይሩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ’ውን፡ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት” ዚብል’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ካብ ሰማይ ብዛዕባ ምውራዱ ጐይታና ባዕሉ ዝተዛረቦ ቓል ዝሓዘ’ዩ። “ብዘይካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፡ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ’ኳ የልቦን።” ዮሃ 3፡13
እዚ ቓል’ዚ ናይ ምስጢረ-ስጋዌ መሪሕ-ቃል’ዩ። ኣምላኽነት ናይ ጐይታና ዜረጋግጸልና ምስጢር ዝመልኦ ቓል’ዩ። ካብ ሰማይ ወሪዱ ወዲ ሰብ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ገና’ውን ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ፡ ካብ ምልኣት መለኮቱ ኸም ዘይጐደለ፡ ብህልውናኡ ሰማይን ምድርን ዚመልእ ኣምላኽ ምዃኑ ኺገልጸልና ዝበሎ ቓል’ዩ። ኣብ ስጋ ሓዲሩ ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ስለ ዝተገልጸ፡ ካብ’ቲ ምልኣት መለኮቱ ንላዕሊ ነቲ ብሓጺር ቍመትን ጸቢብ ደረትን ዝተገልጸ ናይ ስጋ ድሩትነቱ ጐሊሑ ኺረኣየና ኣይግባእን። ብመለኮቱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ሃለወ፡ ገለ ኽፋል ናይ መለኮቱ ጥራሕ ኣብ’ቲ ስጋ ኸም ዝሓደረ ጌርና ብምሕሳብ ከይንሃጽጽ ከኣ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣብ ሰብነት (ስጋ) ናይ ክርስቶስ መለኮት ብምልኣት ከም ዝሓደረ፡ መንፈስ ቅዱስ ብቕዱሳን ሃዋርያት ገሊጹልና’ዩ (ቈሎ 1፡19 ፣ 2፡9,10)። ቅዱሳን ኣቦታትና ንናይ ጐይታና ኻብ ሰማይ ምውራድ ኣጽንዖት ብምሃብ ርእሱ ዝኸኣለ ቕንያት ዝሰርዑሉ ምኽንያት፡ ጐይታና ባዕሉ ብዛዕባ ኻብ ሰማይ ምውራዱ ደጋጊሙን ጸቒጡን ብኣጽንዖት ስለ ዝተዛረበሉ’ዩ።
“......እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለም’ውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ’ዩ ...... ኣነ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ)’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። .... እቲ ኻብኡ ዚበልዕ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ’ዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ’የ። ካብ’ዚ እንጌራ’ዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር’ዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ’ዩ።” ዮሃ 6፡33,38,50,51,58
ስለ’ዚ “ብክርስቶስ እኣምን’የ” ዚብል ክርስትያን፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ኻብ ሰማይ ምውራዱ፡ ማዕረ’ቲ ጐይታናን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን፡ ዝሃብዎ ኣድህቦ ኼድህብሉ ይግብኦ። ኣይሁድ ነቲ ኣካላዊ ቍመናኡን ስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይትኡን ዝዓበየሉ ኸባብን ርእዮም፡ ነቲ “ካብ ሰማይ ወሪደ” ዝበሎ ቓል፡ “እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዴኡን ንሕና እንፈልጦም ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ደኣ፡ “ካብ ሰማይ ወረድኩ” ይብል ኣሎ፧” እናበሉ ንሓድሕዶም የጕረምርሙ ነበሩ (ዮሃ 6፡41,42)። ጐይታና መሊሱሎም ከም ዘሎ፡ ናይ ጐይታና ኻብ ሰማይ ምውራድ ዘይርድኦን ዘይምስጦን ሰብ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘይሰሓቦን ካብ ኣምላኽ ዘይተማህረን ሰብ ጥራሕ’ዩ (ዮሃ 6፡43-45)።
እዚ ንኣትዎን ንፍልሞን ዘለና ዓብይ ጾም፡ ስቕለትን ትንሳኤን ናይ ጐይታና ዘማእከለ ጾም’ዩ። ነዚ ዓብይ ጾም’ዚ ዓመት መጸ ኢና እንጾሞን እነኽብሮን። ንናይ ስቕለት ሞቱ ዓመት መጸ ንመሃሮን ነብዕሎን። ናይ ክርስትና እምነት ግን ብዛዕባ ዕብየትን ኣገዳስነትን ናይ ስቕለቱን ትንሳኤኡን ጥራሕ ኣይኰነን ዚምህረና። ዕላማ ናይ ስቕለቱ እንታይ ምዃኑ’ውን ብስፍሓትን ብዕምቈትን ይምህረና’ዩ። ብስቕለቱ፡ ንስሓን ምሕረትን ዕርቅን ቅድስናን ንጽህናን ንኺህበና ኸም ዝተሰቕለ ዅላትና ንፈልጥ ኢና። ገሌና ፈጺምና ዘይንፈልጦ፡ ገሌና ኸኣ ፈሊጥናዮ ኸነብቅዕ እናፈለጥና ፈቲና፡ ኰነ ኢልና እንርስዖ ኢና። እዚ ዕላማ’ዚ ጐይታና ኻብ ሰማይ ዝወረደሉን፡ ተሰቒሉ ዝሞተሉን፡ ሓይሊ ሞት ስዒሩ ዝተንስአሉን ዕላማ ስለ ዝዀነ፡ ናይ’ዚ ዓብይ ጾም ቀዳማይ ትምህርትና ዀይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ዘይተሰቕለ ክርስትያን ስቕለት ክርስቶስ ንፍርዲ ይዀኖ’ምበር፡ ኣይረብሓሉን’ዩ።
“ስቕለት ክርስትያን” ኢልካ ዘረባኸ እንታይ ዘረባኡ’ዩ፧ ክርስቶስ ጐይታናስ ንኣና ንኼድሕን ተሰቒሉ፡ ንሕናኸ ደኣ ንምንታይ ኢና ‘ንስቀል፧ እዚ ሕቶታት’ዚ ግሩም ዝዀነ መንፈሳዊ ብርሃን ዚኸስተልና፡ ኣዝዩ ኣገዳስን ወርቃውን ሕቶታት’ዩ። ነዚ ሕቶታት’ዚ ግቡእን ምሉእን መልሲ ዝረኸበ ሓታቲ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ሓቀኛ ውሳነን ስጕምትን ናይ ምውሳድ ተኽእሎኡ ኣዝዩ የስፍሓሉ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታ ዝተዛረቦ’ሞ ነዚ ሕቶና’ዚ ግቡእ መልሲ ዚህብ ክፍሊ ወንጌል ብኸም’ዚ ዚስዕብ ጽሒፉልና ኣሎ።
““ፍርዲ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ (ዚፍጸመሉ ጊዜ) ሕጂ በጽሐ። ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ (ዝዀነ ድያብሎስ) ሕጂ ናብ ወጻኢ ኺድርበይ’ዩ። ኣነ’ውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ’የ” በሎም። ብኸመይ ዝኣመሰለ ኣማውታ ከም ዚመውት ንኼመልክተሎም’ዩ እዚ ዝበለ።” ዮሃ 12፡31,32
ብመሰረት ኣገላልጻ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ካብ ምድሪ ልዕል ምባሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝሞቶ ሞት ዜመልክት’ዩ። በዛ ስቕለቱ’ዚኣ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ናብኡ ናብ’ታ መስቀል ኪስሕቦ ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ። ጐይታና ነዛ ቓል’ዚኣ ዝተዛረበ ኣብ መንጎ ሆሳእናን ኣብ መንጎ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ሓሙስ ምሸትን’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ናይ ሕማማት ሰሙን’ዩ ተዛሪብዋ። እዛ ቓል’ዚኣ ብዛዕባ ናትና ናይ ክርስትያን ስቕለት ናይ መጀመርታ ዘይኰነትሲ፡ ናይ መወዳእታ ዘረብኡ’ያ። እታ ናይ መጀመርታ ዘረብኡ ደኣ ኣበይ’ያ ትርከብ፧
“ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ “ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (ሰብ) እንተ’ሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ። ንህይወቱ (ኻብ መስቀል) ኬድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን (ኣብ መስቀሉ) ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና’ዩ።” ማር 8፡34,35 ፣ ሉቃ 9፡23,24 ፣ ማቴ 16፡24,25
እዚ ቕዱስ ወንጌል ነጊሩና ኸም ዘሎ፡ እዚ ቓል’ዚ ንደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ’ቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ህዝቢ’ውን’ዩ ዝተዛረቦ። ስለ’ዚ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን’ውን ከም ዚምልከት ብንጹር ተመልኪቱ ኣሎ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስዕብ ዘሎን ኪስዕብ ንዚደልይን ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚምልከት ትእዛዝ’ዩ። ነናትና መስቀል ኸነልዕል’ምበር፡ ናይ ክርስቶስ መስቀል ከነልዕል ኣይተነግረናን። ጐይታና ናቱ መስቀል ከም ዘልዓለ፡ ንሕና’ውን ነናትና መስቀል ከነልዕል’ዩ ኣዚዙና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል’ዩ ዝተሰከሞ፡ ገዛእ ስጋኡ ኸኣ’ዩ ኣብኡ ሰቒሉ ብስጋ ዝሞተ። ንሕና ግን ነዚ ግዙፍ ስጋና’ዚ ኽንሰቅል ኣይተኣዘዝናን። ከምኡ እንተ ዚኸውን’ሞ፡ ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ስቕለትና ስለ ‘ንመውት፡ እናፈለጠ “ኣብ ጸጽባሕ መስቀሉ የልዕል” ኣይምበለናን ነይሩ። ናትና መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ኣልዒልና ንስቀለላ ኻብ ኰንና፡ ስቕለትና ብዓይነቱ ኻብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ስቕለት ዝተፈልየ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ብርግጽ ናይ ስጋ ሞት ዚምወቶ መስቀል ዜልዕሉ ውሑዳት ሰባት ከም ዘለዉ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ቍልቁል ኣፉ ተደፊኡ ኸም ዝተሰቕለ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ይነግረና’ዩ። ገሊኣቶም ከኣ ተሰዪፎም፡ ተመጊዞም፡ ብሓዊ ተሃሚኾም፡ ብኣራዊት ተበሊዖም ዝሞቱ’ሞ፡ ናይ ስጋ መስቀሎም ዘልዓሉ ኣለዉ። እዚ ናይ ሞት መስቀል’ዚ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኸም ኵላትና ዝተሰከምዎ ነናቶም መስቀል ተደራቢ’ዩ።
እዚ ዘንበብናዮ ናይ ማር 8፡34,35 ጥቕሲ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ንሕና እንስቀሎ ስቕለት፡ ምእንቲ ርእስና ወይ ምእንቲ ኻልኦት ሰባት ዘይኰነ፡ ምእንቲ ክርስቶስን ምእንቲ ወንጌልን’ዩ። ከም’ቲ ንሱ ምእንታና ኣብ መስቀሉ ዝተሰቕለ፡ ንሕና ድማ ምእንትኡ ኣብ መስቀልና ንስቀል ማለት’ዩ። እቲ ዕላማ ናይ’ቲ ስጋዊ ስቕለት ክርስቶስን፡ ዕላማ ናይ’ቲ መንፈሳዊ ስቕለትናን ግን ኣዝዩ ዝተፈላለየ’ዩ። እታ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትና ዝተሰቕለላ ስቕለት፡ ናይ ስጋ ስቕለት’ያ። ምኽንያቱ ምእንታና ብስጋ መከራ ኸም ዝጸገበ ቅዱሳን ሃዋርያት ኣነጺሮም ነጊሮምና’ዮም (1ጴጥ 4፡1 ፣ 3፡18 ፣ ሮሜ 8፡3 ካ.ት)። እንተ ዀነ በቲ ቕድሚ ስቕለት ስጋኡ ዝነበረ ናብራኡ፡ ናብራ መስቀል ይነብር ከም ዝነበረ ቕዱስ ወንጌል ተሪኹልና ኣሎ። እዚ ማለት፡ ፍቓዱ ገዲፉ ንፍቓድ ኣቦኡ ይፍጽም ምንባሩ፡ ክብሪ ናይ’ቲ ዝለኣኾ ኣቦኡ’ምበር ክብሪ ርእሱ ዘይምድላዩ፡ ዋላ’ኳ ብሰይጣንን ብሰባትን ብኸቢድ ይፍተን እንተ ነበረ ሓጢኣት ዘይምፍጻሙ፡ ወዘተ፡ ናይ’ቲ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ መስቀል መርኣያ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብኣካል-ስጋ’ኳ እንተ ዘይተሰቕለ እቲ ዅሉ ናብራኡ ግን ናይ ዝተሰቕለ ሰብ ናብራ ነበረ። ነዚ ኢና “መንፈሳዊ ስቕለት” እንብሎ። “ስቕለት ክርስትያን ንሰቐል” ኪበሃል ከሎ’ምበኣር፡ ነዚ ኣርኣያ ክርስቶስ’ዚ ንስዓብ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ነናይ ዕለቱ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና፡ ናይ’ቲ መንፈሳዊ ስቕለቱ ኣርኣያ ንኽተል። ብምኽንያት እምነትና ብስጋና መከራ መስቀል እንቕበለሉ ዅነታት ኪኽሰት ከሎ ድማ፡ ኣርኣያ ናይ’ቲ ስጋዊ ስቕለቱ ንኽተል ማለት’ዩ። ናይ ሎሚ ትምህርትና ግን ኣብ’ቲ ስጋዊ ስቕለቱ ብኸመይ ብመንፈሳዊ ስቕለትና ኽንሓብሮ ኸም ዚግብኣና ዚገልጽ’ዩ። ንሱ ምእንቲ ሓጢኣትና፡ ንሓጢኣትና ምእንቲ ኼርሕቐልና’ዩ ብስጋኡ ዝተሰቕለ። ንሕና ግና ምእንቲ ሓጢኣቱ ኣይኰንናን ንስቀል፡ ምኽንያቱ ንሱ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን’ዩ። ንሕና ምእንቲ ኽብሩ ኢና ንስቀል። ጐይታና፡ ብዛዕባ’ቶም መስቀሎም ዘልዓሉ ቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣነ’ውን ኣባታቶም ከበርኩ” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ዮሃ 17፡10)። ብዛዕባና’ውን እዛ ምስክርነት’ዚኣ ምእንቲ ኺህብ ኢና ንስቀል። ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሰብ ካብ ዝዀነሉ ዕላማታት ሓደ እንታይ ምዃኑ ጐይታና ባዕሉ፦ “ኵሉ ሰብ ከም’ቲ ነቦ ዜኽበሮ ገይሩ (ንወልድ) ምእንቲ ኬኽብሮስ ፍርዲ ዘበለ (ንወልድ) ሃቦ’ምበር፡ ኣቦ ንሓደ’ኳ (ባዕሉ) ኣይፈርድን’ዩ። እቲ (ንወልድ) ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ’ውን ኣየኽብሮን’ዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 5፡22,23)። ኵሉ ሰብ ኪስቀል ዘድለየሉ ምኽንያት ንወልድ ማዕረ ኣቦ ምእንቲ ኬኽብሮ’ዩ። እቲ ፍርዲ ንእኡ ስለ ዝተዋህበ፡ ነቲ ኣብ መስቀሉ ዘየኽበሮ እንታይ ከም ዚፈርዶ ኸይተሓልመ ዝተፈትሐ፡ ርዱእ ሓቂ’ዩ። ነዚ ኽብሪ’ዚ ግን ካባና ጥራሕ ኣይኰነን ዚጽበዮን ዚረኽቦን። ብዓብዩ እግዚኣብሄር ኣቦ ባዕሉ’ውን ኣዝዩ ኬኽብሮ’ዩ። ጐይታና ኻብ ኣቦኡ ኸምኡ ትጽቢትን ድልየትን ስለ ዝነበሮ፡ ኸምኡ ኢሉ ተኣሚኑን ጸልዩን’ዩ (ዮሃ 17፡4,5 ፣ 13፡31)። ነዚ ኽብሪ’ዚ ኻብ ኣቦኡ ኸም ዝተቐበሎ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ (ፊል 2፡6-11)። ንሕና ኸኣ ብስጋና ንኣምላኽ ከነኽብሮ ብኣጽንዖት ተኣዚዝና ኣለና (1ቈረ 6፡19,20 ፣ 10፡31 ፣ 2ተሰ 1፡11,12)። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ነቲ ንጐይታና ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ብግብሪ ስለ ዝፈጸሞን ንኣና ኣርኣያ ምእንቲ ኪዀነና ኢሉ፡ ነዚ ዚስዕብ ግሩም ተኣምኖ ተኣሚኑ ኣሎ።
“(ንክርስቶስ ናይ ምኽባር) ተግባረይ ንምፍጻም ከይሓፍር ብዓል ምሉእ ተስፋን ሃረርታን’የ። ከም’ቲ ዅሉ ሳዕ (ዝገብሮ) ሕጂ’ውን እንተ ዀነ፡ እንተ ብህይወት እንተ ብሞት (ብስጋይ) ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮ’የ። (ምኽንያቱ) ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ’ዩ፡ (ምእንትኡ) ሙማት ከኣ ረብሓይ’ዩ።” ፊል 1፡20,21 ካ.ት
ሕራይ፡ ዕላማ ስቕለትና ንክርስቶስ ምኽባር ምዃኑ በሪሁ ኣሎ። ግን ብኸመይን ኣብ ምንታይን ኢና ኽንስቀል፧ ብኸመይ ኢናኸ ከነኽብሮ ‘ንኽእል፧ ነዚ ሕቶና’ዚ መሪሕ ጥቕስና መሊስዎ ኣሎ። ምስ’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልእ መልእኽታቱ ገሊጽዎ ዘሎ ኣገናዚብና ምስ ‘ንርእዮ፡ ምሉእ መልስን ርድኢትን ክንቀስም ኢና፡
“ምስኡ ሓቢርና እንተ ሞትና፡ ምስኡ ሓቢርና ኸም ‘ንትንስእ ርጉጽ’ዩ። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና (እቲ ሓጥእ ባህርይና)፡ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ (ምስ ክርስቶስ) ዝሞተ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፡ ምስኡ ብህይወት (ብጽድቂ) ከም ‘ንነብር ድማ ንኣምን ኢና። ብሞቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንሓጢኣት’ዩ ዝሞተ፡ ብህይወቱ ግና ንኣምላኽ’ዩ ዚነብር፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ (ጽድቂ ንምግባር) ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ። እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ’ምበር፡ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ። ንኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። ከመይ ትሕቲ ጸጋ’ምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን’ዩ።” ሮሜ 6፡5-8,10-14 ካ.ት
ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ድሮ ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና፡ ስቕለትና ስጋዊ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ስቕለት’ዩ። ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ንሓጢኣት ብምእባይን ካብ ሓጢኣት ምዉታት ንኸውን። ጐይታና ንሓጢኣትና ኻባና ንኼርሕቕ ስለ ዝተሰቕለ፡ ብምሉእ ፍቓድናን ብዅሉ ሓይልናን ሓጢኣት ካባና ኺርሕቀልናን ከይጠብቀናን ምስ ንጋደል፡ መስቀልና ኣልዒልና ንክርስቶስ ጐይታና ኣብ’ቲ ስቕለቱ ሓቢርናዮ ኣለና ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ዕላማ ምስ ‘ንነብርን ምስ ‘ነተግብርን፡ መንፈሳውን ግብራውን ስቕለት ተሰቒልና ኸም ዘለና ርጉጽ ይኸውን። ንሓጢኣትና ኼርሕቕ ስለ ዝሞተ፡ ሓጢኣት ካባና ኸም ዚርሕቕ እንተ ገበርና፡ “መስቀልና ንመስቀሉ፡ ሞትና ኸኣ ንሞቱ መሲሉ ኣሎ” ኽንብል ንኽእል ኢና። ንሕና ንሓጢኣትና እነርሕቐሉ መገዲ ኽልተ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ብምንሳሕን’ዩ። ስለ’ዚ ምስጢረ ንስሓ’ውን፡ ልክዕ ከም ምስጢረ ጥምቀት፡ ናይ መስቀልን ናይ ሞትን ምስጢር’ዩ። ክንሰርቕ፡ ክንሕስው፡ ክንዝምው፡ ክንበኣስ፡ ክንቅየም፡ ክንጻረፍ፡ ክንስስዕ፡ ክንሓምይ ወዘተ ዚድርኸና ዅነታት ምስ ዚፍጠር፡ “እምብለይ፡ ነዚ ነውራም ሓጢኣት’ዚ ኣይውዕሎን’የ፡ ምስ ክርስቶስ ዝተሰቐልኩ ክርስትያን’የ፡ ንሞት ክርስቶስ ከንቱ ኣይገብርን፡ ብመስዋእቱን ብደሙን ኣይላገጽን’የ።” ዚብል ጽኑዕ መርገጺ ምስ ‘ንወስድ’ሞ ምስ ‘ነተግብሮ ናይ ብሓቂ ስቑላት ክርስትያን ኢና። ሰይጣንን ሓጢኣትን ሰራማት’ዮም’ሞ፡ ኣብ ገሊኡ ተሳዒርና ሓጢኣት ምስ ዚጠብቀና፡ ከይወዓልና ኸይሓደርና፡ “ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኻብ ሓጢኣት ዝሞትኩ ሰብ’የ፡ ብምስጢረ ንስሓ ብደም ክርስቶስ እሕጸብ’ምበር፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕለይ ነጊሱ ኺነብር ኣይፈቅድን’የ።” ኢልና ዘይንጠዓሰሉ ሓቀኛን ንህይወት ዚኸውንን ንስሓ ምስ ‘ንፍጽም፡ ደጊምና ርእስና ሰቒልና ኣለና ማለት’ዩ። እዚ መንፈሳዊ ገድሊ’ዚ ዕድሜና ምሉእ፡ መዓልቲ መጸ ደጋጊምና ስለ ‘ንፍጽሞ’ዩ፡ ጐይታና “ኣብ ጸጽባሕ መስቀልኩም ኣልዕሉ” ዝበለና። ጐይታና ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ናቱ ስቕለትን ሞትን ዘይድገምን ዘለኣለማውን’ዩ። ንሕና ግና ይትረፍ ግብርና፡ ንሕና ንርእስና’ውን ጊዝያውያንን ሓለፍትን ኢና። ስለ’ዚ ኣብ ጸጽባሕ መዓልቲ መጸ ኢና ንፍጽሞ’ምበር “ሓንሳእ ፈጺመዮ’የ” ኢልና፡ ናይ ሓዋሩ ኪዀነልና ኣይንጽበይን ኢና።
ስቕለትና ንስቕለቱ ሞትና ድማ ንሞቱ ድሕሪ ምምሳሉ፡ ዚተርፈና ነገር እንተ’ልዩ፡ ትንሳኤና ንትንሳኤኡ ምምሳሉ ምርግጋጽ’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና ንሓዋሩ ተሰቒሉን ሞይቱን ከም ዘይተረፈ፡ ንሕና’ውን ኣብ ስቕለትን ሞትን ተደሪትና ኣይንተርፍን ኢና። ስለ’ዚ ንሓጢኣት ድሕሪ ሙማትና፡ መንፈሳዊ ትንሳኤ ተንሲእና፡ ንኣምላኽ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ከም ዚግብኣና ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺሩልና ኣሎ (ሮሜ 6፡1-5)። እዛ “ንኣምላኽ ህያዋን ምዃን” ማለት ከኣ ብጽድቂ ምንባር ማለት’ያ። ንሓጢኣት ክንመውት ዘድለየ፡ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ከም ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ 1ጴጥ 2፡24 ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ መስቀልና ተሰቂልና ኻብ ሓጢኣት ድሕሪ ሙማትና፡ ናይ ግድን ብኻልእ ተግባር ክንትክኦ ኣለና። ኣይ ሓጢኣት ኣይ ጽድቂ፡ ካብ ኵሉ በዂርና ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ተንጠልጢልና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ካብ ክልቲኡ ርሒቕና ኽንነብር ንኽእል ብኣካለ ስጋ ምስ ሞትናን ተቐቢርና ሓመድን እምንን ምስ ጸቐጠናን ጥራሕ’ዩ። ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋና ሓጢኣት ነጊሱ ኸሎ፡ ንሰይጣን ህያዋን ንኣምላኽ ግና ምዉታት ኢና። ንሓጢኣት ብስቕለትና ምስ ቀተልናዮን ምስ ኣርሓቕናዮን’ሞ ብጽድቂ ምስ ተካእናዮ ግን፡ ንኣምላኽ ህያዋን ንሰይጣን ግና ምዉታት ንኸውን።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ስቕለት ክርስትያን ናይ ዝተሰቕሉ ሰባት ኣብነት ኣሎናዶ፧ ኵሎም’ቶም ብእምነቶምን ብጽድቆምን ዝተመስከረሎም ሰባት ኣብነትና’ዮም። ዋላ ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን’ውን ርእሶም ስለ ዝሰቐሉ’ዮም ጽድቂ ኣብ ምግባር ዝተዓወቱ (ዘፍ 39፡6-12)። ቅዱስ ጳውሎስ ግን ብግብሩ ዀነ ብቓሉ፡ ስቕለት ክርስትያን ከም ዝተሰቕለ ተኣሚኑ ኣሎ።
“ንኣምላኽ ህያው ኰይነ ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺአ’የ፡ ማለት’ቲ ሕጊ ባዕሉ ቐቲሉኒ’ዩ። ክርስቶስ ተሰቒሉ’ዩ፡ ኣነ ኸኣ ምስኡ ተሰቒለ’የ። ደጊም ክርስቶስ’ዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ ዝነብር ዘለኹ። ..... በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነ’ውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰነስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ።” ገላ 2፡19,20 ፣ 6፡14,15
እምበኣር እቲ “ተሰቐሉ” ዚብል ትእዛዝ ተዋሂቡና፡ ኣርኣያ ክርስቶስን ኣርኣያ ዅላቶም ቅዱሳንን ኣብ ቅድሜና ተነቢሩልና ኣሎ። ዚተርፈና እንተ’ሎ፡ ዓቲብና ምትግባሩ ጥራሕ’ዩ።
ስለ’ዚ ናብ ርእስና ምልስ ኢልና፡ ምስሊ ህይወትና ንፈትሽ። ንመን ንመስል ኣለና፡ ነቲ ስቑል ክርስቶስዶ ንመስል፡ ወይስ ነቶም ሰቐልቲ ክርስቶስ ንመስል ንኸውን፧ ንስቕለት ክርስቶስ ገዛእ ናብራናን ገዛእ ታሪኽናን ንግበሮ’ምበር፡ ጸምበልቲ ስቕለት ክርስቶስ ጥራሕ ኣይንኹን። ክርስቶስ ጐይታና፡ ኣድነቕትን ኣጣቓዕትን ዘይኰነስ፡ ኣብ’ታ ናይ መስቀል ጕዕዞ ሰዓብትን መኻይድትን ክንኰኖ’ዩ ዝጸውዓና። እምበኣር ምስ ክርስቶስ ንሰቐል’ሞ፡ ንናብራ መስቀል ንንበሮ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
10 መጋቢት 2024 | መጋቢት 1, 2016 ግዕዝ (መበል 26 ሰንበት: ቊ.፳፮/26) |
||
ምስባክ መዝ. .፪፡፲-፲፪ “ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።” ዓዲ፡ መዝ.፺፱(፻)፡፫-፭ “ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ።ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ። ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ገላ 5፡13-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡1-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 15፡25-35 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 3፡10-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ