S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ድቃስ ተበራበሩ (መበል 15 ሰንበት: ቊ.፲፭/15, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ምድሓን ካብ ዝኣመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎሞ፥ ሕጂ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።ሮሜ 1311,12

እንሆ እዚ ዕለት ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጾምዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ታሕሳስ 14 ኽሳዕ ታሕሳስ 20 ዘሎ ቕንያትብርሃንይብሃል። ብርሃን ዝተሰምየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ልደቱ ኸነብዕል ብተስፋን ብሃንቀውታንንጽበዮ ዘለና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብርሃን ዓለም ስለ ዝዀነዩ። እቶም ብስሞም ጾም ዝተሰርዓሎም ቅዱሳን ነብያት፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝሃብዎ ትንቢት፡ ነዛ ብድቕድቕ ጸልማት ተዋሒጣ ዘላ ዓለም ዓብዪ ብርሃን ይመጸላ ኸም ዘሎ እናበሰሩዮም ዝሓለፉ። ብፍላይ ነብዪ ኢሳይያስ፦

ናብ ምድሪ ኺጥምቱዮም፡ እንሆውን ጸበባን ጸልማትን ዜሽብር ጽልግልግታን ኣሎ። ናብ ድቕድቕ ጸልማት ኪድፍኡዮም። ግናኸ ኣብ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርንዩ፡ ...... እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነብሩውን ብርሃን ወጻሎም።ኢሉ ዝተነበዮ ቓል፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ኢሳ 822 91,2) ከም ዝተነግረሉ ትንቢት ድማ፡ ጐይታና ኣብ ብህዝቢ እስራኤል ንዑቕ ዝዀነ ኣውራጃ ገሊላ ከተማ ናዝሬት ብምዕባይን ወንጌል ብምስባኽን ብግብሪ ፈጸሞ (ማቴ 223 412-16 ዮሃ 145,46 750-52) ብርሃን ዓለም ምዃኑ ድማ ንሱ ባዕሉን ኵላቶም ሃዋርያቱን ደጋጊሞም ዘረጋገጽዎ ሓቂ (ዮሃ 16-9 318-21 812 94,5 119,10 1235,36,46 1ዮሃ 28) ብመሰረቱ ብርሃን፡ መለኮታዊ ባህርይዩ። እግዚኣብሄር ብርሃናዊ ኣምላኽ (ዮሃ 812 95 1235,36,46) እግዚኣብሄር ወልድውን፡ ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠን፡ ብርሃናዊዩ። ስጋና ለቢሱ፡ኢየሱስተሰምዩ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረወን፡ እቲ ብርሃናዊ ባህርዩ ኣይተፈልዮን። ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃናውነት ድርብዩ። እቲ ቐዳማይ ብርሃንነቱ፡ እቲ ብዓይኒ ኺረኣይ ዚኽእል ኣካላዊ ብርሃን ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተገልጸሉን፡ በቲ ንሳውል (ቅዱስ ጳውሎስ) ኣብ መገዲ ደማስቆ ዝተራእዮን ዚግለጽ (ማቴ 172 ግብ 93-5 226-8 2612-15) እቲ ኻልኣይ ድማ፡ በቲ ግብራዊ ህይወቱን በቲ ዚሰብኮ ወንጌልን ዚህቦ ዝነበረ መንፈሳዊ ብርሃን (2ቈረ 44,6 2ጴጥ 119) ጐይታናንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹምኪብለና ኸሎ፡ ነቲ ቐዳማይ ዘይኰነ ነዚ ኻልኣይ ተወራሲ ባህርዩ ኣመልኪቱ ዝበሎ (ማቴ 514 ፊል 215)

እምበኣር እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ሰሪዓትልና ዘላ ዘመነ ብርሃን፡ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ብርሃናዊ ባህርይ ከነስተንትንን ክንውድሶን፡ ነቲ ዘይቅረብ ብርሃን ዝዀነ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ምእንቲ ድሕነትና ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእከልና ኺገሃድን፡ ነቲ መንፈሳዊ ብርሃኑ ኼብርሃልናን ብምልኣኹ ምሉእ ዘይጕዱል ምስጋናን ውዳሰን ከነቕርብ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ንሱ ብርሃን ዓለም ዝዀነ፡ ንኣናውንብርሃን ኢኹምዝበለና፡ ናይ ብሓቂ ብርሃንና ይበርህ ከም ዘሎ ኸነረጋግጽ ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልና ወርቃዊ ዘመንዩ። ንርእስኻ ኣብ ግብ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት እናሃለኻ ብዛዕባ ጐይታና፡ብርሃንዩ፡ ብርሃንእናበልካ ለይትን መዓልትን እንተ ተዛረብካን እንተ ተኣመንካን እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ምኽንያቱ ልሳንካ ደኣ ናይ ጥበራ ተልእኾኡ ዚፍጽም ዘሎምበር፡ ብግብራዊ ኣካይዳኻ በቲ ጸልማትካ ነቲ ብርሃኑ ኸተጥፍእ ትጋደልን ትዋግኦን ኢኻ ዘለኻ። ንርእስና ኣብ ብርሃን ሃሊና፡ ንርእስና ብርሃን ኴንና፡ኢየሱስ ብርሃንእንተ በልና ግን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ብርሃን ኣገልገልቲ ኢና። ምርጫናን ኣካይዳናን ብኣንጻሩ ናይ ጸልማት እንተ ዀይኑ ግን፡ ዘመነ ብርሃን ንኣና ፍርዳዊምበር ብስራታዊ ዘመን ኣይኰነን። እምበኣር ነዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ብርሃን ናብ ረብሓና ንለውጦ። ንርእስና ብርሃን ብምዃን ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ንምዃን ንጠቐመሉ።

ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡አቅዲም ነገረ በኦሪትዘርእስቱ፡ ናይ ክርስቶስ ብርሃንነት ገና ካብ ዘመነ ጸልማት፡ ካብ ዘመነ ኦሪት ኣትሒዙ ዝተነግረ ምዃኑ ዚገልጽዩ። ኵሉ በዚ ዕለት ዚንበብ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን እቲ ናይ ዕለት ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክንውን፡ ብርሃን-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ብፍላይ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ፡ ብዛዕባ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪምስክር ከም ዝመጸ ዚገልጽዩ። እምበኣር ንሕናውን ምስ ቅዱስ ዳዊት ኣቦና ዄንናብርሃንካን (ጽድቕኻን) ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒእናበልና ነቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ንማሕጸኖ።

ንምንታይ ኢና ኻብ ድቃስ ንበራበር፧ መዓስ ምስ ደቀስና ኢናኸ ኽንበራበር ዚድለይ ዘሎ፧ ወይስ ንድቃስውን ዓይነት ኣለዎዩ፧ ንድቃስ ዓይነት ስለ ዘለዎምበር፡ ኣብ ቅድሜኻ ኰፍ ኢሉ ይሰምዓካን የንብበካን ንዘሎ ሰብ፡ካብ ድቃስካ ተበራበርኣይበሃልንዩ። ተበራቢሩ ብንቑሑ ኸሎ፡ ኣብ ህልም ዝበለ፡ ምስ ሞት ዚዳረግ ድቃስ ዚነብር ሰብ ግን፡ኣዲኡ ትቝጸሮዜብል ማእለያ ዘይብሉዩ። ጽዉዓት እምብዛ ብዙሓት ክነሶም፡ እቶም ሕሩያት ግን ኣመና ኺውሕዱ ዝገበረ ድማ፡ እዚ ሰራም ናይ ሞት ድቃስዩ። ስለ ድማ ቅዱስ ወንጌል ካብ ድቃስና ኽንበራበር ደጋጊሙ ዚምሕጸነናን ዚእዝዘናን።

ቃል እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ዓይነት ድቃስ ከም ዘሎ ዚነግረና። እቲ ቐዳማይ፡ እዚ ኣብ ንእዲ ወይ ኣብ ዓራት ተጋዲምና እንድቅሶ፡ እንስሳታትውን ዚድቅስዎ ዓይነት ድቃስዩ። እዚ ድቃስ እግዚኣብሄር ዝፈጠሮ ንቡር ስነ-ተግባር (ፊዝዮሎጂ) ናይ ሰብነትናዩ። ኣእምሮናን ኣካላትናን ጽቡቕ ዕረፍቲ ረኺቡ፡ ሓይልን ንቕሓትን እንረኽበሉ ኣገዳሲ ፍጻመዩ። እዚ ድቃስ ምስ ዚሰኣን፡ ናይ ሕማም ምልክት ወይውን ናይ ሕማም ጠንቂ ኪኸውን ዚኽእልዩ። ከም ንቕዱሳን ሃዋርያት ኣብ ጌተሰማነ ዝገበሮም፡ እዚ ዝዓይነቱ ድቃስ ብጸሎት ካብ ምንቃሕን ካብ ካልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ኪዕንቅፍ ዚኽእል (ማቴ 2639-45 207-12)

እቲ ኻልኣይ ዓይነት ድቃስ ድማ፡ ኣካላዊ ሞትዩ። ሞት ስጋ፡ ድቃስ ምዃኑ ኣነጺሩ ዝገለጸ ጐይታና ባዕሉዩ። ኣልኣዛር ፈታዊኡ፡ ከም ዝሞተ፡ በቲ መለኮታዊ ፈላጥ-ኵሉ ባህርዩ ምስ ፈለጠ፡ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፡ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ኸተንስኦ ክኸይድብምባል፡ ሞት-ስጋ ድቃስ ምዃኑ ኣግሃደ (ዮሃ 1111-15) ኵላቶም ቅዱሳን ሃዋርያትውን ብዛዕባቶም ዝሞቱ ዅሎም፡ዝደቀሱእናበሉ ይገልጹ ነበሩ (1ቈረ 156,8,18,51 1ተሰ 514-16) ወንጌላዊ ማቴዎስውን፡ ጐይታና ኻብ ምውታት ምስ ተንስአ፡ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቕዱሳን ተንስኡብምባል መስኪሩልና ኣሎ (ማቴ 2752,53) ሞት-ስጋ ብድቃስ ዚምሰለሉ ምኽንያት፡ ብትንሳኤ ምብርባር ዘለዎ ድቃስ ስለ ዝዀነዩ። እዚ ናይ ሞት ድቃስ ዅሉ ሰብ ዚድቅሶ ዓይነት ድቃስዩ። መደምደምታኡ ድማ ጐይታና ብዳግማይ ምጽኣቱ ምስ መጸሞ፡ ትንሳኤ ዘጕባኤ ምስ ኰነዩ። ነዚ ድቃስተበራበሩዚብል ትእዛዝ ዚምልከቶ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኻብ ሞት ባዕሉ ኺትንስእ ዚኽእል የልቦን። ካብ ሞትዚኣ ጐይታና ጥራሕ ዜበራብረና፡ ኵላትና ድማ ኣብ ሓንቲ ጊዜ ብሓንሳእ ኢና ኽንበራበር (1ተሰ 513-18 ራእ 2011-15 ዮሃ 528,29)

እቲ ሳልሳይ ዓይነት ድቃስ ድማ፡ ብኣካለ-ስጋ ህያውን ንቑሕን እሃለኻ፡ እትድቅሶ ዓይነት መንፈሳዊ ድቃስዩ። ናይ ዕለት ትምህርትና ድማ ኣብ ብምርጫኻ እትድቅሶ ሓደገኛን ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎን ድቃስ ዘተኰረዩ። ነዛ ድቃስዚኣ ባዕላትና ፈቲና ኢናንድቅሳ፡ ባዕላትና ፈቲና ኸኣ ንበራበረላ። ብርግጽ ነዛ ድቃስዚኣ ኽትድቅሳ ዚጕስጕሰካ ሰይጣን ኣሎ፡ ከምኡውን ነዛ ድቃስዚኣ ኽትሕሰማን ክትሃድመላን ዜጠንቅቐካን ዜበራብረካን ጐይታውን ኣሎ። ነገሩ ግንፈሊጡ ዝደቀሰስ፡ ሓርማዝ ነይንቕንቖ”’ዩ። እቶም ነዛ ግናይ ድቃስዚኣ ዝፈትዉዋን ዝመረጽዋን ሰባት ምብርባር ዚኣብዮም፡ ከም ናይ ትኽስ ድቃስ፡ ናብ ዓሚቝ ድቃስ ስለ ዝኣተዉ፡ ናይ ኼበራብሮም ዝደለየ ኣካል ድምጽን ምንቕናቕን ምስማዕ ስለ ዝሰኣንዎ ኣይኰኑን። ከይሰምዕዎን ካብ ድቃሶም ከይበራበሩን ስለ ዝወሰኑዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ዝዓይነቱ ድቃስንቑሕ ድቃስኪበሃል ዚኽእልዩ። እናሰማዕካ፡ ንኽትሰምዕ ንኸይትሰምዕ ወይ ንኽትበራበር ንኸይትበራበር ውሳነታትን ስጕምትታትን እናወሰድካ እትድቅሶ ስግንጢር ድቃስዩ።

ነዚ ስግንጢር ድቃስ ናይ ዝመረጹ ሰባት ናብራን ህይወትን እንታይ ዚመስል፧ እዚ ድቃስ ውሒጡናን መሊኹናን ከም ዘሎኸ ብኸመይ ኢና ንፈልጥ፧ ድቃስን ጸልማትን ከቶ ዘይፈላለዪ መኻይድትን መጻምትንዮም። ዋላ ኣብ ባህርያዊ ናይ ትኽስ ድቃስውን፡ ጸልማት ኣብ ዝነገሰሉ ለይቲ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ዚድቅስ። ብርግጽ ኣብ ብርሃን ዘለዎ ሰዓታት ናይ መዓልቲውን ካብ ድኻምና ንምዕራፍ ወይውን ለይቲ ዝተዋሓደና ድቃስ ንምክሕሓስ ሕጽር ንዝበለ ጊዜ ቀም ነብል ኢና። ብዝተረፈ ድቃስን ጸልማትን ለይትን መሳንይቲዮም። ኣብ መንፈሳዊ ድቃስውን፡ ልክዕ ከምኡዩ። ግብ ኣብ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉዮም፡ ኣብ ከቢድ መንፈሳዊ ድቃስ ዚነብሩ። ከም ኣገላልጻ ናይ ብርሃና ንቤተ ክርስትያን ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማትን፡ ንሱ ኣብ ዝወለዶ መንፈሳዊ ድቃስን ዚነብሩ ሰባት፡ደቂ ጸልማት፡ ደቂ ለይቲይበሃሉ። ብኣንጻሩ እቶም ክርስቶስ ብዘብርሃሎም ብርሃን-ወንጌል ዚመላለሱን፡ ካብ መንፈሳዊ ድቃስ ተበራቢሮም ንቝሕ መንፈሳዊ ህይወት ዚነብሩ ንዅላቶም ድማደቂ ብርሃን፡ ደቂ መዓልቲይበሃሉ።

“(ኣቱም ደቂ መዓልቲ፡) መዓልቲ ጐይታ ኸም ስራቒ ብለይቲ ኸምትመጽእ ኣረጋጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም፡ሰላምዩ፡ ደሓንኺብሉ ኸለዉ፡ ንነፍሰ ጾር ቅልውላው ከም ዚሕዛ፡ (ነቶም ደቂ ለይቲ) ብሃንደበት ጥፍኣት ኪወርዶምዩ። ከቶውን (ኣይኬምልጡንዮም) ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተይ፡ ኣብ ጸልማት ስለ ዘይትነብሩ፡ እታ መዓልቲ (ጐይታ)’ቲኣ ከም ሰራቒ ኣይክትመጻኩምንያ። ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና (ክርስትያን) ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። እምበኣር፡ ንንቃሕ፡ ገዛእ ርእስናውን ንግታእ (ንጠንቀቕ) ደኣምበር፡ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን፡ ከመይ እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለ ዝዀንና፡ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና ናይ ድሕነት ተስፋ ኸኣ ከም ቍራዕ ርእሲ ደፊእና፡ ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር። 1ተሰ 52-8 .

እዚ ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ነዚ ኣርእስትና ብስእላዊ መገዲ ዜብርሃልና ግሩም መልእኽቲዩ። ድቃስ፡ ኣብ ጸልማት ናይ ዚነብር ሰብ ምርጫን ተግባርንዩ። ዋላ ኻልእ ተግባር ኪገብር እንተ መረጸውን፡ እቲ ጸልማት ኣይፈቕደሉንዩ። ስለ እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር፡ ግብሪ ጸልማት ጥራሕ ኪገብር ዚኽእል። ካብ ግብሪ ጸልማት ኪናገፍ እንተ ዀይኑ፡ ካብ መንፈሳዊ ድቃሱ ብር ኢሉ ተበራቢሩ፡ ቅድም ናብ ብርሃን ኪኣትው ይግብኦ። ሽዑ ዝደለዮ ዓይነት ግብሪ ብርሃን ንኺገብር ኣይጽገምንዩ። እዚ ጥቕስና ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ፍቕርን እምነትን ናይ ደቂ መዓልቲ ናይ ደቂ ብርሃንምበር፡ ናይ ደቂ ጸልማትን ደቂ ለይትን ተግባር ኣይኰነን። ኵሎምቶም እግዚኣብሄር ዚሕጐሰሎምን ዚኸብረሎምንፍረ-መንፈስወይውንሰናይ ግብሪዚስመዩ ዅላቶም ግብርታት፡ ናይ ደቂ ብርሃን ግብሪዮም። ካብ መንፈሳዊ ድቃሱ ዝተበራበረ፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝተኸፍተ ሰብ ጥራሕ ኪመርጾምን ኪትግብሮምን ዚኽእል። ሓድሓደ ጊዜ ሰባት ተባኢሶም ይጻልኡን ይቀያየሙንሞ፡ ካህናትን ለባማትን ተኣኪቦም ኣብ እግሮም ወዲቖም፡በጃኹም ተዓረቑ፡ ይቕረ ተበሃሃሉ፡ ስለዝግሄር፡ ስለ ማርያምእናበሉ ፈፈው ኢሎም እንተ ለመንዎም፡እምብለይኢሎም የቕብጹ። በቲ ቕዱስ ወንጌል ዝነገረና ኣገባብ ምርዳእ ስለንስእኖምበር፡ እዞም ሰባት ኣግሂዶም፡ንሕና ደቂ ጸልማት ስለ ዝዀንና፡ ነዚ ትብልዎ ዘለኹም ግብሪ ብርሃን ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ዕርቅን ሰላምን ፍቕርን ንኣና ነውሪዩ፡ እቲ ንጉስ ጸልማት ግብሪ ብርሃን ክንገብር ኣየፍቅደልናንእናበሉዮም፡ ግብራዊ መልእኽቲ ዚህቡና ዘለዉ። ንሓደ ብምንዝርና ዝቈማጣዕ ዘሎ ሰብእንታይ ግብሩ ኢኻትገብር ዘለኻ፧ ንዓ ግደፍ ተነሲሕካ ኪዳንካ ኣኽብር፡ ብቕድስና ብንጽህና ንበርኢልናዮ እንተ ዘይሰምዓና ኽንግረም ኣይግባእንዩ። ጸልማት፡ እምብዛ ሕሱምዩ። ጸልማት፡ ብዓይኒ ስጋ ኽትርእዮ ዘይትኽእል ረቂቕ መቝሕዩ። ስለ ብዘይካ ግብሪ ሓጢኣት ካልእ ምግባር ዚኸብደና ሰባት ምስንኸውን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፡ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ድቃስ ከም ዘለና ነስተውዕል። መንፈሳዊ ኣዒንትና ነቝሩን ዓዊሩን፡ ነዛ ምድራዊት ህይወትና ብሃሰስታ ንኸዳ ኸም ዘለና ነስተውዕል። ጸልማት ርጉም ድማ፡ ንጌጋናን ዕንቅፋትናን ብዕጽፍታት ዜባዝሖ። ንዓዲ ንኣትው ዘለና እናመሰለና ናብ በረኻ የእትወና፡ ኣብ መገዲ ኣለኹ እናበልና፡ ናብ ገደል የህትፈና። ስለ ኣብ ጸልማት ዲና ዘለና ኣብ ብርሃን፡ ደቂስና ዲና ዘለና ነቒሕና ኽንፈልጥ እንተ ደሊና፡ ነቲ ፍረ ህይወትና፡ ነተሓሳስባና፡ ንዘረባና፡ ንተግባርና ኢና ንምርምር። ኣብ ህይወትና ግብሪ ጸልማት በዚሑ እንተልዩ፡ ሽዑ ብርግጽ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድቃስን ኢና ዘለና። ኣብ እዋንዚኣ ኢና፡ ካብ ባርነት ጸልማት ኣምሊጥና ናብ ሓርነት ብርሃን ክንዕቈብ ዚግብኣና። ምኽንያቱ ህይወት ምርጫያ።

ብኸመይ ኢና ኻብ መንፈሳዊ ድቃስን ጸልማትን ከነምልጥንኽእል፧ ንምዃኑኸ ይከኣልዶዩ፧ ካብ ጸልማት ንኸነምልጥ እግዚኣብሄር ዚገብረልና ረድኤት ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ። ክርስቶስ ጐይታና ስጋና ለቢሱ ዝተገልጸን ምእንታና ዝሞተን ኻብ ጸልማት ንኼውጽኣናዩ። እቲ ንሱ ዝሰበኾን ዝሓደገልናን ቅዱስ ወንጌል፡ ንጸልማትና ዚቕንጥጥ ድሙቕ ብርሃንዩ። ንእኡ እንተ ፈለጥናዮን ፈቲና እንተ ተኣዘዝናዮን፡ መለኮታዊ ብርሃን ኣብ ልዕሌና ተወሊዑ ኣሎ ማለትዩ። እዛ ናይ መዓልቲዚኣ ትምህርትና ንርእሳ፡ እግዚኣብሄር ብቕዱስ ወንጌሉ ዝለኣኸልና ብርሃንያ። እቶም እዚ ብርሃን ናይ ብሓቂ ዝተራእየና ሰባት፡ ብኡንብኡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክንግዕዝ ኢና። እቶም ከም ሓደ ውሕሉል መደረምበር፡ ከም መልእኽቲ ናይ ኣምላኽ ዘይተቐበልናዮ ኸኣ፡ ኣብ ጸልማትናን ድቃስናን ክንቅጽል ኢና። ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ቍርባንን እግዚኣብሄር ካብ ጸልማትን ሳዕቤናቱንን ንኽንናገፍ ዝሰርዓልና ኽቡራት ምስጢራትዮም። እቶምጸልማተይን ድቃሰይን ይበልጸኒዚብል መርገጺ ዝወሰድና፡ ብዘይ ንስሓ ንነብር ሰንበት መጸ ኸኣ መኣዲ ጐይታ ረጊጽና ንወጽእ ኣለና። ክርስቶስ ጐይታና ብኣገልገልቱ ገይሩካብ ድቃስኩም ተበራበሩእናበለ ይንቕንቐና ኣሎ። ኣፍና ኻብ ምርምጣጥ ሓሊፍና ዝዀነ ስጕምቲ ዘይንወስድ እንተ ዄንና፡ ጐይታ ዀነ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑ፡ ፈጺሞም ኬበራቡሩና ኣይክእሉንዮም። ምኽንያቱ ኸኣ ነቲ ጸልማትን ነቲ ድቃስን እምብዛ ፈቲናዮ ስለ ዘለናዩ። ብዝተረፈ ቅዱስ ወንጌል ኣግሂዱ፦

ኣታ ደቂስካ ዘለኻ፡ ንቓሕሞ፡ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ኬብርሃልካዩ።ብምባል፡ ኣፍሊጡና (ኤፌ 514) ነቶም ኪነቕሑ ኺትንስኡ ዝመረጹ፡ ክርስቶስ ድሮ የብርሃሎምን ይመርሖምን ኣሎ። ነቶም ድቃስ ሞት ጥዒምዎም ዝኣበይዎ ኸኣ ብምሕረትን ብትዕግስትን ይጽበዮም ኣሎ። እታ ምድብቲ መዓልቲ ምጽኣቱ ምስ ኣኸለት ግና፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ፡ ብድቁሳቶም ብሃንደበት ከም ሰራቒ ኪመጾምዩ። ነቶም ሓቀኛታት ደቁ፡ ነቶም ወርትግ ነቒሖም ርእሶም እናገትኡ ብጥንቃቐ ዚነብሩ ግና፡ ኣዘንጊዑ ዘይኰነስ፡ እናረኣዩ እናሰምዑ፡ሃሌሉያ፡ እዚ ነቒሕና ዝተጸበናዮ ጐይታእናበሉ ርእሶም ኣቕኒዖም፡ ብሓጐስን ብእልልታን ኪቕበልዎዮም። እዛ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ ክርስትያን ንቑሓትን ድቁሳትን፡ ደቂ ለይትን ደቂ ብርሃንን ሓቝፋትነብር። ኣብ ትሕቲ ጽላል ናሕሲ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን እናሃለና፡ ገሌና ምዉታትን ድቁሳትን ኢና። እቶም ዝወሓድና ኸኣ ንቝሓትን ህያዋንን ኢና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንኣና ኺፈላልይ ዚመጽእ። ንስርናይ ናብ ቆፎኡ፡ ንሓሰር ናብ ሓዊ ኺድርብይ፡ ነባጊዕ ብየማኑ ነጣል ከኣ ብጸጋሙ ኬቕውም፡ ንድቁሳት ናብ ዘፍቅርዎን ዝመረጽዎን ዘለኣለማዊ ጸልማትን ስቓይን፡ ነቶም ንቑሓት ድማ ናብ ዝተጸበይዎ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኬእትወና ዚመጽእ። ድሕሪ ምጽኣት ምርጫኻ ዀነ ቦታኻ ናይ ምቕያር ዕድል ፈጺሙ የልቦን። ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ሰሚዕና እንበራበረላን፡ ካብ ስፍራ ጸልማት ናብ ስፍራ ብርሃን እንግዕዘላን ዕድል ሕጂ ጥራሕ (ዮሃ 524,25)

እምበኣር ሕጂ ብዘይንሕስያ ብዘይ ቃል-ዓለም ህይወትና ንመርምርሞ፡ ኣበየናይ ደምበ ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ካብ ነእምሮኻ ኣደንዚዙ ነዒንትኻ ኣጸልሚቱ ዚገዝእ ደምበ ድቃስን ጸልማትን ወጻኢ ኸም ዘለና ነረጋግጽ። ነተን ጠቢቐናና ዘለዋ ግብርታት ጸልማት ኣለሊና ኻብ ህይወትና ለቒምና ብንስሓ ነርሕቀን። ብምስጢረ ቍርባን፡ ብደም ክርስቶስ ተሓጺብና ህይወትና ነጽርይን ነጻዕድውን። እዚ ሕሱም ጸልማት ዝተጻወተልናን ዘነወረናን ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል። ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ሕያዋይን ምሕረተኛን ጓሳ፡ናብ ብርሃነይ ንዑእናበለ ይዕድመናን ይንቕንቐናን ኣሎሞ፡ ንበራበረሉ።ኣሓ ምስ ሓራዲአን ይውዕላኸም ዚበሃል፡ ኣብ ሕቝፊ ንጉስ ጸልማት ኣይንደቅስ፡ ንጸልማትን ድቃስንሲ ንህደመሉ ደኣ። ኣብ ሕቝፊ ናይ ንጉስ ብርሃን፡ ኣብ ክርስቶስ ንተዓቘብ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

24 ታሕሳስ 2023 | ታሕሳስ 14, 2016 ግዕዝ (መበል 15 ሰንበት: ቊ.፲፭/15)

ምስባክ

 መዝ.መዝ ፵፪(፵፫)፡፫

“ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።”

“ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 13፡8-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 1፡1-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 26፡12-23

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘወልደ ነጐድጓድ/ዘእግዚእነ| መዝሙርአቅዲሙ ነገረ በኦሪት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div